INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ህንፀት ሓይሊ ሰብ ትግራይ።

ህንፀት ሓይሊ ሰብ ትግራይ። Confucius ዝተብሃለ ቻይናዊ ፈላስፋ If you think in terms of a year, plant a seed; if in terms of ten years, plant trees; if in terms of 100 years, teach the people ብዝብሎ ልክዕ ምዕብልቲ ዓባይ ትግራይ እትግለፅ ዓበይቲ ፍልጠትን ክእለትን ብዝወነኑ በላሕቲ ተጋሩ እንተኾይና ትግራይ ኣበይ ኣላ? ታይ ኸ ይገበር?

ቁፅራዊ መዐቀኒ Intelligence ወይከኣ Intelligence Quotient (IQ) እታ ንዘመናት ዝነበርናላ ሃገር ትግራይ ሓዊሱ ማእኸላይ ናይ ህዝባ IQ 69 ምዃኑ ፅንዓታት የመላኽቱ፡፡ ብመሰረት Wechsler (WAIS–IV, WPPSI–IV) IQ classification ድማ ልዕሊ 130 Very Superior፣ 120–129 Superior፣ 110–119 High Average፣ 90–109 Average፣ 80–89 Low Average፣ 70–79 Very Low ፣ ትሕቲ 69 Extremely Low ብዝብል ይሰርዖም። ብሕልፊ ኣብ ትግራይ ሱር ዝሰደደ ፀገም ድኽዳኸን ከምዘሐሸሉ ብዕድሉ ይዕበ ዝዓይነቱ ፍልጠት ዝጎደሎ ኣተዓባብያ እሸላትን ድማ ዝለዓለ ኣሉታዊ ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ይፍለጥ።

ድኽዳኸ ኣመልኪቱ ውድብ ጥዕና ዓለም ብሕልፊ ጥንሲ ካብ ዝጀመረትላ ዕለት ጀሚሩ ዘለዋ 1000 መዓልቲ ኣብ ናይ ወዲሰብ ምዕሩይ ዕብየት ሓንጎል መተካእታ ዘየብሉ ጊዜ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብዚኣ ዝተበላሸወ ዕብየት ሓንጎል ብሕክምና’ውን ክዕሪ ከምዘይኽእል የመላኽት። ስለዝኾነ’ውን መግብን ጥዕናን ህፃናትን ኣዴታትን ልዑል ጠመተ ከም ዘድልዮ ብዕቱብ ይመክር። ህፃናትን ኣዴታትን ትግራይ?

ካልእ Fuller ዝተብሃለ ፍሉጥ ኣሜሪካዊ ከምዝብሎ All children are born geniuses, and we spend the first six years of their lives degeniusing them … 9,999 out of every 10,000 are swiftly, inadvertently degeniusized by grownups ህፃናት ምእንታን ክንዲ ድሌቶም ሓቲቶምን ተረዲኦምን ዕላማ ዘለዎም ምኽንያታውያን ኮይኖም ክዓብዩ ብልዑል ኣመሃህራ ሜላን ኪኢላታት መማህራንን እናተሓገዙ መዋዕልቲ ሳይንስ፣ ኪነ ጥበብ፣ ስፖርት፣ ታሪኽ፣ ቋንቋ፣ ባህልን ክብርታት ዓዶምን ክኾኑ ይግባእ፡፡ ዕሸላት ትግራይ?

ብዝተረፈ ሓንቲ ሃገር ኣብ ህንፀት ሓይሊ ሰብ ፍሉይ ጠመተ ገይራ እትሰርሐሉ ዋና ምኽንያት ዘለዉዋ ፀጋታትን ክትፈጥሮም እትኽእሎም ፀጋታትን ብዝለዓለ ብርኪ ናብ ረብሓኣ ብምውዓል ቁጠባ፣ ፍትሒ፣ ዴሞክራሲን ሰላምን ህዝባ ናብ ዝለዓለ ብራኸ ምውሳድ ስለዝኾነ ህንፀት ሓይሊ ሰብ ትግራይ፣ ትግራይ ተኮር ክኾን ይግበኦ። ሓፈሻዊ ፍልጠት ሕርሻ፣ መኣድን፣ ቱሪዝም፣ ማኑፋክቸሪንግ፣ ቴክኖሎጂ፣ ግልጋሎት፣ ሃፍቲ ማይን ፃዓትን ዘይኮነስ ፈላጣት ሕርሻ፣ መኣድን፣ ቱሪዝም፣ ማኑፋክቸሪንግ፣ ቴክኖሎጂ፣ ግልጋሎት፣ ሃፍቲ ማይን ፃዓትን ትግራይ የድልዩና። ብሓፂሩ ትግራዋይ ትምህርቲ የድልየና፡፡ ታይ ክግበር ይኽእል?

1 - ትግሪኛ - ቋንቋ ሳይንስን ቴክኖሎጅን

ወዲ ሰብ ኣፉ ብዝፈትሐሉ ቋንቋ እንትሓስብ፣ እንትዛረብ፣ እንትሰምዕ፣ እንትፅሕፍን እንትመራመርን ብዘይ ፀገም ዓቕሙ ፀንቂቑ ከም ልቡ ክዕንድር ስለዝሕግዞ ኣዝዩ ውፅኢታዊ ከም ዝኾን ካብ በዓል ቻይና፣ ጃፓን፣ ኮርያ፣ እስራኤል፣ ጀርመን፣ ጣልያን፣ ፈረንሳይ፣ ሩስያ፣ ስፔይን፣ ፖርቹጋል፣ ኢራን፣ ግሪክ፣ ኣሜሪካ፣ እንግሊዝ ምምሃር ይከኣል ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ናይ ህዝባ ኣፍ መፍትሒ ቋንቋ ወፃኢ ተማሂራን ተመራሚራን ዝላ ዘመዝገበት ሃገር ምርካብ ኣፀጋሚ እዩ።

ሰብ ሙያ ስነ ኣእምሮ ከምዝብልዎ as the Subconscious mind controls 95 percent of our thoughts and beliefs which are formed on a subconscious level between 2 to 7 years of age when learning is subconscious and when it comes to language, the window starts to close and it becomes very difficult to reach the proficiency of a native speaker if you start to learn later than age ten ትግራይ ብዝለዓለ ብርኪ ክትሓስብ፣ ክትዛረብ፣ ክትሰምዕ፣ ክትፅሕፍን ክትመራመርን እንተኾይና ብኸይዲ ቋንቋ ትግርኛ ቋንቋ ስርዓተ ትምህርቲ ትግራይ ክኾን ይግብኦ ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ቋንቋ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ክዓቢ ግድን እዩ።

2 - Digital Education - One tablet for One student

ሕፅረት ብቑዓት መማህራን፣ ሕፅረት መፃሕፍትን ሕፅረት ቤተ ፈተነን ብቐሊሉ ክቕረፍ እንተኾይኑ ካብ መውኣለ ህፃናት ጀሚሩ እስካብ ዩኒቨርስቲ ዝርከቡ ተምሃሮ ዝመሃርዎም ትምህርትን ተዛመድቲ ሓገዝቲ መፃሕፍተን ቨርቹዋል ቤተ ፈተነን ሓዊሱ ብፅሑፍ፣ ብድምፅን ብምስልን ተዳልዮም ሕድ ሕድ ተምሃራይ ጊዜን ቦታን ከይገደቦ ምእታን ትምህርቱ ክከታተል ብመልክዕ ታብሌት ዝረኽበሉ ዕድል ክዝርጋሕ ኣለዎ፡፡ Digital Education ማለት ብሉፅ ትህዝቶ ትምህርቲ፣ ብሉፅ መምህር፣ ብሉፅ መፅሓፍትን ብሉፅ ቨርችዋል ቤተ ፈተነን ብሓንቲ ታብሌት ኣቢልካ ኣብ ዝደለኻዮ ሰዓትን ቦታን ምርካብ ማለት እዩ።

3 - School Feeding and Free Access to Health

ትግራይ ዓቕሚ ሓይሊ ሰባ መሊኣ ክትጥቀም እንተኾይና ፀገም ድኽዳኸ ብቕልጡፍ ከብቅዕ ኣለዎ፡፡ ስለዝኾነ'ውን ጠንቂ መንቀሊ ድኽዳኸ ሕፅረት መግብን ሕክምናን ምስ ምዃኑ ሕድ ሕድ ቤት ትምህርቲ ትግራይ ልተምሃሮአን ናፃ ምግብናን ሕክምናን ብዘቕርባሉ መንገዲ ምትዕርራይ ክገብራ ኣለዎን። ምግብና ተምሃሮ እግረ መንገዱ ባኒ ሓዊሱ ቀረብ እንቋቁሖ፣ ስጋ፣ ፀባ፣ መዓር፣ ኣሕምልቲ ይኹን ፍራምረን በብኸባቢኡ ዘሎ ገባር ስለዝውንኖ ቁጠባ ገባር ትግራይ ኣብ ምብርባር’ውን ዓብዪ ግደ ክህልዎ እዩ።

4 - National Examination at all Levels

ፅርየት ትምህርቲ ቁልፊ ዕማም ህንፀት ሓይሊ ሰብ እዩ፡፡ ስለዝኾነ'ውን ሓደ ካፍቶም መዐቀኒ ፅርየት ትምህርቲ ፈተና ምስ ምዃኑ ዲጂታል ስርዓት ብምጥቃም ካብ ቀዳማይ ብርኪ እስካብ ዩኒቨርሲቲ ዝርከቡ ተመሳሳሊ ትምህርቲ ዝመሃሩ ተምሃሮ ካብ ማእኸል ብዝዳሎ ብሄራዊ ፈተና ውፅኢት ሕድ ሕድ ተምሃሮ፣ መምህርን ቤት ትምህርትን በብሰሚስቴሩ እናተገምገመ ክምራሕ ይግባእ፡፡ No more Mediocrity.

5 - Competency and PRP Payment Systems

ወለዶ ክቐርፁ ሓላፍነት ዝተውሃቦም ሰብ ሙያ ልዕሊ ኹሉ ልዑል ስብእና፣ ፍልጠትን ክእለትን ክህልዎም ስለዝግባእ ሕድ ሕድ መምህር እንተነኣሰ በብኽልተ ዓመት ዝቐርበሉ መረጋገፂ ብቕዓት ክሓልፍ ግድን ዝገብር ስርዓት ክዝርጋሕ ኣለዎ ጥራይ ዘይኮነ ብቑዕ መምህር’ውን ዘተባብዕ ስርዓት ክህልወና ይግባእ። ኣብነት፦ ሓደ መምህር ዘምህረን ዓይነት ትምህርቲ ኣብ ዝወሃብ ብሄራዊ ፈተና ዝተቐመጠሉ ዓመታዊ ታርጌት እንተወቒዑ 100 ፐርሰንት ዓመታዊ ደመወዙ ተወሳኺ መተባብዒ Performance Related Pay (PRP) ይረክብ ማለት እዩ፡፡ ውፅኢቱ ካብ ዝተቐመጠሉ ታርጌት እንተሊዒላ ወይ እንተጎዲላ ድማ ብኣ ልክዕ ዓመታዊ መጠን ክፍሊት መተባብዒ ይውስኽ ወይ ይቕንስ ማለት እዩ።

6 - Digital TIGRAY - Gifted and Talented Education

ቅርቕርቲ ዓለም ክንድይብ እንተኾይና ብሕልፊ ሙያ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ትግራይ ጫፍ ክበፅሕ ኣለዎ፡፡ ትግራይ ዓለም ዝቋመታ ዓዲ ክትኾን እንተኾይና ልዑል ፍልጠትን ክእለትን ሰብ ሙያ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ብበዝሕን ብተነፃፃሪ ትሑት ዋጋን ዝርከቡላ ዓዲ እንተኾይና እያ፡፡ ስለዝኾነ'ውን ኣብ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ብፍላይ ልዑል ዓቕምን ድሌትን ዘለዎም ተምሃሮ ኩሉ ነገር ኣብ ዝተማለአለን በብወረድኡ ኣብ ዝተመረፃ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ እስካብ ዩኒቨርሲቲ ዝመሃርሉ ዕድል ተዝመቻቾ ኣብ ሞንጎ ብሉፃት ተምሃሮ ብዝግበር ንሕንሕ ጥራይ ተኣምር ክፍጠር ይኽእል እዩ፡፡ ብኣውርኡ ድማ ትግራይ ዘለውዋ ፀጋታት ሕርሻ፣ መዓድንን ቱሪዝምን ክትፈጥሮም እትኽእል ፀጋታት ማኑፋክአሪንግ፣ ቴክሎኖሎጅን ስራሕቲ ግልጋሎትን ቴክኖሎጂ ክመርሖ ስለዝግባእ ዓበይቲ ሰብ ሙያ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ልዕሊ ምፍራይ ቀፃሊ ዕዳጋ ዓለም ዲጅታል ምስ ምዃኑ ስራሕቲ ዓበይቲ ትካላት ዓለምና ብተነፃፃሪ ብዝተሓተ ዋጋን ብዝለዓለ ፅርየትን ሰለጤንን Online ብዝሰርሑ ተጋሩ ትካላት ኢንፎሜሽን ቴክኖሎጂ ትግራይ ብቐሊሉ ቢልዮናት እትሓፍሰሉ ዓውደ ስራሕ ምፍጣር ይከኣል እዩ።

7 - መረጋገፂ ብቕዓት ኮሌጅ ቴክኒክን ሙያን

ቀዳማይ ምዕራፍ ኢንጅን ቁጠባ ትግራይ ስራሕቲ ሕርሻ፣ መዓድን፣ ቱሪዝም፣ ማኑፋክቸሪንግ፣ ግልጋሎትን ኮንስትክሽንን ምስ ምዃኑ ብቕዓት ምሩቓት ኮሌጅ ቴክኒክን ሙያን ዝለዓለ ጠመተ የድልዮ ጥራሕ ዘይኮነስ ትግራይ ካብ ሕርሻ እስካብ ማኑፋክቸሪንግ ዘለዋ ሃፍቲ ብሙልኡ እተፍሰሉ ሓይሊ ስለዝኾነ ብቕዓት ኮሌጃት ቴክኒክን ሙያን ትግራይ ዓለም ለኸ ትካላት በብጊዜኡ ኦዲት እናገበሩ ኣድላዪ ምትዕርራይ ዝግበረሉ ስርዓት ክዝርጋሕ ኣለዎ፡፡ ብሕልፊ ስራሕቲ ሕርሻ፣ መዓድን፣ ቱሪዝም፣ ማኑፋክቸሪንግ፣ ግልጋሎትን ኮንስትክሽንን ትግራይ ምስ ዓለም ክደላደል እንተኾይኑ ልዑል ክእለት ምሩቓት ቴክኒክን ሙያን ትግራይ መተካእታ ዘይብሉ ስለዝኾነ እነፍርዮም ሰብ ሙያ ኣብ ዝኾነ ናይ ዓለም ኹርናዕ ክሰርሑ ዘኽእሎም ዓለም ለኸ መረጋገፂ ብቕዓት ሙያ ዝረኽብሉ ዕድል ክመቻቸ ኣለዎ፡፡ ብቕዓት ዘለዎ ሓይሊ ሰብ ብምፍራይ ልዓበይቲ ዓለም ለኸ ትካላት ብምቕራብ ዝፍለጥ ናይ ፊሊፕንስ Technical Education and Skills Development Authority (TESDA) ዝመሰሉ ብሉፅ ተሞክሮ ሃገራት ዓለም ምፍታሽ’ውን ኣድላዪ እዩ፡፡

8 - Gap Year Program - National Service

መንእሰይ ትግራይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቱ ምስ ወደአ ቅድሚ ዩኒቨርሲቲ ምእታዉ ብሄራዊ ግልጋሎትን ዝደለዮ ዓይነት ሙያዊ ስልጠናን ዝወስደሉ Gap Year Program ክህልዎ ኣገዳሲ እዩ፡፡ ሽዱሽተ ወርሒ ወታደራዊ ስልጠና እንተወስድ ሽድሽተ ወርሒ ድማ ዝደለዮ ዓይነት ሙያዊ ስልጠና ይወስድ ማለት እዩ፡፡ ብመሰረት ውፅኢት ብሄራዊ ፈተና ድማ ዩኒቨርስቲ መእተዊ ነጥቢ ዘይረኸቡ ልተወሳኺ ሓደ ዓመት ኣብ ትሕቲ ሓይሊ ምክልኻል ትግራይ ኾይኖም ብዝተምሃርዎ ሙያ ህዝቦም ብናፃ እናገልገሉ ምስፀንሑ ኮሌጃት ቴክኒክን ሙያን እንትፅምበሩ ዩኒቨርስቲ ብቀጥታ ዝኣትዉ ድማ ኣርባዕተ ኽረምቲ በብዓመቱ ልኽልተ ወርሒ ዝኣክል ብተመሳሳሊ መንገዲ ኣብ ትሕቲ ሓይሊ ምክልኻል ትግራይ ኾይኖም ብዝተምሃርዎ ሙያ ህዝቦም ብናፃ የገልግሉ ማለት እዩ፡፡

Gap Year Program ብሄራዊ ግልጋሎት፣ መናእሰይ እግረ መንገዱ ሰላም ትግራይ እናኽበረ እንተነኣሰ ሕድ ሕድ ትግራዋይ ሓደ ናብርኡ ዘሳልጠሉ ተወሳኺ ሙያ ክህልዎ ይገብር፣ መንእሰይ ፅኑዕ ድሲፕሊን ክህልዎ ይገብር፣ መናእሰይ ቀፃሊ ናብ ረብሓ ክሽረፍ ዘኽእል ርክብ ይህልዎም፣ ቅድሚ ዝለዓለ ትምህርቲ ይኹን ስራሕ ምጅማሮም ጭቡጥ ተመክሮ ህይወት ክህልዎም ይገብር፣ ልዕሊ ኹሉ ድማ ቀፃላይ ክመሃርዎን ክሰርሕዎን ዝደልይዎ ነገር ብውነ ክውስኑ ይሕግዞም፣ ሰረት መንነቶም ዝኾኑ ክብርታቶም ኣብ ባሕሪ ህዝቦም ኣትዮም ይመሃሩ፣ መሪሕነት፣ መሃዛይነት፣ ፅንዓት፣ ወዘተርፈ ብተግባር ክመሃሩ ይገብር፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ሰረት ምሽጥር ልዑል ምዕባለ እስራኤል መናእሰያ ዝተፈላለዩ ሙያን ዓርሰ እምነት መሪሕነት ብግበሪ ዝመሃርሉ መስርዕ ብሄራዊ ግልጋሎቶም ምስ ምዃኑ ብሉፅ ተመክሮ እስራኤል ምስ ኩነታት ትግራይ ኣታኣሳሲርኻ ምፍታሹ ፅቡቕ እዩ፡፡

9 - ሓውሲ ስፖርት ኣካዳሚ - መዘናግዒ መናእሰይ

ትግራይ ጥዕንኡ ዝተሓለወ በሊሕ መፍረያይ መንእሰይ የድልያ፡፡ ስለዝኾነ'ውን ካብ ሕድ ሕድ ቤት ትምህርቲ ብተወሳኺ ሕድ ሕድ ወረዳ ብቐፃልነት እስካብ ብርኪ ፕሮፌሽናል ዝጥምቱ ስራሕቲ ልምዓት ስፖርት ተሓሳቢ ዝገበረ መናእሰይ ዝዘናግዕሉ እንተነኣሰ ከባቢ 200 x 300 ሜትሮ ሰፍሓት ዘለዎ መሬት ፀሪገን ብቐሊሉ ምችው መስርሒ ስፖርት መናእሰይ ብቕልጡፍ ከዳልዋ ኣለወን፡፡ ብተወሳኺ መናእሰይ ብስፍሓት ዘሳትፋ ክበባት ስፖርት፣ ሰርከስ፣ ስነ ፅሑፍ፣ ሙዚቃ፣ ተዋስኦ፣ ንባብ፣ ታሪክ፣ ዓድኻ ፍለጥ፣ ወለንታውያን፣ ወዘተርፈ ብምጥያሽን መናእሰይ ብሕልፊ ክረምታዊ ናፃ ግልጋሎት ስራሕቲ ማሕረስ፣ ፃህያይን ዓፂድን ዓምዲ ትግራይ ንዝኾነ ገባር ብቀዋሚነት ዝሕግዝሉ ኣወዳድባታት ክዳሎ ይግባእ፡፡ 

10 - Education Tax - ፍሉይ ፈንድ ትምህርቲ

ህንፀት ሓይሊ ሰብ ትግራይ ሱር በቆስ ለውጢ ከምፅእ እንተኾይኑ ገዚፍ ፋይናንስ ከምዝጠልብ ግልፂ እዩ፡፡ ስለዝኾነ'ውን ቁጠባ ትግራይ ማእኸላይ እቶት ሃገራት ዓለም እስካብ ዝበፅሕ ንዝቕፅሉ ዓሰርተ ዓመታት ዝፀንሕ ኣብ መሸጢ ዋጋ ካብ 5 ሚኢታዊ ዘይበልፅ ፍሉይ ግብሪ ፈንድ ትምህርቲ ትግራይ ክተኣታቶ ይግባእ፡፡ ብዝተረፈ ህንፀት እነሃርፋ ምዕብልቲ ዓባይ ትግራይ መንግስቲ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ሕድ ሕድ ትግራዋይ ተሳትፎ ዝጠልብ ምስ ምኳኑ ዓለም ሙሉእ ዝርከብ ትግራዋይ ብዝተማእኸለ መንገዲ ኣብ ትሕቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ተወዲቡ መተካእታ ዘየብሉ ማሕበራዊ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ይግባእ፡፡

“If you think in terms of a year, plant a seed; if in terms of ten years, plant trees; if in terms of 100 years, teach the people” Confucius