INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ሕሉፍ ጌጋታትና ከይአረምና ሓዱሽ ጌጋ ከይነዋልድ ቀልጢፍና ንምዓራረ።

I- አብ ዓለምና ኹሎም መዕባለታት ሽግር ዝወለዶም እዮም። ዘይተጋገየ ዝበሃል ሰብ፤ውድብ ወይ መንግስቲ የለን ክህሉውን አይኽእልን። ሰብ ዝብሃል ፍጥረት ናይ ብዙሓት ደጋዊ ነገራት ድምር ውፅኢት እምበር ባዕሉ ጠጠው ዝበለ ፍጥረት አይኮነን። ብተፈጥሮ ይኹን ብኢቮልሽን አመፃፅአና ብዘየገድስ (ከከም እምነቱ)፤ እንትንፍሶ አየር ይኹን እንበለዖ መግቢ፤ እንዛረቦ ይኹን እንሓስቦ ከይተረፈ ካብ ገለ ሪኢና ወይ ሰሚዕና/ተማሂርና እምበር ናይ በይነይ እንብሎ ወይ እንውንኖ ዝኾነ ይኹን ነገር የለን። መበገስየ ስነ-ተፈጥሮ ንምዝርዛር አይኮነን ፤ “The theory of everything “ ንምትርጓም እውን አይኮነን።

ሓደ ሰሙን ዘቁፅር ዘሎ ብሄራዊ ሓዘንን ዝኽረ ጀጋኑ ስውአትን ፡ ሕድርኹም አይነዕብርን ! ስለዝበልናስ ንመዘኻኸሪን መመኻኸሪን ዝኸውን መበገሲ ሓሳብ ሸው ንምባል እዩ።

“እንተዝኸውን ነይሩ” (The what if theory) አብ መንጎና (ተጋሩ) ጥራሕ ተይኮነስ አብ መላእ ዓለም ዘሎ እዩ። ኽልሰ-ሓስብን ተግባርን ምውድዳር አፀጋሚ እዩ፡ አብ ብዙሓት ተመራመርቲ “ሓሳብ ዶ ይቅድም ተግባር ?” አብዝብል ክካተዑ ነንብብን ንሰመዕን አምበር ንባዕልናስ ብዙሕ አይነስተባህለሉን።ምስዚ ኣተሓሒዘ ንሎሚ ዘበገሰኒ ግና አብ መንጎና ዘሎ ጣዕሳ ንሕራነ ዘለዓዕል ድዩ ወይስ ሕድሕድ መካሰሲ ዝብል ንምርአይ እዩ። አብ ህዝብና በፂሑ ዘሎ ጆኖሳይድ ብዓይነቱን ብመጠኑን ዝለዓለ ብምዃኑ ብዙሕ ዋጋ አኽፊሉና እዩ አብዝብል ተስማሚዕና አለና፤ ከይድገምውን ብሕራነ ክንወፍር ቃል አቲና አለና።

ነዚ ብኽልሰ-ሓሳብ ዝተረዳዳእናሉ ዝመስል ዓብይ ዕማም አብ ተግባር ክፍተሽ እንተሎ ገና አይተረዳዳእናን ናብ ዘብል ይወስድና አሎ።

ገሊኡ ሓዘን ክድብስ ካብ ሳልሳይ መዓልቲ ጀሚሩ ናብ ስራሕ ክብገስ እንተሎ፤ ገሊኦም ድማ ነዚ ዘፍርስ ሓዱሽ ናይ ምክሳስ ወፍሪ ጀሚሮም አለው( ዝርዝር ንሕዚ ክሓልፎ)፥ አብ ውሽጥን አብ ደገን ዘለና ተጋሩ ንኽንረዳዳእ ክንደይ ዓመት አዩ ዘድልየና? መንዩ በቢመዓልቱ አብ ሰሚናራት ኮፍ አቢሉ ከምህረና? ሰብ ሚዲያን ሶሻል ሚዲያን በምንታይ ኢና ክንረዳዳእ? አብቶም ክሳዕ ሕዚ ተረዳዲእናሎም እንብሎም ናይ ህልውና ሓደጋታት ቀዳምነት ሰሪዕና፤ ውዳበታትና አሰጣጢምና ናይ ሓባር ወፍሪ ንኽንጅምር ክንደይ ዓመት እዩ ዝአኽለና?

ቅድሚ ናይ ኢሳያስን አብይን ሓዱሽ ናይ ጥፍአት ወፍሪ ምልዓለይ፤ እታ “እዚ እንተንገብር ነይርና” ፤ እንተንዳሎ ነይርና፤ ስትራተጂክ አመራርሓ ተዝነብረና ወዘተ እንብሎ ዘለና ሎሚኸባ ነዚ ዝመፅእ ዘሎ ዞባዊ ሓደጋ ከም ተጋሩ እንታይ ምድላው አለና? ኹሉ ብቆፀራ፤ ኹሉ ብመረረት ጥራሕ ጊዜ ንበልዕ አለና። ትማሊ ይኹን ሎሚ አብ ዓለም ካባና ዝዓበዩ/ዝማዕበሉ ሃገራት ብመንግስቶም ይኹን መራሕቶም ሃገር ዘጥፍእ ጌጋታት ይፍፅሙ ነይሮም ሎሚውን ከምኡ፡ አብ ዓለም ብመራሕቲን መንግስታቶምን ዘይተፈፀመ ጌጋ የለን። አብ ዝሓለፉ 100 ዓመታት ልዕሊ 10,624 ውግአት ከምተኻየዱ ተመዝጊቡ አሎ። ካብ ውግእ ዝበአሱ ካልኦት ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ፀገማት ባዕሎም ዝመፁ አይኮኑን።

ስለዚ “እዚ ተንገብር ነይርና” እናበልና አብ ታሪኽ ክንነብር አይንኽእልን ፡ አጼ ዮሃንስ አብ መተማ ተዘይስውኡ ነይሮም፤ ሚኒሊክ ኤርትራ ንጣልያን ተዘይሸጡ ነይሮም፤ ህወሓት አብክልተ ተዘይምቀል ነይሩ፤ መለስ ተዘይስዋአ ነይሩ፤ ወዘተ ዝብሉ ታሪኻት ንሕዚ ኣይጠቕሙናን፤ አሜሪካ እትአክል ዓዲ ከመይ ብቢንላደን ተደፊራ (9/11) አብ ኒዎርክ ጥቅዓት ተፈፂሙ?፤ አብ ዩክሬን ወራር ንምንታይ ተፈፂሙ?፤ እስራኤል ምስዙኹሉ ወታደራዊ ብቅዓታ ንምንታይ ብሓማስ ተዘንጊዓ? ዝብሉ ካብ አፍሪካ ክሳዕ ማእኸላይ ምብራቅ፤ ካብ አውሮፓ ክሳዕ አሜሪካ ዝተፈጠሩ ማእለያ ዘይብሎም ጌጋታት ናይ ሚሊዮናት ህይወት ጠፊኡ፤ ሎሚውን ብዓሰርተታት ሚሊዮናት ህዝብታ ይሞቱን ይስደዱን እዮም ዘለው። አብ ትግራይ ካብዚ ዝገደደ እካ እንተኾነ ሓዱሽ ግና አይኮነን።ዘዝቐደመ ዝተስርሐ ታሪኽን ሰራሕቲ ታሪኽን ምኽባር ኣገዳሲ እዩ።

ስለዚ ካብ ጌጋ ክንመሃር፤ ጌጋታት ክንንኪ፤ ተመሳሳሊ ጌጋ ከይፍጠር ክንከላኸል እምበር፤ ባዕልና እንቆፃፀሮ ዓለም ስለዘየለ መሊእና ካብ ጌጋ ናፃ አይንኸውንን።

አብ ትግራይ ዘጋጠመ ውድቀት ተመራሚርና ክሳዕ እንውድእ ካሊእ ፀገም ከርክበልና ይኽአል እዩ።መራሕቲ፤ ተመራመርቲ፤ ውድባት፤ ማሕበራት ወዘተ ዘዝቀደመ አብዘስማመዐና አጀንዳታት ብሓባር ክንወፍር ዘኽእል ምንቅስቃስ ተጠናኺሩ ይቐፅል።

ትካል ክሳዕ ንሃንፅ ዘላቒ ፍታሕ አይንረክብን፤ ሰላምን ዴሞክራሲን ምስ ህንፀት ትካላዊንት ናይ ሓደ መዓልቲ ወይ ናይ ሓደ ዓመት ስራሕ አይኮነን። እናሰራሕካ፤ እናተጋገኻ፤ እናተአረምካ፤ እናተቕፃዕካ ወዘተ ዝመፅእ እምበር፡ አብ ወረቀት ፅሒፍካ ብአዋጅ ዝመፅእ ዕብየት የለን።

ሃላዋት ህዝቢ ትግራይ አብ ሓደጋ አሎ ዝብል እንተተስማሚዕና፤ ቀዳምነት ንህልውና ህዝቢ ትግራይ ዘውሕሱ ተግባራት ንጀምር።

II-ነቓዕ ዝበዝሖ ዞባ ቐርኒ ብናይ ኢሳያስን ኣብይን ዕብዳን ከይበርስ ኣብ ዘሎ ስግኣት ከምትግራይ ከመይ ንዳሎ? እዚ ናይ ሎሚ ቕነ ፈኽራታት፥

1) ኣብ መንጎ ኣብይን ኢሳያስን ርክብ ሓርፊፉ ፀኒሑ አዩ፥ ናይ ፕሪቶርያ ውዕልን ናይ ኣምሓራ ሓይልታት ኣብልዕሊ ኣብይ ምዕማፃን ዝወለዶ ኣብ ውሽጡ ብዙሕ ኽፋላት ዘለው ውህሉል ፀገም ዝደፍኦ እዩ ። እዚ ዓሰብ ዝበሃል ዘሎ ናይዚ መቐፀልታ (manifestation) አዩ።

2) ቅድም ክብል ናይ ስዑዲ፥ ኢሚሬትን ባሕሬንን ሃገራት ንኽልቲኦም (ኢስያስን ኣብይን) ምስ ምዕራብ ኾይኖም ክሕግዙ ፀኒሖም ኣብ ስዑዲ ዓረብን ኢሚሬትን ዝተፈጠረ ኣፈላላይ (Salian bin Abudlaziz ምስ Bin Zayed Mohammed) ዝተፈጠረ ኣፈላላይ፥ ስዑዲ ብኢሳያስ ኢምሬት ብኣብይ ኣቢለን ዝፈጥርኦ ዘለዋ (proxy) ውን ሓደ ፀገም አዩ።

3) ኣብይ ዓሰብ ክመልስ ኢሳያስ ንኣብይ ገልቢጡ ክብሕት ዘሎ ዕብዳን ከምዘሎ ኾይኑ፥ ኢሳያስ ኣብ ራሻ ከይዱ ንኣሜሪካ ምፍርርሕ፥ ኣብይ ናብ ምዕራብን ቻይናን ምፅጋዕ ወዘተ እቲ ሽግር ካብ ኢድ ክልቲኦም ዕቡዳት ንላዕሊውን ይመስል፥

4) ኣብይ ትማሊ ንሻዕብያን ኣምሓራን ሒዙ ትግራይ ምፅናት፥ ሎሚ ንሓይልታት ኣምሓራ ምድኻም፥ ቀፂሉ ናብ ኤርትራ (ዓስብ) ምኻድ ስልጣኑ ንምፅናሕ እዩ። ኢሳያስውን ትግራይ ኣዳኺሙ፥ ንሓይልታት ኣምሓራ ኣሕሽኪሩ ናይ ቐርኒ ኣፍሪካ ጎብለል ንምዃን አዩ።

5) ምዕራባውያን ናይ ትግራይ ሽግር ከይፈትሐ ሓገዝ ይኽልክልዎ ስለዘለው ናይ ፕሪቶርያ ውዕል ከይትግበር ኢሳያስ ዕንቅፋት ኮይኑኒ፥ ሰላም ንዝይተቐበሉ ሓይልታት ኣምሓራ እናሰልጠነ ኢሉ ናብ መንግስታት ደብዳበ ምፅሒፉ፥ እታ ባእሲ ናይ ሓቂ ምዃናውን ተወሳኺ ምልክት እዩ፥

እሞ ትግራይ ኣብዚ መንጎ ዝጉህር ዘሎ ሓዊ እንታይ ኢያ ትኸውን ዝብል 2 መማረፅታት (scenarios)ዘለው ይመስለኒ፤

1. ናይ ዩክሬን ኹናት ዘይተወደአ እናሃለወ ናይ እስራኤልን ሓማስ ኹናት ምውልዑ ከቢድዎም ስለዘሎ ምኦራባዊያን ካሊእ ኹናት ክውላዕ ድልየት ዘለዎም ኣይመስልን። ናብ ግደፉ ግደፉ ይኸይድ ዘሎ ምዃኑ ምልክታት ኣሎ። ኣይ ኹናት ኣይ ሰላም ኮይኑ ክፀንሕ ይኽእል አዩ፥ ብፍላይ ናይ እስራኤል ነገር ሓዲኡ ክሳዕ ዘፍልጥ፥ኢሳያስን ኣብይንውን ዓቕሞም ይመዝኑ ኣለው። 1. ምቅርራባት ተወዲኡ ይመስል፥ ኢሳያስ "ወያነ" ኣይድቅሱለይን፥ ዕጥቒ ኣይፈትሑን፥ ምስ ኣብይን ኣሜሪካን ሓቢሮም ከጥፍኡኒ ይዳሎ ኣለው ኢሉ ስለዝሓስብ ተጎቲትና ናብ ሓዊ እንኣትወሉ ዕድል ኣሎ።

ስለዚ ኢሳያስ ብራሻን ኣዕራብን፥ ኣብይውን ብምዕራብን ኣዕራብን ተሕጊዞም ናብ ከቢድ ዞባዊ ቅልውላው ክንኣቱ ንኽእል ኢና ወይ ክልቲኦም አናተፋጠጡ ንዝተወሰነ ጊዜ ክፀንሑ፥ ናይ ሱዳን ኹናትን ናይ ግብፂ ስግእትን ተደሚሩ ብዙሕ ምጉያያት ኣሎ።ኣብይን ኢሳያስን ዓቕሞም ይመዝኑ እዮም ዘለው፥ ኣብዛ ኹናት እንተኣትዮም ክልቲኦም ብሓባር ዝጠፍእሉ ዕድል ከይመፅእውን ስግኣት ኣለዎም ።

ኢሳያስ ካብ መሬት ትግራይ ተዘይርሒቑ ክውቃዕ ምዃኑ ፈሊጡ ከንሳሕብ ይኽእል እዩ። እውራ ስግኣት ኢስያስ ኣብይ ተይኮነስ TDF ይመስለኒ።

ስለዚ አመራርሓ ትግራይ ዘይሻራዊ ዝመስል ቅዋም ክሕዝ ይግባእ።

ናይ ክልቲኦም ህልኽ መንቀሊኡ ናይ ፕሪቶርያ ውዕል ጥራሕ አይኮነን፤ቀደሙውን ሓደ ዝገብሮም ህዝቢ ትግራይ ካብምጽናት ዝዘለለ ዕላማ አይነበሮምን፡ ናይዞም ሰለስተ ሓይልታት ዓቅሚ ክሳዕ ዝዛባዕ ተዓዛቢ ካብምዃን ንላዕሊ ምኻድ አየድልን።

ብኣብይ ትምራሕ ኢትዮጵያ ዓሰብ አንተረኺባ ንጥፋኣት እምበር ንዕብየት ኣይትጥቀመሉን፥ ሎሚ ኢምፐርያል ኢትዮጵያ ንህዝቢ ትግራይ ሓደጋ እምበር ከም ፀጋ ኣይትቑፀርን።

ስለዚ እቲ ዞባና ንምግማቱ ዘፀግም ስለዝኾነ ኣብዝኾነ ይኹን እዋን ገለ ክፍጠር ስለዝኽእል ብኹሉ መዳይ ምድላው የድሊ እዩ።

ኣብ ዳያስፖራ ዘለና መንቃሕቲ (activists)ን ናይ ሚዲያ ሰባትን ንህዝብና ሞራል ዝትንክፉ ጽሑፋትን ምስልታትን ካብ ምጥቃዕ ተኣዲብና ንህዝብና ካብ ሓዘኑ ቀልጢፉ ክፀንዕ ብዘተባብዑ ተመኩሮታት እንተንቕይሮ ፅቡቕ ምኾነ።

ፀላእትና ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ምፍላጥን ምትንታንን እምበር መራሕቲ ትግራይ ክገብርዎ ዝደልዩ ናብ ኣደባባይ ክዝረበሉ ኣይግባእን። ዝተወሰነ ምሽጥርስ (classified) ንመራሕቲን ኣብስራሕ ንዝተዋፈሩ ሰብሙያን ዝግደፍውን እዩ።

መራሕቲ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ተዋዲዶም ክሰርሑ፥ ኣብ ዳያስፖራ ዘለና ድማ ናይ ፓብሊክ ዲፖሎማሲን ኣድቮከሲ ስራሕትና ክነጣናኽር ፥ ናይ ገንዘብን ሞራልን ሓገዝናውን ክንቕፅል ይግብእ።ሓድነትና ኣውራ ምሽጥር ዓወትና ምዃኑ ፈሊጥና ነዃላትና ንዕበስ።

ኽብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ስውኣትና!