INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ሕማምና ንሓኪም ዘይነገርና ዓቢጥና ምሓዝና፤ ኣብ መወዳእታ ክሓዊ ዘይኽእል መንሽሮ ከይኸውን ስግኣት ኣለኒ!

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝተፈፀምን ይፍፀምን ንዘሎ ምፅናት ዘርኢ ቀንዲ ቁፅሪ ሓደ ተሓታቲ፤ ገበነኛ ኵናትን ገበን ምፅናት ዘርእን ጀኖሳይደር ኣብይ ኣሕመድ እዩ፡፡

ካብ ማንም ህዝቢ ንላዕሊ እዙ ብመጠኑ እውን እንተኾነ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ንሕና ተጋሩ ነስተማቕሮ ንደልዮ! ግና ክፋል ኣካልና ለሚሱ ህዝብና ሐዚ እውን ብኸውሊ ሰላም ይፀንት ይበርስ ኣሎ! ምእንተ እዙ ሰላም ከይንዘርግ ካብ ምፅሓፍን ምዝራብን ንትሽዓተ ኣዋርሕ ዝተሸበብናዮ ይኣክል!

እዙ ገበነኛ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፅሞ ዘሎ ምፅናት ዘርኢ፤ ብኸውሊ ሰላም ንሓንቲ ማዕልቲ እውን ከይደቀሰ፤ ብዕቱብ ቀፂሉሉ፤ ብኹሉ መዳይ ከምህዝቢ ከምዘይንሓዊ ገይሩ ይሓስየና፣ የማስነና የፅንተና እዩ ዘሎ፡፡

ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ካብ ዝፍረም፤ ክፍፅሞ እየ እናበለ ዘላገፀልና ትሽዓንተ ኣዋርሕ ገዲፍና፤ ዝሓለፋ 30 ማዕልትታት እኳ ምልስ ኢልና እንተርኢና፤ ንሕና ብዝድርብዩልና ማዕልታዊ ኣጀንዳ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያን መግለፅን ዓውዓው ኢልና ተናቑርና ንሓልፎ፤ ንሳቶም ግና ፅንተት እናላመዱና፣ ብዝተተለመ ኣካይዳ ንህዝቢ ትግራይ ካብ መበቆሉ ከብርሱዎ ዝተዋደደ ውዲቶም ይትግብሩ ኣለዉ፡፡

1. ብርሃኑ ነጋ ኣብያተ ትምህርቲ ምዕራብ፣ ሰሜን ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ናብ ጎንደርን ወሎን ኣካቲቱ ዕላዊ መንግስታዊ መግለፂ ኣውፅአ፡፡ ብዘይ ኣፍልጦ ኣብይ ኣሕመድ ኣይኮነን! ንሕና ድማ ንሓደ ማዕልቲ ዓውዓው ኢልና ገዲፍናዮ!

2. ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ኣብያተ ክርስትያናት ምዕራብ፣ ሰሜን ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ኣብ ትሕቲ ሃገረ ስብከት ደባርቅ፣ ጎንደርን ሰሜን ወሎን ከሊሎምወን እንተብቅዑ፤ መግለፂ ላጊፅ «...እናፅነትናኩም እንተለና፤ ድምፅና ስለዘየስማዕና ይቕሬታ ቅር ኢሉኩም ድዩ...» ኢሎምና፡፡

3. ኣብ ምዕራብ ትግራይ ልዕሊ 360 ሽሕ ኣምሓሩ ካብ ወለጋን ካልኦት ከባብታት ኣምሓራን ኣምፂኦም ኣስፊሮም ኣለዉ፤ (እዙ መረዳእታ ባዕሎም ኣብ ናይ ባህርዳር ኣኼብኦም ዝገለፁዎ ብፅሑፍ ዘቕረቡዎ እዩ፤ «...500 ሽሕ ክነስፍር ተሊምናስ፤ ክሳብ ሐዚ 360 ሽሕ በፂሕና ኣለና...» እንትብሉ እዮም ይልቃል ኣብ ዝመርሖ ኣኼባ ፀብፃብ ዘቕረቡ)

4. ኣብ መሬት ትግራይ ኣምሓሩ ምስፋሮም ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ንቶም ሰፈርቲ ብዕሊ ብስም ሚሊሽያ ወተሃደራዊ ስልጠናታት እናተውሃበ፣ ክላሽናት ካብ ኤርትራ እናተጉዓዓዘ የዕጥቑዎም ኣለዉ፡፡ እዙይ ኩሉ ሰፈራ፣ ስልጠናን ምዕጣቕን እንትፍፀም ድማ፤ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ'ቱ ከባብታት ኣለዉ፡፡ ስለ'ዙይ ብዘይኣፍልጦ ኣብይ ኣሕመድ ኣይኮነን!

5. ምስፋኖ ኵናት ገጢመ ብዝብል ዝተዋደደ ላጊፅ፤ ፅንተት ህዝቢ ትግራይን ምጉባጥ ሉዓላዊ መሬት ትግራይን ብውዲት ዘሳልጥ ዘሎ ኣብይ ኣሕመድ፤ ኣብ ውሽጢ እዘን ዝሓለፋ 30 ማዕልትታት ነይሩ ኣብ ቅሉዕ ዘረብኡ፤ «ኣብ ዶባት ትግራይን ኣምሓራን ዘሎ ጎንፂ ብህዝበ ውሳነ ክፍታሕ እዩ» ዝበለ፡፡ እዙ ጉዳይ ግና ምውጣጥ ዶባት እንተይኮነስ ገዚፍ ሕገመንግስታዊ ክፋል ትግራይ እዩ ተጎቢጡ ዘሎ፡፡ «...ብመሰረት ህገመንግስቲ ዶብ ክልላት ናብ ዝነበሮ ይምለስ...» ንዝብል ስምምዕ ፕሪቶሪያ እዩ ብዕሊ ጥሒሱዎ ዘሎ፡፡

6. ኣብይ ኣሕመድ ንኣገኘሁ ተሻገር ናብ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን እንተምፅእ ኣትሒዙ፤ ብተደጋጋሚ ብዲፕሎማሰኛታቱ ኣቢሉ ንኣሜሪካን ኣውሮፓን ኣብ ዘቕረቦ ዘሎ ሓሳብ መፍትሒ ጉዳይ ምዕራብ፣ ሰሜን ምዕራብን ደቡብን ትግራይ፤ «…ምእንታን ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ደም ምፍሳስ ከይፍጠር፤ እዘን ከባብታት ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ፌደራል ኮይነን፤ ብዲያሎግን ብህዝበ ውሳነን መፍትሒ ክግበረለን ኣለዎ…» ዝብል ጎስጓስ እናካየደ እዩ፡፡ ንኣና ግና ንኣዋርሕ ሎሚ ትኣትዉ ፅባሕ እናበለ ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ ብዘየለ ተስፋ የዕሸወና የፅንተና ኣሎ!

7. ንህዝቢ ትግራይ ዝመፀ ረድኤት ማሕበረሰብ ዓለም፤ ብዝተዋደደ መስርሕ ናብ ዕዳጋ ኣውፂኡ ክሳብ ናይሮቢን ኣስመራን እናሸቀጠ፤ ብዝፍሓሶ ውዲት ህዝቢ ትግራይ ረድኤት ከይረክብ ክማስንን ክመውትን ፈሪዶምሉ፡፡ ብኣፍልጦ ኣብይ ኣሕመድ ዝተፈፀመ ውዲት ምፅናት ዘርኢ እዩ!

8. ሚኒስትር ጥዕና ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ድማ፤ ኣብያተ ጥዕና ትግራይ ናብ ጎንደርን ወሎን ዘካተተ ዕላዊ መንግስታዊ መግለፂ ወዚዑ ኣሎ፡፡ ስለዙይ እቱ ብላዕለዋይ ኣካል ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ዝውሰን በጀት እዛ ሃገር ብዕሊ በጀት ምዕራብ፣ ሰሜን ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ናብ ጎንደርን ወሎን በጂቱዎ ኣሎ ማለት እዩ፡፡ እዙይ እውን ብዘይ ኣፍልጦ ኣብይ ኣሕመድ ኣይኮነን!

9. ሰሜን ምዕራብ፣ ማእኸልን ኣብዝሓ መሬት ኢሮብን ክሳብ ሐዚ ብኣራዊት ሰራዊት ኢሳያስ ተጎቢጡ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ፣ ፅንተትን ብርሰትን እዩ ዘሎ፡፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ንዘን ከባቢታት ሓራ ምውፃእ፤ ግድነት ኣብይ ኣሕመድ እዩ ነይሩ፡፡

10. ጉዳይ ተሓታትነት ገበን ኵናት ምፅናት ዘርኢ ተዓቢጡ ንኽተርፍ፤ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝተጣየሸ መፃረዪ ኮሚሽን ናብ ትግራይ ኣትዩ ምፅራይ ንኸይገብር ኣብይ ኣሕመድ ማዕፆ ዓፅዩ ምስከልአ እዩ ዘሎ፡፡

11. ትግራዋይ ብምዃኖም ጥራሕ ንሕገመንግስትን ዓለምለኸ ሕግን ጥሒሶም፤ ኣብ ልዕሊ ኣባ ሰረቀብርሃን ዝፈፀሙዎ ገበን፤ ብዘይ ውሳነ ቤት ፍርዲ ንዜግነታዊ መሰሎም ቀንጢጦም፤ ናብ ዘይፈልጡዎ ሃገር ሰጉጎምዎም፡፡ ብሳላ ጅግንነትን ሕራነን ኣቦና ከም ህዝቦም ክቐትሉዎም ስለዘይጥዓሞም እምበር፤ እዙ ተግባር ኣካል ፅንተት ህዝቢ ትግራይ እዩ፡፡ ብዙሓት ወፃእተኛታት ሰብሙያ ሕጊ እዙ ኣብ ልዕሊ ኣባ ሰረቐ ዝተፈፀመ ገበን ክኣምኑዎ ከቢዱዎም እዩ፡፡ ብፍላይ ምዕራባውያን፤ ኣይኮነንዶ ንዜግኦም ካብ ሃገሩ ክሰጉ፤ ኣብ ዝኾነ ጫፍ ዓለም ዘሎ ዜግኦም እንተተዓንቂፉ ከመይ ከምዝጣበቑሉን ዝጓየዩን ስለዝፈልጡ፤ ንምእማኑ ዝኸበደ መንግስታዊ ገበን እዩ ኮይኑዎም፡፡ ኣብ ልዕሊ ትግራዋይ ኣቦና ዝፈፀሙዎ እዙይ መንግስታዊ ገበን ድማ፤ ንሓደ ውልቀሰብ ንኣቦና ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ኣብ ልዕሊ ኩልና ተጋሩ ዝፍፅሙዎ ኣካል ተግባር ምፅናት ዘርኢ ትግራይ እዩ፡፡

12. ብሄራዊ ባንክ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ኲናት ፅንተት ዝነበረ ህዝብና ወለድን ናይ ወለድ ወለድን ምስ መቕፃዕቱ ንክኸፍል ዘገድድ ዘውፅኦ ዕሙት መምርሒ፤ ብዘይኣፍልጦ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኣይኮነን! ህዝቢ ትግራይ ከይሓዊ፣ ርእሱ ከየቕንዕ፣ ገዛ ንብረቱ ሸይጡ ክበርስ ዝዓለመ ተግባር ፅንተት እዩ!

13. ኣብ ትሕቲ ወራር ፅንተት ዘሎን ከቢድ ስነኣእምሯዊ ማሕሰይቲ ዝበፅሖን መንእሰይ ትግራይ ናብ ስፖርት ንኸይምለስ፤ እተን ውሩያት ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ትግራይ ካብ'ቱ ዝነበረኦ ብርኪ ወሪደን ንኽወዳደራ ዝብል ውሳነ መንግስቲ ብውነ ዝፍፅሙዎ ዘለዉ ውዲት እዩ::

14. ንሃገሮም ዘገልገሉሉ ኣበል ጡረትኦም ብመንግስቲ ፌደራል ተኸሊኦም፤ ብዘይ ረድኤትን ሕክምናን ብጥምየትን ሕማምን ዝማስኑ ዝሞቱ ዘለዉ፤ ልዕሊ 75 ሽሕ ኣረጋውያን ትግራይ ብኣፍልጦ ኣብይ ኣሕመድ ዝፍፀም ዘሎ መቐፀልታ ፅንተት ህዝቢ ትግራይ እዩ::

15. ፍትሒ ዘይረኸቡ ትግራዋይ መንነቶም ገበን ኮይኑ፤ ንዓመታት ኣብ ዝተፋላለየ ቤት ማእሰርትታት ኢትዮጵያ ተዳጉኖም ዘለዉ ተወለድቲ ትግራይ ብዘይኣፍልጦ ኣብይ ኣሕመድ ኣይኮነን!

እዚአን እተን ግልፂ ኣብነታዊ ተርእዮታት ዝሓለፋ 30 ማዕልትታት እምበር፤ ኣብይ ኣሕመድን ጉጅልኡን ብዕቱብ በብማዕልቱ ኣብ ፅንተትን ብርሰትን ህዝቢ ትግራይን ትግራይን ዝፍሕሱዎ ውዲትን፤ ዝፍፅሙዎ ዝተዋደደ ወፍሪ ገበን ኵናትን፤ ንፃት እውን ኣየብደዩን፡፡

ስለዙይ ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን፣ ኣብዝሓ መንበር ዝሓዝካን ውዕል ፕሪቶሪያ ዝፈረምካን መሪሕነት ውድብ ህወሓትን፤

1. ኣብዙ ዓመት ብቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፤ ልኡኽ ዘተ ሰላም ትግራይ ንምጥያሽን ስርሑን ሓላፍነቱን ንምውሳንን ዝወፀ፤ ኣዋጅ ቑፅሪ 364/2015 ዓ.ም ኣበይ ኣተወ? ኣብዙ ኣዋጅ ዓንቀፅ 6 ንኡስ ዓንቀፅ 1 ዝተቐመጠ ዕላማ ልኡኽ ዘተ ሰላም ትግራይ፤ «…ህልውና፣ ድሕንነት፣ መሰልን ረብሓን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሰላማዊ መድረኽ ቃልሲ ምርግጋፅ…» ይብል! ብተመሳሳሊ ኣብዙ ኣዋጅ ዓንቀፅ 7 ንኡስ ዓንቀፅ 1 ንመሰረታዊ መትከላት ልኡኽ ዘተ ሰላም ትግራይ እንትገልፅ፤ «…ህልውና፣ ድሕንነት፣ መሰልን ረብሓን ህዝቢ ትግራይ ምርግጋፅን ምኽባርን…» ይብል! ኣበይ ድኣ ኣሎ?

2. ምስ ኣብይ ኣሕመድ ተቐራሪብካ ተኣማሚንካ ምእንተ ሰላም ምስራሕ ማለት፤ እዛ ዝረኸብናያ ኣፋፍኖት ሰላም ከይንዘርጋ ዓንቀፍቲ ሰላም ከይንኸውን ማለት፤ ጉዳይ ትግራይ ብሳላ ፅኑዕ ቃልሲ ዲያስፖራ ትግራይ በፂሑዎ ካብ ዝነበረ ዓለምለኸ ተዓዘብቲ ዝነበሩሉ ብራኸ ኣውሪድካ ናብ ቁፅፅርን ትኳቦትን ኣራት ኪሎ ክወድቕ ምግባር ማለት፤ ንሃለዋት፣ ድሕንነት፣ ክብሪ፣ መሰልን ረብሓን ህዝቢ ትግራይን ትግራይን ብኸመይ እዩ ዘረጋግፅ?

ስለዙይ ዲያስፖራ ትግራይ ከም'ቱ ኣብ መፈለምታ ወራር ዘርአናዮ ማዕበላዊ ዓለምለኸ ወፍሪ ሸሞንተ ኣዋርሕ፤ ምስ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ተኣሳሲርና ሓድነትና ኣደልዲልና ድምፂ ህዝብና ክንኸውን ግድን ይብለና!

Telegram : https://t.me/+HdnQzJcDXXJlMzBh