INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ህድእ ንበል! ነስተውዕል!

Source in facebook

ኣብ መርበብ ማሕበራዊ ሚዲያ ጃዕጃዕ በዚሑ፤ ሽኻልና ንስሕት ኣለና! ርግዕ ኢሉ የማን ፀጋም ርእዩ፤ ኣብ ባይታ ንዘሎ ሓቂ ምስ ኩነታታ ኣተኣሳሲሩ ዝርዳእ፤ እሂን ምሂን ዝብል መስተውዓሊ እናሰሰነ ኣብ ክንዲ ምኻድ፤ ብስምዒትን ብበለካ ለኽዐካን ዝግናሕ ይርአ ኣሎ!

ምስ'ቱ ዘሎ ክባን ዕፅዋን ኣብ ህዝብና ወሪዱ ምስዘሎ ግፍዕን መከራን፤ ንእንሰምዖም ዝተፋላለየ ሕብርን ልኡኽቶን ዝሓዙ ወረታት፤ ክንድኣፍ ምስ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭብጢ ብኣግባቡ ንምርዳእ ምሕታት፤ ቀልጢፍካ ናብ ሓደ ጫፍ ብምምጣጥ ብናይ ባዕልና ውልቀ-ኣረዳድኣ ናብ ውሳነን መደምደምታን ብምብፃሕ፤ ፈፂሙ ክብሃል ዘይግብኦ ዘረባታት ፀርፍታት ጠቐነ ውንጀላታት ይስማዕ ይርአ ኣሎ፡፡

እዙይ ብኣብዝሓ ካብ ምግዳስ ዝተልዓለ፤ እቱ ጭንቅን ፀበባን ዝወልዶ ስምዒታውነት እንተኾነ እውን፤ ምስ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅን ዘለናሉ ኩነታትን የባእሰና የጋጭወና፤ ነንሕድሕድና የጓንፀና ሰነያ ይርሕቐና ኣሎ! ብዙይ ድማ፤ ንባዕልናን ንህዝብናን መውቅዒ፤ መሳርሕን መገልገልን ዙሪያ ምላሽ ፀላእትና ኢና እንኸውን ዘለና! ኣብ እንፅሕፎን እንዛረቦን እናኣተዉ ብኸመይ የጣቕዑ የራስኑናን የጋድዱናን ከምዘለዉ ንተዓዘብ!

እዚ ካብ በልኩ፤ ትማሊ ፍፁም ብርሃነ ብዝብል ስም ካብ መቐለ ብዝፀሓፎ ተበጊሱ፤ ንኣናን ንፀላእትናን ኣጀንዳ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ዓይደር ብዝምልከት ብሓፈሻ ክብሎ ዝኽእል፤ ቁፅሮም ንእሽተይ ዘይብሃል ሰባት ካብ'ቱ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዝረሓቐ ወረ ተደሪኾም ናብ መደምደምታ ጫፍ ከምዝኸዱ እዩ፡፡ ሓኻይምን ምምሕድዳርን ሆስፒታል ዓይደርን ተወከልቲ መንግስቲ ትግራይን፤ ኣብ ባይታ ብዛዕባ ዘሎ ወድዓዊ ኩነታት ዝርዝር መረዳእታን መብራህርህን ክህቡሉ ይኽእሉ!

ኣነ ብዝፈልጦ ግና ናብ ዝርዝር እንተይኣተኹ፤ ክልተ ነገራት ክብል! ብፍላይ መንግስቲ ትግራይ ዓሚ ናብ ንቡር ቦትኡ መቐለ ካብ ዝምለስ ኣትሒዙ፤ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ከም ኩሎም ትካላት ፌደራልን ህዝቢ ትግራይን ኣብ ሙሉእ ዕፅዋ እዩ ፀኒሑ! ካብ መንግስቲ ፌደራል ክረኽቦ ዝግባእ ስራሕ መካየዲ ገንዘብ፣ መድሓኒትን ሕክምናዊ ናውትን፣ ነዳዲ፣ መራኸብን መጉዓዝያን፣ መግብን ንዋትን ንሕሙማት፣ ደመወዝ ንኣሽሓት ሰራሕተኛታቱ፣ ወዘተ... ዘይብሉ፡፡ እሞ ድኣ ዳርጋ ዓመት መመላእታ ብዝተናውሐ ዕፅዋ፤ ሆስፒታል ዓይደር ከመይ ኢሉ ብምንታይኸ እዩ ዝኸኣሎ ግልጋሎት እናሃበ ፀኒሑ? መልሱ ሓቲትኩም ብፅሑሉ!

ሐዚ እውን እዞም ኩሎም ንሆስፒታል ዓይደር ግቡእ ግልጋሎት ክህብ ዘኽእሉዎ እታዎታት የብሉን! ብሰንኪ ዕፅዋ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ! ስለዙይ እቱ ቀንዲ ጠንቂ ህላወ ህዝብና ዝኾነ ዕፅዋ ክስበር ንቃለስ!

ኣብ ሓይሊ መብራሕቲ ትግራይ ብዘሎ ምትዕርራይ ኣብ ሙሉእ ትግራይ ሓይሊ ኤሌትሪክ ንዓሰርተ ማዕልትታት የለን፡፡ እዚ ድማ ካብ ፅባሓት ክሳብ ግልጋሎት ዝጅምር ንዓይደር ሓዊሱ ንኹሎም ግልጋሎታት ትግራይ እዩ ተዓፅዩ፡፡ ግድን ክትግበር ዘለዎ ዕማም ስለዝኾነ!

ግና መንግስቲ ትግራይ ንዓመት መመላእታ ከመይ ገይሩ እዩ ኣብ ኣብዝሓ ትግራይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክባፃሕ ኣኽኢሉ ኢልና ሓቲትና ዶ? ወይ ድማ ብኣዎንታ ካብ መቐለ ፅሒፍናዶ? እሞ ድማ ፋሽስት ጉጅለ ኣብይ ብድሮንንን ነፈርትን ደጋጊሙ ንተከዘ ኣዕንዩዎ እናሃለወ! ጀጋኑ ወየንቲ ሰብ ሙያ ተጋሩ ከመይ ገይሮም ቀትርን ለይትን ተቓሊሶም ንቱ ዝዓነው ፀጊኖም ንዓይደር ሓዊሱ ህዝብና ግልጋሎት ክረክብ ገበሩ ኢልና ሓቲትናዶ? ሐዚ ድኣ ንኣድላዪ ምትዕርራይ መንግስቲ ንህዝቢ ኣፍሊጡ ኣብ ዝገበሮ ምቑራፅ ንምንታይ ኣሉታዊ ተኳሳሒ ኣጀንዳ ክፍሓሰሉ ተደለየ? "ሰበስልጣናት ነዳዲ ይጥቀሙ ኣለዉ" ዝብል፤ ብሓፈሻ ንኩነታት ዘይምርዳእ ወይ ዘይምግዳስ ኢለ እየ ዝሓልፎ! ምኽንያቱ ድማ እዙ ሐዚ ዘለና መንግስቲ ኵናት ዝመርሕ መንግስቲ እዩ፤ መራሕቲ ትግራይ ሎሚ ኮነ ፅባሕ ኣበይ ከምዝውዕሉን ከምዝሓድሩን፤ ፀሓፋይ ፍፁም ዝፈልጡሉ ኩነታት የለን! ሓቂ ኣይኮነን እምበር እዙይ ንፀላኢ ገዚፍ ወተሃደራዊ ምሽጥር እዩ!

ንኩናት ዝመርሕ መንግስትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ድማ በብደቓይቑ ካብ ዝግልገሉሉ ዝተፈላለየ ናውቲ መራኸብን ካልእ መሳርሕታትን ኣትሒዙ፤ ንዝተፈለላለዩ ወተሃደራዊ ግልጋሎታት ኮነ ስራሕቲ መንግስቲ ክልተ ሰለስተ ሊትር ነዳዲ ዝወስዳ ጀነረተራት ንምንታይ ይጥቀሙ እንተኾይኑ፤ እቱ ኣጀንዳ ካልእ እዩ ዝኸውን!

ብኣውርኡ ግና ኣብ መቐለ ኣናእሽተይ ጀነረተራት ገይሮም ንዝግልገሉ ኣማኢት ገዛውቲ ውልቀ ሰብሃፍትን ካብ እንዳሸሂ ኣትሒዙ ሰብ ዓበይቲ ንግድን ሆቴላትን ኣለዉ፡፡ እዙ ገዛውቲ ህዝቢ እዩ ናይ መራሕቲ ገዛውቲ እዩ ተብሂሉ ንፀላኢ እንተይተረፈ ዝንገር ዘሎ! ፀላእትና ሎሚ ከም ዓሚ ሰማይ ትግራይ ጎልጎል መሲሉዎም ቀንጠብጠብ ኣይብሉን እምበር፤ ቅድሚ ኣዋርሕ እውን ብኸምዚ እዩ ነይሩ ዓበይቲ ገዛውቲ መቐለ እናፈለዩ ብድሮን ዝደብደቡ!

ስለዙይ ነስተብህል! ገሊኡ ብጉርሑ እዩ ኣጀንዳ ዝህበና ዘሎ፤ ልዕሊ ቴስዓ ካብ ሚኢቲ ኣብ መርበብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝርአ ዘሎ ኩራን ሃውተተትን ግን፤ ኩነታት ህዝቡ ኣገዲሱዎ ካብ ጭንቅን ፀበባን ዝተበገሰ እዩ፤ ናብ ስምዒት ኣትዩ ብናይ ካልኦት ዝተፍሓሰ ኣጀንዳ ዝፅመድ፤ ነንሕድሕድ ዝ ጓነፅን ኣድላዪ ዘይኾነ ስማስም ዝውሃሃብን ዘሎ፡፡

ቀንዲ ዋኒንና ብዙይ በለ ብቱይ ዕፅዋ ምስባርን ንትግራይ ናብቱ እነተስፍዎ ብራኸ ምስግጋርን እዩ! ካልእ ካልእ ከምዘሎ ኮይኑ ሓደ መርኣያ፤ ኣብዙ ሎሚ ልዕሊ 25ሽሕ ሜትሪክ ቶን ህፁፅ ሰብኣዊ ረድኤት መቐለ በፂሑ ዘይተኸፋፈለ ኮፍ ኢሉ ኣሎ! እኒ ደመቀን ኣብይን ነዳዲ ከይሓልፍ ስለዝኸልኡ! ንዙ ዕፅዋ ክንሰብር ብኹሉ ዓቕምና ተዋዲድና ንመርሽ!

ንዙይ ንምትግባር ድማ መንግስቲ ትግራይ ከም መንግስቲ፤ ጎና ጎኒ ፅዑቕ ዲፕሎማሲያዊ ወፍሪ፤ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ካብ ህንፀት ወተሃደራዊ ዓቕሚ ትግራይ ክሳብ ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ግልጋሎታት ክገብሮ ዝግባእን ዝኸኣሎን ኩሉ ይገብር ኣሎ፤ ዝያዳ ክተዓፃፀፍ ድማ ናይ ኩልና ድሌትን ትፅቢትን እዩ፡፡ ፀላኢ ኣዕንዩ ዝገደፎ ትርፍራፍ ኣቕሑት ተጠቒሙ ብዝተኽኣለ እውን ብነዃል እናኣታተወ እዩ፤ ሓይሊ መብራሕቲ ኮነ ግልጋሎት ስልኪ ገዛ ክርከብ ዝተኽኣለ! ከምኡ እውን ፅዕንቶ ዕፅዋ እንተይዓገተና ኣብ ውሽጢ ትግራይ ግልጋሎት ባንክን ሞባይል ስልክን ካልኦት ግልጋሎታትን ንምርካብ ሰብ ሙያ ተጋሩ ፅዑቕ ፃዕሪ ይገብሩ ኣለዉ፡፡ ጀጋኑና ቀትርን ለይትን ኣብዙያትን ካልእ ዋኒን ህዝብን እዮም ዝነጥፉ ዘለዉ፤ እሞ ድማ ምንም ኣታዊ ኮነ በጀት ዘይብሎም፤ ምስ ዙሪያ ምላሽ ፀላኢ ተፋጢጦም እናሃለዉ!

ስለዙይ ንሕና ድማ ማእገር ንኹኖም፤ መኸተ ሰለስተ ኣጠናኺርና ዓቕሚ ንኹኖም! ዕፅዋ ክስበር ምእንታን ድምፅና ነስምዕ! ዕፅዋ ክስበር ምእንታን ንመንግስትና ሰራዊትናን ህዝብናን ደጀናዊ ዓቕሚ ንኹን! እዙይ እንተገይርና እንተተረባበሪብና ጥራሕ እዩ፤ ካብዙ ኩሉ ዕፅዋን ፀበባን፣ ግፍዕን መከራን፣ ጭንቅን ምትፍናንን ተናጊፍና፤ ዕምበባ ትግራይና ጋህዲ ክንገብራ እንኽእል! እቱ መፍትሒ ንቱ ዘሳሕየና ጠንቂ ንዕፅዋ ቦቂስካ ምድብራይ እምበር፤ ዘሳሕየና ኩሉ ምሕኻኽ እማ ሻሕራማት ክገብረና እዩ! ትግራይ ትስዕር ኣላ! ካሳ ሃይለማርያም