INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ናይ ሓፂር ግዘ እዋናዊ ትፅቢት ዶ ኣለኩም?

ከም ውልቀ ትግራዋይን ትግራወይቲን፤ ንትግራይን ህዝቢ ትግራይን ብዝምልከት፤ ናይ ሓፂር ግዘ እዋናዊ ትፅቢት ዶ ኣለኩም?

ኣብ ቀረባ ማዕልትታት ክትግበር ኣለዎ እንብሎ፤ ትፅቢት ኣብዝሓ ህዝብና ተመሳሳሊ ይኸውን ኢለ ይኣምን! ንኣብነት ናተይ እዋናውን ህፁፅን ክትግበራ ኣለወን ዝብለን ትፅቢት ሰለስተ እየን::

1ይ - ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ዕፅዋ ክስበር በሪ ትግራይ ክኽፈት፤

2ይ - በሪ ምስተኸፍተ ካብ ምጉያይ፤ መንግስቲ ትግራይ ብሐዚኡ ካብ'ቱ ጥሒልናሉ ዘለና ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ውድቀት መሪሑ ከሕውየና ዝኽእል፤ ካልእ ድሕረ ባይታ ወይ ፖለቲካዊ ውዳበ ብዘየግድስ፤ ትግራይ ኣላትኒ እትብሎም ዓቕሚ ዘለዎም ብሉፃት ምሑራትን ክኢላታትን ዝሓቖፈ ሓዱሽ ካቢኔትን መሓውራትን መንግስቲ ትግራይ ብቕልጡፍ ከጣይሽ!

3ይ - ዕፅዋ ምስተስብረ በሪ ምስተኸፍተ ደንበርበር ከይንብል፤ ብሐዚኡ ቀልጢፍና እኹል ዓቕሚ ኣዋህሊልና ክንዳሎ ምእንታን፤ ኩሉ ዲያስፖራ ብዘለዎ ኩሉ መኒኑ ኣብ መኸእተ-ሰለስተ ክንወፍር!

ናተይ እዋናዊ ቅልጡፍ ትፅቢት እዚአን እየን፤ ናትኩምኸ?