INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ሓተታ ዘርአ ያቆብ (መርምር ዘርአ ያቆብ)

ኣብ መበል 16 ክ/ዘመን ብዝነብር ዝንበረ ብውሩይ ትግራዋይ ፍላስፋ ዘርአ ያቆብ ዝተጸሓፈ ኢዩ። ፍላስፋ ዘርአ ያቆብ ብኢዱ ብቋንቋ ግእዝ ጺሒፉ ዝሓደጎ መፅሓፍ ም/ር ኣለም ኣራያን ዮሃንስ ገ/ ስላሴን ትርጒሞም ኣብ መፂሔት ውራይና ከምዚ ዝስዕብ ኣቕሪቦምዎ ነይሮም።

ክፍሊ ክልተ

ኣብ ሃገርና መፃሕፍቲ እናምሃርኩ እንተለኹ ካብ ኣዕርኽተይ ብዙሓት ፀልኡኒ ኣብዚ ዘመን እዚይ ፍቅረ ዓርኪ ፍቅሪ ሓው የለን ሞ ኣነ ካብ ኣቶም ብትምህርትን ብፍቅሪ ሓው ስለዝበልዖም ኣብ ልዕለይ ቅንኣት ሓደሮም ምስ ሰበት ምስ ፈረንጂ ምስ ግብፃውያን እስማማዕ፡፡ መፃሕፍቲ ከምህር ከለኹ ድማ ፈረንጂ ከምዚአይ ይብሉ ግብፃውያን ከምዚይ ይብሉ እብል ምበር እዚይ ሕማቅ እዚይ ፅቡቕ ኢለ ኣየምህርን፡፡ ኣነ ግና ዝብሎ እዚይ ፅቡቅ ክኾን እንተኾይኑ ኣንሕና እንተፀቢቅና እንተተስማሚዕና እዩ እብል፡፡ በዚ ድማ ኩሎም ፀልኡኒ ምኽንያት ንግብፃውያን ፈረንጂ እመስሎም ንፈረንጂ ግብፃዊ ስለዝመስሎም እዩ፡፡

ብዙሕ ድማ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣቃለሉኒ ኣፀለሙኒ እግዚሃር ግና ኣይሓደገንን ምሳይ ኮነምበር ሓደ ካብቶም ናይ ኣክሱም ካሕናት ስሙ ወልደ ዮሃንስ ዝበሃል ፃላኢየይ ንንጉስ ፈታዊ እዩ ኔሩ። ምኽንያቱ ፍቅሩ ብምሕሳው ስለዝርከብ እዚ ሓሳዊ ዝኢይ ናብ ንጉስ ኣቲዩ ንዓየይ ንህዝቢ ስለ ሃይማኖትና ንልዓል ንጉስ እውን ንቐትሎ ንፈረንጂ እውን ነባርሮም ኢሉ ንህዝቢ የለዓዕል ዩ ኢሉ ሓሰወሉ፡፡ እቲ ንጉስ ከምዝኣምን ብዙሕ ኣፀለመኒ። ኣነ ድማ ምስ ፈለጥኩ ፈሪሐ፡፡ ዘለኒ 3 ቀለበት ወርቂ መፅሓፈይ ዝዕልየሉ መዝሙር ዳዊትን ሒዘ ለይቲ ጠፊኣ ተከዘ በረኻ ኣተኹ፡፡ ብጥምየት ተትሓዝኩ ወፂኣ ዝብላዕ ክልምን ጀመርኩ፡፡ ዝብላዕ ሂበሙኒ ናበይ ከምዝኸይድ ከይፈለጥኩ ብዘይዕረፍቲ እናጎየኹ ከድኩ፡፡ ከምዚ እናበልኩ ብዙሕ ግዘ ምስ እቲ ሕዚ ዘለናሉ እዋን እዋን ቀውዒ እዩ።

እቲ ፀልማትን ከቢድን ክረምቲ ሓሊፋ፤ ሓምለዋይ ዝነበረት መሬት ፃዕዳ ኮይና፤ ርኡይን ግሁድን ለውጢ አጋጢሙዋ፤ ፅንቕቕ ኢለን ዝነበራ ቆፎታት(ጎዳታት) ሓረስታይ "ከንመልእ ኢና” ኢለን ዘተስፋዋሉ እዋን፤ ቀውዒ። አብ መነባቢሮ ሓረስታይ እቲ ወሳኒ ወቅቲ እዩ። ከምዚ ሓምለ ብዝመፀ ቁፅሪ ብሪህ ተስፋ ኣብ ተመረቕቲ ተምሃሮ ንዕዘብ እዚ እዋን እዙይ ንሓረስታይ እውን ብርህ ተስፋ እዩ። ነቲ አብዚሑ ደኪሙሉ ዝነበረ ውፅኢቱ ብዓይኒ ዓጊቡ ሰብ ከብዱ ኸዓ ክፀግብ ናብ ምእርናብን ምእካብን ዝበፅሐሉ እዋን እዩ። ጊዜኡ ዘርከበሉን ኣዕርዩ ዝነተን ዓይነት እክሊ ብዓፂድ ገይርካ ናብ ዓውዲ ዝእከበሉ እዋን እዩ።

ዓሂድ፣ ጎንካ፣ ኩልሰሳ፣ ዓውዲ ምስንዳእን፣ (ምጥቅጣቅ፣ ምፅራግ)፣ እከሊ ምክያድ ዘምበል ከይበሉ ካብ ጥንቲ አስካዕ ሐዚ በቲ ሐደ እዋን ዝተገበረሎም ስርዓት ይጓዓዙ አለው። (ምናልባት እኳ ብከምዚ ሓደ ስርዓት ንነዊሕ እዋን ብዘይ ለውጢ አጥቢቅና ብምሓዝና ኣብ ዓለም ናይ ፍሉጣት መዝገብ ከንምዝገብ ይግበኣና ይኸውን?) ብዝኾነ ናብቲ ዋና ዋኒንነይ ክኣቱ እሞ ዕላለይ ክቅፅል፤ ቅድሚኡ ግን ብዙሓት ቁምነገራት በቢዘፊሩ እንተስ ሓሲቦምሉ እንተስ ሳክት (ዳሕራይ ንዝመፁ ትውልድ ኢሎም) ሰሪሖምልና ዝሓለፋን፤ ሃፍታም ዝገበሩናን ወለድና ኩሉግዜ ምስጋና ይብፃሓዩም።ልዕል ኢለ ከምቱ ዓውዲ ምስንዳእ ማለትን ተተሓሓዝቲ ነገራትን ዝገለፅከዋ ዋና ዋኒነይ ኣብ እዋን ዓውዲ ዘሎ ስርዓትን ሃፍቲ ስነጥበብን ንእሸተይ ንምባል እዩ።

ቀዲሐ ዶ ከይውድኦ ዋ እስቲ ንእሸተይ ከልፍ፤ ኣብ ምጭላፍ እትሕግዙኒ እንተሃሊኩም እኒሀ እቲ መንገዲ ምጭላፍ ጀሚረልኩም አለኹ። ዓውዲ እቲ ስርዓት ምክያዱን በቢዓዱ ነናይ ባዕሉ መግለፂ እንተሃለዎ ዋላ ኣብቲ ኣነ ተወሊደ ዝዓበኹሉ ኣካባቢ መስረት ገይረእየ ከዕልለኹም። ዓውዲ እንዳበልና ነዕልሎ ዘለና ሽም መስርሕ ኮይኑ ኣብ ጥቃ ገዛ ከባቢ ሓረስታይ ብብልሓት ዘሰናድኦን ካብ ግራውቲ ዝተዓፀደ አክሊ ወሰናወስኑ ዝኩልሰሰሉን እዩ። ዝተፈላለዩ ከይዲታት ሓሊፋ ናብ እዋን ምክያድ ዝበፅሐ ኩልሳስ (ኣብ ሓደ ዝተኣከበ እኽሊ)እዋኑ አንትበፅሕ ናብቲ ዓዉዲ ይንስነስ (ኩልሳስክስበር ወይ ከዓ ከፋርሶ ይበሃል)።

ዳሓር ነቲ እከሊ ፍሪኡ ካብ ሓሰሩ (ብርዑ) ከፈልዩ ዝክእሉ ምሩፃትን ጠንካራታትን አብዑር (መብዛሕቲኡ ዓዜ ደቂ ተባዕተዩ) ተሓርዩም ከምቲ በዝሓም ተሰሪዖም ካብ የማን ናብ ፀጋም (Counter Clockwise) ዶዘሩ፣ የካይዱ ይብሃል።

ኣብዚ እቶም አቡዕር (ተስታያት ይኹን ዝራብዓት ኣታፈን⁄) ዋና ስርሖም እንዳኩለልካ እቲ እከሊ ምድቃቅ እንተኾነ እውን ቀላሳይን ከላላይን ዝብሃሉ ክልተ ወሰንቲ ከፍልታት ከዓ አለው። እቲ ቀላሳይ ብዕድመ ዕብይ ዝበለ፤ ርጉዕን ዕጉስን ዝባሃል አንትኸውን እቲ ኮላላይ ከዓ ብዕድመ ንእስ ዝበለ (ብፍላይተፊን) ብሓይሊ ትኩስ ዝኾነን እዩ።

ብመልክዕ ከቢ ዝሰናዳእ ዓውዲ እቲ ቀላሳይ አብቲ ማእከል(point of center) ዝርኸብ ሓፂር ርሕቀት (ኮላላ) ዝገበር እንትኸውን እቲ ኮላላይ ግን ኣብ ወሰን እቲ ከቢ ዝርከብ ነዊሕ ጉዕዞ ዝገበር(On the surtnce of the circle) እዩ። ማለት እውን ሓያልን ጉልበት ዘለዎን ንክኾውን ይግብር። ዋላድኣ ንሳቶም እቶም ኣብዑር ዓኡዛን(ምስትውዓል ዘይብሎም) እቲ ተግባር ኣይፍለጥዎ እምበር እቲ ዓላማ ግን ነቶም አብዑር እውን ተረብሕቲ ዝገብር እዩ። ነቲ ዝካየድ ዘሎ እክሊ እቲ ፍርኡ ናብ ቆፎ እንትእቱ እቲ ሓሰር ከዓ ናብ እንዳሓሰር ኣትዩ ንሓጋይ ምሉእ ሓረስታይን ብዕራይን ብዘይፀገም ይሓልፉ።

ዝተፈላለዩ ሓይሊን ዕድሙን ይሃሉ ብዘየግድስ በቲ ገዛኣይ ኣተሓሳስባ ምንባርን ኩለኻ ተረባሒ ምዃንን (Hin minstratag) ሓዚ ዝመፀ ዘይኮነስ ህልውን ቡርን እዩ። ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ ቀላሳይ ጥዑይ እንተኾይኑ እቲ ዓውዲ ጥዑይ እዩ፤ ምኽንያቱ ቀላሳይ ብልምዲ፣ ብሕልንኡ ዝምራሕን ዋና መራሒ እቲ ኮላላን ስለዝካነ እቲ ዘኩልል ዘሎ ሰብ እኳ ንዕኡ ኣይትንክፎን፡ ማለት እውን ዓብይ ትፅቢትን ክብሪን ሂብካ አትሸሞን እዩ እምበር እትሓምዩ ዓይነት አይካነን፤ ንሱ እውን እንተኮነ ነቶም ኣብ ጎኑ ዘለው እስካዕ እቲ ከላሊ ብዕራይ።

Aaronson Weldegebreal
Gebreselassie G. Haile
Yonas Tadesse Berhe
Gebrekirstos Gebreselassie