INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ሓሲብካን ተሊምካን ምጽናሕ

እቲ ናይ ፕሪቶሪያ ስምምዕ ኣብ ትግራይ ናይ ስግግር መንግስቲ ክጣየሽ ከምዘለዎ ግልፂ ገይሩ ኣሎ። ንሱ ዝግበር እንተኾይኑ እቲ መንግስቲ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ውድባት ጥራይ ዘይኮነስ እኒ ኣብይ ኣህመድ ሒዞምዎም ዝመጽኡ ኣካል ናይቲ ፅንተት ህዝቢ ትግራይ ዝነበሩ ነባራትን ገናውን ንዚ ዕላማ ገይሮም ዝፍልፈሉ ሓደሽቲ ውድባት ከምዝህልዉ ምግማት ይከኣል። ከምኡ ዝገብሩሉ ምኽንያት ድሕሪ ስግግር ኣብ ዝካየድ መረፃ ክስዕሩ ኣሚኖም ዘይኮነስ

ሀ) ህወሓትን እተን ኣብ ትግራይ ዝጸንሓ ውድባትን ኣብቲ ዝምስረት ናይ ስግግር መንግስቲ ዝሕዝኦ ወንበር ዝነኣሰ ገይርካ ንቶም ናይ ፅንተት ሓይሊታት ድማ ዝበዝሐ ሂብካ እቲ መረፃ እስካብ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ከይዲ ዝህልዎም ናይ ምውሳን ዓቕሚ ክንእስ ምግባር።

ለ) እቲ ስግግር እዋን ብናይ ውድባት ሓሸዌ ትግራይ ኣብ ቐፃሊ ፖለቲካዊን ጸጥታዊን ህውከት ክትኣቱ ገይርካ፡ ብኡ ኣመኺኒኻ ድማ እቲ ናይ ስግግር መንግስቲ ዕድሚኡ ንምንዋሕ።

ሐ) ንቲ ኣብ "ለ" ዝተጠቐሰ ናይ ህውከት መስርሕ ኣመኽኒዮም ትግራይ ብቐፃሊ ኣብ ትሕቲ ናይ ፌደራል ወታሃደራዊን ናይ ጸጥታ ሓይሊታትን ክትእሰር ንምግባር ዒላማ ዝገበረ ክኸውን እዩ።

መ) ናይቶም ዝተጠቐሱ ኩሎም ደሚርካ ድማ ተጋሩ ብዛዕባ ትግራይ ዝነበረና ኣስኢኖም፡ ኣብ ቐረባታት ዝሓለምናዮ ኣምኪኖም ገሃንመሃን ብምትራፍ ካልኣይ መዓልቲ ፈተና ናብ ዘይንኾኖም ብርኪ ከውርዱና እዩ። ብኻሊእ ኣባህላ እቲ በውግእ ዘይፈጸሙዎ ብሽርሒ ዝተመልኦ ፖለቲካዊ መስርሕ፡ ቑጠባዊ ምድኻምን ጸጥታዊ ጸቕጢታትን ገይሮም ንምስኻዕ ክቃለሱ እዮም።

እሞ ከም ግቡኡ እንተኾይኑ ፖለቲከኛን ሙሁራትን ሕሉፍን ህሉውን ኩነታት ተረዲኦም ንቕድሚት ክኸውን ዝኽእል ዝተፈላለዩ እንተታት (Scenarios) ብምግማት ንሕድሕድ ኩነታት መዋጽእቲ ዝኸውን ፍታሕ ብምቕማጥ ድሉዋት ክኾኑ ትጽቢት ይግበር። ብዚ መዳይ ናይ ትግራይ ፖለቲከኛታትን ሙሁራትን ስለዘይተዓደሉ ከም ህዝቢ ኣብዚ ዘለናዮ ኩነታት ንርከብ።

እሞ ኣቲናዮ ዘለና ኩነታት ንጌጋ ዕድል ዘይህብ ስለዝኾነ ዝመጽእ ዘሎ ፈተናታት ኸቢድ ምዃኑ ተረድእኻ ንኹሉ መዋጽእቲ ዝኸውን ኣንፈታት ኣቐሚጥካ ምፅናሕ ናይ ለባማት እዩ። ካብ ሕሉፍ ጌጋግታትካ ተማሂርካ ኣካይዳኻ ዘይምእራም ሕምቀት ጥራይ ዘይኮነስ ዝተውሃበካ እምነትን ሓላፍነትን ምጉዳልን መመሊስካ ድማ በደል ምፍፃምን ምዃኑ ክንርዳእ ይግባእ።

ሀዚውን እንተታት ብዝርዝር ተቐሚጡን ተተንቲኑን ንጽባሕ ዝኾኑ ኣንፈታት ኣብ ኢድ እንተዘይሃሊዩ ተይወዓለ ተይሓደረ ስፍሕ ዝበለ ናይ ኪኢላታት ጉጅለ ተጣይሹ ናይ ሓፂር እዋን (3-6 & 6-12 ኣዋርሕ) ኣንፈታት ክቕመጥ ይግባእ። ኣስተውዕሉ ኣቱም ሰባት፥ እዙይ ንምግባር ግዱስ ትግራዋይ ምዃን እምበር ናይ ዝኾነ ውድብ ኣባል ክኸውን ግድን ኣይኮነን። ኣብዚ እዋን ናይ ፓርቲ ፖለቲክስ ምክያድ ብህዝብኻ ምቕላድ ስለዝኾነ ፍልጠትን ህዝቢ ትግራይን ማእኸል ዝገበረ ኺይኑ ሓደጋ ንምቕናስ ዘይተኣደነ ፃዕሪ ክዕመም ይግባእ። ኣካይዳ ፖለቲካ ትግራይ ፀላእቲ ብዘቐምጡዎ ኣጀንዳ ዘይኮነስ ነብሱ ኪኢሉ ዝዋሳእን ሽቶ ዝወቅዕን ክኸውን ምእንታን ሓሲብካን ተሊምካን ምጽናሕ ዝመስል የለን። ብቑዝምዝምን ጓሂን ዝዕወት ፖለቲካ ስለዘየለ ዘለና መማረፂ ቓልስኻ ምሕያል ጥራይ እዩ። ኣጆና ኣጆና!

ብዝተረፈ ሃገር ትፍጠር መጀመርታ ኣብ ኣእምሮ እያ'ሞ ጉዳይ ሃገረ ትግራይ ኣብ ሕሊና ኹሉ ትግራዋይ ይሰረት።

ብ #GebreSelassie
ገብረ ሥላሴ ኣርኣያ Digital Weyane ዲጂታል ወያነ