INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ሓሳብ - ኣብ ትግራይ ናይ #ፋይናንስ_ቁፅፅርን_ዝውውርን ዝምልከት ህፁፅ_ኣዋጅ ይተኣወጅ

#ሓንቲ_ሓሳብ_ኣለትኒ_ተጋሩ

ኣብ ትግራይ ናይ #ፋይናንስ_ቁፅፅርን_ዝውውርን ዝምልከት #ህፁፅ_ኣዋጅ ይተኣወጅ!

እቲ ኣብ ትግራይ ተፃዒኑ ዘሎ ኩለመዳያዊ ዕፅዋ ንህዝብና ሰን ሰን ኣቢሉዎ ከምዘሎ እሙን እዩ። ብኻሊእ ወገን ድማ ንዚ ኹነታት'ዙይ ከም ሰናይ አጋጣሚ ተጠቒሞም ብፀገም ህዝብና ክኸብሩ ዝደልዩ ስሱዓት ይስስኑ ከምዘለዉ ነስተውዕል ኣለና።

ንዙይ ንምዕጋት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ገንዘብ ንዝዓቖሩን ካብ ዓቐን ንላዕሊ ኮሚሽን እናወሰዱ ህዝቢ ንዘማርሩ ሃንጎሪማታት ዝቆፃፀር ህፁፅ ኣዋጅ ምእዋጅ ኣድላይ እዩ። ንዚ ኣዋጅዙይ ተኸታቲሉ ዘፈፅም ካብ ፀጥታን ፋይናንስ ትካላትን ዝተወፃፀአ ተፀዋዕነቱ ንፕሬዚዳንት ትግራይ ዝኸውን ሓደ ኮሚቴ ክጣየሽ ኣለዎ።

እዚ ኣዋጅ ተፈፃምነቱ ንሓደ ዓመት ዝፀንሕ (ወይ ከም ኣድላይነቱ ዝናዋሕ) ኾይኑ ብዋናነት ኣብ ክልተ ኣካላት ትኹረት ዝገብር ተዝኾን!

1. ኣቕዲሞም ኣብ ገዝኦም ብሚሊዮናት ዝቑፀር ገንዘብ ዝዓቖሩ/ዝቐበሩ ንዚ ገንዘብ'ዙይ ድማ እዛ ሕማቕ እዋን ብዝፈጠረትሎም ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ንቲ ህዝቢ ዝብዝብዙ (ንኣብነት ደቁ ንኽዕንግል ክብል 5 ሚሊዮን ንዝግመት መንበሪ ገዝኡ ብፍርቂ ሚሊዮን ንኽሸጥ ዝግደድ ስድራ እናኣለሹ ብስስዕና ኣብ ምግዛእ ዝተዋፈሩ ጨካናት

2. ካብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ንዝለኣኽ ገንዘብ ክሳብ 40% ናይ ግልጋሎት እናቖረፁ ኣብ ወገኖም ዝጭክኑ ኣካላት ታርጌት ዝገብር ህፁፅ ኣዋጅ ምፅዳቕ ኣድላይ እዩ።

መንግስቲ ትግራይ ንዙይ ዝምልከት ህፁፅ ኣዋጅ ኣውፂኡ እንተይዋዓለ ተይሓደረ ክትግበር ኣለዎ። ብመሰረት እዚ ኣዋጅዙይ ሓደ ሰብ ካብ 50ሺሕ ንላዕሊ ኣብ ገዝኡ ዝቐበረ ሰብ በቲ ኣዋጅ ብዝተቐመጠ ጊዜ ገደብ መሰረት እቲ ገንዘቡ ናብ ባንኪ (ወይ ድማ ንዙይ ተባሂሉ ኣብዝጣየሽ መንግስታዊ ናይ ዕቋር ትካል) ዲፖዚት ንኽገብር ዘገድድ ይኸውን። እዙይ ንምግባር ፍቓደኛ ዘይኾን ሰብ ድማ ብጥቆማ ገንዘቡ ንኽውረስ ምግባር ንቶም ዝጥቁሙ እውን ኣድላዪ ዝኾነ ኮሚሽን ከምዝሕሰበሎም ኣብቲ ኣዋጅ ምሕንፃፅ። ንዚ ኣዋጅ'ዙይ ኣኽቢሩ ገንዘቡ ንዝቑጥብ ሰብ ድማ ካብ ካሊእ ሕብረተሰብ ዝተፈለየ በቲ ዝቑጥቦ ገንዘብ መጠን ልክዕ ኣብ ዘድልዮ ጊዜ ብዘይ ወረፋ ብዝሕ ዝበለ ገንዘብ ከውፅእ ዝኽእለሉ መስርሕ ምምችቻው! ብኻሊእ መዳይ ድማ እዚ ህፁፅ ኣዋጅ ንቶም ኣብ ገንዘብ ዝውውር ዝተሳተፉ ዘለዉ (ክሳብ 40% ኮሚሽን ዝቖርፁ) ጨካናት ዝምልከት ይኸውን። ምስቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዕፅዋ ገንዘብ ከዘዋውሩ ይፍቀደሎም እሞ ግንድማ ንቲ ግልጋሎቶም 5% እንተበዝሐ ድማ ካብ 10% ዘይበልፅ ኮሚሽን ጥራሕ ንኽረኽቡ ምግዳድ። በዙይ ዘይግዝኡ ኣካላት ብጥቆማ ጥንክር ዝበለ ስጉምቲ ንኽውሰደሎም ምግባር። ከምዙይ ዓይነት መስርሕ እንተተዘርጊሑ እተን ባንክታት ብሕፅረት ቅርሺ ኣይነቕፃን፣ በዙይ ምኽንያት ሓደ ሰብ ኣብ ወርሒ 500 ጥራሕ ንኸውፅእ ተነቢሩ ዘሎ ገደብ ምምሕያሽ ንኽግበረሉ ኾነ መንግስቲ ፍትሓዊ ክፍፍል ንኽገብር ከምዘኽእሎ ጥርጥር የብሉን። (ኣብ ቅፅዓት ስለዘለኹ Facebook ተበፃሕነተይ ገዲብዎ ኣሎ'ሞ ንዚ ሓሳብ'ዙይ ትኣምኑሉ ወገናት ናብ ኩሉ ንኽባፃሕ ሼር ብምግባር ተሓባበሩኒ)

Read More