INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ልዕሊ 300 ሓራምዝ ካብ ብሄራዊ ፓርክ ቃፍታ ሸራሮ ናብ ኤርትራ

ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝኣወጅዎ ኲናት ዘርኢ ምፅናት ስዒቡ፡ ልዕሊ 300 ሓራምዝ ካብ ብሄራዊ ፓርክ ቃፍታ ሸራሮ ናብ ኤርትራ ምስዳዶምን ቁፅሮም ብዕሊ ዘይፍለጥ ምሟቶምን ተሓቢሩ።

ሙሉእ ብሙሉእ ምዕራብ ትግራይን ሰፊሕ ክፋላት ሰሜን ምዕራብን ተቖጻፂሮም ዝርከቡ ሰራዊት ውልቀመላኺ ስርዓት ኤርትራን ፋሽሽታ ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ዕጡቛት ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ስነህይወታውያን ፓርክ ቃፍታ ሸራሮ ዘብፅሕዎ ዘለዉ ዕንወት መቐፀልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ጄኖሳይድ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ትግራይ ሚድያ ሃውስ-18-መጋቢት-2014

እዚ ኣብ ትግራይ ኣብ ሞንጎ ሸራሮን ቃፍታ ሑመራን ዝርከብ ብሕታዊ መዕቆቢ ስነሂወታውያን፡ ብሄራዊ ፓርክ ቃፍታ ሸራሮ፡ ፋሽሽታውያንን ወረርትን ናብ ትግራይ ካብ ዝኣተዉሉ እዋን ጀሚሩ፣ ብዘይ ዓጋቲ ይዓኑን ይበርስን ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

ብሄራዊ ፓርክ ቃፍታ ሸራሮ፡ ልዕሊ 500 ሓራምዝ ሓዊሱ 167 ዝተፈላልያ ዓይነት መጥበውቲ እንስሳት፣ ከባቢ 200 ዓይነታት ኣዕዋፍ፣ 9 ዝተፈላለዩ ተሰሓብትን ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ዓይነታት እፅዋት ዝሓቖፈን፡ ጋሽ ሰቲት ምስ ዝተብሃለ ክፋል ኤርትራ ኩታገጠም ኮይኑ፣ ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ትግራይ ዝኸፈትዎ ኲናት ዝፈጠረሎም ድንጋፀ ስዒቡ ልዕሊ 300 ሓራምዝ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ እንስሳት እቲ ፓርክ ናብ ኤርትራ ይፈልሱን ግዳይ ሞት ይኾኑ ከም ዘለዉን ተሓቢሩ።

እቲ ፓርክ ኣብ 1999 ዓ.ም ዝተመስረተን፡ ልዕሊ 2174 ትርብዒት ኪሎሜትር ስፍሓት ዘለዎ መሬት ዝዓረፈን ኮይኑ፡ ሓለውቲ እቲ ፓርክ ብምኽንያት ኲናት ምቕታሎምን ምስዳዶምን ስዒቡ፡ እቲ ፓርክ ንምሕላው ዘገልግላ ዝነበራ መኻይን እውን ብሰራዊት ኤርትራ ብምውራረንን እቲ ፓርክ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ምህላዉ ካብቲ ከባቢ ዝወፀ ሓበሬታ ኣመላኺቱ።

ሰራዊት ኤርትራን ፍሉይ ሓይልን ምልሻ ኣምሓራን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፅምዎ ዘለዉ ህልቂት ሓዊሱ፡ ኣብ ጥሪትን ሃፍትን ትግራይ ዝፍፅሙዎ ዘለዉ ጉሕለትን ውራን፡ ኣብ ልዕሊ ስነህይወታውያንንን እንስሳ ዘገዳምን ብሄራዊ ፓርክ ቃፍታ ሸራሮ ‘ውን ይቕፅል ከም ዘሎን ዛጊድ ልዕሊ 300 ሓራምዝ ካብቲ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ብሕታዊ ፓርክ ቃፍታ ሸራሮ ናብ ኤርትራ ምስዳዶም ተሓቢሩ ኣሎ።