INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ሃንደበታዊ ዜና

Read from source

ደብሪጽ ብዛዓባ ስግግር መንግስቲ ይገበር ንዝብሉ ውድባት ይኹኑ ውልቀ ሰባት ዝሃቦ መብራህርሂ ግልጽን ቅቡልነት ዘለዋን መልሲ'ዩ፣ ብወራር ናይ ጸላእቲ ኣማኻኒኻ መንግስቲ ይቀየር ኢልካ ምሕታት ብደምን ብድምጺ ህዝቢ ትግራይን ምብላጽ እንተዘይኮይኑ ረብሕኡ ክንድዚ ኣዕጋቢ መሲሉ ኣይራኣየንን።

ኸዚ፡ ትግራይ ዘድልያ ዝምክት እምበር ኣብ ዝተመረጸ መንግስቲ ኢዱ እናእተየ ሓምዞቕዘቕ ዘብል ዝኾነ ይኹንን ሓይሊ ኣድላይ ኮይኑ ኣይስመዐንን።

ትግራይ ጽባሕ ናበይ እያ ዝብል ሕቶን ርኢቶን ምቅራብ, ከምኡ ድማ ሓዱሽ ሓሳብ ምምጻእ ይካኣል'ዩ፣ ነቲ ሓሳብካ መንግስቲ ብቕጽበት ክቕበሎ ኣለዋ ኢልካ ምዕግርጋር ግን ዕስለነትን ሸፈጥን'ዩ።

ህወሓት ድላያ ትእመን ካልኦት ውድባት እውን ድላየን ይሕሰባ, መወዳእትኡ እቲ ሓሳብ ብካርዲ ህዝቢ ትግራት እዩ መዕለቢ ዝረክብ።

ውድባት ትግራይ ጎኒ ጎኒ ሓሳባተን...ንህወሓት ይኹን ንመንግስቲ ትግራይ ሪፈረንደም ይዳሎ ኢልካ ምሕታት እቲ ዝበለጸ ይመስለኒ፣ እዚኣ ድማ መወዳእታ ናይዚ ቓልሲ ህዝቢ ድላዩ ክመርጽ ምግባር ምኳኑ ህወሓት ብንጹር መልሲ ሂቡላ'ዩ።

ካብዚ ወጻኢ ህወሓት ይኹን መንግስቲ ትግራይ, መንበሪኡ ገዲፉ ናብ በረኻ ስለዝኸደ መንግስቲ ትግራይ ፈሪሱ እዩ'ሞ ናይ ሓባር መንግስቲ ይመስረት, ኢሎም ዘቐርምዋ ዘለው መትሓዚ ዘይብሉ ሓሳባት ግን ብስነ-ሓሳብ ይኹን ብስነ-መጎት ቅቡልነት ዘይብሉ ናይ ይበተኹ ሓሳብ እዮ።

ሓደ ብህዝቡ ዝተመረጸ መንግስቲ ወራር ከጋጥሞ ከሎ፡ ናብ ዝሐሾ መሬት ከይዱ ህዝቡ ወዲቡ ክቃለስ እምበር እስካብ ዝመውት ወይ ዝታሓዝ ኣብታ ቤተ መንግስቱ ክጸንሕ ኣለዋ ኢልካ ምሕሳብ ናይ ጥዕና ከምዘይኮነ ግልጺ ይመስለኒ።

ስለዚ ካብ መንበሪኡ ናብ በረኻ ኸይዱ ነዚ ዝተበተነ ሓይሊ ወዲቡ ከምዚ ዓይነት ታኣምራዊ ቅያ ዝሰርሕ ኣመራርሓ ይኹን ውድብ ክህልወካ ከሎ ክትንእዶ እምበር ከመይ ገይርካ ፈሪስካ ኢኻ ኢልካ ትምጉቶ

(መቸም ናይ ስልጣን ህርፋን ዘለዋም ሰባት ሓደ ሓደ ግዜ ዓይኖም ዓሚቶም እዮም ክዕፉኑና ዝደልዩ🤣)

እቶም ውድባት ካልእይቲ ኢሎም ዘምጽእዋ ምኽንያት ድማ......

"መንግስቲ ተበቲኑ ናብ በረኻ ኸይዱ ዋላ ካልኣይ ይወደብ፡ ነዚ ቃልሲ ዘዐወተ ግን ህዝቢ ትግራይ ባዕሉ እምበር ህወሓት ኣይኮነትን ይብሉ"........😏

ህወሓት'ኮ ኣብ ቤተ መንግስቲ ይሃሉ ኣብ በረኻ ዝሮ ዝሮ እቲ ቃልሲ ህዝቢ'ዩ ዘካይዶ፣ ኩሉ ግዜ ድማ እቲ ዓወት ብህዝቢ እዩ ዝጽዋዕ፣ ኣየናይ ህዝቢ ዳኣ ክቃለሰሎም እዮም ደልዮም ነይሮም? ወይስ ህወሓት ንሱዳናውያን ኣምጺኡ ከቃልሰሎም እዮም ደልዮም ነይሮም፣ ወይስ እቶም ዝተበተኑ ኣመራርሓታት ንበይኖም ክቃለሱ ነይርዋም ማለቶም'ዩ!

ከመይ ከመይ እዩ ሓሳቦም እኮ ጨነቀና ኣቱም ሰባት!!

ብዝኾነ ንሶም ሓሳብ ክህቡና ንሕና'ውን ሓሳብ ክንህቦም'ሲ እተን ውድባት የሰስነን ዳኣ።

ትግራይ ትዕወት!