INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

መንግስቲ ኣብይ ኣብ'ዙ ሰሙን ብመሰረት ኣብ ሃላላ ኬላ ዝኣተዎ ቃል

መንግስቲ ኣብይ ኣብ'ዙ ሰሙን ብመሰረት ኣብ ሃላላ ኬላ ዝኣተዎ ቃል፤ ንባንክታት ትግራይ 5 ቢልየን ብር ከምዝለቅቕን ማዕልታዊ በረራ ትግራይ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክሳብ ሓሙሽተ ከምዝውስኽን ኣፍሊጡ ኣሎ:: ግርም ጅማሮ እዩ::

ኮይኑ ግና ብቐፃልነትን ብቕልጡፍን ግድን ኣብ ባይታ ክርአ ዘለዎ ዝደንጎየ ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶሪያን ናይሮቢን፤

* ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘለዉ ኣራዊታት ሰራዊት ኤርትራን ኣምሓራን ጠቕሊሎም ካብ ትግራይ ክወፁን፤ ብመሰረት ሕገመንግስቲ ኣብ 24 ጥቅምቲ 2013 ዝነበረ ዶብ ትግራይ ብኹሉ ኣንፈት ሙሉእ ብሙሉእ ክኽበርን፤

* ገበርቲ ሰናይ ማሕበረሰብ ዓለም ዝህቡዎ ረድኤት ኮነ ውድብ ጥዕና ዓለምን ገበርቲ ሰናይን ዝህቡዎ መድሃኒታትን ኣቕሑት ሕክምናን ብዘይገለ ዓንቀፍቀፍ ብእኹልን ብቐፃልነትን ንትግራይ ክኣቱ፤

* ናብ ትግራይ ኣብ ዝኣትዉ ንግዳዊ መስመራት ዝርአ ዘሎ ንግዳዊ ክትራናት ኣምሓራ ኣድላዪ ቁፅፅር ክገብረሉ፤

* ግዘ ማሕረስ ሓጋይ እውን የርክብ ስለዘሎ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚልየን ካብ መረብቱ ተመዛቢሉ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ናብ ገዝኡ ዝምለሰሉን ዝጣየሸሉን፤

* ኩሎም ተጋሩ ፖለቲካዊ እሱራት ክፍትሑን ክክሓሱን፤ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ተነቢሩ ዘሎ ኣዋጅ ግብረ ሽበራ ክልዓል፤

* ተሓታትነት ንኽረጋገፅ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተፈፀመ ገበን ፅንተት ዝምርምር ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት መንግስታትት ብናፃ ናብ ትግራይ ኣትዩ ክምርምር፤

* ዓለምለኸ ሚዲያታት ብናፃ ናብ ትግራይ ክኣትዉ፤ ኣፈፃፅማ እቱ ስምምዕ ኮነ ኩነታት ህዝብና ክፅብፅቡ፤

* ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዕቑር መሃይኦም፤ መንግስታዊ ተጠወርቲ እውን ዕቑር ኣበሎም ክረኽቡ፤

* ንህውየት ብኵናት ዝዓነው ኩሎም ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ትካላት ትግራይ፤ ቅድም ክብል ብመንግስቲ ኣሜሪካ ብባንኪ ዓለምን ካልኦት ገበርቲ ሰናይን ዝተወፈየን ዝውፈ ዘሎን ገንዘብ ናብ ባይታ ወሪዱ፤ ህፃውንቲ ትግራይ ቀልጢፎም ናብ ትምህርቲ ዝምለሱሉን ህዝብና እኹል ሕክምና ዝረኽበሉን ኩነታት ክተዓራረ፤

* ኣብ ባንክታት ኢትዮጵያ ዘሎ ገንዘብ ህዝቢ ትግራይ ብኣማኢት ቢልየናት ብር ስለዝኾነ፤ ናብ ባንክታት ትግራይ ዝግበር ፍሰት ገንዘብ እኹልን ቀፃልነትን ክህልዎ.... ወዘተ ዝብሉን ካልኦት ግዘ ዘይህቡ ኣገደስቲ ጉዳያት ምእንተ ውሕስና ሰላም ግድን ክትግበሩ ኣለዎም::

ኣብዙ ብመስዋእቲ ኣሓት ኣሕዋትና ተረጋጊፁ ዘሎ ኣፋፍኖት ሰላም ንህዝብና ካብ መፃብብን ፅንተትን ኣውፂኡ ዘርብሕን ዘሳግርን ኩሉ ዓይነት ፍታሕ ምንዳይ ብልሒ እዩ:: ግና ኣብ ባይታ ወሪዱ ክሽረፍ ምዕሩይ ምምሕድዳራዊ ስርዓትን መስርሕን ክህልው ድማ ግድን እዩ፤ እዙይ ድማ ሓላፍነትን ተሓታትነትን መንግስቲ ትግራይ ይኸውን!

ንዙይ ንምግባር ከኽእል ድማ፤ ብዘይ ናይ ፖለቲካዊ ስብእና ኣፈላላይን ውልቀባህግን ንኹሉ ብቕዓት ዘለዎ ከሳግር ዘኽእል ዓቕሚ ትግራይ ሓቋፊ ብዝኾነ ክጣየሽ ተሓሲቡ ዝስርሐሉ ዘሎ ኣፈፃሚ ኣካል መንግስቲ ትግራይ ብቕልጡፍ ክጣየሽን ተጀሚሩ ዘሎ ምድርጃው ሓይሊ ፖሊስን ፀጥታን ትግራይ ክቕልጥፍን ግድን ይኸውን!

የቐንየልና ሰራዊት ትግራይ! ክብርን ፍቕርን ንኣኹም