INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ዝርዝር ሓበሬታ ሓይሊ ኣየር ጦቢያ

ደብዳብ "ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ" ዘካይድ ዘሎ ሓይሊ ኣየር ጦቢያ ህልው ቁመና እዚ ቀንዲ ተዋስኣይ ምፅናት ዘርኢ ትግራይ ትካል ብዕሊ ክፍለጥ ክቃላዕ ይግባእ ብዝብል ዝተዳለወ::

ንኣብነት ኣብቲ ፍንጭልጫል (fragment) ከምዝርአ ኣብ ሽረ ዝተደርበየ ሮኬት ሽሙ S-24 ተባሂሉ ይፅዋዕ:: እዚ ራሽያ ዝስራሕቱ ሮኬት 235 ኪሎግራም ዝምዘን እንትኾን ክሳብ 500 ረዲያስ ይሽፍን : ልዑል ናይ ምፍንጫል (highly fragmented) ተኽእሎ ኣለዎ:: ኣመልካቲ ዕላማ ዘይብሉ (unguided) ሮኬት ድማ እዩ:: ብSU-27ን ብሚግ-23ን ክትኮስ ይኽእል:: ሓንቲ ነፋሪት ክሳብ 4 ናይዚ ሮኬት ብሓደ ግዘ ትስከም::

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሽረ ቦምብ ብኣንቶኖቭ እንድሕር ድኣ ተደርብዩ ኮይኑ (ብመሰረት ፕሮፌሰር ክንደያ ዝፅሓፎ) : ብሓይሊ ኣየር ጦቢያ ዝውነና ኣንቶኖቭ AN-12 ዝዓይነተን ዝተደርበየ ክኸውን ይኽእል:: ኣብረርቲ ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም::

1. ኮ/ል ሳሚ ኑር (ኣብራሪ)
2. ኮ/ል ፍቃዱ ይልማ (ረዳት ኣብራሪ)
3. ሜጀር ኣስጨናቂ (ረዳት ኣብራሪ)

ክልተ AN-12 ኣብ ኣገልግሎት ዘለዋ እንትኾና መፍለዪ ቁፅረን ድማ ኣብ ቨርቲካል ስታቢላይዘርን ከምዘመልክቶ 1503 ን 1512 እዩ::

ብቀንዱ ግን እቲ ሓይሊ ኣየር ኣብ ገበን ጨፍጫፍ ሰላማዊያን ህዝቢ ትግራይ ዝተዋፈራ ልዕሊ ሽድሽተ SU-27 ኣለወኦ:: እዘን በቲ ሓይሊ ኣየር ዝውነና SU-27 ነፈርቲ ክልተ ዓይነት እንትኾና እተን ሓደ ብክልተ ኣብረርቲ ክዝወራ ዝኽእላ በዓል ክልተ ወናብር ኮይነን ትረይነር (UB SU-27) ተባሂለን ይፅውዓ:: ኣብ ምስሊ ዝረአያ ሰለስተ SU-27 መለለዪ ቁፅረን (tail number) 1906 : 1907 : 1908 ኮይኑ እተን ክልተ ኣብ ቀረባ ሕድሳት ዝተገበረለን እየን:: ኮይኑ ምምሕያሽ (upgrade) ስለዘይተገበረለን ዛጊድ ኣመልካቲ ዕላማ ዘይብሉ (unguided) ሮኬት ን ቦንብን ይድርብያ:: ፕርሲሽን ኣመልካቲ ተኳሲ (precision guided munitions) የብለንን:: ኣብ ፋና ኣለወን ተባሂሉ ብኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ይልማ መርዳሳ ዝተጋውሐ ፕሮፓጋንዳ ፍፁም ፅዕዳ ሕሶት እዩ:: ነዚ እዩ ድማ ብዘይ ምሕረት ሰላማዊ ህዝብና ብኣልማማ ዝውድአኦ ዘለዋ::

እተን ካልአዎት ድማ ብሓደ ፓይለት ዝበራ ነፀላ ወንበር (single seat) SU-27 ተባሂለን ዝፍለጣ እንትኾና ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ ሰለስተ ኣለዋ:: መለለዪ ቁፅረን ድማ 1961 : 1962 : 1952 እዩ::

ብሓፈሻ ካብ ባህርዳርን ደብረዘይትን ዝወፍራ ነፈርቲ እዚአን እየን:: ኮይኑ ግና ሕዚ ሰለስተ በዓል ክልተ ወንበር (trainers) ሓንቲ በዓል ሓደ ወንበር ይጥቅሙ ኣለዉ ተባሂሉ ይግመት:: በዓል ክልተ ዝጥቀምሉ ምኽንያት ሓደ ፓይለት ንበይኑ ክበርር ስለዝይእመን እዩ::

ኣብ ቀፃሊ ብዛዕባ ድሮናቶም ክንፀዊ ኢና::

ሰላም!