INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ሃገርነት ትግራይ፤ መዋፅእ ኣብዪ

ሃገርነት ትግራይ፤ መዋፅእ ኣብዪ

ኣብዪ ቐንዲ ውግንንኡ ንናይ ኣራት ኪሎ ስልጣኑ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ነዚኣ ንምሕላው ኣድላይ ዘበለ ኩሉ ክገብር ምዃኑ ግልፂ ኮይኑሎ።

ቅድሚ_ኣዋርሕ ንናይ ኣብዪ ስልጣን ዓብይ ሓደጋ ኮይኖም ዝነበሩ ክልተ ነይሮም። ንሶም እውን;
1. ናይ ትግራይ ሓይሊ
2. ናይ ኣምሓራ ሓይሊ

ሓይሊ_ትግራይ ካብ ኣፍደገ ኣራት ኪሎ ንታሪኽ ብዝግደፍ ምኽንያት ናብ ዶባት ትግራይ ተመሊሱ። ኣብ ዶቡ ዓሪዱ ናብ ምክልኻልን ዓቕሚ ምህናፅን ከተኩር ኮይኑ። እንተነኣሰ በቲ ከይድዎ ዝነበረ ደረጃ ንናይ ኣብዪ ስልጣን ሓደጋ ኣብዘይኮነሉ ደረጃ በፂሑ እኳደኣስ ብሰንኪ #ዕፅዋን_ክባን ህዝቡ ናብ ሓደጋ ዝወደቐሉ ኹነታት ተፈጢሩ። በዚ መዳይ ኣብዪ ኣብ ዝሓሸ ፀፍሒ ክቕመጥ ክኢሉ።

ሓይሊ_ኣምሓራ ትግራይ ንምጥፋእ ዋላ ምስ ኣብዪ ይላፈን ኣራት ኪሎ ምምዕዳው ኣይተረፈን። ናይ ትግራይ ዂነት ስኽን እንትብል እቲ ዝነበሮ ሶፍት ፓወር ተጠቒሙ ምስ ኣብዪ ገጢሙ። ኣብዪ ኣብቲ እዋን ምስ ኦሮሞ ተለጢፉ ናይ ካልኦት ብሄራት እውን ድጋፍ ረኺቡ። ኣብዪ ብጉባኤ ብልፅግና ዝሐሸ ዓቕሚ ፈጢሩ ብኣንፃሩ ድማ ፓለቲካዊ ሓይሊ ኣምሓራ ካብ ናይ ስልጣን ምምዕዳው ወሪዱ ናብ ናይ ባዕሉ ምክፍፋል ኣትዩ ፋሕፋሕ ኢሉ። እቲ ተሪፉ ዘሎ ፍርቁ ንኣብዪ ሓዲሩ ዝተረፈ ብኤርትራ ዝድገፍ ኣብ ዘይዓቕሙ ናብ ብዙሓት ግንባራት ዝተዋፈረ ዘሎ ወታደራዊ ዓቕሚ እዩ። ሓይሊ ኣምሓራ ብጥቕሉል ንስልጣን ኣራት ኪሎ ዝረሓቐ ንህልውንኡ ሃንደፍደፍ ዝብል ኮይኑ።በዚ መዳይ ኣብዪ ቕድሚ ኣዋርሕ ካብ ዝነበሮ ኹነታት ዝሐሸ ፀፍሒ ክቕመጥ ክኢሉ።

ኣብዚ_እዋን ንናይ ኣብዪ ስልጣን ብርሑቅ ሓደጋ ዝኾኑ ሓይልታት ትግራይ፣ ሓይልታት ኣምሓራን መንግስቲ ኤርትራን እንትኾኑ፤ ኣብ ቐረባ እዋን ድማ ኦነግን(ዎቦ) ምዕራባውያንን(ብፍላይ ምስ ኢኮኖሚን ዲፕሎማስን እታ ሃገር ተተሓሒዙ) እዮም። ኣብዪ ነዚኦም ከመይ ከተኣናግዶም ይኽእል?

=> ሓይልታት ትግራይ; በቲ ዕፅዋ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፀገም ብምርኣይ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ትግራይ ብዘይገደብ ክኣቱ ኣብዪ ክስማማዕ ይኽእል። ሰራዊት ኣብዪ ምስ ሓይልታት ትግራይ ናይ ተዂሲ ጠጠው ምባል ክገብር ይኽእል።

=> ሓይልታት ኣምሓራ; ሓይልታት ትግራይ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተገበረ ተኹሲ ጠጠው ምባል ብምንፃግ ወፍርታት ከካይዱ ይኽእሉ ሰብኣዊ ረድኤት እውን ከተኣጓጉሉ ምፍታኖም ኣይተርፍን። እዚ ብቐጥታ ምስ ሓይልታት ትግራይ ናብ ጎንፂ ዘእትዎምን ብውፅኢቱ ድማ #ተደምሲሶም መሬታት ትግራይ ኩሉ ሓራ ዝወፅአሉ መንገዲ ክኸፍት ይኽእል። ሓይሊ ኣምሓራ ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ስለዘይሕወሶ(ናይ ኤርትራ ሰራዊት ክሕወሶ ይኽእል) እቲ ግጥም ዝቐልጠፈን ዝቐለለን እዩ ዝኸውን። ኣብዚ ሓይልታት ኣምሓራ እንተለቢሞም ካብ ሙሉእ ትግራይ ብፍቓዶም ሽሉኽ ኢሎም ብምውፃእ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ኩሉ ከየዐንቐፉ(እኳደኣስ ሓለዋ እናገበሩ) ዓቕሞም ዝዕቕብሉ ኹነታት ክፈጥሩ ይኽእሉ። ባህሪ እዞም ሓይልታት ግና ነዚ ዝፈቕድ እዩ ኢለ ኣይወስድን።

=> መንግስቲ ኤርትራ; መንግስቲ ኤርትራ እቲ ንትግራይ ሓኒቕኻ ዓፂኻ ምድኻም ዝብል ፕሮጀክቱ ተላፊኑ እንበር በይኑ ክገብር ሸውሃት የብሉን። ይኹን እንበር ዋላ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዱ የውፅእ ምስ ሓይልታት ኣምሓራ ተፀንቢሩ ክፍትን ይኽእል እዩ። ነገራት እንትፅዕቕዎ ግና ጎይዩ ናብ ዶቡ ምኻዱ ኣይተርፍን። ናይ ሓይሊ ሚዛን ተገንዚቡ ብዘይተኹሲ ቐዲሙ ካብ ሙሉእ ትግራይ ወፂኡ ናብ ዶቡ ዝኸዱሉ ኹነታት እውን ክፍጠር ይኽእል እዩ።

ብዝኾነ ኣብዪ ናይ ርሑቕ ፀላእቱ ሓይልታት ትግራይ፣ ዝተረፉ ሓይልታት ኣምሓራን መንግስቲ ኤርትራን እዮም። ኩሎም ድሕሪ ግዘ ክገጥሙኒ ይኽእሉ እዮም ኢሉ ስለዝሓስብ ነንባዕሎም ተጋጢሞም ሓይሎም ክመናመን ድልየት ኣለዎ። ውፅኢቱ ግና እቲ ንሱ ዝደልዮ ጥራይ ንከይኸውን ይኽእል። ገቢሎም ዝወፅኡ እውን ክህልው ይኽእሉ።

እቶም ኣብ ቐረባ ሓደጋ ስልጣኑ ዝኾኑኸ ከመይ ይኣልዮም?

=> ኦነግ(ዎቦ); ኣብዪ ምስ ሓይልታት ትግራይ ግዜያዊ ተዂሲ ጠጠው ብምባልን ሰብኣዊ ርድኣታ ክኣቱ ብምግባርን ክፋል ሰራዊቱ ናብ ኦነግ(ዎቦ) ምድምሳስ ትኹረቱ ክገብር ድልየት ክህልዎ ይኽእል። ምስ ዎቦ ብዲፕሎማስን ግዜያዊ ድለላን ክዕረቕ ዝኸኣለ ኣይመስለንን። ንፓለቲካዊ ሓይልታት ኣምሓራ ምስ ወቕዐ ምስ ኩሎም ኦሮሞ ሓይልታት ክዓርኽ ዝሓሰቦ ኣካይዳ ዝከለሰ ይመስል። ብተደጋጋሚ ኣብዪ ዝስሕቶ ዘሎ ሓቒ ፍትሓዊ ሕቶ ዘለዎ ወታደራዊ ምንቕስቓስ ብኦፕሬሽን #ምድምሳስ ከምዘይከኣል እዩ። ምንቕስቓስ ዎቦ ከዳኽሞ እምበር ክድምስሶ ኣይኽእልን።

=> ምዕራባውያን; ኣብዪ ምስ ሓይልታት ትግራይ ብዝፈጥሮ ግዜያው ስምምዕ ብምዕራባውያን ዝነበሮ ፀቕጥታት ዝትንፍስሉ ኹነታት ክፈጥር ይኽእል። ሕልፍ ኢሉ እውን ኣብ መስመር ዝነበሩ ዲፕሎማስያውን ኦኮኖምያውን ፀቕጢ ዘስዕቡ ክያዶታት ዝኹለፍሉ/ዝቋረፅሉ ዕድል ይፈጥር። በዚ ኣቢሉ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ናይ ኢኮኖምያዊ ፀገማት ግዜያዊ ፍታሕ ዝህበሉ ኹነታት ክፈጥር ይፍትን።

ስለዝኾነ ምስ ትግራይ ብተናፀል ዝገብሮ ስምምዕ ንኣብዪ ወሳናይ እዩ። ክገብሮ እውን ይኽእል እዩ። ንኣብዪ ዘተሓሳስቦ ዓብዪ ዛዕባ ግና; ትግራይ ካብዚ ዕፅዋ ንእሽተይ ትንፋስ ረኺባ ንሓይልታት ኣምሓራን መንግስቲ ኤርትራን ምስ ፀረገት #ንዓይኸ እንታይ ሒዘሉ? ዝብል ሕቶ ኩልሻብ ንባዕሉ ዝሓትት ይመስለኒ።

ነዚ ሕትኡ ብኽልተ መንገዲ ክፈትሖ ክሙክር ይኽእል።

1. ሓይልታቱ ብምጥንኻር ብዝበለፀ ድልውነት ዓቕሚ ክሃንፅ ክፍትን ይኽእል። እዚ ግና ኣብታ ኢትዮጵያ(ብዘይ ትግራይ) monopoly of violence ክህልዎ እንተገበረ እንበር ሓይልታት ትግራይ እውን ገቢሎም ከምዝፀንሕዎ ኣይጠፍኦን።

2. ኣብ ዝሓፀረ እዋን ትግራይ ንዓርሳ ዝኸኣለት ሃገር ክትኸውን ኣድላይ ዘበለ #ድጋፍ ብምሃብ ካብ ትግራይ ዝመፅእ ንኣራት ኪሎ ዘመዓዱ ሓደጋ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ምእላይ። ብኡ ኣቢሉውን ንቕድሚት ካብ ምስ ኤርትራ ክህሉ ዝኽእል ቐጥታዊ ምርፃም ምርሓቕ ይኽእል።

ካብ ኢህኣዴግ ዝወረሶን ካብ ውልቐ ባህርኡ ዝነቐለ ምስ ካልኦት ሓይልታት ተኸኣኢልካን ዓቕሚ ኣኪብካ ብሓባር ምምሕዳር ዝኽእል ኣይኮነን። እዚ ውርሲ ኣብ ኩሉ ዘሎ እዩ። ወይ ፀሊም ወይ ፃዕዳ፣ ወይ ሚእቲ ወይ ባዶ፣ ኩሉ ወይ ባዶ። ብ binary እዮም ዝሓስቡ።

ስለዝኾነ ኣብዚ እዋን ናይ ኣብዩ ስልጣን ንክፀንዕ ናይ ትግራይ ሃገርነት ወሳናይ እዩ።

ንትግራይ እውን ሃገር ንምውናን ዝቐለለን ዝቐልጠፈን ኣንፈት ብናይ ኣብዪ #ፍትወተ_ስልጣን ኣቢልካ ክኸውን ይኽእል።