INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ሃገር እንትንብል ከም ህዝቢ ትግራይ ባዕልና እንውንኖ

ሃገር እንትንብል ከም ህዝቢ ትግራይ ባዕልና እንውንኖ እምበር፤ ካብ ካልእ ብውህብቶ እንፅበዮ ትኳቦ ኣይኮነን! ዝውሕዝ ዘሎ ደም ተጋሩ ድማ፤ ሰረት ህንፀት ሃገረ ትግራይ እዩ! ንፅባሕ ድሕሪ ፅባሕ እንፅበዮ እንተይኮነስ፤ ሎሚ እውን ሃገር ኢና፤ ከምሃገር ንሕሰብ፣ ከም ሃገር ኣርሒቕና ንኣምት ንተልም፣ ከምሃገር ኣብ ሕድሕድ ኣፈፃፅማና ተዋዲድና ንንጠፍ ንተዓፃፀፍ!

"ጥምር" ንዝበሉዎ ልፍንታውያን ሓይልታት ዝተፋላለያ ሃገራት ዝገጠመትን ፈረኽረኽ እተብሎምን ዘላ ትግራይ፤ ካልእ መርትዖ ዘይብሉ ሃገር እያ! ካብዙ ማሕበረሰብ ዓለም ወሰን ሒዙ ዝዕዘቦ ዘሎ ልፍንታዊ ፋሽስታዊ ወራር፤ ብቕልፅምና ሰይርና ምስወፃእና፤ ምስዞም ወረርትናን መጥፋእትናን ብሓደ ንበሩ ኢሉ ክዛረብ ዝኽእል፤ ሞራል ዝህልዎ መንግስቲ ኮነ ሕጊ ዓለም የለን! እኳ ድኣስ ካብ ሃገር ካብ ምኻን ሓሊፍና ክንፋረዶምን ዝግብአና ኩሉ ክነኽብርን እምበር!

ብሚልየን ዝቑፀር ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ፍርቂ ሚልየን ድማ ሰራዊት ኤርትራን ኣምሓራን ኣዳልዮም፤ ሙሉእ ወራር ፅንተትን ብርሰትን ከካይዱ እዮም፤ ልቦም መሊኦም ተሊሞም ተዳልዮም ተበጊሶም! ንዙይ ዘድሊ ኩሉ ዓይነት ወተሃደራዊ ዕጥቂ ተተኳስን ንዋትን ድማ፤ ብኢምሬት እናተመወለ ካብ ቱርኪ፣ ኢራን፣ ሩሲያ፣ ቻይና፣ ኣዘርባጃንን ካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኣውሮፓን፤ ብፀሊም ዕዳጋ እንተይተረፈ ተገፋጢጡ ተኣታትዩ::

ማዕልቲ ቆሪፆም እውን ንሓዱሽ ዓመት ድርብ በዓል ክኾነሎም፤ ንፅምብል ዘድሊ ኩሉ ኣዳልዮም:: ንዲፕሎማት እንተይተረፈ ሓዱሽ ዓመት መቐለ ከምዘኽብሩን፤ ዋላ ሓደ ፖለቲካዊ ኮነ ወተሃደራዊ መሪሕነት ትግራይ ከምዘየምልጦምን ብርግፀኝነት ተዛሪቦም እዮም፤ ንዙ ዙሪያ ምላሽ ወራር ዝጀመሩዎ::

ወዲ ወረደን ወዲ ረዳን ብዝርዝር ከምዝሓበሩዎ፤ ስሩዕ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኤርትራን ኣምሓራን ጥራሕ ልዕሊ 118 ክፍላተ ሰራዊታትን፤ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዘይስሩዕ ሰራዊት ኣምሓራን፤ ብቐጥታ ዝተሳተፉሉ ዙሪያ ምላሽ ወራር እዩ ሰራዊት ትግራይ መኪቱን እናመከተን ዝሕምሽሾም ዘሎ:: ልፍንታውያን ፀላእቲ ትግራይ ክሽከሙዎ ዝኸበዶም ገዚፍ ሰብኣውን ንዋታውን ኪሳራ ክወርዶም ቀፂሉ ኣሎ::

ከምድሌቶምን ትልሞምን ተሃንዲዶም ንትግራይ ክቋፃፀሩ ዘይምኽኣሎም ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ኣብ ርእሱ ርእሱ ሓዱሽ ሰራዊት እናምፅኡ ንተን ዝተማሕምሓ ክፍላተ ሰራዊታት እናመልኡ፤ ቀፃልነት ዘለዎ ፈተነታት መጥቃዕቲ እንተካየዱ እኳ፤ ሓየት ሰራዊት ትግራይ ይገብሮ ብዘሎ ዕዉት መኸተን ፀረመጥቃዕትን፤ እናሸምረሮም ቀፂሉ ኣሎ::

ብኣንፃሩ ድማ ዕጥቅና ካብ ፀላእትና ኢሉ ምእንተ ሃለዋትን ደሕንነትን ህዝቡ ህይወቱ ኣሀጊሩ ዝተሰለፈ ሰራዊት ትግራይ፤ ንዓቕሚ ፀላእቱ እናቀርሰመ፤ ብወተሃደራዊ ዕጥቅን ንዋትን ብዝልዓለ ክዕጠቕን ክደራጀውን በቒዑ ኣሎ!

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀር ዕስለ ሰራዊት እዞም ልፍንታውያን ወረርቲ ምሩኽ ምውትን ቁስልን ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፤ እቱ ዝተረፈ እውን ክቐትል እምበር ክመውት ዝፈርሕ ዓምቧኽ ብምዃኑ፤ ሙሉእ ዓወት ትግራይ ግድን እናተግሃደ እዩ::

ሉኣላዊ መሬት ትግራይ መሊኡ ሓራ ዝወፀሉ ማዕልቲ ምቕራቡ ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ዞባ ቀይሕ ባሕርን ዘሎ ኣሰላልፋን ቅርፅን ሓይልታት፤ ሓዱሽ ቅዲ ዝሕዘሉ ኩነታት ጠጢዑ ኣሎ!

ስለዙይ ከም ህዝብን ሃገረ ትግራይን ካብ ዝኾነ ግዘ ንላዕሊ ዝያዳ ተሰጣጢምና ፀኒዕናን ሓሪንናን፤ ብፍላይ ዲያስፖራ ትግራይ ኣብ ፓብሊክ ዲፕሎማሲን መኸተና ኣብ ምጥንኻርን፤ ዓቕምን ደጀንን ህዝብና ምዃንና ኣዐሪና ክነሕይል ግድን ይብለና ኣሎ!

ካብ ዝኾነ ይኹን ኣብ መርበብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝርአ ዘሎ ሕኹትኩትን በሽቀጥቀጥ ኣጀንዳ ፀላእትን ርሒቕና፤ ብሰራዊት መንግስትን ህዝብን ትግራይ ተኣማሚንና፤ ንቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ከሕይል ዘኽእል ክንገብሮ እንኽእል ኩሉ ፀንቂቕና ኣብ ምግባር ንንጠፍ ንተዓፃፀፍ!

ንሕና ትግራይ ኢና! ክብርን ሞገስን ንስውኣት!
ትግራይ ትስዕር ኣላ! ካሳ ሃይለማርያም
ቴሌግራም: https://t.me/+HdnQzJcDXXJlMzBh
ትዊተር: https://twitter.com/kassahmariam?s=21&t=G_wtdTx4Mz7Mm3EzPdpFLw