INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ከመይ ናብ ሓዱሽ መልክዕን ምዕራፍን ቃልሲ ንኣቱ?

ልዑል ጥበብን ፅንዓትን ዝሓትት መድረኽ!

እዚ ኩነታት ኩሉ ነገራቱ ተቐቢልካ ከም ሰብ መጠን ጠጠው ኢልካ ብዛዕባ መፃኢ ዕድልካን መፃኢኻ ተፀብቐሉ መልክዕ ቃልስን ንምሕሳብን ንምዝታይን ክትጅምር ብጣዕሚ ዝፈታተን እዩ። ዋላ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ብዓይንኻ ትሪኦን ዘይትኽሕዶን እንተኾነ ክትቅበሎ ግን ብጣዕሚ ዘፀግም እዩ። ብወገነይ ዝገጠመኒ እዙይ ኣዩ። ብዙሕ ቓንዛ እዩ፣ ብዙሕ ስቓይ እዩ። እንታይ እዩ ዝኾነ? እንታይ ከ እዩ ክኾን ንቕድሚት? ዝብል ቀልጢፍካ ኣብ ቀረባኻ ምስ ዘሎ ይኹን ኣብ ርሑቕ ምስ ዘሎ ክተማየጥ ኣብ ውሽጥኻ ተኽእሎ/ትብዓት ትስእን። ብሓቂ ብዙሕ ግዜ ይወስድ። ኣብ ባዕልኻ ብዙሕ ነገር ክትገብር/ስጉምቲ ክተውስድ ይደፋፍእካ፣ ብሓቂ ይፈታተነካ። ክትሓስቦ ከለኻ ከቢድ ዝገብርዎ ክልተ ነገራት እውን ዘለዉ ይመስለኒ፥ ሓደ፡ ድሌትና፣ ባህግና፣ ሕልምና፣ ግምትና ፣ ርዲኢትና፣ እምነትና፣ መጠን ቃልስና ዝሓዘ፥ ብቲ ኻሊኣ ገፅ ክዓ፡ ፀላእትና ኣብ ልዕለይና እንታይ ክገበሩ ከም ዝሓስቡን እንታይ እናገበሩ ከምዝመፁን ምስ እትርዳእ እዩ። እቲ ዝቐነየ እዙይ እዩ።

እሞ ኸ!? እታ ዘይትቐርን ክትግበር ዘለዋን ሐዚ እውን ምቅላስን ምቅላስን እያ። ብኸመይ ዓይነት ቃልሲ እትብል እያ ብቐፃልነት ምምያጥን ምብሳልን እሞ ምንፃር ተድልያ እምበር። ሓሳብ ምልዓል ዝጀመረ ብዙሕ እዩ፥ ኩላትና ኻኣ ክንስዕብን ኣካል ክንከውንን ግድን ይኾን። ንሐዚ ብዙሕ ኣይብልን፥ ናብ ዕምቆት ዘለዎም ምይይጣት (ብግልጽፅን ብዕፅውን፡ ብፍላይ ሕዝታት ዝበዝሑ ብዕፅው እንተዝኾኑ) ኩላትና ቆሪፅና ንእቶ ጥራሕ እየ ክብል ዝኽእል።

ብዙሕ ሰብ እንታይ እዩ ዝኾነ? ሐዚ ኣብ ትግራይ ኣብ መሬት ዘሎ ኩነታት እንታይ እዩ ዝመስል ዝብል ብግቡእ ክፈልጥ ይደሊ እዩ። ልክዕ እዩ፥ ብዛዕባ መፃኢ ምምያጥ ቅድሚ ምጅማርካ ናይ ሕሉፍን ህልውን ኩነታት ግቡእ ገምጋም ምግባር ግድን እዩ፣ ኣድላዪ እዩ። እዙይ ካብ ብተናፀልን ውልቃዊ ትዕዝብትታትን ርዲኣኢታትን ዝኾን ኣብ ሙሉእ ሓበሬታ ተደሪኽካን ብዝተወደበ መልክዑን ክኾን ይምረፅ። ዝምልከቶ እዚኣ ክገብር እውን ትፅቢት ይግበር። ዝክኣለና ኣይንገብርን ማለት ግን ኣይኸውንን። ዋላ ኩሉ ብቕሉዕ ንሚድያ ክወፅእ ይግባእ እዩ እንተዘይበልና ሕጥጥ ኣቢልና ብምምርማርን ብምስናድን ከም መበገሲ ኣብ ኢድና ማለት ኣብ ኢድ ክቃልስ ዝደሊ ሓይሊ ክኣቱ ግድን እዩ።

ህዝቢ ትግራይ፣ ቁርፀኛ ተቓላሳይ ትግራይ ኣብዚ ክልተ ዓመታት ምናልባት ካብቶም ቅድሚኡ ዝገበሮም ዝነበረ ጅግንነታዊ ቃልስታት ብዝለዓለን ንዓለም እውን ተኣምር ዘበለን ቃልሲ ገይሩ እዩ። ወድሰብ ክፃወሮ ይኽእል እዩ ኢልካ ዘይትግምቶ ተፃዊሩ ከም ህዝቢ መጠን ኣብዝሃለወ ይሃሉ ብፅንዓት ተቓሊሱ እዩ። ብዙሓት ሓደሽቲ ዓቕምታት ኣብ ሓፂር ግዜ ክፈጥር እውን ሪኢና ኢና። መስደመምቲ ዓወታት ክሓፍስ ‘ውን ሪኣኢናን ገጊደና ተዋሲኢናን ኢና። እዙይ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዓብዪ ፍፃመ እዩ። ንቐፃሊ ቃልስና ‘ውን መሰረታዊ ሃፍቲ እዩ። ሐዚ ዓብዪ ጥንቃቐ እተድልየና እዚ ዝተፈጠረ ዓቕምታት ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ቓልሲታት ንሱ ተወዲኡስ ኣብ ካሊእ ግዜ ካሊእ ሓዱሽ ዓቕሚ ፈጥሪካ ሓዱሽ ቃልሲ ምክያድ ዘይኮነስ እዙይ ኣብኡ እንተሎን ንሱ ባዕሉ ብዝፈጥሮ ሓዱሽ ዝባዛሕ ዓቕሚን ገይርካ ብዝተፈለየ መልክዕ ቃልሲ ባህግኻ ናብ ተረጋግፀሉ መንገዲ ሐዚ ምጅማር ምኻኣል እያ።

ሓንቲ ነገር ሞኪርና ንሳ ናብታ ንደልያ እንተዘይኣብፂሓትና ‘በቃ’ ንብል ማለት ኣይኮነን። ኣብ ኩሉ ዓይነት መልክዕ ቃልሲታት እንዋሳእን ምናልባት እውን ኣብቲ ኻሊእ መልክዕ ቃልሲ ዝብለፀ ክንዕወት እንኽእልን ኢና ዝብል እምነት ክትሓዝ ኣለዎ። ዘይለመድናዮ ነገር እንተነይሩ እውን ቀሊጢፍና ኣቲና ንለምዶን ንመልኮን፥ ተኽእሎ ክዓ ኣለና እዩ። ብተግባር ብዙሕ ነገር ኣርእዩና እዩ እዚ ናይ ሐዚ ቓልሲ ባዕሉ።

እቲ ሐዚ ዝገበርናዮ ቃልሲ ክጎብጠና ንዝመፀ ሓይሊ እምቢ ኢልና ዝሃብናዮ ቅፅበታዊ ግብረመልሲ እዩ። እታ ኣብ ኢድና ዝነበረት ዓቕሚ ዳርጋ ብግብታውነት (ብደመነብስ) ብዝመሰለና ተጠቒምና መስተንክራዊ ዝኾነ ምንቅስቓስ ገይርና ኢና። ንቕድሚት እንገብሮ ቓልሲ ሓሲብናን ኣስተንቲናን ዘተእማምን ዓቕሚ ሃኒፅናን ኣዋዲድናን፥ ካብ ናይ ሽሕ ዓመታት ዕንክሊል ዘውፅእን ዘበርኽን ናብ ዘየቋርፅ ግስጋሰ ዘእቱን ክኾን ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ኣብ ብዙሕ ህዝብታት ውድቀትን ኲናትን ከም መሰጋገሪ ኮይኑ ኣገልጊሉ ርኢና ኢና። ኩናት ብዙሕ ሓዱሽ ዓቕምታት ይፈጥር እዩ። ውድቀት ሓዱሽ ለውጢ ክትገብር ፍቱን መሳርሒ እዩ። ንሕብረተሰብ ፍፁም ለውጢ ዝፈጥር ሃዋህው ይፈጥር እዩ። ጨቆንቲ እውን የምጽፅእ/ይፈጥር እዩ። ካብ ምውቕቃስ (blaming) ከምኡ እውን ካብ ጉጅላዊ ምትሕልላኽ ወፂእና ናብ ቅኑዕ ዓርሰ ፍተሻን ለውጥን እንተኣቲና እታ እውንታ ተመዝን ዝብል እምነት ኣለኒ።

ብዛዕባ ቀፅሊ መፃኢና ብሓዱሽ መልክዕ ናይ ቃልሲ ቀልጢፍና ስራሕ ምጅማር፣ ሓሳብ ምልውዋጥ፣ ምንባብ፣ ምርድዳእ፣ ምትእምማን፣ ምውድዳብ፣ ምስጥጣም ወዘተ የድልየና እዩ ክንብል ከለና ብኣድላይነትን ክውንነትን ገምጊምና ቀደም ስዓብ ናይ ነገራት ኣፈፃፅማ ክህልወና ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ። ብዙሕ ሰብ ነናይ ገዛርእሱ ሕሳባት ክህልዎ ይኽእል እዩ። ዘዝመስለና ብምቕራብ ብቐፃሊ እናተኣማመናሉ ንኸድ ይኸውን። ኩሉ ግዘ እንደልዮን እንብህጎን ነገር ኣብታ ዘደለናያ እዋንን ብእነድልያ ኣገባብን ትኸውን ኣይኸውንን። እቲ ክኸውን ዝኽእል እዩ ዝኸውን፥ እቲ ክኸውን ዝግባኣ ብነውሕን ቃልስን ፃዕርን እዩ ዝከውን። ባህግናን ክውንነትን ብፅዕርን ቃልስን ምቶራቕ ትድሊ፡ ትብዓትን፣ ቆራፅነትን ፅንዓትን ትሓትት። ጎተ ዝተብሃለ ጀርመናዊ ፈላስፋ “ሓርነትን ህይወትን ነቲ በብመኦኣልቱ እናተቓለሰ ዝቆፃፀረን እየን ዝግበአኦ” ይብል (“Of freedom and life he only is deserving who everyday mest conquer them new”)

ኣብዚ ምርድዳእ ዘድሊ ብዋናአት እነፅንሖም(ነሕድሮም) ብዝተወሰነ እናሰራሕናሎም ንኸይድ መሰረታዊ ሕቶታት ከምዘለው እዮም፥ መፃኢ ባህግና/ዕድልና ምርግጋፅ/ምውሳን፣ ፍትሒ ምርካብ፣ ዘላቒ ድሕንነትን ውሕስነትን ወዘተ። ንግዚኡ ይሕደር ዝብሃል ነገርስ ኣሎ ንምባል እዩ።

ብዝርዝር ኣቐሚጥካ ብተዋረድ ብቐደም ስዓብ ገሊኡ ክዓ ጉኒ ንጎኒ ክንገብሮ ይግበአና ኢለ ሐዚ ብዝርደአኒ ዘቕምጦም ነገራት፥

ሀ) ፈለማ ብተነጽፃሪ ንቡር ህይወት ህዝብና (እቲ ካብቲ ኩሉ ጉብአ ዝተረፈ) ክምለስ፣ ትንፋስ ክረክብ

1) ህዝቢ ትግራይ ንእሽተይ ተነፅፃሪ ሰላም ዝረኽበሉ፣ ዕረፍቲ ዝገብረሉ፣ ዝተበተነ ስድራ ዝራኸበሉ፣ ዝተፈናቐለ ናብ መረበቱ ዝምለሰሉ፣ ወረርትን መፅነትን ካብ እንግድዕኡ ዝወርድሉ/ ድሕር ዝብልሉ፣ ክሓስብን ከስተንትንን ቅሩብ ግዜ ዝረኽበሉ ትንፋስ ክረክብ ዘኽእል ስራሕ ምስራሕ

2) ብተነፃፃሪ ስሩዕ፣ ንቡር ህይወት ተጀሚሩ መሰረታዊ ግልጋሎታት ክረክብ፣ ናብ ናብርኡ ምምዕርራይ ክኣቱ፣ ካብቲ ኩሉ መከራ ብህይወት ዝተረፈ ብዛዕባ መፃኢ ዕድሉ ክሓስብ ንቐደም ብህይወት ብርግኣት ጠጠው ዝብለሉ ሃዋህው ክፍጠር ምትጋህ

3) ምስ ዓለም ማሕበረሰብ፣ ምስ ደገፍትና ዋላ ምስ ፀላእትና እውን ብጥቡቕ ብጥበብ ብምስራሕ ቀልጢፍካ እቲ ዝበረሰ ክምለስ ምፅዓር

4) ምቕባል ዝኣብዩና ነገራት ‘ውን ፅምም ኢልና ውሕጥ ኣቢልና መፃኢና ብርሑቕ እናጠመትና ዋላ ምስ ፀላኢ እውን ከመይ ምንባር ከምዝክኣል ምጥባብን ክምዝመዝ ዝግብኦ ምምዝማዝን። እዙይ ዝሓልፍ እዩ ዝሓሸ እዋን ኣሎ (ዋላ ሰሪሕና ነምፅኦ እንተኾነ እቲ ዝሓሸ ኩነታት) ንግዚኡ ግን ምውሓጥን ፅምም ምባልን ዘድልዮ ከምዘሎ ምቕባል

ለ) ሰለስተ መሰረታዊ ለውጢታት ኣብ ውሽጥና (ኣብ ትግራይ) ክረጋገፁ ኩነታት ንምምችቻው ምትጋህ

1) ፖለቲካዊ ለውጢ፡ ቅድሚ ናብ ካሊእ ቃልሲ ምእታውና ንቐደም ካብ ነዕርዮም ነገራት ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ኩነታትና እዩ። እዙይ ተራ ናይ ሰባት(መራሕቲ) ወይ ውድባት ምቅይያር ጥራሕ ዝሓዘ ኣይኮነን፥ ንሱ ክግበር ኣለዎ ግን ልዕሊኡ እቲ ፖለቲካዊ ስሮኣትና፣ ፖለቲካዊ ባህልና ብመሰረቱ ክፍተሽን ክልወጥን ዝግብኡ እዩ። ንዙይ ዝኾን መፅናኦታት፣ መማርፅታት፣ መንገድታት ብሓሳብ ደረጃ ምውዳብ ሐዚ ይጀምር። ብፍላይ እዛ ናይ ፖለቲካ ለውጢ ትብል ብፍሉት ትኹረት ምርእእይን ምሓዝን ተድሊ፥ ንቡዙሕ ነገር ወሳኒት እያ ዝመስለኒ።

2) ማሕበረሰባዊ ለውጢ፡ እዙይ ብሓፅር ግዜ ብዝኾነ ውሳነ ብስጉምቲ ዝመፅእ ነገር ኣይኮነን። ብኸይዲ ብነውሕን ሰፊሕን ምንቅስቓስ ዝመፅእ እዩ፥ ግድን ሐዚ ዘድልየና ነገር ኣብዙይ መሰረታዊ ለውጢ ከምዘድልየና ብምእማን ንኸምዚ ዝብለ ምንቅሳቓስ ዝውልዕ ምችው ሃዋህህው ክህሉ ናይ ምምችቻው ምጅማር

3) ቁጠባዊ ለውጢ ስግግር፡ እቲ ኹነታት ዘምሀረና ብዙሕ ነገር ኣሎ፥ ቅድሚ ካሊእ ነገር ምሕሳብና ኣብዚ ጉዳይ ክንዓሞም ዝግበአና መሰረታዊ ነገራት እኒሀው። ንህንፀት ቁጠባና እንሪኢሉ መነፅር ካብ ምልዋጥ ክሳብ ሓደሽቲ ናይ ዓርሰ ምርኮሳ መረጋገፅቲ መንገድታት ምህናፅ። ብቐሊሉ ዘይሕፀር/ዘይዕፆ ምስ ዓለም ዝተእሰሰር ኣካይዳ። ኮታስ ኣዕርዩ ምርኣይ ዘድልዮ ምዃኑ ፈሊጢና ንቲ ቅድም ኢሉ ብፍላይ ኣብ ዲስፖራ ተጋሩ ዝለዓሉ ዝንበሩ ጉዳያት ‘ውን መበገሲ ብምግባር ካብቲ ቅድሚ ሐዚ ዝነበርናዮ ብዝተፈለዮ ክንሃንፆ ዝግበአና ነገር ምዃኑ እዩ።

ሐ) ከም ሓደ ኣካል ከንቀስእቅሰናን ከቃልስስናን ዝኽእል ዘረዳዳእ ፍኖተ ካርታ ብሰፊሕን ዓሚቕን ምይይጣት ምድላው

1) ፈለማ ሕሉፍ/ጥንታዊ ስልታንያዊ ታሪኽና ብግቡእ ምምርማር፡ ካብ ስልጣነ ኣኽሱም ጀሚሩ እቲ ስልጣነ ንዕና እንታይ እዩ? ኸመይ ኢና ንግንዘቦ? ከመይ ኢና ምስ ባዕልና ነተኣሳስሮ? ኣብ ከባቢና ዘለዉ ኸ ከመይ እዮም ዝርድእዎ? ዓለም ከ? ወዘተ ዝብል ፈቲሽካ ኣብ መንነትናን ህላወናን ቀፅሊ ዕድልናን ዘለዎ ትርጉም መርሚርካ ምስ ሐዚን ቀፅሊ ቃልስናን ምውዳድን ምውህሃድን የድሊ።

2) ቀፂሉ ድሕሪ ውድቀት ኣኽሱም ዘሎ ጉዕዞ ፀልማት፣ ውፃእ ውረድን ቃልሲን ምስ ከባብያዉን ዓለማውን ኩነታት (ኣብቲ እዋኑ ዝነበረን ሐዚን) ብምትእስሳስር ምምርማር። ብፍላይ ክዓ፡

- ኣብ ግዜ ራእሲ ፋርስ ዝነበረ

- ኣብ ግዜ ራእሲ ሚክኤል ስሑል ዝነበረ ንዕኦም ዝፈጠረ ሃዋህው፣ ዘምፅኦ ውጽኢትን ድሕሪኦም ዝተፈጠረ ኩነታትን

- ኣብ ግዜ ራእሲ ወልደስላሰን ደጃት ስባጋድስን፡ ብፍላይ ድማ ድሕሪ ስባጋድስ ዝመፀን ንዕኡ ዝፈጠረ ባይታን ኣካይዳን ሳዕቤኑን፡ ዝሰዓበ መከራን ቃልስን

- ኣብ ግዜ ሃፀይ ዮውሃንስን ራእሲ ኣሉላን፡ እዙይ እውን እንታይ ፈጢርዎ? እንታይ ውፅኢት ኣምፅኡ? ከመይ ወዲቑ? ድሕሪ ውድቀቱ ኸ ትግራይ እንታይ ኮይና?

- ኣብ እዋን ቃልሲ ቀዳማይ ወያነ እውን ከምኡ

- ኣብ ካልኣይ ውያነ እውን ብዚ መንፅር ብግቡእ ምምርማር እሞ ካብኡ ግብእ ትምህርቲ ወሲድካ ምስቲ ናይ ሐዚ ዝገበርናዮ ቃልሲ ኣተሓሒካ መርሚርካ ንቲ ፍኖተ ካርታ ምቕማር

እዚታት ንምፍታሽ ብዙሕ ፃዕሪ ዝሓትት እዩ። ኣብ ሓደ ተሰኒዱ ንረኽቦ ኣይኮነን፥ ካብትን ካብትን ኣኻኺብና ነተኣሳስሮ እዩ። ከም መበገሲ ናይ ደብተራ ፍስሃጊዮርግስ ኣብየዝጊ ‘ታሪኽ ኢትዮጵያ’ ትብልን፣ ናይ ብላታ ሃይለማርያም( ካሳ ዘሐተማ) ‘ቀዳማይ ውያነ’ ትብልን ምውሳድ ይክኣል እብል።

3) ካብ ተሞክሮ ዓለም (ካልኦት ዓድታትን ህዝብታትን) ግቡእ ትምህርቲ ምውሳድ

- ኣብ ነዊሕ ጉዕዞ ቃልሲ ምስና ዝመሳሰል ታሪኽን ስልጣነን ዘለዎም ህዝብታት ብዙሓት ዝተዓወቱ ማለት ዘላቒ ባህጎም ዘረጋግፁ ካብ ውድቀቶም ዝተምሃሩ ወዲቖም ዝተስኡ ኣለው። ወዲቖም ዝተረፉ እውን ኣለው። ኣብዚ ክንፍትሽ ትምህርቲ ክንወስድ ግድን ይብል።

- ምስዚ ብዝተኣሳሰሪ ትምህርቲ ዝርከበለን ካብ ዘንበብኩዎን መፃሕፍቲ ክጥቁም (ንሰን ጥራሕ ንምባል ኣይኮነን) 1. Collapse; how societies choose to fail or succeed, by Jared Diamond

2) Collapse of complex societies, by Loseph A. Tainter, 3) how conflicts shaped us, by 4) Upheaval; Turning points for nations in crisis, by Jared Diamond 5) After collapse; the regeneration of coplex societies,

4) ዓለም ሐዚ በፅሒዎ ዘሎ ብርኪ ንሕና ካብቲ ዘለናዮ ተበጊስና ከመይ ንጥቀመሉን ንምዝምዞን? ምስ ምጥቀት ቴክኖሊካዊ ምዕባለ ነብስና ከመይ ነመዓራሪ ከመይ ንጥቀመሉ ብዝምርምርን ብምርዳእን ምቕማር

መ) ዳግመ ምጥጣዕ ወይ ዳግመ ውልደት እትብል ኣገዳሲት ርእሰ ጉዳይ እውን ኣላ፥ ክትፍተሽስን ክስረሐላን ዝግበኦ (Regeneration) - እዚኣ ብሰፊሑ ብበይና ርእሲ ክመፃ ይደሊ እየ። ምስ ስልጣንያዊን ከባብያውን ምትዕርራያትን ምትእስስሳራትን ዳግመ ውልደትን ዝተተሓሀዘት ጉዳይ እያ።

ንዚ ዘድሊ ሓሳባት፣ ሰነዳት ፣ ውዳበታት፣ ትካላት ምድላው ሐዚ ምጅማር። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ እዙይ ዝገብር ሓላፍነት ዝውስድ የለን ናይ ኩላትና ስራሕ እዩ ኢልካ ምእማን። ቅድሚ ሐዚ ክንገብሮ ከምዝፈተና መንግስትና ንእንብሎ ሓሳብ ምቕራብ ዘይኮነስ ኣብኡ እውን ክምለስ ዝግብኦ ከምዘሎ ኣብ ግምት ምእታው።

ብናተይ ርዳኢት እዚታት ምግባር ምጅማር ንእንገብሮም ምይይጣትን ምንቅስቓስን መበገሲ ይኾን እዩ እብል። ብቐጽፃልነት ድማ ኣብዘን ዘልዕልክዎን ርእሰ ጉዳያት ዝመስለኒ ሓሳባት ምፍናው ክተግህ እየ።

የመስግን
ብ ጋዜጠኛን ተጋዳላይን Getachew Aregawi (wurayna)
Digital Weyane ዲጂታል ወያነ