INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ሓደ ምዓልቲ ኣብ በረኻ እንድሃለና ንብፃይ ኣለም ንምንታይ ኢና ኣብዚ ዘለና?

ሓደ ምዓልቲ ኣብ በረኻ እንድሃለና ንብፃይ ኣለም ንምንታይ ኢና ኣብዚ ዘለና? ንምንታይ ኢኹም እኹል ምድላው እንተይገበርኩም ናብዚ አእቲኹምና? ኢለ ሓቲተዮም ነይረ ኣብ ቅድሚ ሰባት:: ናይ ብዙሕ ተደራረብቲ ፀገማትን ክንድዚ ዝኣክል ሓይሊ ከምዝመፅእ'ውን ከምዘይገመቱ ሓቢሮምለይ::

እቲ ዝነበረሉ ግዘ ብዓል ኣባይን ስዩምን ዝተሰውእሉን ወለደይ ድማ ዝተትሓዝሉን ግዘ ስለዝነበረ ሓያል ሕርቃን ስለዝነበረኒ መቀለ ምስኣተኹ ክኸስሰኩም እየ: ህይወተይ ብናትኩም ስንፍና ናብ ዘይከውን ኣንፈት ኣትያ ኣላ ኢለዮም ነይረ::

መቀለ ኣቲና ብዙሕ ነገር ክስተኻኸል እንትፅበ ናብ ዝገደደ ሕመቅ ከደ:: ተደራረብቲ ጌጋታት ተሰሪሖም ብዙሕ ህይወት ድማ ሓሊፉ:: ኣነ ከምቲ ዝበልክዎ ኣይከሰስኩን:: ዓው ኢለ ግን ምዝራብ ጀሚረ:: ኣብቲ ፀልማት እዋን ብዙሕ ዘይረብሑ ሕግታት እንትወፅኡን ወለዲ እንትእሰሩን ዓው ኢሎም ካብ ተዛረቡ ሰባት ሓደ እየ::

ፅንሕ ኢለ ድማ ሕድሕድ ምዓልቲ ዝግብራ ሓበሬታት ብምውፃእ ህዝቢ ንክፈልጦ:: እቲ ናይ ውሽጢ ጉድ ተሓቢኡ ንከይተርፍ: ምስ ስልጣን ክንድምንታይ ከም ዝተላገቡ ንከርእይ ፈቲነ:: ዶ/ር ደብረፅዮን ካብ ስልጣን ንክወርድ ድማ ምዓልታዊ ስርሐይ ገይረ ኩለን ኣውፂአየን እየ:: Effective ድማ ነይሩ:: ብዙሕ ሰብ ድሓን ከምዘየለ ኩሉ ነገር ተረዲእዎ::

ኣብዚ እዋን እዚ እዩ ብናይ ቀበሌ ኣኼባታትን

ኣብዚ ገለ ፌስቡከራትን ወፍሪ ዝተጀመረለይ:: ምንም ማለት ኣይነበረን, expected እዩ:: ሽም ሰብ ኣልዒልካ ምፅላም ቀሊልን ዝወረደን ስራሕ እዩ: ናብኡ'ውን ኣይኣተኹን:: ብዙሕ ብዛዕባ ዶ/ር ደብረፅዮን ዋላ እንተፅሓፍኩ ኣብ ናይ ግሊ ጉዳያቶም ግን ኣትየ ኣይፈልጥን:: ነውሪ እዩ ከምኡ:: ብዙሕ ሰብ ዝተቃወመ እንዳመሰሎ ምንም ኣብ ዘይፈልጦ ኣልዕል ኣቢሉ ወይ ድማ ጫፍ ሒዙ እንተጋንን የስተውዕል እየ ኣብ ትግራይ:: ከምዚ ዝበለ ሕማቅ ባህሊ ክጠፍእ ክኽእል ኣለዎ:: በታ ስርሖም ገምጊምኩም ንቀፍዎም እምበር ከምዚ እዩ ገለ እንዳበለካ ደረጃ ተቃውሞኻ ንታሕቲ ኣይተውርዶ: ዋላ ንሶም ናብኡ እንተኸዱ:: ብዙሕ ተኸታሊ ስለዘለዎ ወይ ድማ ፍሉጥ ስለዝኾነ እቲ moral highground ናቱ ዝትመስሎ ሰብ ምዓት እዩ ኣብ ትግራይ:: "እቲ ዝንፍልጦ ከይነውፅኦ: ኣንሕና'ኮ ሱኽ ክንብል መሪፅና እምበር ምዓት ኢና ዝንፈልጥልካ.." ብሓሳብ ንዘይተስማዕምዐካ ሰብ ንምውራድ ዝኽየዶ ርሕቀት መሰከፊ እዩ ብሓቂ:: ኣንሕና'ኮ እንዳተብሃለ እቲ ተኸታሊ'ውን ንዕኡ እንዳመሰሎ እዩ ግዲ ኣብቲ ምንቁሻሽ ሓቢሩ ይዓስል:: ቀለም ቆፂሩ ዝትብሎ ሰብ ሆ ይብል:: ነታ ፅልኢቱ ንከርክዕ ወይ ድማ ልኡኽትኡ ንከሳኽዕ ናብ ግላዊ ስብእና ዘውርዱ መፀለምታት ይወርድ:: ፅንሕ ኢሉ ድማ ኩላ ናብ ምጥቅቃዕ ትኸይድ:: ፖለቲከኝኡ: ደራፊኡ: ኣክቲቪስቱ: ነጋዳይ.. ኣንሕና'ኮ እንዳተብሃለ ነቲ ዘይስማዕመካ ኣካል ዓሲልካ ትቅጥቅጦ:: Free will ዝብሃል ይጠፍእ:ከይፎተኻ ናብ ዕስለኻ ትፅምበር ወይ ድማ ትጠፍእ:: ኣብ ሞንጎ ግን ምሕሳብ'ውን ተቋርፅ: ዕስለ ሓሳብ ኣይፎትውን: ኣጥዒምልካ ድዩ ገለ ትብሃል::

ጌታቸው ናብ ስልጣን መፂኡ ከም ብዙሕ ሰብ 3 ወርሒ ንርአዮዝብል ውሳነ ወሲደ:: ምንም ከይርኣኻዮ ካብ ቀዳማይ ምዓልቲ ምንፅርፃር ኣግባብነት የብሉን ኢለ ስለዝኣምን:: In fact, ነቲ ግዝያዊ ምምሕድዳር ሓጊዘ'ውን ዝተወሰኑ ሓበሬታት ኣውፂአ::

ሽዑ እየ ካብ ትግራይ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ወፂአ, ስድራ ንምርኣይን ናይ ስራሕ ዕድላት ንምእላሽን:: ወደይ ኣብ ዓመትን ትሽዓተ ወርሑን እየ ንመጨረሻ ግዘ ዝርኣኽዎ:: ወለደይ'ውን በቃ ምስቲ ኩነታት ማዕረ:: ሓደ ትምህርቲ ናይዚ ክፉእ ግዘ ብዙሕ ሰብ ወሲድዎ ኢለ ዝኣምኖ ኣብ ሕማቅ እንትህልው ካባኻ ዝገደደ ሰብ ትርእይ'ሞ ንስኻ ድሓን ከምዘለኻ ንባዕልካ ትዛረብ:: ህይወተይ ኣላ: ስድራይ ኣለው ገለ ትብል:: ተመስግን:: ነቲ ንስኻ ዝረኸብካዮ እቲ ካልእ ዝስኣኖ ድማ ኣብ ሕልናኻ ተእትዎ::

ኣዲስ ኣበባ ከይደ ብዙሕ ነገር ተቀያይሩ ፀኒሑኒ:: ነዊሕ እዋን ዝተቀመጥኩላ ዓዲ ኣይመሰለትንን:: ናይቲ ከተማ ለውጢ እንተይኮነስ ምስቲ ንሕና ዝነበርናዮ ናይ ዕንወት መንገዲ ምንም ዝራኸብ ኣይመስልን:: ጦርነት ከምዝነበረ'ውን ኣይመስለካን: በዘይካ ኣብቲ ናይ ናብራ ክባር ሙኻን መልዐሊኡ እንታይ ከምዝኾነ ምፍላጥ::

ገለ ሰብ ከይተናኾለኒ ስግኣት ዋላ እንተነበረኒ ኣብ ሓፂር ግዘ ተቀንጢጡ:: ምዓት ትግራዋይ እዩ ዘሎ; ኣብ ኩሉ ትግርኛ ኢኻ ዝትሰምዕ:: ኣብኡ ዘሎ ትግራዋይ ግን ብዙሕ ስቃይ ከምዘሕለፈ ካብ ሕድሕድ ዝረኸብካዮ ሰብ ኢኻ ትሰምዕ::

ከይደ ንኩሉ ቀደም ዝፈልጦ ሰብ ክረክብ እየ ኢለ ሓሲበ ከይደ ነዊሕ ዓመት መሳርሕተይ ዝኾኑ ቻይናታት ረኺበ: መራሕቲ ኦሮምያ: ገለ ካብቶም ናይ ቀደም ባዕዴን: ዝተወሰኑ ናይ ብልፅግና ትግራይ ሰባት'ውን ረኺበ:: in fact, ጆን መንጋግ'ውን ረኺበዮ:: ኣብዚ ፈሊጠ እየ ዝፅሕፎ ዘለኹ:: ገለ ገለ ሰባት ምስ እንትና ተራኺብካ ገለ ኢሎም ኣጀንዳ እንትገብርዎ ርእየ ኣለኹ:: ስምዑ እስከ; ቤት ፍርዲ ዝሓትቶ ሰብ እንተሃልዩ ይሕተቶ: ባዕሉ ንስሃ ኣትዩ ይቅርታ ዝሓትት እንተኾይኑ'ውን ይሕተት:: ተራኺብካ ብዛዕባ ዓዲ ምዝታይ; ኣጥፊእኹም ኢኹም'ሞ ነታ ዓድኹም ክሓስዋ ምባሉ ምንም ፀገም ኣይርአየንን:: ብዙሕ ሰብ እዚ'ኮ ከምዚ ዝገበረ እዩ ገለ እንዳበሉ ዓሲሉ እንተሸማቅቅ ይርእይ እየ::ይርድአኒ እዩ:: ግን ድማ ትማሊ ከምዚ ገይሩ ተባሂሉ ሎምዓንቲ ክንደይ ፀገም ተሸኪምና እንዳሃለና ክሕግዝ ንዝደሊ ሰብ ኣይነርሕቅ:: ገበን እንተሃልይዎ ቤት ፍርዲ ይጠይቆ; ቤት ፍርዲ ዕስለ ግን ናብ ምንም ኣይወስድን:: ብዝኾነ, እቲ ሰብኣይ ብዙሕ'ውን ኣይሙችን:: ኣብ ሓደ ሓደ ኣባላት ብልፅግና'ውን ርእየዮ እቲ ፀባይ:: ኣይ ካፍቲ ኣይ ካፍቲ ተሪፎም; ከቢድ ሕርቃን ኣለዎም:: ምንፅርፃር እዩ ስርሖም::

Oromia was different. ብዙሕ ለውጢ እዩ ዘሎ:: ሰቦም ኣብ ስራሕ ፀሚዶሞ እዮም ዘለው:: ነቲ ገባር ትራክተር እንዳሃቡ ሚልየነር ገይሮሞ ኣለው:: ሰፋሕቲ ናይ ሕርሻ ምዝማን ስራሕቲን ናይ ኢንደስትርያል ስራሕቲን እዮም ዘካይዱ ዘለው:: እንደዚህ ያህል ቢልየነር: ንደዚህ ያህል ሚልየነር ለመፍጠር ነው ኣላማችን ኢሎም ቁፅሪ እንትነግሩኻ ሓቂ ኢኻ ዝትድንግፅ:: ካብቲ ናይቶም መራሕቲ ዘረብ ዝትርድኦ ድማ ንሃገረ ኦሮምያ እዮም ዝሰርሑ ዘለው: በዘይ ንሕስያ:: መንግስቲ እንዳሃለና ዘባኸንናዮ ዕድል ንሳቶም ይሰርሕሉ ኣለው:: ናይቲ ናይ ቀደም ከይኣክል ድማ ሃገረ ትግራይ ዝብል ሰብ በዚሑ ንዳሃለወ ትግራይ ሃገር እንተኾይና እንታይ እያ ክትበልዕ ንዝብል ሕቶ'ኳ ብሕጫጨ እዩ ዝምለስ:: ሃገረ ትግራይ ኢልካ ስለዝተዛረብካ ዝተምፅኦ ለውጢ የለን:: ሃገር ንሙኻን ብዙሕ ስራሕ እዩ ዝሓትት: ኣይጀመርናዮን ኢለ ድማ ይኣምን::

ነዊሕ እዋን ሳንቲም ኣይርኣኹን:: ኣብዚ መረባ ምንም ዘይፈልጡኒ ሰባት ናይ ትግራይ ቅርሺ: ኣቦኻ ገለ እንትብሉ መልሲ ኣይህብን:: ዝመስሎም ይዛረቡ:: ኣብ ትግራይ 5 ሳንቲም ሰሪሐ ኣይፈልጥን; ነዊሕ ዓመት ድማ ምስ ሓደ ናይ ቻይና ካምፓኒን ኣብ ኣፍሪካ ዓድን ሰሪሐ ኣለኹ:: ናብ ትግራይ ካብ ዝመፅእ ግን እንኳን'ዶ ክሰርሕ ካብ ጁባይ ኣውፂአ ዝተወሰነ ቁነገር ሰሪሐ ኢለ ይኣምን:: እዚ 3 ዓመት ግን ከም ሃገረይ::

ብጣዕሚ ዘሕዝነኩም እቲ ኩናት እንትጅመር ሓደ ዶላር 38 ቅርሺ እዩ ነይሩ:: ዋጋ ንህረት የስታውስ ኣብ 18% ከባቢ እዩ ነይሩ::ሕጂ ዶላር 112 ብር እዩ:: Inflation መንግስቲ ከም ዝብሎ 28.1% እዩ; ካልኦት ዓለምለኸ ትካላት ከምዝብልዎ ድማ ናብ ሃይፐር ኢንፍሌሽን ሬት ማለትም 42% ተፀጊዑ እዩ ይብሉ::ኣብዚ ደረጃ እዚ በፂሑ ማለት ድማ 100%-250% ዘይበፅሐሉ ምክንያት የለን ማለት እዩ:: ብፍላይ ሕጂ ምስቲ ናይ ኣምሓራ ኩነታት ተተሓሒዙ እዛ ዓዲ ናብ ዝኸፍአ ፀልማት ከምዝትኸይድ እዩ ዘርእየካ:: ብቀሊል ትግርኛ, ቅድሚ ኩናት ኣብ ባንክ ዝነበረት 100 ብር ምስቲ ናይ ዶላር ምዝባዕን ዋጋ ናህሪን ትወሲኹ ናይ ምዕዳግ ሓይላ ናይ 30-40 ቅርሺ ወሪዳ ኣላ ማለት እዩ:: እዚ ንኩሉ ትግራዋይ ሓደጋ እዩ:: ነዊሕ ዓመት ተዓፅዩ ፀኒሑ ምስተኸፈተሉ ድማ ንክሰርሕ ኮነ ንኽነብር ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ይበፅሕ ኣሎ ማለት እዩ:: ንሕና ኣብ ኩናት እንትነብር ካልኦቶም ናይ 112 ብር ናብራ adapt ገይሮሞ እዮም; ንሕና ግን ኣብ 38 ቅርሺ ኢና ዘለና::

እሱ ከይኣክል ድማ ርእሲ ሰብ እቲ ኩናት በኪልዎ:: ነዊሕ ዓመታት ኣብ ስራሕ ኣይነበረን: ኣብ ትምህርቲ ኣይነበረን:: ኣብ ልዕሊኡ ድማ ድኹም መንግስቲ እዩ ሒዝዎ ዝሎ:: ለውጢ; ሓሳብ ከምፅእ ዝትፅበዮ ኢሊት ድማ ክናኸስ እዩ ዝውዕል ዘሎ: ኣብ ልዕሊኡ ድማ ተፀባያይ እዩ ካብ መንግስቲ:: መንግስቲ ትግራይ'ኮ ሪኣክሽነሪ መንግስቲ እዩ:: ነገራት ምስተፈጠሩ እዩ ንምሕታም ዝጏየይ:: ብስዓቱን ብስርዓቱን ፀገማትካ እንተዘይፈቲሕኻ ድማ ምዓልታዊ ኣጀንዳ ይህልወካ:: ኣብዚ ዝገርም ድማ ነቲ ሪኣክሽነሪ መንግስቲ መልሲ ንምሃብ ኢሎም ናይ ሪኣክሽነሪሪሪኣክሽነሪ ዝኾኑ ኢሊት እዮም ዘለውና:: ከምዚ ያ ተፈጢሩ ንግሆ ተባሂሉ ኩሉ ናብኣ ይዓስል, ድሕር ስዓት ካልእ ኣጀንዳ እዩ:: እተን ኣጀንዳታት ምስበዝሓ ድማ መንግስቲ'ውን ይሰላቸ, ይንዕቕ:: ኣብዚ ክልተ ዓይነት "ኢሊት" ኣለው:: እቲ ቀዳማይ ኮነ ኢሉ ነቲ ዋጭዋጭ ዝደልይ ኣካል እዩ:: እቲ ዋጭዋጭ እምበር እቲ ፍታሕ መፅአ,/ ኣይመፅአ ኣይናቱን:: ፌመስ ተቃላሳይ ንሙኻን እዩ እቲ ዕላማ:: ከምዚ ኢለ ነይረ እንዳበለ እዩ ከፅምመኩም: ፀለመ ኣብ ጫፍ መልሓሱ እያ:: እቲ ሓደ ኣካል ድማ ናይ እማን ዝቃለስ ዘሎ እዩ ዝመስሎ:: At least, እዚ ቅንዕና ኣለዎ:: ፀገማት ፈልፊሉ ኣውፂኡ የጋውሕ/የቃልዕ:: ፅቡቃት ኣርእስታት የልዕል ሐሓሊፉ:: መወዳእትኡ ግን ወይ ናብ ጭርሖ እዩ ወይ ናብ ፀርፊ እዩ ምስደኸሞ:: ዘቃልሶ ኣካል ስለዘይብሉ ድማ ክደኽሞ እዩ::

ክልቲኦም ግን ኣብ ካብ ሓንቲ ምዓልቲ ዘይዘልሉ ኣጀንዳ ዙርያ እዮም እንዳተሽከርከሩ ዝውዕሉ:: ዝተወሰና ለውጢ ከምፅኡ እዮም ግን ድማ ኣብ ምሳሕ ስዓት ክውድኣ እየን:: ድምፂ ህዝቢ ምዕራብ ይሰማዕ ወይ ተመዛበልቲ ናብ ቦትኦም ይመለሱ ስለዝበልካ ትቃለስ ኣለኻ ማለት ኣይኮነን:: ጭርሖ ኢኻ ተዛሪብካ:: ትቃለስ እንተደሊኻ ብጭርሖ እንተይኮነስ ወይ ፖለቲካዊ ውዳበ ፈጢርካ ነቲ ክምልሶም ዘይክኣለ ኣካል ፊትንፊት ተቃለሶ ወይ ድማ ነቶም ክምልሶም እየ ኢልካ ብጭርሖኻ ዝትቃለሰሎም ዘለኻ ተመዛበልቲ ናይ ሰብ ገፅ ካልኣይ ምዓልቲ ንከይርእዩ ስራሕ ፈጢርካ ሓግዞም:: ካልእ ትርፊ ዘረባ እዩ:: ምዕራብ ትግራይ ከይተመለሰ ከመይ ኢልና ንሰርሕ? ቃልሲ'ዶ ተወዲኡ እዩ? ከይፎተኻ ክትሰርሕ ኣለካ:: እዚ ናይ ሰነፍ ዘረባ እዩ:: እዚ ናይ ኣክቲቪስት ዘርባ እዩ:: ስራሕ ስለዘይትፈልጥ ንካልእ ትመላላእ ኢኻ ዘለኻ:: ብጭርሖኻ ምስመለስካዮም እንታይ ኢኻ ክተብልዖም ድሕሪኡ'ኸ? ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ስራሕ እዩ ክፅመድ ዘለዎ ሕጂ:: መንግስቲ ከምዘይብልካ ኣሚንካ ንባዕልካ ተፍተፍ በል:: ኣነ እንተይበልካ ኣንሕና ኣይትበል:: ኣንሕና ናይ ሰነፍ ዘረባ እዩ:: ከብድኻ ዓሮቅሮቅ እንዳበለ ክትምካሕ ኣግባብነት የብሉን:: ንባዕልካ ክኢልካ ማለት ንትግራይ ዓብዪ ሓገዝ እዩ:: ካልኣይካ እንተኽኢልካ'ማ ዳርጋ ፍርቂ እቲ ስራሕ ሰሪሕካዮ ኣለኻ::

ኣብ ካልእ ዓዲ exposure ዘለዎ ሰብ ስራሕ ሒዙ ይምፃእ:: ዋላ ልዕሊ ዓቅምኹም ዝኾነ; ምዓት ክሰርሕ ዝኽእል ሰብ እዩ ዘለና ዕድል ስኢኑ እምበር:: ትግራዋይ ክሰርሕ እምበር ክሓምይ; ከማርር: ከንፀርፅር ኣይተፈጠረን:: ሃገረ ትግራየ ገለ ዝብሉ ጭርሖታት ይፅንሐልኩም: ስራሕና መጀመርያ ንስርሐዮ:: ስራሕ ስለዘየለ ኩላ ተንታኒት ኮይና; ኩላ ጋዜጠኛ ኮይና; ኩላ ፖሊስ ኮይና:: ድምፂ ኹኖም ድማ ይብሉኻ ኣብ ሕጫጨን ፀርፊን ምስውዓሉ::

እምቢ:: ካብ ዝግሃፅ ግሂፀ እንተስ ኣዲስ ኣበባ እንተስ ኦሮምያ ንናይ ቲዲኤፍ ብፆተይ ስራሕ ክፈጥር እየ ዝደልይ:: ዘላቂ መፍትሒ እምበር ሪኣክሽን ኣየሳድድን:: ኣብ መንግስቲ እምነት የብለይ; ኣብ ተቃወምቲ እምነት ይብለይ; ኣብ ምድረ ሰነፍ ኣንሕና እንዳበለ ስንፍና ዘስፋሕፍሕ ኢሊት እምነት የብለይ; ኣብ ባዕለይ እዩ እምነተይ::

ኩላትኩም ሓላፍነት ኣለኩም እዩ:: እንፅርፂርካ ኮነ ተፃሪፍካ ዝተምፅኦ ለውጢ የለን:: ሰሪሕካ እዩ ለውጢ ዝመፅእ:: ትካላት ክፈቱ:: ናብ ስራሕ እተው:: እቲ ዝኸበደ ፀገም ገና ኣይርኣናዮን:: ውግእ ከቢድ እንተመሲልኩም ተጋጊኹም ኢኹም:: ሃይፐርኢንፍሌሽን እዩ ከቢድ:: ኩላ ብኢኮኖሚ ተሃስያ ለማኒት ክትከውን እያ ኣብ ቀረባ:: ጥምየት ከመይ ከምዝከብድ ንዝፈልጦ እዩ ዝፈልጦ:: መንግስቲ ትግራይ ድማ ክንዲ ናይ ዜጋታት ድሕንነት ዝትሕልው; ክንዲ ነቲ ውጉእ, ተመዛባላይ, ዝተፈነወ ሰራዊት ወዳዲብካ ፀግዑ ዝተትሕዞ ብዝተወሰኑ ሰብ ሃፍቲን ሓለፍቶትን state captured ኮይንካ ኣለኻ:: ሰሚዕናዮም ዝይንፈልጥ ናይ ቢልየናት ስርቆት ኣብዚ ቀረባ እዋን ንሰምዕ ኣልና:: ብኻልእ ሸነኽ ድማ ኩሉ ተስፋ ይቆርፅ ኣሎ: ካብ ዓድ ይስደድ ኣሎ:: ግን እዚታት ብዙሕ ኣይፋልካን ይመስለኒ::

The only way out is ስራሕ ብምፍጣር:: ትካላት ክፈቱ:: ኣባላት ቲዲኤፍ: ግዳያት ፆታዊ ዓመፃትን ተመዛበልትን ስራሕ ኣትሕዝዎም: ኩሉ መንግስቲ ክሰርሖ ኣይክእልን(እንተሃልዩ):: ኣነ ብወገነይ ጀሚረ ኣለኹ::

Mezeker A. Zemo