INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ሓደ ኣገዳሲ ሓበሬታ - ይነበብ

ብ Ztseat Save Adna- My Perspectives

“ በሉ ሐዚ ድማ ክሳብ ሎሚ ዘይነገርኩኹም፣ ክሳብ ሐዚ እውንብ Ztseat Save Adna- My Perspectives ናብ ህዝቢ ዕላዊ ዘይተገበረ ሓደ ኣገዳሲ ሓበሬታ ብኽፋል ክነግረኩም እየ [ኣንብቡዋ፤ ሰብ ክሰምዓ ግበሩ፣ ኣካውንተይ ስለተዐርፍ ኮፒ ጌርኩም ናብ ሰብ ለኣኹዋ፣ ጠቅዑዋ]፤

ቅድሚ ዓሚ ነቲ መረፃ ሒደት ኣዋርሕ እንትተርፎ ኣብ ሞንጎ ሰለስቲኦም ተናሓናሕቲ ውድባት ትግራይ ዝተፈላለዩ ብርክታት ሓቢርካ ናይ ምስራሕ መስርሓት ንምፍጣር ብዝብል ልዕሊ 6 መድረኻት ኣዋዲድና ነይርና።

ትልምና ፈለማ ሳልሳይ ወያነን ባይቶናን ብምርኻብ፣ ቀፂሉ ድማ ውናት ክፅምበር ምግባር ነይሩ፤ በዚ እዋን ብሓፈሻ ልዕሊ 30 ሰዓታት ዝወድኡ ምይይጣት ተጌሩ።

ነዚ እነሳልጦ ካብቶም ፈላሞት መሰስቲ ብረታዊ ተጋድሎ ህወሓት ሓደ ዝኾኑ ዶ/ር ሃይሉ መንገሻ ተሻገር ፅጋብን ኣነን ብሓደ ብምዃን ኢና ኔርና። ኩሉ ናይ ኣደራሽ ክፍሊትን ካልኦት ወፃኢታትን ዝሸፈኑዎ ዶ/ር ሃይሉ መንገሻ ነይሮም፤ ብውሑዱ ነዚ ጥራሕ ልዕሊ 50,000 ብር ወፃኢ ከምዝገበሩ እግምት።

ፅቡቕ ኬድና ኬድና ኣብ መወዳእታ ግን ብሰንኪ ደቀቕቲ ኣፈላላያትን ፤ ኣብ ሞንጎ ድማ ናይ መረፃ እዋን እውን እናርከበ ኸይዱ እቲ ውጥን ኣይሰመረን። እንተነኣሰ ግን እቶ ውድባት ብቀረባ ክዛተዩን ብሓባር ምስራሕ ክምዝክኣልን መገዲ ተሊሙ ንብል::

ብዝኾነ ዕላማና ሰለስቲኦም ውድባት ንኽወሃዱ ብምግባር ኣብ ትግራይ ሓደ ተሰማዕነት ዘለዎ ብርቱዕ ናይ ተነሓናሓይ ብሎክ ምፍጣርን፡ ሓይልን ቃልሲን እቲ ሓዱሽ ወሎዶ ምእካብን እዩ ነይሩ።

ኣብ ፈለማ እቲ ዘተ ኣብ መንጎ ሳወትን ባይቶናን ክጅምር እዩ ጌርናዮ። ኣብ ኩለን ዋዕላታት ናይ ክልቲኦም ውድባት ኣቦ-መናብርት፣ ምክትላትን ፀሓፍትን ልኢኾም ክዛተዩን ፕሮግራም ክለዋወጡን ተጌሩ። ቅድም ክብል ከም ሓሳብ ውናት እውን ናብቲ ዘተ ኣትዩ ብሰለስተ ወገን እቲ ዘተ ክሳለጥ ድልየት ኔሩ። እቲ ጉዳይ ኣብቶም መድረካት እውን ተላዒሉ ኔሩ። እንተኮነ ብፕሮግራም እቶም ውድባት መሰረት ፈለማ ባይቶናን ሳወትን ተሰማዕሚዖም ክውዱኡ እሞ ዳሓር ውናት እውን ክውሰኽ ተወሲኑ እዩ ቀጺሉ። ኾይኑ ግን ጉልበትናን ግዘናን ኣብ ባይቶናን ሳወትን ተወዲኡ፤ ኣብ ሞንጎ እቲ መረፃ እውን ቀሪቡ፤ ንግዚኡ ኩሉ ከይኮነ ተሪፉ። [ሐዚ ተመሊሰ ክሪኦ ኸለኹ ብውናትን ሳወትን እንተንጅምር ምናልባሽ ዝበለፀ ውፅኢት ምረኸብና ኔርና ንኸውን።]

እዚ ኹሉ ምስኮነ ድሕሪ ኸባቢ ክልተ ዓመት ቅድሚ ኽልተ ኣዋርሕ ዶ/ር ሃይሉ ሓደ ኣዐርዩ ዘደመመኒ ነገር ነጊሮምኒ፤

ብምኽንያት ክሳዕ ሐዚ ንኹልኹም ኣይነገርኩኹምን ነይረ፤ ኣነ ምሳኹም ኾይነ እቶም ውድባት ክጣመሩ ወይ ክሓብሩ ክሰርሕ ከለኹ፤ ንኣባይ ፀሃየን ስዩም መስፍንን እወን ኣልዒለ ኣማኺረዮም ነይረ። እቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኢ-ዲሞክራሲያዊ ባህሊን ኣሰራርሓን፣ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ከይተረፈ እናገወደ ዝመፀ ኢ-ዲሞክራስያዊ ባህሊን ንሶም እውን ከምዘተሓሳስቦምን እዚ ክልወጥን እቲ ውድብ ክዕሪን ከምዝደልዩን፣ እዚ ባህሊ እዚ ክዕሪ ብናይ ባዕሉ ውሽጣዊ ቃልሲ ጥራሕ ዘይኾነስ ኣብ ትግራይ ጥንኩር ዝኾነ ተናሓናሒ ብሎክ ምፍጣር ነቲ ውድብን መግስቲን እውን የጠንክሮ እዩ ዝብል እምነት ኔሩዎም። ኣባይ ፀሃየን ስዩም መስፍንን ኣብቲ ሽዑ እዋን ግደ እተን ሓደሽቲ ውድባት ብምርዳእ ነተን ውድባት ረኪቦም ምዝታይ እውን ድልየት ከምዝነበሮም ነጊሮምኒ። በቲ እዋን ንዓኻትኩምን ነቶም ውድባትን እዚያት ብግልፂ ዘይነገርኩኹም ኣብ ገለ ወገናት ሰኸፈት ከይፈጥር ብዝብል እዩ፤ ዝኾነ ኾይኑ ኣነ ምሳኹም ኮይነ እተን ውድባት ናብ ሓደ ክመፃ ብምግባር ሓደ ጥንኩር ተናሓናሒ ውድብ ንምፍጣር ዝገብሮ ዝነበርኩ ኹሉ ስራሕ እኒ ኣባይ ይፈልጡዎ ነይሮም እዮም፣ ኣብ ብዙሕ ነገራት እናመኸርና ኢና ኼድና" ኢሎምኒ።

ፈፂሙ ዘይገመትኩዎ እዩ ነይሩ፤ ገሪሙኒ፤ ኣስተውዕሉ፣ ሰለስቲኦም መስረቲ ህወሓት እዮም፤ መስረቲ ማገብት እውን እዮም። [ዝርዝሩ ሓደ መዓልቲ ባዕሎም ዶ/ር ሃይሉ ናብ ህዝቢ ዕላዊ ከምዝገብሩዎ ተስፋ እገብር።]

ኣብ መወዳእታ ዝተገንዘብኩዎ ኣቶ ኣባይን ኣቶ ስዩምን እውን ግዘ ኣርኪቡዎም እምበር ለካ እቲ ዝፈጠሩዎ ውድብ ከይዱ ኸይዱ ኣብ ትግራይ ኢ-ዲሞክራሲያዊ ባህሊ ከይፈጥር፣ ዝገደደ ሳዕቤን ከየምፅእ ስግኣት ከምዝነበሮም ፤ እዚ ጌጋ ናብ ዝእርም መንገዲ ክኸዱ ድሌት ከምዝነበሮምን ብዝሓሸ ኹነታት ኣርሒቆም ጠመቲ ምንባሮም እዩ።

ኣይተ ኣባይን ኣይተ ስዩምን እቲ ኹሉ ህዝባዊ ተሰማዕነት እናሃለዎም ብዛዕባ እዚ ሓቂ ዓው ኢሎም ዘይምዝራቦም ሐዚ እውን ጌጋ እዩ ኢለ እኳ ዝወስድ እንተኾንኩ በዛ ኣብ መወዳእታ ዝበፅሑዋ መደምደሚን ፈተንኦምን ብውልቀይ ኣብ ልዕሊኦም ዝነበረኒ ዝተወሰነ ቅራነ ሙሉእ ንሙሉእ ኣልዒለ እየ፤ ኣኽቢረዮም እውን እየ።

ዝኾነ ኾይኑ ኣይተ ኣባይን ኣይተ ስዩምን ቅድሚ መስዋእቶም ቅድሚ 6 ወይ 7 ኣዋርሕ ብዛዕባ ህወሓት ዘለዎም መደምደሚን ኣርሒካ ጠመተን ህዝቢ ትግራይ ካብዚ መዋጥር ንኽወፅእ መፍትሒ ኢሎም ዝሓስቡዎን ነዚ ይመስል።

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንኹሎም ሰማእታትና።”

Read More