INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ካብ ትግራይ ዝበፅሐኒ ሓበሬታ

ንዝከበረካ ማሕበራዊ ሚድያ ትጥቀም ትግራዋይ ነዛ መልእክቲ ሼር ብምግባር ተሓባበሩኒ ትግራይ ሰብ አለዋ።

አራዊት ሻዕቢያ ካብ ትግራይ ይወፅእ አሎ ዝብል ናይ ሓሶት ሓበሬታ አየተሰራጭው።

አራዊት ኢትዮጵያ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ሓድሽ ናይ ዩኒፎርም ክዳን ምስቀየረ ብተመሳሳሊ ሰዓት አራዊት ኤርትራ እውን ተመሳሳሊ ክዳን ተከዲኑ አሎ።

እዚ ነገር ኮነ ተባሂሉ ብቋንቋ ትግርኛ እናተዛረቡ ትግራዋይ ብምምሳል

1/ልኡክት አፀረይቲ ገበን ዘርኢ ምጥፋእ ትግራይ አብዝዞሩሉ ሰዓትን ከባብን ጥቡቅ ክትትል ብምግባር ነዚ ሓበሬታ ከይቀላጠፍ ምግባርን ነዚ ምስክርነት ዝህቡ ግለሰባት እናጨወካ ንምቅታል እዩ።

2/ናብ ምግዳል ከይዶም ዝነበሩ መናእሰያት ናብ ቤተሰቦም ምስተመለሱ ብዝተፈላለየ ምክንያት ንምቅታልን ወንጀል ሰሪሖም ህዝቢ ረቢሾም እናበልካ ናብ አስመራን ዓዲ አምሓራን ክጭወዩ ንምግባር እዩ።

3/አብ ልዕሊ ሻዕብያ ንዝግበር ወታደራዊ ይኩን ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ ንምስላል እዩ።

4/ፌደራል መንግስቲ እውን ህዝቢ ትግራይ ብዛዕባ በደሉን ጨፍጫፉን አብቲ መንእሰይ ዘሎ ስምዒት ንክጠፍእን መንእሰይ ትግራይ አብ ምንም ዓይነት ሰራሕ ከይሳተፍ ብምግባር ከም መንእሰይ ኤርትራ ፍቀዶ ባሕርን በረካን እናተሰደደ ክመውት ምግባር እዩ።

5/ሻዕብያ ናይ መወዳእታ ዝበሎ ሙከራ ቀትሪ ካብ ግዝአት ትግራይ ወፂእ አለኩ እናበልካ ናይ ባዶ ሰለስተ ናይ ሓሶት ዜና እናሰራጨካ ዩኒፎርም ቀይርካ ምስ ወታደርን ፖሊስን ኢትዮጵያ ብምምስሳል ናብ መላእ ትግራይ ክብተኑ ምግባር ናይ መወዳእታ ሙከራ ከምዝኮነ ንላዕለዎት መራሕቲ ወታደራቱን ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያ ከምዘእመኖም ንመራሕቲ ወታደራት Tdf ሓበሬታ ከምዝበፅሖምን ነገር ግን ነዚ ነገር ንምክልካል ተሪር ፖለቲካዊ ውሳነ ከመዘድሊ ከምዝሓበሩሉ ነዚ ሓበሬታ ዝሃበኒ ሰብ ሓቢሩለይ እዩ።