INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ጉማየ!!

ጉማየ ኣብ ኤርትራ? (ዝለጠፍኽዋ ኣልዒለያ)

እቲ መግለፂ ፍቕሪ፣ ልግሲ፣ ጓስነት፣ ምሕዝነት፣ የዋህነት፣ ኒሕ፣ ወያነ፣ ወዘተ ዝኾነ #ጉማየ ብድምቀትን ብስፍሓትን ኣብ ትግራይ ኣብ ምሉእ ራያ ዓዘቦ፣ ዕስራ ዓዲ ወጀራትን ሰብዓ እንደርታን ይፍለጥ። ነዙይ እዩ ክሳብ ሐዚ ኣብዞም ከባቢታት ካብ #መንገሻ ረዳኢ ክሳብ #ሃይለ መርጌታ ብጣዕሚ ብዙሓት ከየንቲ ጉማየ ንረክብ። ማሕሌተ ጉማየ ክኽበር 4ይ ዓመት ገይሩ። ጉማየ ኣብ ኻልኦት ከባቢታት ትግራይ እውን ሕልፍ ሕልፍ ኢሉ ከምዝበሃል ኣብዚ ሎሚ ዓመት ሓበሬታ ረኺበ፤ ግርም። ወዲ ኹሙርኳ ካብ ቀደም ዝፈልጦን ዝፈትዎን ባህላዊ ከያኒ እዩ፤ ጉማይኡ እውን በቲ ናይ ባዕሉ ቅዲ ጥዑም እዩ።

ኣብ ኤርትራ ግና ፈፂመ ሰሚዐ ኣይፈልጥን (ናይ ባዕለይ ሕፅረትዶ ይኾን?)፤ ስለዝኾነ ድማ ኤደን ከሰተ ዘውፅኣቶ #ጉማየ ዘርእስቱ ደርፊ፣ ሓይሊታት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘርኣዊ ፅንተት ኣብ ዘካየድሉ እዋን ስለዝኾነ ከም ዘረፋ ባህሊ እምበር ቅድሚ ሐዚ ኣብ ነዊሕ ግዜ ኣብ ኤርትራ እውን ዝተወራረሰ ባህሊ ገይረ ኣይወሰድኹዎን። ይኹን እምበር ዝተወሰኑ ኤርትራውያን #ጉማየ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ኤርትራ ይበሃል ነይሩ እዩ ኢሎም ብውሽጢ ሓቢሮምኒ፤ ፅሒፎምለይ፤ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ከምዝበሃል ዝሓበሩኒ እውን ኣለዉ (ኣብ ኣገውኳ ፈልጥ እየዋ)። ዋላ ኣካል ባህሎም ኣይንበር ዝኾኑ ህዝቢታት ፈትየዮ ወይ ናተይነት ስምዒት ተሰሚዑዎም፣ ብሕስድን ብዘረፋን ከይኮነስ፣ ብፍቕርን ቅንዕናን #ጉማየ ወሲዶም እንተደረፍዎ ፀገም ከምዘይብሉ ይኣምን እየ።

ብዝኾነ ብምንኽንያትን ንሕልናይ ብዝጥዕምን እየ ዝኣምንሞ፣ ብመረዳእታን ሳይንስን ክሳብ ነፅንዖ፣ ፍሕሲ እታ ዝወፀት ደርፊ ኤደን ከሰተ ድማ ክሳብ ንርድኦ፣ እታ ትማሊ ኣብ FB ብስምዒት ዝለጠፍኹዋ ፅሑፍ ኣልዒለያለኹ።

ንዝተፈጠረ ምድንጋር ድማ ይቕሬታ እብል!

ለበዋ፦ ባህሊ ትግራይና ዝኾነ #ጉማየ ክደምቕን ክዕቀብን ብተግባር ንዝሰርሕ #ንማሕሌተ ጉማየ ነበረታትዕ። ቅርስን ባህሊን ምስተዘረፈ ጥርዓን ዋጋ የብሉን።