INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ጉዕዞ ንሓይሊሰባውን ሎጂስቲካውን ብራኸ

25 ለካቲት 2013 ዓ/ም ንወጀራት ተሰናቢትና ንከባቢታት ሓዳለን ዓፋርን ብየማን ብምግዳፍ ናብ ኣንፈት ሰሜን [ኣፅቢ] ክንብገስ ኣጋ ወጋሕታ ተሰሪዕና ኣለና። ኣብዙ ጉዕዞ ከምቲ ክሳብ ሽዑ ብዙሕ ድኻም ኣይነበረን። ሕድሕድ ተጋዳላይ ካብፀላኢ ዝተመንዘዐ ብሽኩቲ ፥ ኣስቃጥላን ብፍላይ ከዓ ወረጃ ህዝቢ ወጀራት ዘስነቐና ሕምበሻን ቆሎን ስለዝነበረና ጉዕዞና ሰላማውን ስሉጥን ነበረ። ኣብዙ ጉዕዞ "ድምፂ ኣጥፍእ ፥ ተረሓሓቕ ፥ ተቀራረብ ፥ ካብ ኳዳ ማይ ጓዕጓዕ ምባል ኮነ ምሻን ክልኩል እዩ ... ወዘተ" ዝብሉ ተጋዳላያዊ መስርሕ ላሕሊሖም ነይሮም። ምኽንያቱ እቲ ከባቢ ካብፀላእቲ ዝሐሸ ሓራ መሬት ስለዝነበረ።

ጉዕዞና ንመሬት ብዘይስኽፍታ ብምርጋፅ ኮነ። እቲ ኣብ ወጀራት ዝተገበረ ተኸታታሊ ወታደራዊ ስልጠና 'ውን ተወሳኺ ኣካላውን ስነልቦናውን ስንቂ ኮይኑና እዩ። "ዝመፀ ይምፃእ እናደምሰስና ናብ መቐለና" ዝዓይነቱ ስምዒት ኣብ ሕድሕድ ተጋዳላይና ይንበብ ነይሩ። ብጣብያታት ሰርነባ ማርያምን ጎንካን ኣቢልና ዝተተሓሓዝናዮ ጉዕዞና ፍፁም ተፈጥሮኣዊ ኣግራብ ንዝፀዓቑዎም ዝተፈላለዩ ጣብያታትን ሽንጥሮታትን ወረዳታት ወጀራት ፥ ዞባ ደቡብ ምብራቕን እንደርታን እናቆራረፅና ፈለማ ከቢድ ቁልቁል ድሕሪኡ ድማ ዓቐብ ዝበዝሖ ምዃኑ መሬት ወገግ ምስበለ ኣብ ቀልቀል ደዳሕ ምስበፃሕና ጠመትና። ድሕሪኡ ብቐጥታ ናብ ምላዛት [መንጎ ሽኸትን ኲሓን] ብምብፃሕ እግረ መገዲና ዝፍፀም ውራይ ንምውጋን ከምዝኾነ ግና መዓረ መራሕትና ዛጊድ ኣፍልጦ የብልናን።

"...ከረን ደዳሕ ምርኣይ ግራውለ ፥
ማይዳ ካላ ኣወራ ተልዓለ።
ከረን ደዳሕ ዓቀይታይ ደይዞሮ ፥
ማዘሮ 'ለ ጉማ ክድረሮ..."

ዝብል ግጥሚ ወጀረቶት ኣብ ሕልናና እናሓሰብና ናብ ቁልቁለት ደዳሕ ነምርሕ ኣለና። ብውልቀይ ክርእዮ ዝምነዮ ዝነበርኩ ዓቐብ ወይ ድማ ቁልቁል ደዳሕ ብታሪኽ ኣጋጣሚ ዕድልን ገጢሙኒ። ፀድፊ ደዳሕ ዝበሃል ክወጀራት ናብ ገረብ ካላ ክትወርድ ከለኻ እንትኾን ዓቐብ ደዳሕ ድማ ብግልባጡ ክትምለስ ከለኻ ምዃኑ ደዳሕ ጎቦ [ከረን] ዘይምዃኑ ንዕዘብ።

ደዳሕ እዚ ኣብምስሊ ትርእዩዎ ዘለኹም ከባቢ ኮይኑ ካብቶም ሳምቡ ትግራይ ተባሂሎም ዝፍለጡ [ቃፍታ ሸራሮ ፥ ዴስኣ ፥ ድድቫ-ደርጋዓጀን ፥ ሕጉምብርዳ] ብተወሳኺ ሓደ እዩ ምባል ይከኣል። ሚዲያታት ትግራይ ዝፈልጥኡ ኣይመስለኒን። ኣብ ውሽጡ ዳርጋ ኩሎም ዓይነታት እፅዋትን ብዙሓት እንስሳት ዘገዳምን ድማ ዘለዉዎ እዩ።

ኣብ ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ወረዳ ወጀራት 20 ዓዲ ከተማ ደው [ባሕሪ ፀባ] ንኣንፈት ምብራቕ እናንቆልቆልካ ብምውራድ ነዊሕ ትጓዒዝካ ጣብያ ማርያም ሰርነባ ትረክብ። ካብ ንእስቲ ከተማ ሰርነባ ናይ ኣስታት ክልተ ሰዓት ጉዕዞ እግሪ ምስቐፀልካ ድማ ንዓይኒ ሰሓባይ ንመንፈስ ድማ ኣዕጋባይ ዝኾነ ገነታዊ ዱር ትረክብ። ክኣንፈት ሰሜናዊ ምብራቕ ናብ ደቡብ ክትጥምት ከረን [ጎቦ] መሲሉ ዝረኧ ፀድፊ ደዳሕ ኣብ ከባቢ ማርያም ሰርነባን ሰበበራን ሓውሲ ደጉዓ ጣብያ ዝኾነት ጣብያ ጎንካ ናብ ሰጣሕ ጎልጎልን ርጉዕ ሩባ ካላን ኣብዝወስድ ዝርከብ ከቢድ ፀድፊ እዩ ደዳሕ።

ብትርኢት ዘፍርሕ ፀድፊ ደዳሕ ንምውራድ ነዊሕ ቅርፂ ሽንቲ ብዕራይ ቁልቁል ክትወርድ ግድን 'ዩ። ጥውይዋዩ ኣዝዩ መድከሚን ክላዕሊ ንታሕቲ ክትጥምት ነብስኻ ብሸለውታ ዝስሕብን 'ዩ። 'ቲ ፀድፊ ብኣእዳውካ ተደጊፍካ ትወርደሉ ኩነታት 'ውን ኣሎ። ተጋዳላይና ምስ ዕጥቁን ሰኸሙን እዩ ንዚ ነዊሕ ፀድፊ ዳርጋ ብ4ቲኡ መሓውራቱ ዝወርድ ዘሎ። ንዚ ፀድፊ ምስወረድካ ጠሚትካ ዘይሙኖ ካላ ዝበሃል መዓል ጥሪት ጎልጎል ኣሎ። ውርድ ኢልካ ሩባ ካላ። እዚ ህዱእ ገረብ ንወረዳታት እንደርታ ፥ ሕንጣሎ ፥ ወጀራትን ሽኸትን ዝፈሊ ዓመት ሙሉእ ዝውሕዝ ኮይኑ ተወለድቲ ዓፋር ምስጥሪቶም ንሓጋይ ዘሕልፉሉ ቦታ 'ውን እዩ። ገረብ ካላ ንውሑዳት ደቓይቕ ዕረፍትን ምትሕፅፃብ ዝመስልን ምስገበርና ዓቐብ ከባቢ ዱር ኣኸዛ ሓዝና። ዱር ኣኸዛ ተፈጥራዊ ኣግራብ ዝሓዘ ኮይኑ ኣብ ወረዳ እንደርታ ካብ ወረዳታት ሕንጣሎን ወጀራትን ብገረብ ካላ ዝፍለ እዩ። ካብ ካብ ማእኸል ዓዲ ናብ ትግራይ ንዝተዘርገሐ ፕሮጄክት ህንፀት ሃዲድ ባቡር ኣቋሪፅና ናብ ኣግራብ ኣኸዛ ንስመጥ ኣለና።

ካብ ዓፋር ሽኸት [ኣብዓላ] ናብ ኲሓ - መቐለ ዝወስድ ፅርጊያ ኣስፋልት ንፅጋዕ ምህላውና ካብን ናብን ብዝፀጋደማ ኣናእሽቶይን ዓበይትን ተሽከርከርቲ ኣስተባሂልና። ሕጊ ጉዕዞ ተጋዳላይ ኣስጢምና ብምፍፃም ብፍጥነት ናብ ኣስፋልት ክንሕምበብ ትእዛዝ ወረደ። ሻላ ኣግራብ [ዱር] 'ቲ ከባቢ ድሕሪ ቀትሪ ከባቢ ሰዓት 10፡30 ኣብ ጥቓ 'ቲ ፅርጊያ ክሳብ ንበፅሕ ካብ ፀላእቲ ናይምስዋር ዕድልና ተጠቒምና። ሐዚ ምላዛት ተቖፃፂርናያ ኣለና። ብፀጋም ዝነበረ ሰራዊት ፒፒ ናብ ኲሓኡ ተድሃለ። ብየማን ዝነበረ ፍሉይ ሓይሊ ዓፋር ናብ ሽኸቱ ሃደመ። ሽዑ ንሽዑ ንብዙሓ ማኻይን ብየማነ - ፀጋም ከቲርና እቲ እግረመገዳዊ ውራይና ክነሳልጥ ጀመርና። እቲ ውራይ ኣብዝሓፀረ ሰዓት ኣስተምህሮ ዕላማ ምስ ምኽንያትን መትከልን መቃለሲና ንቶም ገናሕቲ መኻይን [ሽፈራትን] ንተሳፈርትን ምሃብ ነይሩ።

ኣብ ምላዛት ካብ ኣ/ኣበባን ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያን ናብ መቐለ ዝመላለሳ ንዝነበራ ብዙሓት ተሽከርከርቲ ንሰዓታት ጠጠው ኣቢልና ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ከምዘይጠፈሸን ፥ የግዳስ ጠጢዑን በርዒኑን ናብ ዓበይቲ ወታደራዊ ዓወታት ይብርኽ ከምዘሎን ኣስተምህሮ ክወሃብ ተገይሩ። እዚ ኣስተምህሮ ብተጋ/ምግበይ ሃይለን ተጋ/ወርቂ ዓይኑ ፥ ተጋ/ፀጋይ ማርክስ ፥ ተጋ/ጉዑሽ ገብረን ካልኦት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይን ዝተውሃበ ነይሩ። እዚ ዜና ሽዑ ብTMH ዝተመሓላለፈ ኮይኑ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ትግራዋይ ዓብዪ ብስራት ዝተሰመዖን ዘወዓወዖን እዩ። ብኣንፃሩ ድማ ደመኛ ፀላእትና ኣባና ዝነበሮም ገምጋም ደጊሞም ክርእዩዎን TDF ናብ ማዓንጣኦም ኣትዩ ከምዝሃወፆምን ዘርኣየ ፍፃመ ኮይኑ ኣብ መቐለን ከባቢኣን ዝደንኮነ ፀላኢ ራዕዲ ኣትዩዎ ይራወፅ ኣሎ።

ካብ ምላዛት ብእንደርታ ድድቫ - ደርጋዓጀን [ኣራጉረ] ➛ ዴስኣ ➛ ዔራ ➛ ምካኤል እምባ [ሓይቂ መስሓል] ንዘለዉ ጎቦ ሽንጥሮታት ኣብ 2 መዓልትታት ብምቁርራፅ ከተማ ኣፅቢ ምእታው ናይ ሽዑ ህቅንና ምዃኑ ንብዙሓት ተጋደልቲ ግልፂ ኣይነበረን። ምኽንያቱ ምስ 'ቲ ቅነ ለካቲት ምዃኑ ተተሓሒዙ ኣብመቐለን ከባቢኣን ንዘሎ ፀላኢ ደምሲስና ርእሰ ከተማ መቐለ ክንቆፃፀር ንሸባሸብ ከምዘለና እዩ ንነፍስና ኣእሚንና ብሃንቀውታ ንፅበ ዘለና። እቲ ጉዕዞ ግና ዕላማ ብኣራጉረ [ደርጋዓጀን] ፥ ብዴስኣ ፥ ዔራ ፥ ጣብያ ሚካኤል እምባ ገይርና ናብ ከተማ ኣፅቢ ምእታው እዩ ኮይኑ። ስለዝኾነ ኣብ ከባቢ ከተማ መቐለ ውግእን ተኹሲን ክስማዕ ኣይተደለየን። ኣስፋልት ምላዛት ብላዕሊ [ኣንፈት መቐለን] ብታሕትን [ኣንፈት ሽኸትን] ቆሪፅና ዝተደለየ ኣስተምህሮ ምስተውሃበ ካብተን ተሽከርከርቲ ንደልዮም ነገራት ብፍቓድ 'ቶም ተጉዓዝትን ሹፈራትን ዝቕበል ተቐቢልናን ዕላማና ሰቢኽናን ናብ ወረዳ እንደርታ ጣብያታት ኣታኽልትን ለምለምን ተኸወልና። ብኣንፈት ሽኸት [ኣብዓላ] ንዝርከባ ጣብያታት መሰረት [ቑሸታት ዓዲ ዓቀይቲ] ሰርገን ፥ ራህደም መንጨልፎ ፥ ጋምራ] ፥ ጣብያ መንበረ ቁዱሳን [ቁሸታት ምላዛት ፥ ሞኖስ ፥ ሆሆለ] ጣብያ ለምለም [ቁሸታት ኣመንቲላ ፥ ላሕማ ፥ መልጉባ ፥ ኣኸዛ ፥ ዘሮርሓ] ፥ ጣብያ ደርጋዓጀን [ቁሸታት ሕልሻ ፥ ኣራጉረ] ፥ ጣብያ ደብረ ቕብኢ [ቁሸታት ባላ ኪዳና ፥ ሚ/ቓልጢ ፥ ዳልጌና] ወዘተ ብምቁርራፅ ቅልጡፍን መዛብዕን ጉዕዞና ንኣሸጎዳን ኲሓን ንፀጋም ብናፍቖት እናጠመትና ኣብ ጉዕዞ ሓዲርና ንከተማታት ኣጉላዕን ፀባትን ንፀጋም ገዲፍና ብዕለት 27 ለካቲት 2013 ዓ/ም ቀጥታ ኣብ ወረዳ ፅራዕ ወምበርታ ናብታ ቆራር ከተማ ዴስኣ ንጎሆ ኣቲና።

ኣቀባብላ ህዝቢ ከተማ ዴስኣ ዝገርም 'ዩ። ንብዙሓት ሰራዊትና ንፈለማ እዋን ብዘይ ክፍሊት ፀጉሩ ዘስተኻኽሉ ዝነበሩ ቀምቀምቲ ሐዚ 'ውን ካብ ዓይነ ሕልናይ ኣይርስዖን። መንእሰያትን ህዝብን ዴስኣ ዝተኸደኖ ክዳን ካብዝባኑ እናውፀኧ ፥ ሳእኑ ከይተረፈ ንተጋደልትና ይህብ ነይሩ። ዴስኣ ንሰራዊትና ጥሕኒን [ቅንቃን] በሊዕኻዮ ዘይፅገብ ሕመበሻን ኣስኒቓትና እያ። ክቆራር ከተማ ዴስኣ ከዓ ቁልቁል ጉዕዞ ጀመርና። ዝስተ ማይ ብዝሓረማ ኣብ ወረዳ ፅራዕ ወምበርታ ጣብያ ዔራ ኣቋሪፅና ውሽጣውሽጢ ኣግራብ ዴስኣ ሚካኤል እምባ በፂሕና ኣለና። ኣማሲና ድማ ኣብ ወረዳ ኣፅቢ ጣብያ ቃል ኣሚን ሓደርና። ኣቀባብላ ህዝብና ዘሐብን ነይሩ። ዕለት 28 ለካቲት 2013 ዓ/ም ወጋሕታ ናብ ተፈታዊትን ታሪኻዊትን ከተማ ኣፅቢ ኣቲና። ኣፅቢ ኣዶ ተጋደልቲ እያ። ዝዓበየ ምንጪ ሓይሊሰባውን ሎጂስቲካውን ቀረብ TDF።

.............ቅንያት ኣፅቢ ክቕፅል 'ዩ.............

[ወዓካፃ ፥ ተኻፋሊ 'ዚ ታሪኽ ፥ ተጋዳላይ]