INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

5-ቆላሕታ ዘድልዮም ጉዳያት

https://www.facebook.com/100069811275272/posts/242966054707102/ ብልፍዓተይ ተስፋ

5-ቆላሕታ ዘድልዮም ጉዳያት ፦
[ውልቃዊ ትዕዝብቲ]

1] ብልፅግና ኣብ ትግራይ ወታደሩ 'ምበር መሓውሩ ኣይተወቐዐን። ኣብያተ ዕዮታት [ትካላት] ትግራይ ሐዚ'ውን ኣብ ትሕቲ ዑሱባት ብልፅግናን ባንዳታትን ይመሓደራ ኣለዋ። ብልፅግናን ሻዕብያን ወታደራቶም ደኣ ካብ ዝበዝሕ ትግራይ ተዘቢጦም ወፂኦም 'ምበር ዝተቖፃፀሩዎ መዋቕራውን ስለላውን መሓውሮም ኣይተነኸኧን። ካብ ጣብያ ክሳብ ቤት ጽ/ት ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ፥ እኳ ደኣስ ኣብ ሕድሕድ ወሃብቲ ማሕበራዊ ግልጋሎት ብሓላፍነት ተቐሚጦም ሐዚ 'ውን ንህዝቢ እናንብዑ ዘለዉ ኣመራርሓታትን ስታፍን ብዕልን ብሕቡእን ምስ ብልፅግና ዝነበሩን ኣብ እዋን ብልፅግና [ካብ 24 ጥቅምቲ ክሳብ 21 ሰነ 2013 ዓ/ም] ብሓላፍነት ዝሰርሑ ዝነበሩን እዮም። እዞም ውልቀሰባት ሐዚ 'ውን ኣብ ግብረ እከዮም ይርከቡ። ህዝብና ክረኽቦ ዝግባእ ትካላዊ ግልጋሎታት ብሰንኮም ክረክብ ኣይከኣለን። እቲ ዝገርም ኣብተን ኣብያተ ዕዮታትን ትካላትን ዘገልግል ዝነበረ ትግራዋይ ስርሑ ጠንጢኑ ኣንፃር ስርዓት ብልፅግና ክቃለስ ናብ ሓራ መሬታት ትግራይ ምስወፈረ ናቱ ፓይሮልን ጥቕማጥቕምን እናፈረሙ ንባዕሎም ዝጥቀሙ ዝነበሩን ንስድራ እቲ ክጋደል ዝወፀ ሲቪል ሰርቫንት ዘሰኩኑ ዝነበሩን ኣባላትን ባንዳታትን ብልፅግና ሐዚ 'ውን ኣብ ቦቶኦምን ኣብ ሓላፍነቶምን ኮይኖም ህዝብና የሳቕዩዎ ኣለዉ ፤ ብቲ ክቃለስ ዝወፈረ ከዓ ካልእ ኣካል መሓውሮም ዝኾነ ሰብ ተኪኦሙሉ ይርከቡ።

2] ኔትዎርካዊ ኣሰራርሓ ዝያዳ ሱር ይሰድድን ይወሳሰብን ኣሎ። እቲ ካልእ መደንገፂ ተርእዮ ከዓ ኣብዚ ገጢሙና ዘሎ ናይ ህልውና ቃልሲ ምንም ኣበርክቶን እጃምን ዘይነበሮም ፥ ፅግዕተይናታትን ኣብ ክንዲ ፊት ንፊት ምቅላስ ምስ ተቓለስቲ ተለጢፎም ኣብናይውልቀሰባት ስብእና ምህናፅ ተፀሚዶም ንዛ ፀበባ ዘሕልፉዋ ዘለዉ ጎጀልትን ተጎጀልትን ዘይምጥኖም ናይ ትካላት ሓላፊነት ተተኺቡሎም ኣብተን ዝተረከቡወን ትካላት ድማ ኣሰራርሓ ኣብዪ ኣሕመድ ዝዓይነቱ ሓደገይና ክያዶ ክኽውኑ ብዓይንና ንዕዘብ ኣለና። ሐዚ ናይ ዝኾነ ኣብያተዕዮታት ኮነ ትካላት ናይ ኣሰራርሓ ለውጢ [Reform] ክገብራ ዝወረደ መንግስታዊ መምርሒ የለን። ብፍላይ ከዓ ንድምፂ ወያነ ትግራይ [ድወት] ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ገለ ገለ ኣብያተ ዕዮታት ዝረኧ ዘሎ ናይ ሓይሊ ሰብ ምሽግሻግ 'ቶም ትካላት ንመርወዪ ሸውሃት ውሱናት ውልቀሰባት ምውዓል ይመስል። ኣብከይዲ ነገራት እናሰኸኑ ብዝመፁ ቁፅሪ ዘምፅኦ ሳዕቤንን ማሕበራዊ ቅሉውላውን ሓደገይና ከይገብሮ የስግእ። ምጉጅጃልን ኔትዎርካዊ ኣሰራርሓ ክበጣጠስ እናተገበኦ ናብመንእሰያት 'ውን ወሪዱ ዝኸፈኧ ቢሮክራሲያዊ ሳዕቤን ከየሕድር ስግኣት ኣለኒ። ብቑፅረን ውሑዳት ዘይበሃላ ትካላት ፥ ኮይኑ ግና ኣብ ማሕበረሰብና ቀጥታውን ከቢድን ፅልዋ ዘሕድራ ትካላት ብተመሳሰልቲ ሰባት ተወኒነን ክምርሓ ንዕዘብ ኣለና። ከምዚ ዓይነት Deliberately & Intentionally ዝትብተቡ ነገራት ጠጠው ክብሉን ብዘይ ወዓል ሕደር ክበጣጠሱን ይግባእ።

3] ኣብ ትግራይ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ብዙሓት ኤርትራውያን ይርከቡ። ካብ ዑቕባ [Refugee Camp] ወፃኢ ዘለዉ ኤርትራውያን ብሄራዊ ሓደጋ ከብፅሑልና ናብዘይኽእሉ ብርኪ ማሕበራዊ ርክብ ምፍጣር የድሊ። እቶም ኣብ ዑቕባ ዘለዉ ካብ ዝተዓቖቡሉ ናይ ARRA/UNHCR ግቢ ከይወፁ ወይ ከዓ ናብ ኢትዮጵያ ዝዛወሩሉ መስርሕ ክህሉው ይግባእ። ብዓይኒ ሕውነት ምግያሽን ምሕብሓብን ካልኦት ልዕሊ ሃለዋትናን ብሄራዊ ህላወናን ተገይሩ ምርኣይ ጠጠው ይበል። ኩሉ ነገር ንሕና ክንህሉው ከለና እዩ። ንሕና ንዖም ንገብሮ ሓልዮታዊ መቕርቦ ሕውነትን ሰብኣውነትን ኤርትራውያን ዝህቡዎ ትርጉም ካብ ንቡር መዝገበ ቃላት [Dictionary] ብተቓራኒ ወይ ከዓ "ዓያሹ" ዝብል እዩ። ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ኣብዝርከባ ዘይመንግስታዊ ትካላት [NGOes] ተቖፂሮም ዝሰርሑ ተዘለድቲ ኣምሓሩ ቀለብቲ ሓበሬታ ዕለታዊ ኩነታት ትግራይ መሓውር ኣብዪ ኣሕመድ ኮይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ብፍላይ ከዓ ሽፈራት እተን ተሽከርከርቶም።

4] ሓደጋ ተፈንጀርቲ ካብ ብሐዚኡ ክንከላኸሎ ይግባእ። ኣብ ዝበዝሕ ገፀራት ትግራይ ብፍላይ ከዓ ንወርዒ ሓዊሱ ኣብ ከባቢታት ውግእ ወፍሪ ኣሉላ ኣባነጋ ዝተገበረሎም ናይ ሕርሻ ቦታታት ዘይተኣረዩ ቁምቡላታት ክህልዉ ይኽእሉ። ከባቢታት ኣግበ ፥ 7-ሕጉም ፥ የጭላ [ብርክት ዝበሉ ዘይተኣረዩ F-1 ቁምቡላታት] ፥ ሽዋጣ ፥ ሑሞር ፥ ቼሊ ፥ ዓዲዕሽርን ኣብ እዋን ምልስላስን ማሕረስን ገርሁ ልዑል ጥንቃቐ ወይ ከዓ ቅኒትን ፈተሻን ናይ ውግእ ምህንድስና ተዝግበረሎም ክበፅሕ ዝኽእል ናይ ህይወትን ጥሪትን ሓደጋ ምክልኻል ወይ ከዓ ምንካይ ይከኣል።

5] ኣብ ኢድ ውልቀሰባት [Investors] ዝርከቡ ብመስኖ ክለምዑ ዝኽእሉ ሰፋሕቲ ገርሁታት ቀልጢፎም ክበፅሑ ብዝኽእሉ ናይ ምግቢ ዝርኣት ክሽፈኑ ዝምልከቶ ኣካል ብዘይወዓል ሕደር ክሰርሕ ኣለዎ። ብመስኖ ዝኾነ ከውቅል ዝኽእል መሬት ክለምዕ ክግበር ኣለዎ። ንሕፅረት ምግቢ [ጥምየት] ከተማ [Urban Starvation] እኹል ትኹረት ክወሃቦ ይግባእ።

ሰናይ በዓል 11 ለካቲት ☕

ትግራይ ትስዕር

Read More