INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ጉዳይ ፍልሰት!

ሕዚ ዝበኣሰ ሓደጋ ፍልሰት ከጋጥም ዝኽእለሉ ዕድል ሰፊሕ ምዃኑ እዩ። ካብ ትግራይ ንኣዲስ ኣበባን ካልእ ቦታን ኣብቲ እዋን ዕፅዋ ብዙሕ ሰብ ወፅዩ እዩ፣ ገሊኡ ኣብ መንገዲ ተረሺኑ፣ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀር ህዝቢ ድማ ኣብ ወሎን ዓፋርን ኣብ መዳጎኒ/ካምቦታት ተዓፊኑ ኣሎ። ካብዚኣቶም ምሩኽ ተባሂሉ ርእሱ ተላፅዩ፣ ጫምኡ ተሓዲጉ፣ ክመስል ኣብ ጭቃ ከም ኣድጊ ተለልዩ ዝቐረበ ኣሎ። ብቲቪ ከምዝርኣኹሞ። ገሊኦም ድማ ብሓይሊ ደምሒት ብዝብል ክዕጠቑ ብግፋ ተወሲዶም።

ካብ ንሱዳን ዝተሰደደ ህዝብና እቲ መንእሰይ ዘበለ፣ ውሑዱ ናብ ቃልሲ ተፀምቢሩ፣ ዝበዝሕ ድማ ብሊብያን ካልኦት ዓድታትን ገይሩ ናብ ኣውሮፓን ካልእ ዝሓሸ ዓድን ክሰግር ፋሕ ብትን ኢሉ እዩ። እቲ ኣብ መንገዲ ዝመውትን ባሕሪ ዝበልዖን ከምዘሎ ኾይኑ ብዙሕ ሰብ ሕዚ እውን ኣብ መንገዲ ይርከብ። ዓበይቲ፣ ቆልዑን ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮን እየን ኣብ መዓስከር ሱዳን እንተሃለዉ። እዚኦም ናብ መረበቶም ይመለሱ ተባሂሎም ናብ ምዕራብ ትግራይ እኳ እንተተመለሱ ነቲ ልዕሊ 200 ሽሕ ዘስፈረ ኣምሓራ ክበልፅዎ ኣይኽእሉን። ኣብቲ ምዕራብ ትንፋሱ ጨቢጡ ብሂወት ዘሎን፣ ካብ ስደት ዝምለሱን ተደማሚሮም ''ለውጢ ኣየምፅኡን ሪፈረንደም ዋላ ነካይድ'' ዝዓይነቱ ፖለቲካ ፋሽሽታውያን እዩ ኣብ ተግባር ክውዕል ብወገን ፀላእቲ ዝሕሰብ ዘሎ። ዕጡቛት ጥራሕ ከይኮነስ እቶም ዝሰፈርቲ እውን ከይወፁ፣ ዝህሉ ሰላምን ዝሳኻዕ ረብሓ ትግራይን ኣይህሉን። ስለዚ ኣብዚ መዳይ እንታይ ክግበር ከምዘለዎ ምሕሳብ እዩ።

ኣብ ሳውዲ ዓረብያ ድማ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሸበርቲ እዮም ተባሂሎም ክእሰሩ ዝተገበሩ መናእሰይ ተጋሩ ብዙሓት እዮም። ካብቶም ዝተመለሱ ድማ ከምቲ ትዝክርዎ ምሩኻት ተባሂሎም ቀሪቦም፣ ተኣሲሮም፣ ብሓይሊ ናብ ሸቕልን ውትድርናን ኣትዮም ይርከቡ። ነዙይ ንምቅላዕ ዝተገበረ ፃዕሪ ብዙሕ ኣይኮነን፣ ተወሳኺ ጥሉል ሓበሬታን ኣብነታትን ሒዝካ ክውፈረሉ ዝግባእ ጉዳይ እዩ።

እቲ ዝኸፍአ ግን በዚ ሕጂ ክህሉ ዝኽእል ፍልሰት እዩ፣ ምስቲ ዘሎ ኹነታት ''በዝሕጂ ኣብዙይ እንታይ ክገብር'' ዝብል ስምዒት ተፈጢሩ ዓዱ ለቒቑ ዝኸድ ሰብ ከይህሉ ዘስግዕ እዩ። ውሕስና ሰላም፣ እኹል ቀረብ ኣገልግሎት፣ ኣሳልጦ ሰናይ ምሕደራ፣ ደበስን ምርግጋዕን፣ ውክልና ህዝብን ምርግጋፅ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይን፣ ወዘተ ብህፁፅ እንተዘይተኻይዱ ''ዓዲ የብለይን''፣ ''ኣብዚ ሰሪሐ ኣይዓብን''፣ ''ተዋሪደ''፣ ''ርሕቕ ክብል''፣ ወዘተ ዝብሉ ስምዒታት ሓዲሮም ዳግም ፍልሰት ከየጋጥም እንታይ ይገበር ኣብ ዝብል ካልእ ህፁፅ ስራሕን ዳግመ-ሕውየትን ዘድልዮ ዕዮ እዩ። ስለዚ ኣብ ሓደ ፖለቲካዊ ዛዕባ ጥራይ ከይነድህብ፣ እቶም ነሳልጦም ስራሕቲ ንዚታት እውን ኣብ ግምት ዘእትዉ ፓኬጅ ክኾኑ ይግብኦም ንማለት እዩ።

እቲ ናብዚ ውዕሊ ኣገዲዱ ዘእተወና ምኽንያት ሓደ ህዝቢ ብጥምየት፣ ስእነት መድሓኒትን ርሸናን ተወዲኡ እቲ ቓልሲ ደጀን ከይስእን እሞ ንሓዋሩ ከይንስዓር እዩ። ብኻልእ ወገን (ፍልሰት) ማሕበራዊ መሰረት እቲ ቃልሲ ከይናጋዕ ድማ ካልእ ዕዮ ገዛ እዩ። ተስፋ ዘውህብ ህፁፅ ተበግሶ የድሊ።

#weldegiwergs