INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ጊዚያዊ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦታት

ሰላማት 👋

እቲ ጊዚያዊ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦታት ብዋናነት ክልተ ዕላማ እዩ ዘለዎ።

1. ቶኽሲ ጠጠው ኣቢልካ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽኣቱ ምግባር። እዚ እቲ ቀንዲ ዕላማ እዩ።

2. ንእግረ መንገዱ ድማ ንዘላቒ መፍትሒ ምንፃፍ ክኸውን ዝኽእል ኩነታት እንተፈጠረ ዝብል "ተስፋ" እዩ። እዚ ንእግረ መንገዲ ዝረአ ተደራቢ ዕላማ እዩ። እቲ ቀንዲ እታ ናይ ቁፅሪ ሓደ እዩ።

ካብዚ ወፃኢ ምንም ዓይነት ፖለቲካዊ ስምምዕ ኣይተገበረን። ነዚ እውን እዩ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ "ሰብኣዊ ሓገዝን ፖለቲካን ክተሓዋወሱ የብሎምን" ዝበለ። ቀፃሊ ዝግበር እንተሃልዩ ድማ መንግስቲ ኣብ እዋኑ ዕላዊ ዝገብሮ እዩ ዝኸውን።

ጉዳይ መሬትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ብዕላውን ኣሳሪ ውዕልን ዘለዎ ፖለተካዊ ስምምዕነት እዩ ዝፍታሕ። ብወታደራዊ ሓይሊ እተልቅቖ እውን ከይዱ ከይዱ ብፖለቲካ እዩ መእሰሪ ክግበረሉ።

ስለዚ ዝተኻየደ ይኹን ዝተበፅሐ ካልእ ፖለቲካዊ ስምምዕ ኣብ ዘይብሉ ሓደ ሓደ ሰባት "ተሸየጥናየ ተለወጥናየ" እናበልኩም እትጋውሑዎ ዘለኹም ሓበሬታ ልክዕ ኣይኮነን።

እኳ ደኣስ እቲ ሐዚ ተበፂሑ ዘሎ ስምምዕ ነቲ ዝተብሃሉ ዕላማ ንኽውዕል እናተኸታተልና - ወግዒ (narrative) ናይቲ ኩነታት ረብሓናን ስምናን ከየኽፈአ ይጉዓዝ ምህላዉን ዘይምህላዉን እናተኸታተልና ህዝቢ ፣ መንግስትን ሰራዊት ትግራይን ብሙሉእ ልቢ ዕማማቶም ንኽፍፅሙ ሓጋዚ ግደ ንፃወት። ፀላእቲ HR6600 ንኸይፀድቕ ሰሚሮም ኣንፃርና ኣብ ዝዘምቱሉን ኩነታት ናብ ረብሐኦም ንምውዓል እንትረባረቡን ንሕና ኣብ ኣጀንዳታት ጓል መንገዲ ጊዜ እንቐትለሉ ኩነታት ክህሉ የብሉን።

ምንባብን ምድምማፅን ንሓበራዊ ምርድዳእን ሙሉእ ዓወትን!
ፅንዓት ንዘይተርፍ ዓወት