INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ግመል ትግራይ ኣብ ከይዲ ጉዕዝኡ

ግመል ትግራይ ኣብ ከይዲ ጉዕዝኡ ንዝነብሑ ኣኽላባት ኩሎም መልሲ ክህብ እንተዝብል፤ ኣርሆ በፂሑ ውራዩ ዓሚሙ ኣይምተመለሰን ነይሩ!

ምእንተ ሰላማዊ ፍታሕ እንትንብል፤ ክንኸዶ እንኽእልን ዘይንኽእሎን ኩሉ ሓርፋፍ መፃድፍ ዝበዝሖ መንገድታት፤ መሪር ዋጋ እናኸፈልና ከይድናዮ ኣለና! በፂሕናዮ ምስዘለና ዓለማዊ ርክብና ኣድላዪ እዩ እንተበልና እውን፤ ክንኸፍሎ ዘይግብአና ኩሉ ኢና ከፊልና! ድሕሪ እዙ በፂሕናዮ ዘለና ብርኪ እዙይ ግና፤ ምስ ገበነኛታት ምፅናት ዘርኢ እንኸዶ መንገዲ ዘተ ሰላም ኮነ፤ ኣብ ዘይለ ተስፋ ሰላም እንኸፍሎ ዋጋ ክህልወና የብሉን የብልናን! ከም ህዝቢ ካብ እንፃወሮ ንዓቐብ ኩሉ ፀንቂቕና ተፃዊርና፤ ህይወት ኣሽሓት ህዝብና ከፊልና ኢና! ይኾኖ ይኣክል!

ፀላእትና ኣንፈት ኮነ ጨና ሰላም ከምዘይብሎም ምስ ተሓባበርቶም ኣረጊፆም ኣፍሊጦም ኣለዉ:: ክፋላት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ግፍዓዊ ወራር ፅንተት እናሃለወ፤ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ኣብ ፍፁም ዕፅዋን ክባን ኮይኑ እናፀነተ፤ ምስ ገበነኛታት ኵናትን እኒ ኦባሳንጆን መወልቱን ኮይንኻ ዝግሃድ ዘተ ሰላም ክህሉ ኣይኽእልን! ኣበደን!

ቅድመ ኩነት ኣየቐመጥናን፤ ግድነት ክትግበር ዘለዎ ሕጋውነት እዩ! ምስቶም ልኡኻት ዝተበፅሐ ምርድዳእ እውን ንሱ እዩ፤ ኣብ ዕፅዋን ክባን ከም ህዝቢ ኣብ ማእሰርቲ ኣብ ፀልማት ኮይንና፣ ሰብኣዊ ረድኤት መሳርሒ ኵናት ፅንተት ህዝብታት ኮይኑ እናጠመና እናፀነትና፣ ሕገመንግስታዊ መሬታትን ህዝብን ትግራይ ተጎቢጡ እናሃለወ፣ ድርድር ወይ ዘተ ሰላም ዝብሃል የለን ብዝብል::

ብምጥባር ብምልስላስ ተኣዛዚ ብምዃን ዝሰልጥ ርክብ ዓለም የለን፤ ተራእዩ እውን ኣይፈልጥን! ኣብ ረብሓኻን፤ ሓይሊ ዘለዎን መን መንጠለን እዩ ርክባት ዝድረኽ! ምስ መን ኮይንና ረብሓና ነኽብር እዩ እቱ ሕቶኦም እምበር፤ ምእንተ ህዝብን ሰብኣውነትን ዝብሉዎ ላጊፅ ምዃኑ መሪር ተጋድሎና ኣግሂዱዎ እዩ!

ረብሕኡ ከሰላስል ከኽብርን ከፍፅግን ፀግደምደም ንዝብል ስሱዕ ዓዳጊ፤ ምሳኻ ኮይኑ ረብሕኡ ከረጋግፅ ከምዝኽእል ተርእዮ፤ መንገዲ ትሕብረሉ! መን ከምዝኾንካን ዘለካ ዓቕምን ብተግባር ክተርእዮ እንተለኻ፤ ዓቕምኻ ኣብ ዕዳጋ እዙ ኸባቢ ክንደየናይ ፅዕንቶ ከምዘለዎ ብተግባር ምስኣርአኻዮ፤ ዓዳግን ሸያጥን ትራኸብ! ረብሓኻን ረብሑኡን ተራብሖ እሞ ከም ኣተሓሕዛኻ ክንዲ ዘድሊ ርሕቐት ተኣሳሲርካ ሓቢርካ ትስድር!

ድሕሪ ሐዚ እንኸደሉ መንገዲ እውን ዋጋ ከም ዘኽፍለና ንፈልጥ ኢና! ከም ህዝቢ ሃለዋትና ኣረጋጊፅና ናብ'ቱ ተተሓሒዝናዮ ዘለና እነትስፍዎ ብራኸ ምእንታን ክንድይብ፤ ተሪፉና ዘሎ እንኮ መማረፂ መንገዲ ንሱ ጥራሕ ስለዝኾነ፤ ብኣውርኡ ኣብ ቕልፅምን ሓድነትን ህዝቢ ትግራይ ዝተደረኸ መንገዲ!

ስለዝኾነ ድማ እዩ፤ ብህድኣትን ብብልሓትን ብዝነኣሰ ዋጋ ዙሪያምላሽ ንዘሎ ሕልኽላኻት እናኣለና፤ ምስ ግዘን ኩነታትን ተኣሳሲርና ክንምርሽ ዝሓተና! ብፅንዓት ተሰጣጢምና ናብቱ ዘይተርፈና ጉዕዞ ሃለዋትን ደሕንነትን ንዳሎ፤ በብዘለናዮ መድረኽ ምስ መንግስቲ ሰራዊትን ህዝብን ትግራይ ጠጠው ኢልና ብትረት ንንጠፍ ንረባረብ!

ክብርን ሞገስን ንኹሎም ስውኣት ትግራይ!
ትግራይ ትስዕር ኣላ! ካሳ ሃይለማርያም
ቴሌግራም: https://t.me/+HdnQzJcDXXJlMzBh