INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ኣብ ልዕሊ ስድራቤት Emnet Negash ዝፍጸም ዘሎ በደል ብፅኑዕ የውግዝ።

Via Ztseat Saveadna Ananya

"ኣብ ልዕሊ ስድራቤት እምነት ዝፍጸም ዘሎ በደልን ግፍዕን ሰሚዐ ፤ "ወድኹም እምነት ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኢኽኩም ሓቢእኹምዎ" ተባሂሎም ይእሰሩ፣ ይንገላትዑ ከምዘለዉ ሰሚዐ ዝተሰምዓኒ ድንጋጸን ሓዘንን መግለጺ የብሉን ፤ ኣካውንተይ ብዝኾነ ምኽንያት ካብ ትማሊ ጀሚሩ ተኣጊዱኒ ስለዝነበረ ርኢቶይ ንምዕራፍ ኣይከኣልኩን ነይረ፤

እምበኣር እቲ ሓቂ እምነት ማለት ትግራይ ብሓሳብ ዝመርሕ፣ ሳይንሳዊ ብዝኾነ መንገዲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ገበን ዘቃልሕ፣ ተረኽ ዝፈጥር፣ ምስ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለማት ምስ ዘለዉ ምሁራት ተሓባቢሩ ሳይንሳዊ ኮሚኒቲ ዓለም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝወርድ ዘሎ መከራ ዘቃልሕ ምሁር የብላን ኣብ ዝተብሃለሉ እዋን ዝተረኸበ፣ ተምሃራይ ኮይኑ በይኑ ካብቶም ኩሎም Ph.D ዝጸዓኑ፣ ፕሮፌስራት ብድምር ዝሰርሑዎም ስራሕቲ ዘበዝሐ ዝሰርሕ ታሪኽ ንዘለኣለም እናኽበሮ ዝነብር ጅግናና እዩ።

ዝስዕቡ ኣብ ዝተፈላልዩ ዓበይቲ ጆርናላት ዓለም ዝተሓተሙ ዓበይቲ መጽናዕቲታት እምነት ምስ መሓዙቱ ዝሰርሑዎም እዮም።

1.Nyssen, J., Negash, E., Annys, S., Haegeman, K., Van Schaeybroeck, B. 2022. Crop cultivation at wartime – the resilience of Tigray’s agrarian society (north Ethiopia). Defence and Peace Economics, in press. https://www.researchgate.net/.../359905818_Crop...

2. Demissie, B., Nyssen, J., Annys, S., Negash, E., Gebrehiwet, T., Abay, F. and Wolff, E., 2022. Geospatial solutions for evaluating the impact of the Tigray conflict on farming. Acta Geophysica, pp.1-15. https://link.springer.com/article/10.1007/s11600-022-00779-7

3. Annys, S., Vanden Bempt, T., Negash, E., De Sloover, L., Ghekiere, R., Haegeman, K., Temmerman, D., Nyssen, J. 2021. Tigray: atlas of the humanitarian situation. Ghent University, Department of Geography (Ghent, Belgium) & Every Casualty Counts (London (U.K.) https://www.researchgate.net/.../349824181_Tigray_Atlas...

4. Negash, E., Annys, S., Demissie, B., & Nyssen, J. 2021. Overseas Scientific Collaborations and their Role for Mirroring Humanitarian Catastrophes. In Scientific Missions and their Advancement for Overseas Sciences: Past, Present and Future (p. 38). https://www.researchgate.net/.../357168370_Overseas...

5. Weldemichel, T. G., Negash, E., Gebreselassie, G., Teklay, A., & Nyssen, J. 2021. Database: the Ethiopian public universities during the Tigray war [dataset]. Zenodo. https://www.researchgate.net/.../357168286_Database_the...

6. Annys, S., Negash, E., De Sloover, L., Vanden Bempt, T., & Nyssen, J. 2021. Mapping the Humanitarian Emergencies in Tigray. In Africa and its ecologies: people and nature in the age of climate change (pp. 13–14). https://www.researchgate.net/.../356918527_Mapping...

7. Vanden Bempt, T., Annys, S., Negash, E., Ghekiee, R, & Nyssen, J. 2021. Tigray: one year of conflict – Casualties of the armed conflict, 2020-2021 – Tigray (Ethiopia). Ghent University, Department of Geography (Ghent, Belgium) & Every Casualty Counts (London (U.K.). https://www.researchgate.net/.../356635731_Tigray_one...

8. Asfaha, T.G., Nyssen, J., Negash, E., Meaza, H., Tesfamariam, Z., Belachew, B., Gebremichael, G., Tadesse, Y, Kiros, D., Hailemariam, T., Frankl, A., Demissie, B., Van Schaeybroek, B., Redda, A., Annys, S., Abay, F. 2021. August 2021 status of cropping in the wider surroundings of Mekelle (Tigray, Ethiopia). https://www.researchgate.net/.../354385966_August_2021...

9. Nyssen, J., Negash, E., Annys, S. 2021. How Ethiopia’s conflict has affected farming in Tigray. The Conversation. https://theconversation.com/how-ethiopias-conflict-has...

10. Nyssen, J., Negash, E., Annys, S., Van Schaeybroeck, B. 2021. Ploughing in the Tigray War. https://www.researchgate.net/.../351516150_Ploughing_in...

11. Nyssen, J., Negash, E., Deckers, S. 2021. Status of the Tigray universities (Ethiopia) after nine months of war. https://www.researchgate.net/.../349750000_Status_of_the...

እምበኣር ክንዛረብ እንተኾይንና ብዘለኒ ሓበሬታ መሰረት ብእምነት ብርኪ ኣብ ዓበይቲ ሳይንሳዊ ጆርናላት ዓለም ዓበይቲ ሳይንሳዊ መጽናዕቲታት ዘሕተመ ትግራዋይ የለን ጥራሕ ዘይኮነስ እምነት በይኑ ዘሕተሞም ሳይንሳዊ መጽናዕቲታት ብማሕበር ምሁራት ተጋሩ ካብ ዝተሓተሙ መጽናዕቲታት (ብርግጽ ምህላዎም እውን ኣይፈልጥን)፣ ዋላ እውን ብኣባላት እቲ ማሕበር ካብ ዝተሓተሙ ይበዝሑ እዮም።

እዚ ሓውና ኣብ ዝተፈላልዩ መራኸብቲ ሓፋሽ ዓለም፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ሳይንሳዊ መድረኻት ዓለም ቐሪቡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ገበን ዘርኢ ምብራስ ንዓለም ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ዘቃልሐ እውን እዩ።

ማሕበረሰብ ዓለም፣ መራኸብቲ ሓፋሽ ዓለም ዝጠቀማሎም እዋናዊ ኩነታት ስብኣዊ ቅልውላው ትግራይ ፣ ኩነታት ሕርሻ፣ ተበጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ወዘተ ዘርእዩ በብእዋኑ ዝወጹ ካርታታት ብእምነት መሓዙቱን (ብቐንዱ ብእምነት) ዝተዳለዉ እዮም ነይሮም።

ብድምር መንእሰይ እምነት ማለት ትግራዋይ ኹሉ ዓው ኢሉ ከመስግኖ፣ ኢድ ክነስኣሉ፣ ሓወልቲ ክሰርሐሉ ዝግበኦ ጅግና እዩ።

ብስሩኸ እቲ ኣብ ልዕሊ ወለዲ እምነት ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ እቲ ኽብሪ ነኒእምነት ን18 እዋርሕ ሙሉእ ቀትሪ ምስ ለይቲ ግፍዕና፣ ቃንዛና፣ ሞትና ክስንድ፣ ንዓለም ከቃልሕ ለይትን ቀትርን ጸዓርዓር ዝብል ዘሎ `ጌንት ዩኒቨርሲቲ` እንታይ ይብል ይኾን? ... ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ቀትርን ለይትን ንህዝቦምን ንዓዶምን ንዝቃለሱን ዓብዪ ክብሪን ምስግናን ንዝግበኦም ጀጋኑ ስምዒቶም ተተንኪፉ ካብ ቃልሲ ዘወር ክብሉ ንምንታይ ተደልዩ? እቲ ኣብ ልዕሊ ስድራ እኒ እምነት ዝበጽሕ ዘሎ ኣብ ልዕሊ ኽንደይ ድምጾም ዘይሰማዕናዮም ስድራና ይበጽሕ ይህሉ ይኸውን? እዚ መንእሰይ ትማሊ ዓርሰ-ተበግሶ ወሲዱ ናብ በረኻታት ትግራይ ተሚሙ ነቶም ሰኣን ብቑዕ ምድላውን እመታን ህዝብና ኣደዳ መከራን ጨፍጫፍን ዝገበሩዎ (ደሓር ድማ ብተደጋጋሚ መስዋእቲ መንእሰይና ማይ ንማይ ዘትረፉዎ) `መራሕቲ` ኣተኣላሊሹ ረኺቡ ናብ መቐለ ሓንጊሩዎም ኣይመጸን ድዩ? ንምንታይ እዩ`ባ ሞራል ህዝቢን እቲ ተጋዳላይን ንምስባር ዝድለ ዘሎ? ብስሩኸ እንታይ እዩ ዝግበር ዘሎ?"