INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ጌች Getachew K Reda ምምራፁን ተስፋ ትግራይን

* ኣብዚ ከይዲ ምጥያሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ፡ ብፍላይ ካብ ምጥያሽ እቲ 'ኮሚቴ' ንድሓር እቲ ኸይዱ ምዕሩይ ኣይነበረን። ካብ ባዕሉ ካብቲ ኮሚቴ ጀሚሩ ሓቛፊ፣ ኣሳታፊ፣ ግልፅን ተኣማንን ከይዲ ከይኾን ገይርዎ እዩ።

* እቲ ጠቕላላ ኸይዲ (process ) ዘይቅኑዕ ምዃኑ ብዙሕ ክንረኽቦ ዝነበረና ረብሓታት ኣትሪፍሉና እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ብፍላይ እቶም ውድባት ፖለቲካ ከይሳተፉ ምግባሩ ድማ ጎሊሁ ዝርአ እዩ። ሐዚ 'ውን እንተኾነ ካሊእ ተተረፈ እዚኦም ኣብ ውሳነ ዕድል ትግራይ (ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕብታት) ብምዕሩይ ኣገባብ ዝሳተፍሉ መስርሕ ክህሉ ይግባእ፡ ክስርሐሉ ኣለዎ።

* ዝኾነ ኾይኑ መወዳእታኡ ጌች ምምራፁ ግን ቅሩብ ተስፋ ክሕዝ ዝገበሩኒ ለውጣታት ሒዙ መፂኡ፡

1) ዋላ ኣብ ውሽጢ ማእኸላይ ኮሚቴ ጥራይ እንተኾነ ብውድድር ተመሪፁ። ብዙሕ ክርክርን ክትዕን ተገይርሉ ብንእሽተይ ፍልልይ ምምራፁ ሓዱሽ ነገር እዩ። ብኸምዙይ ምምፁ ብስሩ ረብሓ ኣለዎ ንቐፃሊ ኢለ ይኣምን።

2) ካብቲ ልሙድ ኣካይዳ ብዝተፈለየ፡ ብፖሊት ቢሮ ዝተሓረዩ ከይተመረፁ ካብቲ መድረኽ ብጥቆማ ምምፅኡ 'ውን ባዕሉ ለውጢ እዩ። ፅቡቕ ድማ፡ ንቓልሲ በሪ ይኸፍት። 3) ብኸምዚ መንገዲ ብውድድር ምምፅኡን ብስሩ ካብ ባዕሉ ርእሰ ተኣማንነትን ዓቕምን ዘለዎ ስለዝኾነንን ድማ ምስለኔ ዘይኮነስ ካብ ውሽጡ ብዝብገስ ዝውስን (ምምኻር ኣይህሉን ማለት ኣይኾንን) ምዃኑ ካሊእ ፅቡቕ ነገር እዩ።

4) ብህዝቢ ሰፊሕ ተቐባልነት ዘለዎ ምዃኑ ባህግታቱ ንኸፈፅም ይሕግዞ፡ ቅኑዕ ድጋፍ 'ውን ክረክብ ይገብር።

5) ማንም በቐሊሉ ክሽውዶ ዘይኽእል ምዃኑ 'ውን ምስቲ ዘለናዪ ሃዋህው ሓደ ዓብዪ ረብሓ እዩ።

6) ምስ ደገ ንትግራይ ወኪሉ ዝገብሮም ርክባት ቅድሚ ሐዚ ካብ ዝነበሮ ተፈላጥነትን ዓቕሚ 'ኮሚኒከሽንን' ረብሓና ዘረጋግፅ ኣዩ ኢለ እኣምን።

7) ኣብ ትግራይ ክንሃንፆ ንደሊ ፖለቲካዊ 'ላንድስኬፕ' ምችው ሃዋህው ክፈጥር እዩ ኢለ ውን ይኣምን። ኣብ ላዕለዋይ ብርኪ መርሕነት ህወሓት ዝፀንሐ ዋላ እንተኾነ ናይ ሓዱሽ ትውልዲ ስለ ዝኾነ ካብቲ ነባርን ካብቲ ሓዱሽን ከም መገጣጥም ኮይኑ 'ቫልዩ' ክውስኽ የተስፍው።

8) ሓድነትን ስምረትን ተጋሩ ዝበለፀ ክድልድል ክሰርሕ 'ውን እተኣማመን

ብዚታትን ካልኦት ምኽንያትትን ምምራፅ ጌች ተስፋ ትግራይ ዘለምለም እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ኩሉ ክሕግዞ ይግባእ 'ውን እብል። ንነቕፎ ነገር እንተልዩ ድሕሪ ሐዚ ኣብ ዝሰርሖም ስራሕቲ ክኾን ይግባእ። እቲ ዝለዓለ ሓላፍነት ዝተቐበለሉ ሐዚ ስለዝኾነ ቅድሚኡ ኣካል፡መሪሕነት ስለ ዝነነረ ዝብል ክምፅእ ኣለዎ ኢለ ኣይኣምንን።

ብረብሓታት ትግራይን ዝተውሃቦ ተልእኾን ንቕድሚት ንምዝኖ። ፈለማ ድጋፍ ምሃብን ምሕጋዝን ፅቡቕ። ጉድለታት እንትህልው እንደኣረምካ ምኻድ ይጠቕመና እብል።

* ክህልው ዝኽእሉ ስግእታት ዝምልከት እናነፀርካን እናፈታሕኻን ምኻድ እዩ። ...

ኣብዚ ዝቕፅሉ ክልተ ሰለስተ መዓልታት ሸመቱ ዕላዊ ክኾን እዩ ዝብል ሓበሬታ ኣለኒ። ....

ሰናይ ናይ ሰራሕ ግዜ ጌች። ገዚፍ ሸኽሚ እዩ ግን ምስ ህዝብኻ ኮይንካ ከምእትዋፀኦ እተእማመን።

... እዛ ፎቶ፡ ኣብቲ ውግእ እዋን ኣብ ጎቦታት ራያ ባዕለይ ዘልዐልክዋ እያ።