INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ብዛዕባ ጌታቸው ረዳ!

ጌታቸው ረዳ ካብ ኣ.ኣ ዩኒቨርሲቲ ተመሪቑ ምስመፀ ኣብታ ቀደም ቢዝነስ ኮሌጅ (ቀበሌ 03) እትበሃል ዝነበረት ናይ መጀመርያ ትካል ላዕለዋይ ትምህርቲ ትግራይ እዩ ተቆፂሩ ምሳና ከሰርሕ ተሓዊሱና፡፡

ኣብቲ ጋሻ ዝነበረሉን ምሳና እተራኸበሉን ናይ መጀመርያ እዋን ኣብ ሓደ ኩርናዕ ናይታ ዝነበረትና ቤት ሻሂ ኮይኑ መፅሓፍ የንብብ ነይሩ፡፡ ሓዱሽ ምሩቕ ኮይኑ ሒዝዎ ዝነበረ መፅሓፍ ናይ Albert Camus, "The Myth of Sisyphus" ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ እዩ ነይሩ። ዳማ እንዳተፃወትና ናብኡ ቆላሕ ኢለ "እቲ ሒዝካዮ ዝንሄኻ መፅሓፍ ተረዲኡካ ድዩ ተንብቦ ዘለኻ?" ኢለ ሓቲተዮ፡፡ ዋላ ዘረባይ ከምኡ ክኸውን እንተዘይነበሮ "እወ፡፡ ቅድሚ ሕዚ'ውን ካልኦት ናይ Albert Camus መፃሕፍቲ ኣንቢበሉ እየ።" ኢሉ ናይተን ዘንበበን መፃሕፍቲ ስም ዝርዝር ነጊሩኒ። ሓዱሽ ምሩቕ ምያኡ እንተዘይኮይኑ ከምኡ ዝበለ ፍልስፍና ተንከፍ መፅሓፍ ከንብብ ስለዘየጋጥመኒ እየ ከምኡ ዝበለ ሕቶ ሓቲተዮ። ኣጠቓሊልካ ምዝራብ'ውን ግን ጌጋ እዩ። ንጥቡቕ ዕርክነት ድኣ ኮይንና'ምበር ናብ ካሊእ ዘረባ ገፅና ኣይጠወይናን። ካብ ሽዑ ክሳብ ሎሚ ኣብ ዘዝተራኸብናሉ ብዛዕባ መፃሕፍትን ሓሳባትን ኢና ነዋግዕ፡፡

ቃሕ ዝበሎ እዩ ዝዛረብ፡፡ ከምቃሕታኻ ክትምልሰሉ ድማ ቅር ኣይብሎን። ነጊርካዮ ዘይደለዮ እንተዘይኮይኑ ኣይርስዖን፡፡ ብዛዕባ ሓደ ናይ 16 ክፍለዘበን ዓጋመታይ ወላዲና ዝነገርኩዎ ዛንታ ከይረሰዐ ኣውሮፓ ከይዱ ስእሎም ኣብ ሙዚየም ርእይዎ "እቶም ኣቦና ኢሉ ዝነገረኒ" ኢሉ ዘኪሩ ኣብ ሞባይሉ ስእሎም ሒዙለይ ዝመፀ ድሕሪ ብዙሕ ጊዜያት እዩ።

ደቀይ ይፈትውዎ እዮም፥ ይሕንግሮምን የፃውቶምን ስለዝነበረ ፡፡ ካብ ማዕዶ ፀዊዑ ይስዕሞም'ሞ እቲ ቀደም ዝፈልጡዎ ጌታቸው ምዃኑ'ምበር ሕዚ እንታይ ይሰርሕ ኣበይ ኣሎ ብዙሕ ትርጉም ኣይህቦምን።'ጌቾ' እዮም ዝብልዎ፡፡ ንሱ'ውን ብ'ኣቡሽን ሚሚን' ምበር በቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ስሞም ኣይፅውዖምን፡፡ ***

ኣብቲ እዋን ኲናት ባድመ ኣብ መቐለ ቢዝነስ ኮሌጅ ብሓደ ነይርና። ነቲ ናይ ባዕልና ጉዳይ (cause) ንጣበቐሉን ንሟገተሉን ነይርና፡፡ "መንግስቲ ምዃን ከም ናይ ሻዕብያ እንተኾይኑ የዋፅእ እዩ፡፡" ዝበለኒ ካብቶም ዘይርስዖም ዘረባታቱ እያ፡፡ ከም ድላይካ ወሲንካ ሓዊን ጥፍኣትን ምስ ኣጎድካ ዘይትሕተተሉን ዘይትውቀሰሉን መንግስቲ ማለቱ እዩ ነይሩ፡፡ ኣነ'ውን "to be is to be like and to be like is to be like the oppressor" ዝብል ናይ Paulo Freire መፅሓፍ ጠቒሰ "ንሻዕብያ ምዃን ማለት ከምቶም ዝፈልጦም ጨቆንቲ ምዃን ማለት እዩ። ስለዚ ነቶም ዝፈልጦም ጨቆንቲ ደርጊ ክመስል እዩ ተግባሮም ቀዲሑ ከተግብር ዝፍትን ዘሎ፡፡" ከም ዝተብባሃልና እዝክር ፡፡

*** ካብ ዩኒቨርሲቲ ክወጽእ ከለኹ ኣብ ዝነበረ 'ዘይምርድዳእ' ሕጊን ቅንዕናን ሒዙ ነገራት ንምእላይ ከምዝፃዓረ ክሳብ ሎሚ ኣኽብሮት ኣለኒ፡፡

*** ብድሕሪኡ ብዙሕ ጊዜ ንራኸብን ነዋግዕን ኢና፡፡ ክሳብ ሎሚ ከምታ ኩሉሻብና ኢና፡፡ ኲናት ተወሊዑ ናብ ገጠራት ትግራይ ምስ ኣንሳሐብና ( ሕያዎት ሰባት ዘለውዎ ዓዲ ኣነ በረኻ ኣይብሎን) ብወራወረ'ምበር ተራኺብና ኣይንፈልጥን፡፡

ኣብቲ ዝነበርኩሉ ዓዲ ጌታቸውን ካልኦት ተጋደልትን ኣዕሪፎም ነይሮም፡፡ እታ ዝዓረፉላ ገዛ ናይ ሓንቲ ዘመደይ ገዛ ከምዝነበረት ጌታቸው ፈሊጡ። ነቲ ሰብኣያ "ሙሉወርቅ ኣብዚ ድዩ ዘሎ?" ኢሉ ሓቲትዎ፡፡ "ከምኡ ዝበሃል ሰብ ኣይፈልጥን፡፡" ኢሉ መሊሱሉ። ከረድኦ ፈቲኑ፡፡ እቲ ሰብኣይ ግን ኣቕቢፅዎ፡፡ ጌታቸው "ተረዲአካ ኣለኹ፡፡ድሓን በል ግደፎ፡፡" ኢሉ ነታ ሕቶ ኣቋሪፁዋ፡፡ ከይረኸበኒ ከይዱ።

ገጠራት ትግራይ ብዙሕ ሓለፋ ኣለዎም። ቀደም ናብታ ዝጠቐስናያ ዓዲ ወረርቲ ኣትዮም ነይሮም ይበሃል፡፡ ነቶም መራሒ ዓዲ ክሕዙ ደልዮም እንተጠየቑ ዝሕብረሎም ስኢኖም።

ድሓር ጓሶት ረኺቦም "እቶም እከለ ዝበሃሉ መራሒኹም ትፈልጡዎም ዶ ?" ኢሎም ሓቲቶም፡፡

እቶም ቆልዑ "ኣይንፈልጦምን።" ኢሎም፡፡

ሽክና መዓር ኣውፂኦም ይከፍቱ'ሞ "ንዑ በሉ መዓር ብልዑ፡፡" ኢሎም ነቶም ቆልዑ ይጋብዝዎም። ኩሎም ኢዶም ሰዲዶም ብኢዶም ምልማፅ ይጅምሩ፡፡ "እሞ ሕዚ ኸ እቶም መራሒኹም ትፈልጡዎም ዶ?" ኢሎም ዳግማይ ሓቲቶም።

ካብቶም ቆልዑ ሓደ "መወድኢ መዓርኩም ድኣ'ምበር መራሒስ ኣይንፈልጦምን፡፡" ኢሉ መሊሱ። ከምዚ ዝበለ ምስጢር ናይ ምዕቃብ ባህሊ ኣሎ።

ክብርን ምስጋናን ንዓኣቶም ይኹን መራሕቲ፥ ጋዜጠኛታታን ኣባላት ሰራዊትን ተጋደልቲ ከምቲ ኣብ ከተማ ኮይኑ ዝጭነቐለይ ዝነበረ ብዙሕ ሰብ ብኣይ ይሓስቡን ይጭነቑን ነይሮም እዮም፡፡ ኣነ ግን ብዙሕ ዝፀገመኒ ኣይነበረን። ዳሕራይ ኣብ መዓልቱ ክንፀውዮ ይፅናሕ።

ገሊኡ ቀልድታት ደስ ይብለካ ኣይትርስዖን። ኣብ ከባቢ ፀድያ ብኣርባዕተ ሓሙሽተ ሸነኽ መራሕቲ ወያነ ኣለው ኢሉ ዕብጥ ከብለና ኢሉ ፀላኢ መፂኡና፡፡ ብዝተረኸበ ፀድፊን ጣሻን እንዳሸሎኽና ንወፅእ ነይርና። በብዝቐንዐካ ምምላጥ'ውን ነይሩ፡፡ እኒ ጌታቸው ብየማን ንገለበዳ ገፆም ከይዶም ክበሃል እንተሎ ኣነ ቁሩብ ንፀጋም ኣቢለ ንበትሮ ገፀይ ክሰግር ነይሩኒ፡፡

ጌታቸው ብዛዕባይ ይሓትት ስለዝነበረ "ሙሉወርቅ'ማ ከፍቲ እንዳኮብኮበ ንወርዒ ገፁ ተመሳሲሉ (camouflage) ሓሊፉ፡፡" ዝብል ወረ በፂሕዎ። ድሓር ከምዚ ጌርካ ሓሊፍካ ምስበለኒ ስሒቕና፡፡ ፎቖድኡ ስመይ እንዳፀውዑ ዘየሕልፉኒ ኣብ ዝነበሩ ዓዲ ከመይ ገይረ ተሓቢአ ክሓልፍ እኽእል፡፡ ኮነ ተረፈ ተጠዋዊኻ ምሕላፍ ጥራይ እዩ ነይሩ ምርጫይ፡፡

ስለዚ እቲ ሓቂ ኣብ ቁልቁለት ወርዒ ተር ኢልካ በብሓደ'ምበር ጎኒ ንጎኒ ኮይንካ ክትወርድ ኣይትኽእልን፡፡ ጥሪቶም ፀላኢ ስለዝሓርደሎምን ስለዝወስደሎምን ገጠረቶት ህዝብና'ውን ከፍቶም ናብ በረኻ እዮም ዘህድሙ'ሞ እተን ከፍቲ ነታ መንገዲ ተር ኢለን ዓፅየናኣ እየን ዝወርዳ። ኣብ ከምዚ ደድሕሪአን ኢኻ ትኸይድ'ምበር ኣቋሪፅካየን ክትሓልፍ ኣይትኽእልን።

ስለዚ ደድሕሪ ብዙሓት ከፍቲ ተፀብየ ክወርድ ዝራኣዩኒ እዮም ነታ ታሪኽ camouflage ምግባር ምሂዞምለይ፡፡ እቲ ዋና ነገር ግን ካብ ፀላኢ ምምላጥ እዩ ኢለ ኣለኹ።

ኣነ'ውን ጌታቸው ምስ ብዙሓት ኮይኑ ብወርዒ ኣቢሉ ተሸፋፊኑ ክሓልፍ (ጊመል ያ ሰሪቕካስ ጉምብሕ ጉምብሕ ከምዝብልዎ) ብዙሓት ሓለውቲ ከፍቲ እንዳተፃወቱ እንተለው ርእይ የብልዎ'ሞ ተኣኪቦም "ጌታቸው ጌታቸው" እንዳበሉ ምስ መጽእዎ ኣፉ ብኢዱ ኣንዳጠፍጠፈ ብምልክት "ስቕ በሉ! ስቕ በሉ!" ይብሎም ነይሩ ዝበሉኒ ኣለው።

*** ሎሚ ንጉሆ ኣብታ ጎኒ "ደስታ ሆቴል" ዘላ underground geza በይነይ ጥዑም ቡን ሰትየ እንዳወፃእኹ እንተለኹ ጌታቸው ኣማዕድዩ ርእዩኒ መኪና ደው ኣቢሉ ፡፡ ንቐደም ክልቴና ሒዝናዮ ዝነበርና ናይ ስልኪ ወግዒ በብወገንና ክሳብ ንውድእ ተፀባቢና። ምስ ወዳእና ሰላም ተበሃሂልና ቁሩብ ኣዋጊዕና፡፡ ብዛዕባ መፅሓፍ ክነዋግዕ ጊዜ ኣይነበረን፡፡ ኣንቢቡ ዝወደአንን ዝመልሰለይን Eric Hobsbaum (Great British Historian) ዝፀሓፈን

* The Age of Empire 1875 -1914

*The Age of Extremes

* The Age of Revolutions ዝብላ መፃሕፍቲ ምስኡ ኣለዋ። ኣነ'ውን ካብኡ ዝተለቃሕኹዎ መፅሓፍቲ ኣሎ፡፡ ምስ ዘንብብ ሰብ ብዛዕባ መፅሓፍ ኢኻ ተዋግዕ፡፡ ንጌታቸው ኣንብብን ኣይተቋርፅን ኣይትብሎን፡፡

ንትግራይና ኣጋጢምዋ ዘሎ ፀገማት ንምፍታሕ ጌታቸው በይኑ ዝገብሮ ኣይብሉን። ንድሕሪት ገዲፍና ኩላትና ንቕድሚት ንጠምት።

ፍትሒ፥ሰላም፥ ልኡላዊነትን ሕውየትን ንትግራይ!