INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ካብ ሕሳብ ተጋሩ ገንዘብ ተዘሪፉ እዩ:

" ኩሉ ከንብቦ ዝግባእ ሓበሬታ " ካብ ሕሳብ ተጋሩ ገንዘብ ተዘሪፉ እዩ:

“ከይትድንግፁ ናይ ሓደ ኣብዚ ፌስቡክ መሓዛና ዝኾነ ፅሑፍ ይርኢ ነይረ ፣ ካብ ሒሳቡ ብዘይ ፍቓዱ ገንዘብ ወፃኢ ከም ዝተገበሮ ዝገልፅ።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ካብ ኣብ ፌስቡክ ክፅሕፍ ኣብ ሚድያ ስሩዕ ምድላው ክግበረሉ እየ ዝመክር። ብዝኾነ ግን ተጋሩ ሐዚ ባንኪ ሒሳብኹም ናይ ምንቅስቓስ ፣ ዝተረፈኩም ምፍላጥን ሓፈሻዊ ፀብፃብ ሒሳብኹም ምርኣይን እንተጀሚርኹም ከይትደናገፁ ኢኹም ንኹሉ ተዳለዉ።

ኣብ ትግራይ ዝነበረ ሒሳብ ቁፅሪታት ተዘሪፉ እዩ ፣ ብፍላይ ናይ ሰብ ሃፍቲ።

1. እቲ ሓደ መገዲ ኣብ ቴሌን ባንኪን ምስ ዝሰርሑ ኮይንኻ ዝግበር ዘረፋ እዩ። ካብ ቴሌ ዝተወሰደ ስልኪ ቁፅሪ ንኻሊእ ሰብ ይሽወጥ ፣ ኣብ ትግራይ እናሃለወ ግን ቴሌ ይሸጦ ነይሩ እዩ ንኻሊእ ዓሚል። በዚ ድማ ለያቡ ገንዘብ ዘለዎ ኣፅኒዖም ካብ ባንኪ ስልኪ ቁፅሪ ይወስዱ። ቴሌ ኸይዶም ነቲ ስልኪ የውፅእዎ። ሞባይል ባንኪ ይፅዕንሉ ፣ Password ረሲዐ ኢሎም ሓዱሽ Password ይገብርሉ። ደሓር እቲ ገንዘብ ናብ ካሊእ ሒሳብ የተሓሓላልፍዎ ፤ ወይ በቢ ግዘኡ ካሽ የውፆእዎ ወይ ድማ ኣቕሓ ይዕድግሉ መኪና ገዛ ከይተረፈ። ንዕኡ ድማ ናብ ዝተፈላለየ ሒሳብ ይብትንዎ። ቻው። ናይ ትግራዋይ ሒሳብ ብሓንቲ ግዘ ዜሮ ትኾን።

2. ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብ ብጋዊ ውክልና ከም ዝሃቦም ገይሮም "ውልና ማስረጃ" ምስ ዘሎ መሳርቕቶም የፅሕፉ። ነዚ ድማ በቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብ ሽም መታወቂያ የስርሑ ፣ ፎቶ ካብ ባንኪ ይወስዱ። ድሕሪኡ ሕጋዊ ውክልና ሒዞም ሒሳብ ተጋሩ ይፀርጉዎ። እዚ ኣብ ካሊእ ከባቢ እውን ናይ ዝሞቱ ሰባት እናኣለሹ ዝሰርሕዎ ገበን እዩ።

3. ኣብ ገንዘብ ድሕንነት ፣ ባንኪን ካሊእን ዝሰርሑ ሰበ ስልጣናት ብኢደ ወነኖም የዛውርዎ። እዚ ብፍላይ ምዕራብ ትግራይ ናይ ዝነበረ ትግራዋይ እዩ።

በዚ መገዲ ናይ ካልኦት እውን ክሰርቁ ተታሒዞም ምሳና ዝተኣሰሩ ብዙሓት ስራሕ ዘየብሎምን ሰራሕተኛታት ባንኪን መናእሰይ ነይሮም። ገሊኦም ዋላ ሓሙሽተ ፣ ዓሰርተ ዓመት ኣሚኖምሉ እዮም መፂኦም። መብዛሕቲኦም መናእሰይ ስለዝኾኑ ምስ ወፃእና ሃፍታም ኮይንና ንነብር ኢና እዮም ዝብሉ ብድፍረት።

ገሊኦም ድማ ምስ መርመርቲ ተመሳጢሮም ብዋሕስ ቀልጢፎም ይወፅኡ ፣ ናብ ስረሖም።

እሞ እዚን ወዲ እዚን ስለ ዘሎ ትግራዋይ ሒሳቡ ባዶ እንተፀኒሕዎ ከይደናገፅ። ሰነዳቱን መሰኻኽሩን ሒዙ ይፅናሕ።

ፖለቲካዊ ውሳነ ተዘይተዋሂብዎ ናይ ዓመታት ናይ ቤት ፍርዲ ቃልሲ እውን ክህሉ እዩ። “