INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብ TigrayNL ልተጽሓፈ ኹሉ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

4 ተመሳሰልቲ ታሪኻት ኣብ ውሽጢ 200 ዓመታት

1) ደቂቀ እስጢፋኖስ፣ ካብ ቆየጻ ተበጊሶም ኣብ ስራሕን ስርየትን ዘተኮረ ዓቢይ ንቕሓትን ብልሓትን ሒዞም እዮም መጽዮም። ዘርኣያቆብ ዝተብሃለ ካብ ሰሜን ሸዋ ዝነቐለ ድሑርን ኣረሜኔን ንጉስ ግን ጸረ-ማርያም እዮም ብዝብል ምስምስ ንሳቶም ጥራይ ዘይኮነ ንትግራይ'ውን ምስኦም ሓዊሱ ኣጥፊእዋ። ገሊኦም ናብ ጉንዳጉንዳ ጸዲፎም ህይወቶም ኣትሪፎም፣ ታሪኻዊ ገዳም እውን መስሪቶም። እቶም ዝበዝሑ መራሕቲ ግን ፋሕ ጭብግራሕ ኢሎም፣ ነቶም ዝረኸቦም ድማ ናብ ደብረብርሃን ኣምጺኡ ብጭካነን ተራእዩ ብዘይፍለጥ ነውራም ኣገባብን ብደርባ እምኒ ኣጨፍጪፉ ኣቕቲልዎም።

2) ውቤይዝም ዝበሃል ነገር ድማ ነይሩ ናይ ደጃት ውቤ ዘመነ ጭካነ ዝዝከር ኣብ ታሪኽና። ሽዑ ከምዚ ናይ ሎሚ ትግራዋይ ንምድካይን ንምሕማቕን ዘይተነግረ እምበር ዘይተገብበረ ነገር ኣይነበረን። ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝበጸሐ ግፍዒ መጠን ኣይነበሮን። ካል እ ተሪፉ ሓደ ዝገርም ኣብነት ክነግረኩም። ኣብ ትግራይ ዝርከብ መርፍእን ላማን ኩሉ ኣብ ቁራዕን ኣጋንእን ተኣኪቡ ይምጻእ ተባሂሉ ተኣዚዙ። ሽዑ እዚታት ናብራ ዝድርኽ ኣዚዩ ወሳኒ ቴክኖሎጂ እዩ ነይሩ። ንህዝቢ ትግራይ "ዓይኑ ነንቁሮን ናብርኡ ነመሳቕሎን መርፍእን ላማን ዘበለ ኹሉ እንተሕዲግናዮ እዩ" ተባሂሉ ዝተወሰደ ኣዝዩ ጎዳኢ ስጉምቲ እዩ ነይሩ።

3) ምኒሊክዚም ቀሊል ሽግር ኣይገደፈልናን። ምኒሊክ ንትግራይ ከድክዩን ከድክሙን ዘይገብርዎ ነገር ኣይነበረን። ናይ ምኒሊክ ሰራዊት ክልተ ጊዜ እዩ ናብ ትግራይ መጺኡ። ሓደ ናይ ታሪኽ ጸሓፊ ክምዝበሎ፣ "ናይ ምኒሊክ ሰራዊት ንቕድሚቱ ለምለም ረጊጹ፣ ንድሕሪቱ ምድረበዳ ዝገድፍ" ኣሲዳም ሰራዊት እዩ ነይሩ። ካብቲ ዘብረሶን ዝወረሶን ዝገደደ ድማ ንተጋሩ ኣብ ክልተ ክንምቀል ገይሩ፣ ክንዳኸም ዝገበሮ ሽርሒ መወዳድርቲ ዘይብሉ ክሕደትን ጉድኣትን እዩ።

4) ኃ/ስላሴ ድማ፣ "ትግራይ ወይና፣ ሓንጊዳ" ብዝብል ናይ እንግሊዝ ነፈርቲ ኣምጺኡ ዕዳጋን ከተማን ኣደብዲቡ። ድሕሪኡ ዝወሰዶ ስጉምቲ ድማ ናይ ምድካይን ምድኻምን ስራሕቲ እዩ ነይሩ። ንብረት ይዘርፍ፣ ሰባት ይኣስር፣ ግዞት የጽድፎም። ሰፍ ዘይብል ግብርን ቅጽዓትን ኩሉ "ብጠበንጃ ክኸውን ኣለዎ" ኢሉ ብምእዛዙ፣ ነተን ዝርካበን ብረታት ኩለን ኣኪቡ ኣብ ኢዱ ኣእትዩወን። ንኣብነት ገንዘብ ክትኸፍል ዝተፈረዶ ሰብ፣ ምንሽር ወይ ኣልቢን ኣምጽእ ስለዝበሃል፣ ካብዘለዎ ብኽባር ዋጋ ዓዲጉ ከምጽእ ስለዝግደድ፣ ኩለን ብረታት ትግራይ ክእከባ ገይሩዎን። እቶም በቢምኽንያቱ ዝሰዶም ዝነበሩ ምስለኔታት፣ ኣብ ገዛ እንዳ ገባር ኣትዮም ስቡሕ ሕረዱልና ይብሉ፣ ጻዕዳ ጣፍ ኣብልዑና ይብሉ፣ ንኽበልዑ ድማ መሕጸቢ ኢዶም 5 ቕርሺ እነተዘይኸፊልካ፣ ኣይንሕፀብን ይብሉ። ከፊልካ ተሕጽቦም፣ ከፊልካ ተብልዖም። ተውሳኺ በደል ድማ ትግራይ ብምዕራብን ብደቡብን ዝነበርዋ ግዝኣታት ጨራሪሞም ራያን ወልቃይትን ሑመራን ናብ ዓዲ ኣምሓራ ኣካሊለምዎ። ኣብ ልዕሊኡ በቢ100 ኪሎሜትር ወታደራዊ ካምቦታትን መዓስከራትን ስለዝፈጠሩ፣ ብኡ ኣቢሎም ናይ ዲሞግራፍን መንነትን ክውንነት ክቕይሩ ሓሳብ ከምዝነበሮም ይግመት። እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ ቀረባ ጊዜ እዩ፣ 1948። እዚ'ውን ትግራይ ንምድኻምን ንምሕማቕን ዝኣመተ እዩ።

5) ደርጊ ንዝለሎ እሞ ናብ ናይ ሎሚ ንምጻእ። ኣምሓራ-ኢሳያስ- ኣቢይ። እዚኦም ስለስተን ሓደን ኮይኖም እዮም ዝሰርሑ። ክልተ ዓመት ምድላዋት ወታደራዊን ካልእን፣ ገይሮም፣ ብስም ምክፋእን ጸለሎ ምልኻይን ጀሚሮም እዮም እቲ መጥቃዕቲ መሲሰምዎ። ሽዑ ነዚ ናይ ሎሚ ኹነታት ክጠቅም ንበዓል ሰዓረ ምቕታል ጀሚሮም። ናይ ምድካይን ም ዕጻውን ስጉምቲታት፣ በጀት ምኽልካል፣ ኢንቨስተርቃት ከይኸዱ ምኽልካል፣ ፕሮጀክታት ልምዓት ምዕጻፍ ወዘተ ነይሩ። ነዚ ዂናት ክኸፍቱ እንትብሉ ናይ ትግራይ ሃፍቲ ንምዕጻውን ንምዝራፍን መገዲ ንምምችቻው ቅርሺ ቀይሮም። ስልኪን መብራህትን ዓጽዮም፣ ባንኪ ዓጽዮም። ምስ ናይ ኣሜሪካ መዓልቲ ምርጫ ኣዋዲዶም፣ ድሮናትን ሞያተኛታትን ካብ ኢሚሬትስ ኣምጺኦም፣ ናይ ኤርትራ፣ ኣምሓራን ሙሉእ ሓይሊ ምስ ናይ ፌዴራል ኣዋዲዶም ነቲ ዂናት ለኲሰምዎ። ድሕሪኡ ከተማታት፣ ፋብሪካታት፣ ናይ ውልቀሰባት ንብረት ኣይተረፈን። ዝረፎ፣ ኣብርሶ እዩ። ሰባት ምርሻን፣ ደቃንስትዮ ም ዕማጽ፣ ሰባት ምብስባስ መዓልትዊ ነውሪ ኾይኑ። ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ ሃዲሞም ኣብ ቤትክርስትያን ዝተዓቖቡ ል ዕሊ ሜቲ ዝኾኑ ሰባት በመጅሙዕ ረሺኖም። ዝገርም ዑደት ታሪክ እዩ

Read More