INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ሕቶታት ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ናብ ዘይዛሪ ኲናት ዘምርሕን እዩ (ኣይተ ገብሩ ኣስራት)

ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ዘልዕልዎም ሕቶታት ምምላስ ግዝኣትን ርስትን፡ ነታ ሃገር ናብ ሓዱሽ ቅርፂ ዝመልሳን፡ ናብ ዘይዛሪ ኲናት ዘምርሕን እዩ ክብሉ ኣይተ ገብሩ ኣስራት ገሊፆም።

እቲ ብሕማም ኣሃዳውነትን ተስፋሕፋሕነትን ተለኺፉ ሃገር ዝሕምስ ዘሎ ሓይሊ ኣምሓራ፡ ኩሉ ናብቲ ንሱ ዘልዕሎም ዘሎ ኣጀንዳታት እንተተመሊሱ፡ ኣምሓራ ዝበሃል ክልል ካብ ምፍራሱ ብተወሳኺ፡ ኢትዮጵያ እውን ካሊእ ቅርፂ ከትሕዛ ከም ዝኽእል ተዛሪቦም።

ዋሺንግተን ዲሲ:04 ማዝያ 2014 ዓ/ም (TMH)

እቶም ብተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ዝለዓሉ ሕቶታት ምስፍሕፋሕ መሬት ወልቃይት ይኹን ራያ ዋላ ደጋጊሞም እንተንጉሕዎም ጉልባብ እምበር ናይቲ ኲናት ቀንዲ ምኽንያታት ከም ዘይኮኑ ዝሓበሩ ኣይተ ገብሩ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ብዙሓት ቅርፅታት እናሓዘት ምምፅኣ ሓቢሮም።

እቲ ሐዚ ሒዛቶ ዘላ ቅርፂ ፌደራላዊ ስርዓት መሰረት ገይሩ ዝተፈጠረ ኮይኑ መሬት ናይ ምውሳድ ዘይኮነስ ህዝብታት ብቋንቁኦምን መንነቶምን ዝተካለሉሉ ዝተፀንዐን ሕጋዊ ብዝኾነ መንገዲ ዝፀደቐን ኮይኑ፡ ዘየስማዕምዑ ነጥብታት እንተሃልዮምዎ’ኳ ንትግራይ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንኹሎም ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝምልከትን ነታ መናሃርያ ትምክሕተኛታትን ኣሃዳውያንን ዝኾነት ኣምሓራ እውን ከፍርስ ዝኽእል ሕቶ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ቅድሚ 1983 ዓ.ም ኣምሓራ ዝበሃል ክልል ከም ዘይነበረ ዝሓበሩ ኣይተ ገብሩ፣ እተን ካልኦት ክልላት እውን ኣብቲ ሓዱሽ ሕገ-መንግስቲ ዝተዋቐራ ምዃነን ስዒቡ ንኹለን ከፍርስ ዝኽእልን ትግራይ እውን ካልኦት ናይ ቦታ ሕቶታት ክህልውዋ ዝገብርን መወዳእታ ዘይብሉ ምዃኑ ዝሓበሩ ኮይኖም፡ ንኤርትራ እውን ካብ ታሪኻዊ ርስትነት ዘየላቕቕን ተመሊሱ ነንባዕሎም ዘባልዕን ኣጀንዳ ምዃኑ ዘመላኽት ሓሳብ ሂቦም ኣለዉ።