INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

10 ገበናት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ልዕሊ ትግራይ!

1- ሕብረት ኣፍሪካ ካብ መፈለምትኡ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ቅሉዕ ወራርን ጄኖሳይድን ወፍሪ ምኽባር ሕግን ግዝኣታዊ ሓድነትን" ክብል ብዕሊ ደጊፉዎ

2- ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ኩናት ጠጠው ንክብል ዘካየዶ ተደጋጋሚ ፃዕሪ ' ጉዳይ ውሽጢ ሃገር እዩ (Ethiopian internal affairs) ብምባል ኣተዓናቒፉ

3- ንኩናት ትግራይ ኣመልኪቶም ኣባላት ቤት ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዘካየድዎም ኣስታት 9 ኣኼባታትን ፃዕርታትን: ሕብረት ኣፍሪካ ብራሻን ቻይናን ጌሩ ክመኽኑ ጌሩ::

4-ኣብቲ ፈለማ እቲ ኩናት ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ትግራይዝግበር ኩናት ምኳኑ ማሕበረሰብ ዓለም ምዝራብ እንትጅምር ሕብረት ኣፍሪካ ቀዳማይ ተቃዋሚ ብምኳን እቲ ኩናት ምስ ህወሓት ጥራይ ዝግበር ኩናት እዩ ዝብል ተረኽ ( narrative) ክተሓዝ ጌሩ::

5- ኩናት ትግራይ ብውድብ ሕቡራት መንግስታትን ብካልኦት ብቑዓት ዓለም ለኸ ትካላትን ንከይፍታሕ: "ሽግር ኣፍሪካ ብኣፍሪካዊያን (African Solutions to African Problems' (ASAP) ዝብል ዝበለየ መካራኸሪ ዛዕባ ብምቕራብ: ነቲ ካብ መፈለምትኡ ምኽባር ሕጊ' ኢሉ ዝሰመዮ ኩናት ባዕሉ ክሽምግል ልዑል ዝኾነ ምንቅስቓሳት እናካየደ ፀኒሑን ኣሎን

6- መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰላማዊ ዘተ ቅሩብ እዩ:: ስለዝኾነ ሓገዝ የድልዮ እዩ::" ብምባል ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ካኣ ባንኪታት ዓለምን ኣፍሪካን ንኢትዮጵያ ሓገዝን ልቓሕን ንክህቡ ዕዙዝ ተራ ተፃዊቱ

7-ሕብረት ኣፍሪካ ንምዕራብ ትግራይ ኣካል ትግራይ ከምዘይኮነ ኣምሲሉ ብምቕራብ ማሕበረሰብ ዓለም ዝተጋገየ ቅዋም ንክሕዝ ብዕቱብ ይሰርሕ ኣሎ

8-ኤርትራ ንዓለም ለኸ ሕግን ንቻርትር ሕብረት ኣፍሪካን ብምጥሓስ ዶብ ተሳጊራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ቅሉዕ ጄኖሳይድ እንትፍፅም: ቤት ፅ/ቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ሕብረት ኣፍሪካ ዋላ ሓንቲ መዓልቲ ተቓዊሙ ኣይፈልጥን

9-ሎሚ ካኣ ንስርዓት ኤርትራ ኣካል ናይቲ ዘተ ብምግባር ካብቲ ዝፈፀሞ ቅሉዕ ገበን ወራርን ጄኖሳይድን ሓራ ንምውፃእ: ብኡ ኣቢሉ ድማ ስቓይን ቃንዛን ህዝቢ ትግራይ ንምንዋሕ ዕዙዝ ግደ ይፃወት ኣሎ::

10-ሕብረት ኣፍሪካ ህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዛት ከይረክብ ገበናት ጉጅለ ኣቢይ እናሸፈነን ዘይተገደ ሰብኣዊ ሓገዛት ይኣቱ ከምዘሎን ኣምሲሉ እናቕረበ ይርከብ

ስለዚ, ሕብረት ኣፍሪካ ልክዕ ከም ስርዓታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣካል ገበን ጄኖሳይድ ትግራይ እዩ::
ብምኳኑ እውን በዚ ገበነኛ: ግዕዙይን ድሑርን ሕብረት እዚ ዝግበር ዘተ ኮነ ዝመፅእ ሰላማዊ ፍታሕ ክህሉ ኣይክእልን::
ኣብ ቅድሚ ሓይልታት ጄኖሳይድ ዝኾኑ ስርዓታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡውን መሻርኽቶም ሕብረት ኣፍሪካ: ሽግር ህዝቢ ትግራይ ዝፍታሕ ብቓልስን ብቃልስን ጥራሕ እዩ::
ከምቲ ግዜ እንተለካ 'ጊዜ ኣይትፀበ' ዝበሃል ንኩሉ ኣስተብሂልና ግዜና ንጠቐመሉ