INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ግምባር ነፃነት ጋምቤላ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝተፈፀመ ግፍዓዊ ቅትለት ብትሪ ከም ዝኹንኖ ኣፍሊጡ።

ብምኽንያት እቲ ኣብ ቤንሻንጉል ዞባ መተከል ወረዳ ጉባ መንነት መሰረት ብምግባር ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝተፈፀመ ኣረሜናዊ ቅትለት ምሕዛኑ ብምግላፅ፡ እዚ ተግባር ቅድም ኢሉ እውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ኦሮሞን፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጋምቤላን ጉሙዝን ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ቅማንትን ኣገውን ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያን ክፍፅሞ ናይ ዝፀንሐ ኣሰቃቒ ግፍዕታት መቐፀልታን ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።

ዋሺንግተን ዲሲ: 06 መጋቢት 2014 ዓ/ም (TMH)

እዚ እኩይ ተግባርን ኣረሜናዊ ቅትለትን ክፍፅም ዝኸኣለሉ ምኽንያት፡ ፖለቲካውን ወታደራውን ኣመራርሓ ክልል ኣምሓራ፣ ምሁራን ኢና በሃልትን ፋኖ ዝተብሃለ ጉጅለ ቅተለልትን፣ በብእዋኑ ኣብ ዝኾነ መድረኽ፣ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታትን ስሩዕ መንግስታዊ ሚድያን፡ ከምዚ ዓይነት ኣረሜናዉነት ክነግስን ብተኸታታሊ ብዝሰርሕዎ ፕሮፖጋንዳ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።

ግምባር ነፃነት ጋምቤላ እዚ እኩይ ተግባርን ግፍዓዊ ኣቀታትላን ተጋሩ፣ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ብሄራት እውን ይፍፅም ምንባሩን ብመንግስትን ብፈፀምቲ ኣካላትን ተዓፊኑ ይተርፍ ከም ዝነፈረን ገሊፁ ኣሎ።

ብኸምዚ ዓይነት መስካሕክሒ ቅትለት፣ ቅድሚ ሐዚ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም ከም ዝኾኑ ንምግማት ኣይኸብድን ዝበለ እቲ ውድብ፣ ሓይልታት ኣሃዳውነትን ትምክሕተኛታትን፡ ህዝቢ ባዕሉ ንባዕሉ እናባልዑ፡ ኣብ ስልጣን ክነብሩ ዝደልዩ ኣረመኔታት ምዃኖም ብምርዳእ መላእ ህዝብታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ፌደራሊስት ሓይልታት ተወዲብና ክንምክቶም ይግባእ ክብል ገሊፁ ኣሎ።

እዚ ኣፅያፊ ተግባር ንቐፃላይ ቃልስና ስለ ዝሕግዘና ብዝግባእ ተሰኒዱ ክተሓዝ ኣለዎ ዝበለ ግምባር ነፃነት ጋምቤላ ካብዞም ጭካነን ድሕረትን ጭካነን መግለፂኦም ዝኾኑ ኣሃዳያን ንምንጋፍ ጠንኪርና ክንቃለስ ይግባእ ምስ በለ፡ ማሕበረሰብ ዓለም እውን ከምዚ ዓይነት ኣረመኔነት ዝፍፅሙ ኣካላትን መሪሕነቶም፡ ናብ ሕጊ ቀሪቦም ክፍረዱ ግድኡ ከበርክት ፀዊዑ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ማእኸለን ዝገበራ ሚድያታትን ልሂቃን ኣምሓራን እቲ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፈፀምዎ ኣፀያፊ ቅትለት፣ ናብ ፍሉይ ሓይሊ ደቡብ ከጣብቕዎ ወፍሪ ጀሚሮም ምንባሮ ዝፍለጥ እዩ።

Read More