INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ፎረም ውድባትን ማሕበራትን ትግራይ ንህልውናን ድሕንነትን ህዝብና

ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ሓይሊ ዘራያት ኣሰሊፉ ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ዝወጠኖ ትልሚ ብዕሊ ምትግባር ካብ ዝጅምር ልዕሊ 500 መዓልትታት ተቖፂሮም እዮም። ኣብዘን ናይ ዕፅዋን ክባን እዋናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ሰፍ ዘይብል መከራ ብምብፃሕ ካብ ግፍዓዊ መቕተልቲ ክሳብ መዋቕርን ትሕተ ቕርፂን ትግራይ ንምጥፋእ ሰሪሖም። ሎሚ እውን መላእ ትግራዋይ ኣጥሚኻ ንምፅናት ብትሉም መንገዲ ይሰርሑሉ ኣለዉ። ህዝቢ ትግራይ ነዙይ ሕልሚ ፀላእቲ ንምብርዓን ተወዲቡን ተመዓራርዩን ነቲ ወራር ብጥበብ - ብቕልፅሙ መኪቱ መሰሉን ህልውንኡን ንምሕላው ብሙሉእ ዓቕሙ ከም ዝቃለስ ንዓለም ኣረጋጊፁ እዩ።

ኣብ ውሽጢ ዓዲን ኣብ ወፃኢን ዝርከቡ ተጋሩ ብሓደ ገፅ ንቓልሲ ህዝቢ ትግራይ እናጠናኸሩ ብካልእ ገፅ ድማ እቲ ዝተፈፀመን ዝቕፅል ዘሎን ምፅናት ዘርኢ ዓለም ክትፈልጦን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ዝቐርቡሉ መስርሕ ክወፅእን ብትግሃት እናሰርሑ ይርከቡ። ብውፅኢቱ እውን መንግስቲ ኣመሪካ ክሳብ ሕዚ ካብ ዝወሰዶም ማዕቐባት ብተወሳኺ ፈፀምቲ ምፅናት ዘርኢ ናብ ሕጊ ቀሪቦም ተሓተትቲ ዝኾኑሎም HR 6600, S3199 ካልኦት ተመሳሰልቲ እማመታትን ብምሕንፃፅ በቢብርኩ ተቐባልነት እናረኸቡ ሕጊ ዝኾንሉ ዕድል እናሰፍሐ ይመፅእ ኣሎ፡፡

እዞም እማመታት ሕጊ ፡ ኣብ ምፅናት ዘርኢ ትግራዋይ ዝተሳተፉን ዝሳተፉ ዘለዉን ኣካላት ብውልቂን ብጉጅለን ተሓተትቲ ዝገብሩን ንሓዋሩ ሓበራዊ ናይ ምኽኽር መድረኽ ክዳለው ብምግባር ንሰላማዊ መፍተሒ ኣፍደገ ዝኸፍቱ እውን እዮም። ብምዃኑ ፎረም ውድባትን ማሕበራትን ትግራይ እዞም እማመታት ሕጊ HR6600፡ S3199 ከምኡውን ኣብዚ ጊዜ ኣብ ኣሜሪካ፥ኣውሮፓን ካልኦት ኣህጉራትን ብግዱሳት ተሓለቕቲ ስብኣዊ መሰላት ይውጠኑ ንዘለዉ ሕግታትን ፖሊሲታትን ዘለና ደገፍ እናገለፅና ቀልጢፎም ክፀድቑን ተግባራዊ ክኾኑን ፅዕንቶ ንምፍጣር እጃምና ከምእንፍፅም ነረጋግፅ።

ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ሓይሊ ዛጊድ ዝፈፀሞን ዝፍፅሞ ዘሎን በደልን ግፍዕን ከይኣክል ጥምየት ከም መሳርሒ ኵናት ተጠቒሙ ረድኤት ከይበፅሕ ብምኽልካል ነቲ ምፅናት ዘርኢ ቀፂሉሉ ይርከብ። ’ጭጉራፍስያ ባዕላ ወቒዓ ባዕላ ተእውይ’ ከምዝበሃል ብፍላይ ሓይልታት ኣምሓራ ብግፍዒ ብጅምላ ንዝቐተልዎም ተጋሩ ከይሕተትሉን ካብቲ ገበን ንምምላጥን ሓሲቦም ካልእ ዘሕዝን ተዋስኦታት ይሰርሑ ኣለዉ። ብግፍዒታት ናይ ዝጨፍጨፍዎም ተጋሩ ኣዕፅምቲ ፍሒሮም ናብ ክልል ኣምሓራ ብምውሳድ’’ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ ዝተፈፀመ ጥፍኣት ረኣዩለይ’’ ዝብል ገበን ንምሽፋን ዝዓለመ መረዳእታ ንምጥፋእ ዝተኣልመ ውዲታዊ ድራማ ይሰርሑ ኣለዉ።

እዚ ተግባሮም ንባዕልቶም ዝበለፀ ዘቃልዕ እምበር ንሓቂ ክቐብርስ ኣይኽእልን፡፡ እቲ ጉዳይ ዓለም ፈሊጥዎ ሓዲሩስ ተሓታትነት ንምርግጋፅ እናተሰርሐ እዩ ዝርከብ። ስለዝኾነ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዘለኹም ተጋሩን ደገፍቲ ትግራይን እቶም እማመታት ሕጊ ቀልጢፎም ፀዲቖም ተግባራዊ ምእንቲ ክኾኑን ሽርሒታት ፀላእቲ ንምብርዓንን ዛጊድ ዝፈፀምኩምዎ ዕማም ብስም ፎረም ውድባትን ማሕበራትን ትግራይ እናመስገንና ከምቲ ልሙድ ውዳበኹም ብምጥንኻር ኣብ እትገብርዎ ቃልሲ ኣብ ጐንኹም ከምዘለና ነረጋግፅ።

በዚ ኣጋጣሚ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ትግራይ ንዘካይድዎ ምንቅስቓስ ደገፍና እናገለፅና ፀላእትና በቢጊዚኡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ምፅናት ዘርእን ህልቂትን ንምፍፃም ዝኣልምዎ ሽርሒ ንምፍሻል ኣብ ውሽጢን ኣብ ደገን ምስ ዝንቀሳቐሱ ውልቀሰባትን ውዳበታትን ብምውዳድ HR 6600ን፣ S3199 ን ካልኦት ተመሳሰልቲ እማመታት ሕግታትን ፖሊሲታትን ናብ መወዳእታ ብርኪ ንክሰጋገሩን ተግባራዊ ንክኾኑን እዋኑ ዝጠልቦ ኩለመዳያዊ ቃልሲ ከምነካይድ ንገልፅ።

እንደልዮ ግዳማዊ ኩነታት ቃልሲ ክፍጠር እንገብሮ ዘይትሓለለ ፃዕሪ፣ ዝተረኸቡ ዕድላት ሰላም ፀንቂቕካ ንምጥቃም ዝውሰዱ ስጉምታትን ከም ዘለው ኰይኖም ህዝቢ ትግራይ ካብ ጥንቱ ዓቕሙን ሓይሉን ኣብ ውሽጣዊ ዓርሰ ምርኮሳ ዝተመስረተ ታሪኽን መንነትን ከም ዘለዎ ምርዳእ የድልይ። ብምዃኑ ረድኤት መፀ ኣይመፀ እናበለ ትኳቦ ጥራሕ እናቋመተ ዝናበር ህዝቢ ስለዘይኮነ ፍልጠቱን መሬቱን ኣዋዲዱ ዓቕሙ ክንዲ ዘፍቀዶ ፀገሙ ንምቅላል ኣብ ከተማን ገጠርን ዘካይዶ ስራሕቲ ዓርሰ ምርኮሳ ዝንኣድን ንሕሉፍ ታሪኩን ፀገማት ተፃዊሩ ንቕድሚት ናይ ምግስጋስ ኣብነታዊ መለለይኡን ዘረጋግፅ እዩ። ተጠናኺሩ ክቕፅል ድማ ፃውዒትና ነቕርብ፡፡ ዓርሰ ምትሕግጋዙ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ከሐይል ከም ዘለዎ እውን ፃውዒትና ንገልፅ፡፡

መዓልቲ ብዝሓለፈት ቁፅሪ ሂወታት ዝኸፍል ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ሰብኣዊ ሓገዝ እትገብሩ ዘለኹም ኣካላት ፃዕርኹም ብምሕያል ተግባራዊ ስጉምቲ ንኽውሰድ ብህፁፅ ናይ ባዕልኹም ታሪኻዊ ግደኹም ክትዋፅኡ ንፅውዕ፡፡ መንግስቲ ትግራይ እውን ኣብዚ መዳይ ዝህሉ ምዕባለ በቢ እዋኑ ንህዝቢ ከፍልጥ ንሓትት፡፡ ጐኒ ንጐኒ እዞም ዕማማት ሃለዋቱን ድሕንነቱን ኣብ ሓደጋ ኣውዲቖም ከፅንትዎ ኣብ ክባ ንዘእተውዎ ፀላእቲ ከምቲ ልሙድ ቕልፅሙ ኣተሓባቢሩ ብምፍንፃሕ ውሕስነቱ ከምዘረጋግፅ ዘለና ፅኑዕ እምነት እናገለፅና ፎረምና እውን ኣብ ኩለመዳይ ቃልሲን ንጥፈታትን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ተሰሊፉ ከምዝሰርሕ ከረጋግፅ ይደልይ።

ትግራይ ትስዕር!

ፎረም ውድባትን ማሕበራትን ትግራይ ንህልውናን ድሕንነትን ህዝብና

28 መጋቢት 2014 ዓ/ም
መቐለ- ትግራይ