INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ትግራይ ኣብ ፀገም ከምዝኣተወት ግልፂ እዩ። እቲ ቀንዲ ሕቶ ከመይ ንፍታሓዮ?!

ትግራይ ኣብ ፀገም ከምዝኣተወት ግልፂ እዩ። እቲ ቀንዲ ሕቶ "ከመይ ንፍታሓዮ?!" ዝብል እዩ። ነዚ ንምምላስ ድማ ታሪኽና ምፍታሽ ግድን ይብለና።

፩) ከምዚ ናይ ሕዚ ዝበለ ፀገም ኣጋጢሙና ይፈልጥ ዶ? እወ! ብተደጋጋሚ። ብልክዑ ዘይተሰነደ ክኸውን ይኽእል እዩ። ተሰኒዱ እናሃለወ እውን ወሎዶታት ክፈልጡዎ ዘይተገበረ ክኸውን ይኽእል። እቲ ሓቂ ግና ኣብ ልዕሊ ትግራይን ተጋሩን ዘይተነግረ እንበር ዘይተፈፀመ ዓፀቦ ኣይነበረን። ሕሉፍ ተረሳዒ እናኾነ ግዲ፤ ኣይኮነን ዶ ናይ ትማልን ብቕድሚ ትማልን፤ ዋላ እቲ ናይ ሎሚ እውን ሎሚ ንርስዖ ዘለና ንመስል። ሓደ፣ ኽልተ እናበልና እንቆፅሮም ግፍዕታት ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ። ነሶም መግለፂ ጫፋት ናይቲ እኩይ ዕላማ እዮም። ገሊኦም ናይ ሕዚ ይኸፍኡ፣ ገሊኦም ከዓ ናይ ቀደም'ባ ይኸፍኡ ክንብል ንኽእል ኢና። ኣፍቲ ገዚፍ መንቀራቕሮ ታሪኽ እንተትኩርና ግና ናይ ሕዚ ብድሆ ካፍቶም ዝሓለፉ ሕሱማት ታሪኻትና ሓደ እዩ። ክፉእ ዘበን፣ ዘበነ ሽየ፣ ዘበነ ውቤ፣ ወዘተ እናበልና ንፅወዖም ጠቆምቲ ነገራት ኣለዉ። ኣዚዮሞ በዳህቲ እዮም ነይሮም። ሕዚ በፂሕናዮ ዘለና ሓደጋ ህልውና እውን ናይዚኣቶም መቐፀልታን ውፅኢትን'ዩ።

፪) እቲ ፀገም እከለ እዩ ፈጢሩዎ፣ እከለ'ባ ኣጋዲዱዎ ክንብል ንኽእል። እዛ ሕቶ ቅድሚ ምምላስና ግና "መዓስ ከ ተፈጠረ?!" ንምንታይ ከ ይደጋገም ኣሎ። ሕዚ እንተፈቲሕናዮ ኸ ፅባሕ ድሕሪ ፅባሕ ንደቅና ሓደጋ ዘይምዃኑ ብምንታይ ነረጋግፅ?" ዝብሉ ቁም ነገራት ብዕምቆት ንርኣዮም። ኣብ ዝሓለፉ ፴ ዓመታት? ፶ ዓመታት? ፭፻ ዓመታት? ኣይፋል! ከም ናተይ እምነትን ብዙሓት ሰብ ሞያታት ኸምዘምህሩናን እንተኾይኑ፤ ወድቀት ትግራይ ምስ ወድቀት ስልጣነ ኣኽሱም ዝተሓሓዝ እዩ። ድሕሪ ፲፪፻፸ታት ተጋዲዱ። ብዘበነ ሃፀይ ዘርኣያቆም ሕማቕ ዘርኢ ፃህያይ ሽዋ በቑሉ፣ ቀፂሉ ፣ ቀፂሉ . . . ብዘበነ ውቤ ከፊኡ፣ ብዘበነ ዳግማዊ ምንሊክ ሕቖና ተጎዚዩ። ፍርቂ ኣካልና ስኢንና። ነጥበ መቐይሮ ኾይኑ እስካብ ሕዚ ዕሾኽ ዘሪኡ። እንተስ ብስንፍናና እንተስ ብሽርሒ ፀላእትና ሕዚ እውን ይቕፅል ኣሎ።

፫) ኣብ ፲፱፻፴ታት ወለድና ብዘገርም መንገዲ ኽፈትሑዎ ፅዒሮም፣ ፈሺሉ። ኣብ ፲፱፻፸ታት ብዝተወደበ መልክዑ ተጀሚሩ፣ ዝቡቕ ሰጉሙ፣ ግናኸ ኣብዚ ሕዚ እዋን ከምዚ እንሪኦ ዘለና ኾይኑ መወዳእትኡ።

፬) ናይ ዞም ኩሎም ዘበናት (ከባቢ ፼ ዓመታት) ጉዕዞ ቁልቁለት መበገሲታት ውድቀትና እንታይ ነበረ?! ኣብዚኣ እያ ዘላ እዛ #መፍትሕ! ውሽጣውን ግዳማውን ወይ ድማ ባዕላውን ወድዓውን ኩነታት ብዕምቆትን ብምልኣትን ምፅናዕ የድልየና። ንሓውናን ኣያናን Kassa HaileMariam ካልኦት ዓበይቲ ሰብ ሞያታት ታሪኽ ንከታተል። Abay Gedey Ghelawdewos Araia ካልኦቶን ብኣንክሮ ንከታተሎም።

፭) ብፍላይ ብፍላይ ናብ ውሽጣዊ ሓድነትና ንርአ። ኣብ ርእሲ ምውሓድናሲ ዝኾነ ሰብ ክንጠባጠበና ኣይንፍቀድ። ንተኣኻኸብ ደኣ፣ ንመኻኸር፣ ንወደብ። ብፍልጦ ይኹን ብዘይ ፍልጦ፣ በገርሂ ይኹን ብጉርሒ መጫወቲ ጓኖት ክንከውን ዓገብ እዩ። "ሸዋ እንትዕወት/እንተውድቕ እንበር እንትቃለስ ኣይረኣይን!" እናበሉ ዳግም ክሕጭጩልና ዕድል ክንህብ ኣይግባእን።

፮) ሓደግኡ ብልክዑ ንርኣዮ። ሎሚ ኸም ትማሊ ኣይኮነን። ወዲቕና እንመሃረሉ ዕድል እውን ኣይክህልወናን እዩ። ብሓደ ወገን ዕድል ኣለና፣ ብእንፃሩ ከዓ ገጢሙና ዘሎ ብድሆ ብቐሊሉ ዝስገር ኣይኮነን ማለት እዩ። ንሕና ከም ወለድና ህላወና ንምውሓስ እንበር ኣንፃር ህላወ ዝኾነ ይኹን ማሕበረሰብ ዘበገስናዮ ወይ እነበግሶ ቃልሲ የብልናን። ህላወና ብኸመይን መዓስን ውሑስ ይኸውን ዝብል ግና ናትና ወለዶ ዝምልሶ ገዚፍ ሕቶ እዩ። ናብ ቀፃሊ ወለዶታት ዝሰግር ዘይተመለሰ ገዛ ዕዮ እንተዘይንገድፍ ይምረፅ። ነዙይ እውን በቢ ሞያና ለይትን ቀትርን ክንፅዕር ግድን ይኸውን። ሰሚርና፣ ረቢብና!

፯) እተን ዝነበራ ፀገማት ነቒስና ንሓንሳእን ንሓዋሩን ሱር በቆስ መፍትሒ ንምምፃእ ብኣካልን ብመንፈስን ንዳሎ። ዋጋ ኸፊልና ዘላቒ ፍታሕ ኽነምፅእ ንመኻኸር፣ ሓይልና ንኣክብ። ንደማመፅ። ፍልልይ ሓሳብ ሓይሊ እዩ። ኮይኑ ግና ብዝሰልጠነ ኣገባብ ንግበሮ። ሓሳባትና ተሓቑኑ ተሓቑኑ ጠስሚ ዘውፅእ ላጋ ወይዘራዝር እንበር፣ ተበጣጢሱ ጨብረቕረቕ ኢሉ ባኺኑ ዝተርፍ ማይሕቋን በሰሮታት ኽንገብሮ ኣይግባእን።

፰) positive energy ንጠቐም። ኣብ ምውቕቓስ ሓይልና ኣይንወድኣዮ። ኣብ ኣናእሽቱ ቅርንጫፍ ሓሳባት፣ ኣብ ውልቀ ሰባት ተኽኒ ገጢምና ግዜና ኣይነባኽን። ኣብ ክንድኡ መፍትሒ ዝኾኑ ሓሳባት ነመንጩ። ድማ ንኽእል ኢና። ንሕና ተጋሩ ኢና። ናይ ነዊሕ ዘበናት ታሪኽ፣ መንነት፣ ስልጣነ፣ ፖለቲካዊ ይኹን ወታደራዊ ልምዲ ዘለና ውሁድ ማሕበረሰብ ኢና። እዙይ ጥረ ሓቂ እዩ። እዙይ ከዓ ብኣግባቡ ክንጥቀመሉ ዝግባእ ፀጋ እዩ። ብስንፍና ወይ ሸለልትነት ዘመለጠካ ዕድል ግና ዳርጋ ስግኣት፣ ብኣግባቡ ዝተፀንዐ ስግኣት ከዓ ዳርጋ ዕድል እዩ። Lost opportunity is like a threat. Well studied threat is like an opportunity.

፱) እዚ ፀበባ ፈንፂሕና ምውፃእና ግድን እዩ። ድሕሪኡ ሓፂን ኮይና ከም እንወፅእ ድማ ተነጊሩና እዩ። እቲ ሓቂ ንሱ ስለዝኾነ። ብተግባር እውን ንዕዘቦ ኣለና። ኣጆና!

10) ርሑስ በዓለ ጥምቀተ ክርስቶስ!🙏🙏🙏 መቐለ

Read More