INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ፈተነ ተጋሩ - ዂናትዶ ዘተ ሰላም?

ፈተነ ተጋሩ - ዂናትዶ ዘተ ሰላም? (ኣዚዩ ኣገዳሲ ጉዳይ)

ዓረቕቲ ኢና ባሃሎ ይመፁናለዉ። እዚ ማለት ብሽም ሰላም ሓደጋ ይመፀናሎ ማለት'ዩ። ዝገደደ ሓደጋ። “ዓረቕቲ” ኢና ባሃልቲ ናይ ወፃኢ ሓይሊታት ዓሚ ይኹን እስካብ ቐረባ ጊዜ እንታይ ከምዝገበሩና ኣብዚ ምድጋም ኣየድልን። ግን “ዓረቕቲ” በሪ እንተረኺቦም፣ ኹነታት ህዝቢ ትግራይ "ካብ ገደል ናብ ሞልጦጦ" ከምዝቕይርዎ ኣያጠራጥርን። መንግስቲ ትግራይውን ክሓስበሉ ዝግባእ፣ ዝደጋግማ ሓንቲ መጋገይት መልእኽቲ ኣላ። ንሳውን “ዘይሩ፣ ዘይሩ፣ እዚ ኹናት ብሰላም'ዩ ዝፍታሕ” ትብል። እዛ ኣባሃህላ እዚኣ ንዲፕሎማሲ እምበር ንቱ ኣብ መሬት ገጢሙና ዝኒሀ ጥር ትብል ጥቕሚ የብላን።

ገጢሙና ዝኒሄ ሽግር ዘርኢ ምፅናት (ጀኖሳይድ) እዩ። ስሩዕ ኹናት ኣይኮነን። ከጥፉኡና ዝወሰኑ ሓይሊታት ኣለዉ። እንትደኽሙ፣ 'ዘተ ሰላም' ይብሉ። እንትሕይሉ፣ ዘርኢ ምፅናት ኣበርቲዖም ይቕፅልሉ። እስካብ ዘጥፉኡና፣ ዕረፍቲ የብሎምን። ስለዚህ፣ ጀኖሳይድ ብዘተ ሰላም ኣይፍታሕን። ብቕልፅምና ስዒርና ንወፀሉ ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ። ብፍላይ ትግራይ ንቱ ዓምዲ ሑቐ ፀላእትና ዝኾነ ሓይሊ ድዃዕዃዕ ክነብል ግድን ኢዩ። ቶም ኻልኦት ተውሳኻት ኣብ ኸይዲ ይጠፍኡ። ርግፅ እዚ 'ካብ ዘተ ሰላም ንኹናት ነቕድም" ኣባህላ ንሰላም ተመራመርቲ (peace advocates) መደንገፂ እዩ። ግን እቱ ሓቂ ንሱ እዩ። ሓደ ሊንከን ብሉምፊልድ ዝተብሃለ ምሁር ኣብ “ኹናት ከመይ ይዝዘም?” ኣብ ዝብል ፅሑፉ - "ሓደ ህዝቢ ዝገጠሞ ጀኖሳይድ ወይ ድማ ናይ ብዙሕ ህዝቢ ክሃልቀሉ ዝኽእል ሓደጋ እንተኾይኑ፣ ዘተ ሰላም ኣይሰርሕን። ንሃለዋቱ ክብል፣ ብቕልፅሙ ንፀላእቱ ስዒሩ ክውፅእ ኣለዎ! መብዛሕቲኦም ኹናት ብወታሃደራዊ ዓወት እምበር ብዘተ ሰላም ኣይዛዘሙን" ይብል።

"It should be pointed out that avoiding or minimizing violence may not always be the appropriate policy objective if confronted with a greater evil such as genocide or threat of weapons of mass destruction. ...Wars frequently end as a result of military victory rather than negotiation." - (Lincoln P. Bloomfield, "How wars end")

ስለዚ፣ መንግስቲ ትግራይ እቶም ከም ቕድመ ኹነታት ዘቕመጦም ነጥቢታት ኣብ ግብሪ ከይዋዓሉ፣ ጥራሕ ኢዱ ብፀቕጢ ኣሜሪካ ተበጊሱ "ንዘተ ሰላም ዕድል ክንህብ ኢልና ኹናት ጠጠው ኣቢልናለና" እንትይሉ፣ ንሱ እዩ እቱ ዓቢዪ ሓደጋ ንሃለዋት ህዝቢ ትግራይ። ዝተሓፈሱ ዓወታትውን ብዜሮ ይባዝሑ። እዚ ከይኾውን፣ መንግስቲ ትግራይ ታሪኻዊ ሓላፊነት ኣለዎ፣ ፀቕጢ "ሽማግለታት" ብትሪ ተቓሊሱ ክነፅጎም ኣለዎ። ከነጋግሮም ከሎ፣ ካብ ሳዓራይ መንፈስ እምበር ካብ ተስዓራይ ክኸውን የብሉን። ደቂ ትግራይ - ፀላእትና እንተኺኢሎም ቐልጢፎም ከፅንቱና፣ እንተዘይኽኢሎም ናብ ናይ ጀኖሳይድ እንክሊል (vicious cycle) ኣእትዮም ቐስ ብቐስ ክንሃልቐሎም እዮ ድልየቶም። ኣብ ርእሲዚ፣ "ዓረቕቲ" ክፈጥርዎ ዝኽእሉ ሽጣራታት ኣቐዲምና ነፍሽለሉ መንገዲ ኣዳሊውና ክንፅበ ግድን ይብለና። ዓወት ንደቂ ሓላል መሬት ትግራይ!