INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ሓፈሻዊ ሪፖርታጅ ፌስቲቫል ሓድነት ንሕውየትን ህንፀትን ትግራይ 2023.

ቀዳማይ ክፋል (Part I, II, III)

ካብ ሶኒ July 17-ሰንበት July 23, 2023 አብ ከተማ ዴንቨር: ግዝአት ኮሎራዶ : አሜሪካ ክካየድ ዝፀንሐ ፌስቲቫል ብዓወት ተዛዚሙ:
ንተኸታታሊ ሸውዓተ መዓልቲ ዝተኻየደ ፌስቲቫል ትግራይ 2023 እዞም ዝስዕቡ ዝርዝር ተግባራት ዝተፈፀመሉ ታሪኻዊ ፌስቲቫል እዩ ነይሩ፡
ናይ ሰለስተ መዓልቲ ኮንፈረንስ ማተሰኣ (ካብ ሶኒ ክሳዕ ሮብዕ)
መዓልቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ሓሙስ)
መዓልቲ መናእሰይ ትግራይ (ዓርቢ)
ሓፈሻዊ ዋዕላ ምስ ፕሬዝደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ(ቀዳም)
መዓልቲ ደቂአንስትዮ ትግራይ (ሰንበት)
ካብ ሓሙስ ክሳዕ ሰንበት ወጋሕ ትበል ለይቲ ምስ ከየንቲ/ስነጥበባዊያን ትግራይ
ካብ ዓርቢ ክሳዕ ሰንበት ንሕንሕ ኩዕሶ እግሪ መናእሰይ ትግራይን ሓዊሱ ብዝርዝር ከምዝስዕብ ቀሪቡ አሎ።

ቀዳማይ መዓልቲ ፌስቲቫልን ኮንፈረንስን ማተሰኣ (First day)

1. ሶኒ ዕለት 17 ድሕሪ ቀትሪ ዝጀመረ ፌስቲቫል ትግራይ አብ ማእኸል ኽራውን ሆቴል ኮንቨንሽን (Crown Hotel Convention Centre) እንትኸውን፤ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ትምህርቲ ተወሲዱ ፤ ካብ መዕረፊ አጋይሽ (ሆቴል) ክሳዕ 5000 ወናብር ዝሓዝ ሰፊሕ አደራሽ ዘለዎ ፤ ናብ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ዴንበር ዝቀረበ ምችው ቦታ እዩ።

2. ማሕበር ተጋሩ ሰሜን አሜሪካ (ማተሰኣ) መዳለው ኮሜቴ ምስ ጨንፈር ዴንቨር ብምትሕብባር ከባቢ ሸዋዓተ ወርሒ ምድላው ዝተገበረሉ፤ ብፍላይ ድማ ተጋሩ ነብረቲ ዴንቨር ሙሉእ ብሙሉእ ዝተሳተፉሉ እንትኸውን፤ ካብ ሰንበት አጋምሸት ጀሚሩ ናይ ምግያሽ ስራሕቲ ዝጀመርሉ ኹነታት እዩ ነይሩ።

3. ኮነፈረንስ ማተሰኣ ካብ ሶኒ ድሕሪ ቀትሪ ክሳዕ ሮብዕ ምሸት ዝተኻየደ እንትኸውን ፤

ካብ በቢጨናፍር ብድምፂ ዝተወከሉ አባላት ማተሰአ፤
በተዓዛብነት ዝተሳተፉ አባላት ማተሰኣ፤ ነበር አምባሳደራት፤
መራሕቲ ዝተፈላልየ ሃይማኖታት ትግራይ ነበርቲ ዴንበር፤
መስረቲን ነበር አመራርሓን ማተሰአን፤
መዳለውቲን አመራርሓን ማሕበር ደቂአነስትዮ ትግራይ ሰሜን አሜሪካ፤
ዕዱማት አጋይሽን ተወከልቲ ውድባትን ማሕበራትን (SJT, TMH, …)
ዝተፈላለዩ ሚዲያታት ዳያስፖራ ትግራይን አብ ዝተረኸብሉ ብዝኽረ ሰማእታት ተጀሚሩ።
ፈፀምቲ ስራሕ ማተሰአ ፕረዝዲየም ምስተረከቡ፤ ምልአተ-ጉባኤ ብምርግጋፅ ንስያሜ ፈኢስቲቫል ዝተፈላልየ ወዳዓዊ መማረፅታት ቀሪቡ፤
ሕዝቢ ትግራይ ሕዚ ዘለዎ ወዳዓዊ ኩነታት ዝገልፅ፤ ፌስቲቫል ሓድነት፤ ሕውየትን ህንፀትን ትግራይ 2023 ብዝብል ብሙሉእ ድምፂ ተሰይሙ።

4. ሶኒ ድሕሪ ቀትሪ ዝቀፀለ ኮንፈረንስ ማተሰአ፤

ብመዳለዊት ሽማግለ ማተሰኣ ናይ እንካዕ ደሓን መፃእኹም መልእኽቲ ጀሚሩ :
ድሕሪ ዕላዊ መኽፈቲ ዘረባ አቦወንበር ማሕበር ተጋሩ ሰሜን አሜሪካ (ማተሰኣ)
መራሕቲ ሃይማኖት ዴንቨርን ከባቢአን፤
አቦወንበር ጨንፈር ማተሰአ ዴንቨር፤
አዶ ወንበር ማሕበር ተጋሩ ደቂአንስትዮ ሰሜን አሜሪካ፤
ወኪል ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ዴንቨር፤
ነበር አምባሳደራት (አምባሰደር ብርሃነን አምባሰደር ፍስሃን)
ካብ መስረቲ ማተሰአን ነበር አመራርሓን
ወኪል SJTን TMHን ሓዊሱ ሰናይ ትንቢቶም ገሊፆም ነቲ ኮንፈረን ሰናይ ብምምናይ
ናይ እንካዕ ደሓን መፃእኹም ኬክ ተቆሪሱ ፡
ቀዳማይ መዓልቲ ፌስቲቫል ትግራይ 2023ን ኮንፈረንስ ማተሰአን ብከምዚ ተዛዚሙ

ሪፖርታጅ ፌስቲቫል ትግራይ 2023

ካልአይ ክፋል (Part II)

አካል ፌስቲቫል ትግራይ 2023 ዝኾነ ኮንፈረንስ ማተሰኣ አብ መበል 2ይ መዓልቲ (ሠሉስ July 18, 2023) ውዕሎ ካብ ዝቀረቡ አጀንዳታት ሓደ ማተሰኣ እንትኸውን በማካየዲት ስራሕ ቤትፅሕፈት (UTNA Executive director) ቀሪቡ ሙሉእ ማዓልቲ ሰፊሕ ኽተዓት ዝተኻየደሉ ነይሩ። አብክሊቲ ፀብፃብ ካብ ዝቀርቡ መዘራረቢ ሓሳባት፤

- ሕሉፍ ገምጋም ፈኢስቲቫል 2022፤ ዘጋጠመ ዕንቅፋት ንምፍታሕ ዝተገበረ ፃዕርን ንምድላው 2023 ዝተገበረ ዝሓሸ ምድላውን፤ - መበል 49 ዓመት በዓል ለካቲት 11 አብምድላው ዝነበረ ቃልስን ዕውት ውፀኢትን (ካብቲ በዓል ዝተረኸበ ልዕሊ 11 ሚሊዮን ቅርሺ ናብ ጉዱአት ኹናት ትግራይ ዝተልአኸ)፤
- ምስ ዝተፈላልለዩ መዳርግቲ አካላት፤ ማሕበራትን ውዳበታትን ዝተኻየዱ ናይ እሂን ምሂን መድረኻትን አወንታዊ ውፀኢቶምን፤
- ማናእሰይ ንምትብባዕን ንማተሰኣ ዝትክኡ ዝኽእሉ ሓደሽቲ አባላት ንምውሳኽ ዝተኸየደ አወንታዊ ከይድን ሓዱሽ ሊግ መናእሰይ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን አሜሪካ ምምስራቱን፤
- አብ ልዕሊ ማተሰኣ በቢእዋኑ ዝንዝሑ ናይ ፀለመ ወፍሪታት ምላሽ ንምሃብ ዝተኸየደ ውሱን ናይ ሚዲያን ሶሻል ሚዲያን ፃዕሪ ካብ ካሊእ እዋን ዝሓሸ ምንባሩ፤
- ምስ ጨናፍር ማተሰኣ ዝነበረ ዝተዋደደ አፈፃፅማ መደባትን አብ ገለ ጨናፍር ዘጋጠሙ ውሽጣዊን ግዳማዊን ፈተናታትን ዝተገበረ ውፀኢታዊ ፃዕሪ፤
- ቅድሚ ውዕል ሰላም ፕሪቶሪያን ድሕሪኡን ብማተሰአ ዝወፁ ልዕሊ 10 ናይ ቅዋም መግለፅታትን ዝተገበረ ቃልስን፤ ምስ ውድባትን መንግስቲን ትግራይ ዝተገበሩ ዕላዊ ርክባት፤
- አባላት ማተሰኣ አብዝተፈላለዩ ውዳበታት፤ ማሕበራት፤ ኮሚኒታት አትዮም ዝሃብዎ ደገፍን አብ መኸተ በማሕበሮምን ምስህዝብን ኮይኖም ዘወፈይዎ ዝለዓለ አስተዋፅኦን (ሓደ ሓደ አባላትን አመራርሓን ማተሰኣ ዘወፈዮ ዝለዓለ ገንዘባዊ አስተዋፅኦ ፤ ሓደ አባል አብ መኽተ ለዕሊ ሓደ ሚቲ ሺሕ (100,000.00) ምውፋዩ ክም አብነት ብምጥቃስ) ፤
-ፅላል ትግራይ ዝብል መርበብ ሓበሬታ (Platform) ብምጥያሽ፤ አባላት ማተሰኣ ስሉጥ ሓበሬታ ዝቀያየርሉ ኩነታት ምፍጣሩን፤ ከምኡውን ናይ ማተሰኣ ጉጅለ ሚድያ (Media Team) ተጣይሹ ስርሕ ምጅማሩን፤
- አብ ጉባኤ ማተሰኣ 2022 ዝተጣየሽ መማኸርቲ ኮሚቴ (UTNA Advisory Committee) ምስ ዘሎ ማእኸላይ ኮሚቴ ማተሰአ ምኽረ-ሓሳብ እናቅረበ ፤አብ መበል 50 ዓመት ጉባኤ ቀሪቡ ዝፀድቅ ናይ "ማተሰአ ንቅድሚት ከመይ ይቀፅል " አብ ዝብል መመሓየሺ መፅናዕቲ ጀሚሩ ከምዘሎ፤
- አብ ላዕሊ ዝተጠቀሱን ካልኦትን ፖለቲካዊ፤ ማሕበራዊ፤ ኢኮኖሚያዊ፤ ዲፕሎማሲያዊ ስራሕቲ ከምዝተሰርሐ ቀሪቡ፤ አብ ከይዲ ስራሕ ዘጋጠሙን ዝፀንሑን ሽግራትን ድኽመታትንውን ብዘይምሕረት ሰፊሕ ምይይጥ ተገይሩሎም፤ ንአብነት በቀጥታ ናብ ሓፋሽ ዳያስፖራ ቀሪቡ እሂን ምሂን ክበሃል ዝሓዞ መደብ ከምዘይተፈፀመ፤ አብ ልዕሊ ማተሰአ ዝግበሩ ዘለዉ ፀለመታት እኹል መልሲ ዘይምሃቡ፤ ወዘተ
- ድሕሪ ናይ ምሳሕ ዕረፍቲ ናይ ማተሰኣ ኦዲተራት ናይ ሒሳብን ስራሕ ፀብፃብ ቀሪቡ፤አብ አታሕዛ ፋይናንስ ዝተራየ ምዕቡል አሰራርሓ ተናኢዱ፡ ኩሉ አታዊ ብድጅታል ከም Zelle, ብባንኪ እምበር ናይ ጥረ-ገንዘብ (Cash transaction) ምትራፉ፤ አብ ፌስቲቫል ይኹን ካለኦት በዓላትውን ናብ ኦንላይን (online) ምትእትታዉ ማተሰኣ ሎሚ ዓመት ካብዘመሓየሾም አሰራርሓታት ከም አብነት ቀሪቡ፤ አብ አሰራርሓውን ዘለው ፅንኩርን ድኹምን ጎንታቱ ገምጊሙ፤ ናይ መመሓየሺ ሓሳባት ጠለብ (Recommendations)ቀሪቡ።

3ይ መዓልቲ ኮንፈረንስ ማተሰአ፤ (ሮብዕ July 19, 2023)

- መፅናዕታዊ ፅሑፋት ምቅራብ ቀፂሎም ብሓላፊት ቤትፅሕፈት ማተሰኣ (ዳይሬክተር) አብ ጉዳይ ጆኖስያድ ትግራይ ዝምልከት ምስ ናይ ካልኦት ሃገራት ተመኩሮን ፤ አብ መንጎ ማሕበራትን ውዳበታትን ክፍጠረ ዝግበኦ ምንባብን ናይ ቃልሲ ሓድነትን አብ ናይ ሓባር አጀንዳ ሓቢረን ተዘይተቃሊሰን ዘጋጥም ፀገምን መፍትሕን ዝሕብር ሰፊሕ መግለፂ ቀሪቡ፤ አብ ህዝቢ ትግራይ፤ አብደቂ አነስትዮ ትግራይ፤ አብ ተፈጥሮን ቅርስን ትግራይ ወዘተ ዝተፈፀመ ጆኖሳይድን፤ ነዚ ዝፈፀሙ ሓይልታት ዝሕተትሉ ኹነታት ንምፍጣርን ካብ ሕውየት ናብ ህንፀት ንምስግጋር ዘለው ፈተናታትን ፀጋታትን ብስፍሓት ቀሪቦም እዮም።

- ቀፂሎም በአባላት ፈፀምቲ ስራሕ ማተሰኣ ዝቀረቡ ሰለስተ ተወሰኽቲ መፃናዕታዊ ፅሑፋት; ህልዊ ኩነታት ማሕበር ተጋሩ ሰሜን አሜሪካ (ማተሰኣ) (Inward looking, From SWOT analysis point of view) ጥንካረ ማተሰአ፤ ድኽመታት ማተሰአ፤ ዕድላት ማተሰአ፤ ፈተናታትን ክግበር ዝግበኦ/ክውሰድ ዝግበኦ (Recommendations) ብስፍሓት ዝፈተሸ ፅሑፍ ቀሪቡ፤

- አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጆኖሳይድ ብሽሙ ክፅዋዕ ብዳያስፖራ ክግበር ዝግበአ ፃዕሪ፤ ናብ ንቡር ንምምላስ ዘድሊ ፃዕሪ፤ ባህላዊ፤ ሰባአዊን ኢኮኖሚያዊን ሕውየት ንምምፃእን ብውዕል ሰላም ፕሪቶሪያ ህዝቢ ትግራይ ዝግበኦ ክረክብን አብ ምግባር ግደ ዳያስፖራ ብዝርዝር ቀሪቡ;

- ታሪኽን አስተዋፀኦን ማተሰኣን ባህግታትን፤ ካብ ምስረታ ክሳዕ ሕዚ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ንምሕጋዝ ብማተሰአ ዝተሰርሑ ፖለቲካዊል ኢኮኖሚያዊ፤ ማሕበራዊን ዲፕሎማሲያዊን ስራሕቲ ብዝርዝር ዝቀረብሉ፤ ማተሰአ ካብ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ምፍላጥ ክሳዕ ናብ ሜዳ ወሪዱ ናይ ህይወት መስዋእቲ ምኽፋል አብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ገና ዝይተዘረበሎም ታሪኻት ከምዘለው ዝሕብር መፅናዕቲ ቀሪቡ፤

- ብማተሰኣ መማኸርቲ ኮሚቴ (UTNA advisory committee) ዝቀረበ መበገሲ መፃናዕትውን ቀሪቡ፤ ንማተሰኣ ንቅድሚት ዘቅፅሎ ኹነታትን ክመሓየሹ ዝግበኦም አሰራራሓትን ዝምልከት ናይ ሓደ ዓመት መበገሲ ሓስባት ቀሪቦም፤ አብ ትግራይ ዝተቀየሩ ኹለመዳያዊ ኩነታትን ዝተፈሠመ ጆኖሳይድን አብደገን አብ ውሽጥን ብዙሓት ሓደሽቲ ለውጥታትን ናይ ሓይሊ አሰላልፋን ስለዘሎ ነዚ ዝምጥን ናይ ቃልሲ አንፈት ምኽታልን ዓቅሚ ምፍጣርን ከምዘድሊ ብማፅናዕቲ ዝተደገፈ ሓሳብ ናብ ዝቅፅል ጉባኤ ማተሰአ ቀሪቦም ክውሰን ዝኸእል መበገሲ ሓሳባት ቀሪቡ፤

- አብ ቀረባ ዝተጣየሸ ሊግ መናእሰይ ማተሰኣ በወኪሉ መንእሰይ አቢሉ መግለፂ ዘቅረበ እንትኸውን፤ ማተሰኣ ንዝሓለፉ 49 ዓመታት ዘካየዶ ቃልሲ ናብ ቀፃሊ ወለዶ ክሓልፍን መናእሰይ ነቲ ማሕበር ሕዚዎም ዝተልዓለ ዕላማታት ክዕውቱን ዘለዎም ቅርቡነት ብሓፂር ዝገለፀሉ መድረኽውን ነይሩ፤

- ብተዓዛብነት ንሰለስተ ተኸታታሊ መዓልታት ዝተሳተፉ አምባሳደራት አብ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን አሜሪካ ካብ ምስረታ ክሳዕ ሕዚ ዘለዎም ትዕዝብቲ ዝገለፅሉ ኩነታትውን ነይሩ ፤ ማተሰአ አብ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዘወፈዮ ዘይተሓለለ ቃልሲ ከምዝሐብኖም/ከምዝኾርዕሉ ገሊፆም ንቅድሚት ተጠናኺሩ ክቅፅል ክውሰኹ/ክመሓየሹ አለዎም ዝበሉዎም ሓሳባትውን ብዘይስኽፍታ ሓቢሮም፡

- ወኪል ትግራይ ሚዲያ ሃውስ (TMH) አብቲ ኮንፈረንስ ልሳን ህዝቢ ዝኾነ ናይ ህዝቢ ሚዲያ ካብ አጋጢምዎ ዘሎ ፀገም ክወፅእን ድምፂ ህዝቢ ኮይኑ ክቅፅልን እንተኾይኑ፤ ማተሰአ አብ ምምስራትን አብከይድን ዘርአዮ ዝለዓለ ተወፋይነት ሎሚውን አብ ምድሓን እዛ ሚዲያ መሪሕ ተርኡ ክፃወት ፃውዒት አቅሪቦም፤

- በሓኽፈን ሚዲያ ዝቀረበ አድላይነት ሚዲያን ዓርሰ ምርኮሳ ሚዲያታትን ዝቀረበ እንትኸውን፤ ንዝቅፅል ዓመት “መዓልቲ ሚዲያ” ብዝብል ሓደ መዓልቲ ክውሰንን ኩለን ሚዲያታት ትግራይ ናብ ህዝኒ ቀሪበን ክዘራረባን ዝዛተያሉ መድረኽ ክፍጠርን ለወቦ ቀረቡ፤

- አብ መወዳእታ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዘተ ብውሳነታት ተዛዚሙ፤ አብ ለዕሊ ህዝቢ ትግራይ ሎሚውን ዝፍፀም ዘሎ ግፈዒታት ጠጠው ክብልን ተፈናቀልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱን፤ግዝአታዊ ሓድነት ክኽበር፤ ተሓታታይነት ክረጋገፅን ተበደልቲ ክከሓሱን ወዘተ ዝብሉ ነጥብታት ዘለዎ ውሳኔ ተመሓሊፉ፤

- 4ይ መዓልቲ ፌስቲቫል 2023

- መዓልቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ (TDA-NA) July 20, 2023: እንትኸውን፤ እታ ማሕበር ናይ ሓደ ዓመት ናይ ስራሕ ፀብፃብ ብአባላት ቦርድ (ፈፀምቲ ስራሕ) ዝቀረበ እንትኸውን፤ ማልት አብ መኸተ ቦኽራ ህዝቢ ትግራይ ኮይና ሰብአዊ ሓገዝ አብ ምትእኽኻብን ምእላይን ዝተፈፀሙ ስራሕቲ ብዝርዝር ቀሪቦም፤ ናይ ስራሕ ፀብፃብን ናይ ሒሳብን ኦዲት ሪፖርት ቀሪቡ፤ ማልት አብዝሓለፈ ዓመት ዝሓሸ ለውጥታት ከምዘራአየት፤ ካብ ናይ ዲጂታል አጠቃቅማ ፤ ክሳዕ ዕድጊት ህንፃ ዋና ቤትፅሕፈት ዝተኸደ ርሕቀት ዘተባብዕ ምኻኑ ተሓቢሩ፤ ብተወሳኺ ተምሃሮ ትግራይ ብጆኖሳይድ ኹናት ዝበፅሖም ናይ ትምህርቲ ምትእጉጋል ፤ ናብ ቤት ትምህርቲ ምምላስ (Back to school) ዝብል ፕሮጀክት ሒዛ ትንቀሳቀስ ከምዘላ ብምሕባር ነመላእ ዳያስፖራ ፃውዒት ቀሪቡ፤ ናይ ኽብሪ ጋሻ ኮይኖም ዝተዓደሙ መስራቲ ማልትን ነባር እመራርሓንውን አብ ሕሉፍን መፃእን አንፈት ዝሕብር ሰፊሕ አስተምህሮ ሂቦም፤ ዘተውን ተኻይዱ፡ ናይ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምሸት ብስነጥበባዊያን ባህላዊ ፀዋታን መልእኽታትን ተመሓሊፉ።

5ይ መዓልቲ ፈኢስቲቫል ትግራይ 2023

- ዓርቢ (መዓልቲ መናእሰይ July 21, 2023); ምስ መዓልቲ መናእሰይ ተአሳሲሩ ንጉሆ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተኻየደሉ እንተኸውን፤ አብ ዝሓለፉ ናይ ዕፅዋን ክባን ዓመታት አብ መላእ ዓለም ብናይ መናእሰይ ዝለዓለ ተሳትፎ እናተኻየደ ዝፀንሐ ሰላማዊ ሰልፊ ሎሚውን አብ ከተማ ዴንቨር አብዝርከብ State Capital ተኻይዱ፤ ካብ ዝተፈላልየያ ግዛአታት አሜሪካን ካናዳን ናብ ፌስቲቫል ዝመፁ ተጋሩ ብናይ SJT አመራርሓ አብ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ሞትን ጥምየትን ከመኡውን ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዘይተፈፀሙ ናይ ወረርቲ አብ ህዝቢ ትግራይ ዘብፅሕዎ ዘለዎ ግፍዕታት ጠጠው ክብል፤ ተሓታትነት ክህሉ፤ዝተቃረፀ ሰብአዊ ሓገዝ ክጅመር ዝብሉ ሓዊሱ ሰልፈኛታት ድመፆም አስሚዖም፤

- ጎኒ ንጎኒ አኼባታት ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ሰሜን አሜሪካን፣ ማሕበር ደቂአነስቶ ትግራይ ሰሜን አሜሪካ (ማደትሰአ) ሓፈሽሻዊ አኬባታት ተኻይዶም፡

- ምሸት ማሕበር መናእሰይ አጋይሽን ኪነጥበባዊያንን አብዝተረኸብሉ ዕውት መድረኽ ተዓሚሙ፡ ናይ ሰገናትን መናእሰይን ባህላዊ ምርኢት (Fashion Show) ሓዊሱ፤ ዝተፈላለዩ አብ ትግራይ ዝርከቡ ባህላዊን ብሄራዊን ፀወታታት ቀሪቦም፤ በባህላዊ አከዳድናን ሙዚቃን ዝተዓጀበ ድሙቅ ምሸት ሓሊፉ።

- 6ይ መዓልቲ ፌስቲቫል ትግራይ 2023

- ህዝባዊ ዋዕላ ቀዳም July 22, 2023;

- ናይዚ ፌስቲቫል ናይ ኽብሪ ጋሻ ዝኮነ ፕሬዚደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጋዳላይ ጌታቸው ረዳ አብዝተረኸበሉ ዝተኻየደ ህዝባዊ ህዝባዊ ዋዕላ ንዳያስፖራ ትግራይ ፍሉይ ስምዒት ዝፈጠረን ድሕሪ ዕፅዋን ክባን፤ ጠፊኦም ዝተብሃሉ አባላት TDF/Central Command ) ብአካል አብ መንጎ ህዝቢ ምርካብ ናይ ህዝቢ ናፍቆትን ሓድነትን መግለፅን መድረኽ እዩ ነይሩ፤

- ቅድም ክብል ንህዝቢ ዘለዓዕል መደረታት/ዘረባታት ዘቅረቡ ዕዱማት አጋይሽን ብTMH ዝተዳለወ ናይ ምሁራን መፅናዕታዊ ፅሑፋት ዝቀርቡሉ (Panel discussion) ዝቀረበሉ መዓልቲ እዩ ነይሩ፤

- ፕሬዝደንት ጌታቸው ናብ አደራሽ እንትአቱ ካብ ህዝቢ ዝለዓለ አቀባብላ ዝተገበረሉ፤ ናይ ኽብሪ ጋሻ ብሃንቆውታ ዝፅበ ዝነበረ አኼባተኛ ብዝሕ ዝበሉ መኽበርቲ ፀጥታ ተዓጅቡ ፤በአምባሳደራት፤ አመራርሓ ማተሰአን ማሕበር ደቂአነስትዮ ትግራይን ብባንዴራ ትግራይን ደሚቁ ናብ አድራሽ ምስበፅሐ ፤ተጀሚሩ ዝነበረ ናይ ፓናል ምይይጥን ብፕሮፌሰር ዘረሰናይ ታሪኻዊ መልእኽትን ቀሪቡ፡

- ካብ ትግራይ ዝመፁ ናይ ዓለምለኸ አንበሳ ባንኪ ፕሬዝደንትን ቶጎጋ ስሚንቶ ም/ፕሬዝደንትን ናይ ትግራይ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን መደብ ሓፂር ናይ መፋለጢ ዘረባን ንዳያስፖራ ክግበር ዝተሓሰበ ናይ ልቃሕ ዕድላትን ሓገዝን ኹሉ ክጥቀመሉ ፃውዒት አቅሪቦም፤

- በአቦ ወንበር ማተሰአ ብኽብሪ ናብ መድረኽ ዝተጋበዘ ፕሪዝደንት ተጋዳላይ ጌታቸው ታሪኻዊ መግለፂ ሂቡ፤ አብ መግለፂ ተጋዳላይ ጌታቸው፤ ዳያስፖራ ብናይ ባዕሉ ተበግሶ ዝገበሮ ቃልሲ ንኢዱ፤ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ክሳዕዝረጋገፅ ቃልሲና ተጠናኺሩ ከምዝቅፅል፤ ቅድሚ ውዕል ፕሪቶሪያ አብ ባይታ ዝነበረ ኹነታትን ከቢድ ምንባሩ፤ ብውዕል ሰላም ፕሪቶርያ አቢልካ ሞት መናእሰይ ናብ ዜሮ ንምውራድ ክግበር ዝግብኦ ሰላማዊ ቃልሲ አድላይ ምኻኑ፤

ናይ ጊዚያዊ ምምሕዳር ዕማም ግዝአታዊ ሓድነት ትግራይ ምምላስ፤ ዝተፈናቀሉ ናብ መረበቶም ምምላስን እግሪ ምትካልን፤ ጉድአት ኩናትን ስድራ ስውአትን ምሕጋዝን እገሪ ምትካልን፤ ተሓታትነት ንምርግጋፅ ናይ ሓባር ቃልሲ ከምዘድሊ፤ ብሓፈሻ ቀዳምንት ዝወሃቦ ነገር ናይ ህዝቢ ትግራይ ድልየት ከምዝኾነ ሓብሩ፤ አብ ርክባትን አታሕዛ ዳያስፖራን ዝነበረ ድኽመት አሚኑ ክእረም ይስራሕ ከምዘሎ ምስገለፀ፤

ካብ ተሳተፍቲ እዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ቀሪቦም ምላሽ ረኺቦም
o ህዝቢ ብዛዕባ መሰል ዓርሰ-ውሳነኡ ድምፂ ዝህበሉ መዓዝ እዩ? o ሓድነት ዳያስፖራ ከመይ ይጠናኸር?
o ድሕሪ ፕሪቶርያ ውዕልውን መሬት ትግራይ አብትሕቲ ወረርቲ እዩ ዘሎ፤ ፀላእቲ መዓዝ እዮም ዝወፁ?
o አብ ውሽጢ ትግራይ ዘሎ ናይ ፀጥጥታ/ሃንግ ወዘተ ፀገም ከመይ ዘይፍታሕ?
o ጆኖሳይድ መሊሱ ከይፍፀም ከምይ ክንከላኸሉ ንኸእል?
o አብ ባንዴራ ትግራይ “ጆነሳይድ” ዝገልፅ ምልክት ክንውስኸሉ ዶ ንኸል? ከይርሳዕ፤
o ነዞም አብ ጆኖሳይድ ተሓባበርቲ ዝኾኑ ሓይልታት “ይአክል” ዘይንብሎም?
o ናይ ህዝብና ሽግር መፍትሕ ካብ አርባዕተ ኪሎ ዲና ፍትሒ ንፅበ ዘለና?
o ናብ ህዝብና ዝለአኽ ሓገዝ ብአዲስ አበባ እዩ ዝሕልፍ ዘሎ፤ ብቀጥታ ክነብፅሐሉ እንታይ ክትሕግዙና ትኽእሉ ከም መንግስቲ?
o አብ ኹናት ዝለዓለ ተሳትፎ ዝነበረን ተጋደልቲ ደቂአነስትዮ ብምንታይ መዐቀኒ እየን ዲሞብላይዝ ዝግበራይ/ዝሰናበታ፤ ግቡእ ቦተአን አይወሃበንን ዘሎ? ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ቀሪቦም ብፕሬዝደንት ጌታቸው መልሲ ተዋሂቡ።

- ቀዳም ምሸት ብሕፂር መደረ ፕሬዝደንት ጌታቸው ተኸፊቱ፤
- አብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት አብ ዳያስፖራ ድምፂ ህዝቢ ትግራይ ኮይኖም ዝቃለሱ ዝነበሩ ብሀይወት ዝሓለፉ/ዝተሰውኡ ነጠፍቲ ብማሕበር ተጋሩ ሰሜን አሜሪካ(ማተሰኣ) ናይ አፍልጦ ምስክር ወረቀት ንስድራ ስውአት ብኢድ ፕሬዝደንት ተጋዳላይ ጐታቸው ተዋሂቦም፤

- አብ ማተሰአ ማእኸላይ ኮሚቴ አመራርሓ ነይሮም ዝተተክኡ፤ ዝለዓለ ንጥፈትን አመራርሓን ዝሃባ ጨናፍር ማተሰአን አብምንቅስቃስ ዝለዓለ ተወፋይነት ዝነበሮም አባላት ናይ ምስጋና ሽልማት ብኢድ ፕሬዝደንት ጌታቸው ተቀቢሎም፤

- ከምኡውን አብ ናይ ፌስቲቫል ሰሙን ናይ እግሪ ኰዕሶ ንሕንሕ/ውድድር/ ሻምፕዮና ዋንጫ ባኢድ አምባሳደር ብርሃነ ተዋሂቡ፤

- ብዝይካ ዚ ብማተሰአ ዝተወደቡ ሊግ መናእሰይ ማተሰአ ሰሜን አሜሪካን ጨንፈር ዴንቨርን ብመራሕቱ መናእሰይ አቢሉ መግለፂታት ቀሪቡ፤

- በከየንቲ/ስነጥበባዊያን ትግራይ ዝተፈላለየ ባህላዊን ዘመናዊን ሙዚቃ አቅሪቦም።

7ይ መዓልቲ ሰንበት July 22, 2023

መዓልቲ ደቂአነስቶ ትግራይ

- ሰንበት ቀትሪ ናይ ፕክኒክ/ አብ ሜዳ ህዝቢ ዝተራኸብሉን ምሳሕ ዝተአንገደሉን እንትኸውን ፤ ምሸት ብማሕበር ደቂአንስትዮ ትግራይ ሰሜን አሜሪካ አመራርሓ ዝተፈላለየ ምድላዋት ቀሪቡ፡
- ናይ ኽብሪ ጋሻ ፕሪዝደንት ጌታቸው ናይ ፈስቲቫል 2023 መዕፀዊን መድረኽ ደቂአንስትዮን ብዘረባ ከፊቱ፤ ናይ ማሕበር ደቂአነስትዮ ነበር አመራርሓን መስረትን ንጡፋትን ናይ ምስጋና ምስክር ወረቀት ብኢድ ተጋዳላይ ጌታቸው ተወዋሂቡ፤
- ቅነ አሽንዳ ብምኻኑ ብመናእሰይ ደቂአነስትዮ ትግራይ ናይ አሸብድ ስርዓት ተኻይዱ፤
- ብፕሮፈሽናል መራሕቲ መድረኽ እናተመርሐ ዝተኻየደ ምሽታት ዕውት ምንባሩ፤ ዝተፈላለዩ ሚዲያታት ንሰሙን ሙሉእ ዘጋውሕዎ ፌስቲቫል ምንባሩ፤
- አብ ሚዲያን ማሕብራዊ ሚዲያ ክቃላሕ ዝቀነየ ፌስቲቫል 2023 ብዓወት ዝተዛዘመ እንትኸውን ናይ ኽብሪ ጋሻ በውልቀን ብጉጅለን ምስ ብዙሓት ተሳተፍቲ ፌስቲቫል ዝተራኸበ እንትውን፤ አብ ዴንቨር ምስ ከንቲባ ደንቨር፤ አብ ዋጽንግተን ዲሲ ድማ ምስ ዝተፈላለዩ ደገፍቲ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዕውት ርክባት አካይዱ።
- ብሳልሳይ ወያነ ትግራይ ናብ ፌስቲቫል መግለፂ ከቅርብ ናብ ማተሰአ ዘቅረቦ ሕቶ ምላሽ ከምዘይረኸበ ዘቅረቦ ቅሬታ ብወገን ማተሰአ ዝተውሃበ ግብረ-መልሲ ከምዝሕብሮ፤ ሳልሳይ ወያነ አብዝሓለፈ እዋን አብ ልዕሊ ማተሰአ ዘውፀአ መግለፂ እንተልዒሉ ወይ ይቅሬታ እንተሓቲቱ ናብቲ ፈስቲቫል ክቀርበሉ ከምዝኾነ ብደብዳቤ መልሲ ተዋሂቡ ምኻኑ ማስረጃ አቅሪቡ፤ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ተሓቲቱ መልሲ ከይሃበ ከምዝተረፈን፤ ብጎኒ ተቀባልነት ከምዘይረኸበ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቅነት ዝጎደሎ ምኻኑ አመራርሓ ማተሰአ ገሊፆም፤
- ማተሰአ አብ ፌስቲቫል ትግራይ 2023 ዝተራዩ ናይ አሰራርሓን አፈፃፅማን ጉድለታት ንአብነት ምስ ተጋዳላይ ጌታቸው ቀዳም ዝነበረ ሓፈሻ አኼባ ሕቶታት ፀንቂቅካ ንምቅባል ንሰንበት ክቅፅል ተባሂሉ ብዘይምክያዱ ይቅሬታ እናሓተተ፤ አብ ናይ ስውአት አፍልጦውን ብጊዜ ሕፅረት ዝተረሰዐ እንተልዩ ንዝቅፅል ዓመት ክስተኻኸል ከምዝኽእል ሓቢሩ፤
- አብ ናይ ፌስቲቫል ሰሙን አስተዋፀኦ ዝገበሩ ኹሎም ብፍላይ ነበርቲ ዴንቨር፤ ጭንፈር ማተሰአ፤ ማሕበር ደቂአንስትዮ፤ መናእሰይን ናብቲ ኮንፈረን ክሳተፉ ካብዝመፁ አባላት ዝለዓለ ምስጋና አቅሪቡ፡
- ብሓፈሻ ካብ ርሑቅን ቀረባን አብቲ ፈሲታቫል 2023 ዝተሳተፉ ኹሎም አመስጊኑ።

ፈስቲቫል ትግራይ ሓድነት፤ ሕውየትን ፅንዓትን 2023፤ ዴንቨር ኮሎራዶ ፤ አሜሪካ