INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ዝተብሃለ ህዝባዊ ሓይሊ ተመስሪቱ

ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ማእለያ ዘይብሉ ብርሰት ወለዶታት ኣብ ምፍፃም ዝርከብ ገበነኛ ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ሱሩ ንምምሓው፡ ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ዝተብሃለ ህዝባዊ ሓይሊ ተመስሪቱ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከቢድ ማሕበረ-ቁጠባዊ: ፖለቲካዊን: ወተሃደራዊን ቅልዉላዉ ከም ዝርከብ ዝሓበረ ‘’እዚ ህዝባዊ ሓይሊ’’ እቲ ህዝቢ ኣትይዎ ካብ ዘሎ ኣዚዩ ከቢድ ኩነታትን ናይ ምጽናት ሓደጋን ንኽወጽእ ኣብ ቀጻሊ ቃልሲ ከም ዝርከብ ሓቢሩ ኣሎ።

ዋሺንግተን ዲሲ:14 ማዝያ 2014 ዓ/ም (TMH)

ህዝብን ሃገርን ምድሓን ቀንዲ ዕላምኡ ዝገበረ እዚ ህዝባዊ ሓይሊ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንሓዋሩ ኣብ ጎደና ሓርነት፡ ሰላም: ዲሞክራስን ምዕባለን ንኽምርሽ ተኽእሎ ንምፍጣር ኮይኑ፡ ነዚ ክዉን ንምግባር ድማ ንስርዓት ኢሰይያስ ብቕልጡፍ ብምእላይ: ኣብ ኤርትራ ንኹሉ ዝሓቖፈ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣቑምካ: ስልጣን ንህዝቢ ምርካብ ኮይኑ፡ ነዚ ዕላማን ራእን ጋህዲ ዝገብር፡ ‘’ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ’’ ዝተብሃለ ሓዱሽ ህዝባዊ ሓይሊመስሪቱ ናብ ተግባር ምእታው ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።

ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ካብ ንጡፋት ውልቀሰባት: ጉጅለ ሚድያታት: ቤርጌሳውያን ማሕበራትን ፖለቲካውያን ሓይሊታትን ዝቖመ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ወፃእን፡ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ሃገራዊ ሓይሊ ዝፈጠረን: ገና’ውን ብተሳትፎን ዋንነትን ኩሉ ህዝብን ፖለቲካውያን ሓይሊታትን እንዳ ሰፍሐን እንዳ ዓበየን ዝኸይድ ዘሎ ናይ ለውጢ ሓይሊ ምዃኑ እቲ መግለፂ ሓቢሩ ኣሎ።

ነቲ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመትን መንፈቕን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈጸሞን ዝፍጽሞን ዘሎ ገበን ዘርኢ ምፅናትን ገበን ኲናትን: ከምኡ’ውን ናይ ንብረት ምዕናውን ምዝማትን ኣትሪሩ ዝኹንን ‘’ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ’’ ህልውና ኤርትራ ከም ሃገር ብዘኽብርን ብዘርብሕን መንገዲ: ምስ ኩሎም ህዝቢታት ዓለምን ጎረባብትን: ብፍላይ ከኣ ምስ ህዝቢ ትግራይ ብምሽራኽ: ነቲ ፀረ ህዝቢ ኤርትራ: ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካን ዓለምን ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ኢሳያስ ብቕልጡፍ ብምእላይ፡ ኣብ ኤርትራ ንኩሉ ዝሓቖፈ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣቑምካ: ስልጣን ንህዝቢ ምርካብ ዝተወደበ ሓይሊ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ: ህዝቢ ትግራይ ካብ’ቲ ዘለዎ ከበባን ዕጽዋን ንኽወጽእ ከምኡ’ውን መሰል ርእሰ ውሳኔኡ ንኸረጋግፅ ሓቢሩ ዝቃለስ ከም ዝኾነን፡ ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ኤርትራ: ትግራይ: ኢትዮጵያን ከምኡ’ውን ኩሎም ጎረባብቲ ሀገረ ኤርትራ ዘላቒ ዕርቅን ሰላም ክሰፍን እጃሙ ከም ዘበርክት እውን ሓቢሩ ኣሎ።

እዚ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ሰብሞያ ሚድያ፡ ቤርጌሳውያን ማሕበራትን ፖለቲካውያን ሓይልታትን ዝመስረትዎ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዝዓበየ ሃገራዊ ሓይሊ፡ ባህግን ዕላማን መላእ ኤርትራውያን ብዘንፅባርቕ ‘’ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ’’ ተሰይሙ፡ ካብ ዝንተኣለማዊ ብርሰትን ውልቀመላኽነትን ኣናጊፉ፡ ሰላምን ዲሞክራስን ከስፍን ተሳትፎ መላእ ኤርትራውያን ከም ዝጠልብ ‘ውን ግልፂ ገይሩ።

ኣብ’ዚ ወሳኒ እዋንን መድረኽን: ተቓወምቲ ሓይሊታት ንህዝብኹምን ሃገርኩምን ዘለኩም ሰናይ ባህጊን ድሌትን ኣብ ሃገርኩም ተመሊስኩም ከተተግብሩ እትክእሉሉን: ሓቢርና ጸላኢና ንኣልየሉ እዋን ሕጂ እዩ ብምባል ዘተተሓሳሰበ ‘’ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ: ንኹሎምን ግዳማውያን መሻርኽቱ ድማ ‘’ስርዓት ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ኣብ ምምሓው’’ ኣብ ዝገብሮ ርብርብ ዝከኣሎም ኩሉ ንኽሕግዙ ፃውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።