INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ከም ካልኦት ፈከርቲ ጨራሕትን ተፃረፍትን ኣይንኹን፤ መግለፂ መንነት ትግራዋይነት ስለዘይኾነ!

ከም ካልኦት ፈከርቲ ጨራሕትን ተፃረፍትን ኣይንኹን፤ መግለፂ መንነት ትግራዋይነት ስለዘይኾነ! ብህድኣትን ሕራነን ብውነን ብብልሕን ስራሕኻ ኣፅፊፍካን ተዓፃፂፍካን ምዕማም እዩ ትግራዋይነት!

ናፅነት ዝረጋገፅ ብጭርሖን፣ ኣብ መርበብ ማሕበራዊ መራኸቢ ሓፋሽ ስምዑለይ ኢልካ ብምፍካርን ብዓውዓውታን እንተይኮነስ፤ ከምህዝቢ ኣብ ዘለና ንሃሉ ኣብ ሕድሕድ ኣብ ባይታ ብእንዓሞ ንትግራይን ትግራዋይነትን ማእኸል ብዝገበረ ዝተዓፃፀፈ ኣካይዳን ኣፈፃፅማን እዩ!

ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝብናን ሰራዊትናን ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዘሎን ናበይ ከምዝጉዓዝን፣ ኣንፈቱ እናነፀረ እንታይ ከምዝዓምምን ይፈልጥ እዩ! ኣብ ዲያስፖራ ዘለና ድማ ኣብ በብዘለናዮ ትግራዋይነትና ማእኸል ብዝገበረ ብመሰረታዊ ማሕበረሰባዊ ውዳበታት grassroots communities ንወደብ! ዋላ ዓሰርተ ተጋሩ ዝነብረሉ ከተማ እንተልዩ እውን ኮሚዩኒትና ነጣይሽ ንሰጣጠም! ንትግራዋይነትና ማእኸል ዝገበሩ፣ ንመንነትና ንዝገልፁን ንዝጣበቑን፣ ንሓድነትና ንዘሰጣጥሙን ምንቅስቓሳትና ነሐይል!

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብዘካየድናዮ መሪርን ከቢድን ቃልሲ፤ እንተንኣሰ ማሕበረሰብ ዓለም ንሕና ተጋሩ መን ምዃና፣ እንታይ ዓይነት ዝኸፍአ ምፅናት ዘርእን ብርሰትን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከምዝተፈፀመ ክፈልጥ ኣኽኢልና ኢና! እቱ ዝተርፈና ንቱ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተፈፀመ ፋሽስታዊ ገበን ኩናትን ገበን ኣንፃር ሰብኣዊነትን ብዓለምለኸ ዘይሻራዊ መፃረዪ ኣካል ተመርሚሩ፤ ፍትሒ እንረኽበሉ ባይታ ምምችቻው እዩ!

ብድሕሪኡ፤ ዋላ ዳርጋ ኩሎም መንግስትታት ዓለም ምግንፃል ዝብል ቃል ክሰምዑ ዘይደልዩ እንተኾነ እኳ፤ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሚልየን ህዝብኻ ምፅናት ዘርእን ብርሰትን ምስ ዝፈፀመ መንግስትን ህዝብን መሊስካ ብሓባር ንበር ኢሉ ዘገድድ ሕጊ ዓለም የለን:: ኣበደን፤ ንዳግም ምፅናት ዘርእን ብርሰትን ዝቕበል እንግድዓ ዝህልዎን ምስ ሓረድቱ ክነብር ዝደልን ትግራዋይ ኣይህሉን! ህዝብና ኣንፈቱ ኣነፂሩ ቆሪፁ እዩ! ልፍንታውያን ፀላእትና እውን ንዙይ ስለዝፈለጡ እዮም፤ ብኹሉ ዓቕሞም ዝኸፍአ ገበን ምፅናት ዘርኢ ቀፂሎምሉ ዘለዉ!

ስለዙይ ናፅነት ትግራይ ካልኦት ብትኳቦ ዝህቡና ወይ ድማ እናጨራሕናን እናፈከርናን፤ ብስምዑለይ ኣብ መርበብ ማሕበራዊ መራኸቢ ሓፋሽ ወፂእና ነንሕድሕድና ብምምንጫት ብዓውዓው እንረኽቦ እንተይኾነ፤ ተጋሩ ከምህዝቢ እሂን ምሂን እናበልና፤ ብቃልስና ኣብ ውሽጢ ገዛና ብንዓሞም መደባትን ብብልሒ ክንተዓፃፀፍን ጥራሕ እዩ! ብሓፈሻ ዕዮ ገዛና እምበር ካብ ደገ እንፅበዮ ትኳቦ ስለዘይኮነ፤ ናይ ገለኹም ዓውዓውን ጠራዕራዕን መጥቀሚ ፀላእትና እምበር፤ ንህዝቢ ትግራይ ዝዓብሰሉ የብሉን::

ኣብ ኣሜሪካ ብተጋሩ-ኣሜሪካውያን ዝርአ ዘሎ ገፊሕ ምንቅስቓስ ኮሚዩኒቲታት ትግራይ መርኣያ መንፀፍ ናፅነት ትግራይ እዩ:: ኣብነታዊ ዝኾነ፤ ንዋሽንግተን ዲሲ ሓዊሱ ኣብ መብዛሕቲአን ከተማታት ኣሜሪካ ዝርአ ዘሎ ምዕባለታት፤ ምጥያሽን ምጥንኻርን መሰረታዊ ማሕበረሰባዊ ውዳበታት ተወለድቲ ትግራይ፤ ተጋሩ ኣብ ዝውንኑወን ኣብያተክርስትያናትን ወሃብቲ ግልጋሎትን ካብ "ኢትዮጵያ" ዝብል ናብ ትግራይ ዝብል ስያመ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝተረጋገፀ ሕጋዊ ብዓልዋናነት ምቕያር፤ መንፀፍ ሰረት ናፅነት ትግራይ እዩ::

ናይዙይ ሓደ ኣብነታዊ መርኣያ፤ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኡን ዘሎ ማሕበረሰብ ትግራይ ውዳብኡ ካብ ምጥንኻር ሓሊፉ፤ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ቨርጅንያ ሜሪላንድን ፊላደልፍያ ዝርከባ ኣብያተክርስትያናት ተጋሩ ዳርጋ ብሙሉአን ናብ ቤተክርስትያን ትግራይ ተቐይረን ቋንቁአን ድማ ትግርኛ ግዕዝን እንግሊዘኛን እዩ!

ኣብ ሙሉእ ዓለም እንነብር ተጋሩ ካብ ናይ ካልኦት ህዝብታት ዓለም ማሕበረሰባዊ ውዳበታት ተሞክሮ እናወሰድና፤ ንትግራዋይነትና ማእኸል ገይርና ንሰጣጠም ንሓይል ንተዓፃፀፍ! ንሱ እዩ እቱ መንገድን ጉዕዞን ብራኸን ናፅነትን ትግራይ!

ቴሌግራም: https://t.me/+HdnQzJcDXXJlMzBh