INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

እዋናዊ መግለፂ ማእኸላይ ኮማንድ

ብድሆታት ሰጊሩ ህዝባዊ መኸተና ይዕወት

ልፍንታውያን ወረርቲ ህዝቢ ትግራይ መሊኦም ንምፅናት ብኩሉ ግንባራት መጠነ ሰፊሕ ወራራት እናካየዱ እንትኾኑ ሰራዊት ትግራይ ድማ ህልውና ህዝቡ ንምሕላው ክብል ብዝገርም ፅንዓት ተሪካዊ ተጋድሎ የካይድ ኣሎ። ደመኛታት ፀላእቲ ኣብ ዝረገፅዎም ከባቢታት ህዝብና ብኣልማሚት ብምጭፍጫፍ እናካየድዎ ዝመፅኡ ጀኖሳይድ ብዝኸፍአ መልክዑ ይፍፅምዎ ኣለዉ።

እዞም ሓይልታት ጥፍኣት ብኩሉ ከባቢታት ዝጀመርዎ ቅሉዕ ውራር ኣጠናኺሮም ዝቐፀሉ እንትኾኑ ሎሚ 07 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ናብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ኣትዮም ኣለዉ። ሓየት ሰራዊት ትግራይ እውን ሓያል ናይ ሞትን ሕየትን ርብርብ ይቕፅል ኣሎ።

ኣብ እዋን ኩናት ናይ ከባቢታት ምድፍፋእ ባህርያዊ ኮይኑ እዞም ወረርቲ ሓይልታት ንከተማ ሽረ ሓዊሱ ንግዜኡ ገለ ገለ ከባቢታት ዋላ እንተተቖፃፀሩ ኣብ መወዳእታ ዓወት ናይ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ብምርዳእ ዓቕሙ ዝፈቐደሉ ሕድሕድ ትግራዋይ ኩሉ ብፅንዓት ክምክት ይግባእ። ፀላእትና ናይ መወዳእታ ዓቕምና ተጠቒምና ብፅንዓት እንተዘይመኪትናዮም ነቲ ክሳብ ሕዚ እናፈፀምዎ ዝመፅኡ ግፍዕን በደልን ብዝለዓለ ብርክን ኣብ ታሪኽ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥን ብርሰት ኣብ ልዕሌና ከምዝፍፅሙ ብምግንዛብ ኩሉ ትግራዋይ ኩሉመዳያዊ ቃልሱ ከሕይል ማእኸላይ ኮማንድ ፃውዒቱ የቕርብ።

ክሳብ ሕዚ ፀላእትና ኣብ ዝረገፅዎምን ብመዳፍዕ ደብዳባት ኣብ ዘካይዱሎምን ከባቢታት ብርክት ዝበለ ንሞትን መቑሰልትን ተዳሪጉ ብኣማኢት ኣሽሓት እውን ካብ መረቤቱ ተመዛቢሉ ኣሎ። እቲ ካብ ጥይትን ሕማምን ከም ገለ ገይሩ ዝተረፈ ህዝቢ ትግራይ ካብ መረቤቱ እናመዛበሉ ብጥምየት ከርግፍዎ ኩሉ ዓይነት ጥፍኣት እናፈፀሙ እዮም።

ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና እናዝበፅሐ ዘሎ ኩለመዳያዊ በደልን ጥሕሰት ዓለምለኸ ሕግታትን ብዝግባእ ተረዲኡ ህፁፅ ፍታሕ ክህብን ግቡኡ ክዋፃእን ይግባእ። ስለዝኾነ ድማ ተፃብኦታት ብህፁፅ ጠጠው ክብሉን ሰብኣዊ ሓገዝ በዘይ ዓንቀፍቀፍ ናብ ትግራይ ንክኣቱን ማሕበረሰብ ዓለም ሓላፍነቱ ብህፁፅ ንክዋፃእ ማእኸላይ ኮማንድ ትግራይ ይፅውዕ።

ኣብ መወዳእታ ልፍንታውያን ወረርቲ ሓይልታት ህዝቢ ትግራይ መሊኦም ንምጥፋእ ዘሎን ዘየሎን ዓቕሞም ፀንፊፎም ብምጥቃም ዋላ’ኳ ይረባረቡ እንተሃለዉ ህዝቢ ትግራይ ህልውንኡ ንምርግጋፅ ኢሉ ቅኑዕ ዕላማ ሒዙ ብፅንዓት ፍትሓዊ ቓልሲ ዘካይድ ዘሎ ህዝቢ ስለዝኾነ ንኩሎም ብድሆታት መኪቱ ብዓወት መሰስ ከምዝብል ኣየጣራጥርን። ስለዝኾነ’ውን ኩሉ ትግራዋይ ኣብዛ ወሳኒት ናይ ግጥም ምዕራፍ ንዘይተርፍ ዓወት ብኹሉ ዓቕሙ ከቲቱ ታሪኻዊ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ማእኸላይ ኮማንድ ደጊሙ ይፅውዕ።

ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና!!
ትግራይ ትስዕር!!
07 ጥቅምቲ 5015ዓ.ም
መቐለ