INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ኣብ ትግራይ ሕዚ ኣብ ዘሎ ዕፅዋን ክባን ኮይንካ

- ዓበይቲ ፖለቲካዊ ዉሳነታት ብዝምልከት፡ ምስ ኣብ ዉሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዝርከቡ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ እምነት ዘለዎም ተጋሩ ልሂቃን ምኽክር እናካየድካ ምዉሳን ይከኣል ዶ?

- ኣብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርሲቲታት ዘለዉ ሙሁራት በቢሞያኦም ኣብ ትካላት መንግስቲ ብነፃነት ክሳተፉን ክሕግዙን ምግባር ይከኣል ዶ?

- ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ተጋሩ ዲያስፖራ በቢዘለውዉዎ ሃገር ብዝግባእ ብምዉዳብን ካብ መንግስቲ ትግራይ ኣፍልጦን ሓገዝን ብምሃብን፡ ብዝተዋደደ መልክዑ፡ ኣብ ልዕሊ ሕድሕድ ሃገር ዲፕሎማሲያዊ ፀቅጢ ምሕያል ይከኣል ዶ?

- ሰራዊት ትግራይ (TDF) ስሩዕ ወታደራዊ ደንቢ ክህልዎ ምግባር ይከኣል ዶ?

- ናይ ህዝቢና ዉሽጣዊ ፀጥታ ብምሕላው፡ ኣብ ዉሽጢ ትግራይ ስርቂ፣ ሃንግን ዓመፅን ምትራፍ ይከኣል ዶ?

- ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ እምነት ዘለዎም ሰባት በቢእዋኑ ናብ ሚድያታት ትግራይ ብምቅራብ፡ ንህዝብና ሓቀኛን ኣድላዪን ሓበሬታ ምሃብ ይከኣል ዶ? በቢእዋኑ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጪታት ሓበሬታታት እናኣከብካ ንህዝቢ ትግራይ ፅፁይ፣ ሓቀኛን ሙሉእን ሓበሬታ ምሃብ ይከኣል ዶ?

- መንግስቲ ትግራይ በቢእዋኑ ናብ ሚድያ ብምዉፃእ፡ ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ትግራይን ቅዋም መንግስቲ ትግራይን መብርሂ ምሃብ ይከኣል ዶ?

- ዝተሰርሐን ዝስራሕ ዘሎን ጅግንነት፡ ከሙኡ ዉን ግፍዒታት ብኣግባቡ ምስናድ ይከኣል ዶ?

- ኣብ ዉሽጢ ትግራይ ጥራይ ዝሰርሕ ናይ ስልኪ (ቴሌፎን) ግልጋሎት ምኽፋት ይከኣል ዶ? ናይ ኢንተርኔት ግልጋሎት ናብ መላእ ትግራይ ምብፃሕ ይከኣል ዶ? (ከምቲ ናይ ኤሌክትሪሲቲ ዝገበርናዮ)

- እዚ ካብ ዲያስፖራ ናብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ዘይሕጋዊን ዘይፍትሓዊን ሓዋላ (ዝዉዉር ገንዘብ) መልክዕ ክሕዝ ምግባር ይከኣል ዶ?

- ገለ ማይክሮ-ፋይናንሳትን ባንኪታትን ብዉሱን መልክዑ ናብ ስራሕ ክኣትዋ ምግባር ይከኣል ዶ?

- ፍትሓዊን ተበፃሓይን ናይ ዕዳጋ ስርዓት ክህሉ ምግባር ይከኣል ዶ?

- ኣብ ትግራይ ዘሎ ዘይተሓረሰ (ሕ(ዳ)ር) ሰፊሕ መሬት ብብርኪ መንግስቲ (ወይ ምስ ዓበይቲ ሰብ-ሃፍቲ ብምትሕብባር) ብመስኖ ብምልማዕ ሓደጋ ጥሜት ምቅናስ ይከኣል ዶ?

- ኣመጋግባና ብዝምልከት ንዘለናዮ እዋን ብዝምጥን መልክዑ፡ ኣብ ትግራይ ሓዱሽ ባህሊ (cultural revolution) ምትእትታው ይከኣል ዶ?

ሕዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት "ከበድቲ ፈተናታትን ዓበይቲ ዕድላትን" ዝሓዘ እዩ። ነቶም ፈተናታት እናመከትካ ነቶም ዕድላት ድማ እናጠቀምካ ብምኻድ መፃኢ ትግራይ ብሩህ ምግባር ይከኣል እዩ ዝብል ፅኑዕ እምነት ኣለኒ። ብኣጠቃላሊ ኣብ ትግራይ ገጢሙና ንዘሎ ፀገም፡ ንፍርቁ ብጊዜያዊነት ንፍርቁ ድማ ብዘላቅነት ምፍታሕ ይከኣል እዩ። ንፁር ፖለቲካዊ ቅዋም፣ ሓዱሽ ኣንፈትን ካብ ቀበሌ ጀሚሩ ክሳብ ቢሮታት ኣሳታፊ ዝኾነ ሓዱሽ መንግስታዊ መሓዉርን እንተሃልዩ፡ ኣብዝሓ ፀገማትና ምፍታሕ ይከኣል እዩ!! ናይእዘን ፀገማት 'መፍትሒ' ሕዚ ኣቀምጥ እንተይልኩምኒ ኩሉ ኣብዚ ዘይክዝርዝሮ ይኽእል እየ፡ በቢሞይኡ ናይዘለዉ ተጋሩ (ፖለቲካዊ እምነቶም ብዘየገድስ) ሙሉእ ዓቅምታት ኣተሓባቢርካ ግን ዘይፍታሕ ፀገም ከምዘይብልና ይኣምን። (ገገሊኡ ሓሳባት ካብ ጥቅሙ ጉድኣቱ ዝዓዘዘ እንተኾይኑ ድማ ምግዳፍ ከምዝከኣል ግልፂ እዩ።)

ህልቀትን መከራን ህዝብና ምእንቲ ክሓፅር፡ መራሕቲ መንግስቲ ትግራይ ናብ ሓቂን ናብ መሬትን ወሪዶም ንክሰርሑ፡ ካብ ህልኽን ትዕቢትን ወፂኦም ትሕት ኢሎም ህዝቢ ከድሕኑ ይምነ። ሙሉእ ቅንዕናን ልቦናን ክህቦም ይምነ። ኣርሒቅካን ኣስፊሕካን ምርኣይ ክህቦም ይምነ። ተዋዲዶም፣ ተናቢቦምን ተኸባቢሮምን ክሰርሑ ይምነ። ወታደራዊን ፖለቲካዊን መራሕትና ሕሉፍ ጅግንነትኩም ዘይከሓድ እዩ፡ ሕዚ ዘለናዮ መድረኽ ግን ሓዱሽን ቆራፅን ጀግንነትኩም ይሓትት እዩ። (ሓዉሲ ፀሎትን ልመናን ዶ ኣምሲለያ? :-) )

ሰናይ ቅንያት ንትግራይን ኣብ መላእ ዓለም ንዘለና ተጋሩን!