INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ዕሾኽን ውሻልን

ዕሾኽ ይወግእ! ትኻስ የባርር። የበራብር። ውሻል ይድግፍ፣ ካብ ጸድፊ የናግፍ። ምስ መንግስትን ትካላቱን ዘሎ ዝምድና ብኽልቲኦም ዝግለፅ ይኸውን።

ጥዑይ ርክብ መንግስትን ዜጋን እንታይ ይመስል? ንሕና ኸ ኸምተጋሩ ምስ መንግስትን መሓቡሩን ዘለና ርክብን ኣጠማምታን ከመይ ንርድኦ? ንመንግስቲ፣ ሰትን ጉዝጓዝን እንተኾይንካሉ "ኣሳፊሕኻ ሓርንኸለይ" ዳርጋ ማለት እያ። ትርኣስን ማእስን እንተኾይንካሉ፣ "ኣራጢጥካ ሕመቐለይ" ዳርጋ ማለት እያ። ጥዑይ እንስሳ (ዳርጋ ኹሉ) ኣሎ። ጥዑይ ህዝቢ ኣሎ። ጥዑይ ሰብ ኣሎ። እዙይ default ማለት ኣብኡ ዘሎ መበገሲ ሓቂ እዩ። ጥዑይ መንግስቲ፣ ጥዑይ ትካል፣ ጥዑይ ውድብ ዝበሃል ግን የለን። ናይዚኦም ጥዕና ውህብ (default) ኣይኮነን። ገቲርካን ገሪሕኻን ብስራሕ ዝርከብ እዩ።

ሕዚ ከም ተጋሩ ምስ መንግስትና፣ ትካላትናን መራሕትናን ኽልተ ዓይነት ዝምድና ክህልወና እዩ። ናይ ዕሾኽን ውሻልን ዝምድና! ውሻል ኮይና ክንድግፎም ኢና፣ ዕሾኽ ኮይና ክንወግኦም ኢና። ለባም ኣመራርሓ ዝበሃል ባዕሉ ንባዕሉ ዝቐትል እዩ። ካልኦት ክሳብ ዝቐትልዎ ጽቡቕ ኣለኹ እናበለ ዝጽበን ዝሓምቕን ውድብ/ ኣመራርሓ ሞቱን ቀብሩን ዝጽበ እዩ።። ባዕልኻ ንባዕልኻ ምቕታል ማለት፡ ሕማቕን ድሑርን ባህሊ ምርጋፍ፣ ስራሕን ሰራሕን ኣሰራርሓን ምውሳብ፣ ውጺኢት ዘየምጽእ ወይ ድማ ዝጎድእ ፖሊሲ ብምዕቡልን ዘመናውን ምትካእ ማለት እዩ። ንስንፈትን ጉሕለትን ከም ሓማም ጋንግሪን ምውሳድን ብዘይንሕሲያ ምሒውካ ምድርባይን ማለት እዩ። ኣብዚ ተግባር ዕኒኒይ ዝብል መሓቡርን ሰብን ምግላፍ፣ ማለት እዩ።

ምዕቡል ሓሳብን ሜላን ከ ካበይ የመጽእ? ካብ ኩሉ፣ ካብ ባዕልኻ፣ ካብ ሓፋሽ፣ ካብ ኣብ ታሕተዋይ ብርኪ ዘሎ ኣባልካ፣ ካብ ፈታዊ፣ ካብ ካሊእ ውድብ፣ ካብ ጓና፣ ካብ ጸላኢ፣ ዋላ ካብ ሸይጣን! ይመጽእ። ካብ ድላዩ ይምጻእ፣ ተቐቢልካ፣ ኣዋህሊልካን፣ ኣዋሕሊልካን ንናብራ ህዝቢ ኣብዚ መሓይሽ መዓላ ምውዓል ማለት እዩ። ደማሚርካ፣ በታ ወርቂ ሚዛን (golden mean) እንብላ “እንታይ ፈጸግ - ንኽንደይ?”፣ the greater good for the greater number ብዝብል ሒሳብ ዝስፈር እዩ።

ኣየኻ ናይና ምባል ክፋእ ኣይምሃለዎን። ግን ናይና ዝኸውን ናይና ስራሕ ጥራሕ፣ ጊዜን ሃፍትን ብዝቁጥብ መገዲ፣ ፍርያት ብዘብዝሕ ኣገባብ ምስ ዝሰርሕ እዩ። ናይና እትገብሮ ውዕሉኡ ጥራሕ እያ። ናይ ታሪኽ ቆርበትን ቁርባንን ክሳብ ሎሚ ኣምጺአናና ኣለዋ፣ ንድሕሪ ሎሚ እውን ክንመሃረለን ኢና። ንሰን ጥራሕ ሒዝና ናብ ጽባሕ ምስእንጥምት ግን ውድቀት ኣብ ኢድና እያ።

ሕመቕናን ድኽመትናን ተበሊፁን መዝሚዙን ከምዘይንትስእ ገይሩ ዚያዳ ከሕምቐናን ከድክመናን ዝሰርሕ ዘይህርስ ተጻራሪ ሓይሊ ኣሎ። ብዕኒይኒይ ስርሑ ዘይሰርሕ ሓላፍን ኣመራርሓን ብነፍሲ ወከፍ እታ ዕኒይኒይ፣ ብዋጋ ህዝብን ዓድን ኣብ ዕዳጋ ቤላ ሮባ ሰጢሑ ምስ ጸላኢ ይዋገ ከምዘሎ ክፈልጥ ኣለዎ። እዚ ምዃኑ ምስ እንፈልጥ፣ ንሕናኸ ንምንታይ ነናሕሰየሉ? ብዛዕባ ናይ ትማሊ ስርሑን ታሪኹን ምስ ዝጸባጸቦ ይጸባጸብ። ንሎሚ ግን ካብ መገዲና ዘወር ይበል።

ሎሚ ኣብ መገድና ጠጠው ዝብል፣ ንጽባሕና ዝሕንሽሽ ኣመራርሓን ሓላፍን ክንዕገስ የብልናን። ክሳብ ሓላፊኡ፣ መራሒኡ፣ ወይ ውድቡ ዘልዕሎ እውን ብትዕግስቲ ኣይንጽበን። ከም ንጡፋት ዜጋታትን ተገደስትን ኣንጻር ሕመቕን ምምሓዳራዊ ድሕረትን ረመጽ ክንከውን ኣለና።

መንግስቲ ናብ ምዕቡል ባህሊ ዝድይብ ህዝቢ ምስ ዝድግፎ ጥራሕ ዘይኮነ ብኣውርኡ ዕረፍቲ ምስ ዝኸልኦ'ውን እዩ።

ዕሾኽን ውሻልን!