INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ብደህንነት ኢትዮጵያ ዝተቐንፀሉ ኣባላት ሃገራዊ ደህንነት ኤርትራ

(ካብ ፈለጥቲ ውሽጢ ጉጅለ ብልፅግና ብመረዳእታ ተደጊፉ ዝተረኸበ ሓበሬታ፤ ካብ ትማሊ ዝቐፀለ)

ኣባላት ሃገራዊ ደህንነት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኣዲስ ኣበባን ብብርኪ ሃገርን ብዝዘርጉሑዎ መሓውራት ስለያን ቅንፀላን፣ መስርሕ ኢኮኖሚን ፀሊም ዕዳጋን ኣቢሎም፤ ንሰበስልጣናት ብልፅግና ተሓባበርትን ተረባሕትን ብምግባር፤ ኣብ ኩሉ መሓውራት እዙ ስርዓት ኢዶም ከእትዉን ክቆፃፀሩን ኣኽኢሉዎም እዩ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ብዝርዝር ከም ዝተሓበረ፤ ካብ ኢኮኖሚያውን ወተሃደራውን ምጉሕጓሕ ኣትሒዙ ምስ ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ተኣሳሲሩ፤ ኣብ ሞንጎ እዞም ገበነኛታት ኵናት ጉጅለ ኣብይን ጉጅለ ኢሳያስን ነቓዓት ተራእዩ ኣሎ፡፡

ይኹን ድኣ እምበር፤ ብፍላይ ኣብ ሃገራዊ ፀጥታን ደህንነትን ከምኡ እውን ኣዘዝቲ ምክልኻል ሃገርን፤ ቁልፊ ቁልፊ ቦታ ንዘለዉ ሰበስልጣናት ብልፅግና ብጥቕምን ኣንፃር ተጋሩ ብዘለዎም ቅዋምን ዝሓቖፈ ኣካይዳ፣ ኣሰራርሓን ኣፈፃፅማን ዘርጊሖም ብምፅንሖም፤ ኣብ ውሽጢ መንግስታት ፌደራልን ክልላትን ብልፅግና ዝእዝዙዎም ዘዋፍሩዎም መሳርሒኦም ዝኾኑ ጉጅለታት ኣስፊሖም ኣጣይሾም እዮም፡፡

ብዙ ኣካይዳ እዙይ ድማ፤ ንልዕሊ 18 ኣዋርሕ ማእኸል ጠመተኦምን ወፍሮምን ዝነበረ፤ ኣንፃር እቱ ኣብ ልዕሊ ትግራይ የካይዱዎ ንዘለዉ ኵናት ምፅናት ዘርኢ፤ ብኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ ክድግፉ ይኽእሉ እዮም ንዝበሉዎም፤ ሰብሃፍቲ፣ ሰብሙያን ዓቕሚ ዘለዎምን ተጋሩ፤ ኣብ መሓውራት ፀጥታን ደህንነትን ሓይሊ ምክልኻል ሃገርን ንዝነበሩ ተጋሩ፤ ካብ ዝተፋላለየ ሙያ ጡረታ ወፂኦም ኣብ ዕድመ ጡረታ ንዝርከቡ ተጋደልትን ስቪል ሰራሕተኛታት ነበርን ተጋሩ፤ ኣብ ምእሳር ምጥፋእ ምቕታል፤ ኣሲርካ ገንዘቦምን ሃፍቶምን ኣብ ምዝራፍ ዝተዋፈረ ሓይሊ እዩ፡፡

ንተጋሩ ሰብ ሃፍትን ሰብ ሙያን ንባዕሎም ወይ ንደቆም ወይ ንብዓልቲ ቤቶም ብምእሳር፤ ኣብ ልዕሊ ቀዋሚን ተንቀሳቓስን ንብረት ተጋሩ ይደራደሩ፤ ብፅዕንቶ እውን ብመሓውራት መንግስቲ ብልፅግና «ውልና ማስረጃ»ን «መሬት ኣስተዳደር»ን ተሓባባርነት ኣቢሎም፤ ስም ብዓል ዋና ብምዝዋር ሕጋዊ ንብረት ኤርትራውያን ገይሮምዎ እዮም፡፡ ብኸም'ዙይ እውን ብርክት ዝበሉ ማሽነሪታት፣ ከበድቲ ተሽከርከርቲ፣ ገዛውትን ኣፓርታማታትን፣ ኣናእሽተይ ፋብሪካታት፣ ወዘተ… ካብ ተጋሩ “ዝተዓደገ” ኣምሲሎም መንጢሎም እዮም፡፡ ወርቅታትን ጥረ ገንዘብን እውን ገፊፎም እዮም፡፡

ካብ መዳጎኒ ካምፕታትን ቤት ማእሰርትታትን ንተጋሩ እሱራት ብምውሳድ ወይ ብምጭዋይ ኣብ ምቕንፃል፤ ኣብ ውሽጢ እቱ ቤት ማእሰርትታት ኣብ ልዕሊ ተጋሩ እሱራት ከቢድ ምርመራ ብምክያድን ብዝተፋላለየ ስልቲ ኣብ ምቕታል፤ ኣብ ዝተፋላለየ ከባብታት ዝተፋላለየ ስልቲ ተጠቒሞም ብስውር ንተጋሩ ኣብ ምቕታል ዝተዋፈሩ እዮም ነይሮም፡፡

ካብ'ቶም ብዙሓት ቦታታት፤ ብፍላይ ኣብ ጅግጅጋ፣ ኣርባምንጭ፣ ኣዋሽ ኣርባ፣ ሚዛን ቴፒ፣ ወዘተ ኣብ ዘለዉ መዳጎኒታት፤ ንተጋሩ ኣባላት ምክልኻል ሃገር፣ ፌደራል ፖሊስን ፀጥታን ደህንነትን ኣብ ምድጓን ምምርማር ምቕታል ምጥፋእ ብዕቱብ እናተዋስኡ ፀኒሖም እዮም፡፡ ምስ ኣባላት ደህንነት ኢትዮጵያ ኮይኖም፤ ኣብ'ዘን መዳጎኒታት ዝፈፀሙዎ ግፍዕን ቅንፀላን፣ ዝቐተሉሉ ቦታን ግዘን፣ ዘካየዱዎ ዓይነት ምርመራን ንቕድሚት በሰብ መረዳእታን ብሰነድን ዝቐርብ እዩ፡፡

ብፍላይ ሰራዊት ትግራይ ደሴ ምስሓለፈ ኣትሒዙ፤ ኣብ ኣርባምንጭ መዳጎኒ ቦምባ ክፍንጀር ክሳብ ምግባር ልዕሊ ሰማንያ ኣባላት ምክልኻል ሃገር ተወለድቲ ትግራይ ዝተጨፍጨፉሉ፤ ከምኡ እውን ኣብ ኩለን መዳጎኒታት ውፅኢቶም ኣብ ነዊሕ ግዘ ዝርአ ኣብ መተንፈሲ ኣካላት ፀገም ብምፍጣር፤ ኮሮና መሲሎም ዝቐትሉ ኬሚካላት ብምትእትታው ዝተዋፈሩ ኣባላት ደህንነት ኤርትራ ምስ ተሓባበርቶም ደህንነት ኢትዮጵያ እዮም፡፡ ኮሮና እናተብሃለ እውን ኣብ ዝተፋላለዩ መዳጎኒታትን ቤት ማእሰርትታትን ምትንፋስ እናኣበዮም ብዙሓት ተጋሩ እሱራት ተቐቲሎም እዮም፡፡

ንዙይ ዝመስል ዘስካሕክሕ ምፅናት ዘርኢ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ይፍፅሙ ካብ ዝነበሩ ኣባላት ቅንፀላ ሃገራዊ ደህንነት ኤርትራ ውሽጢ እዮም፤ ብቶም ምስኦም ዝተሓባበሩን ሓቢሮም ገበን ኵናት ይፍፅሙ ብዝነበሩን ኣባላት ደህንነት ኢትዮጵያ ተቐንፂሎም ዘለዉ፡፡ እዞም ሰለስተ ደቂኣንስትዮ ዝርከብኦም 11 ኣባላት ሃገራዊ ደህንነት ኤርትራ፤ ኣብ ውሽጢ ኣዲስ ኣበባን ሓደ ድማ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወፃእን ከም ዝተቐንፀሉ እዩ፤ እዞም ፈለጥቲ ውሽጢ ኣረጋጊፆም፡፡ ስም ዝርዝሮም ድማ፤

1. እስጢፋኖስ ዓንዶም
2. ፊልሞን ጴጥሮስ
3. ሚለን ባራኺ
4. ሪሻን ኣብርሃለ
5. ዊንታ ተስፋኣለም
6. ኢብራሂም ዓወተ /ኩኩ/
7. ሳኒ ኣሕመድ
8. ሃለዋት ኣፈወርቂ
9. ስምኦን ወዲ ባህታ
10. ሓሚድ ክፍለ /ወዲ ቆቆር/
11. ዳንኤል ገብረሚካኤል /ወዲ ሓመድ/

እዚኦም፤ ኣብ ሃገራዊ ደህንነት ኤርትራ ኣባላት ክፍሊ ቅንፀላ ኮይኖም፤ ብኮ/ል ወዲ ኪዳኑ እናተመርሑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ማእኸሎም ገይሮም ብብርኪ ሃገረ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተዘርግሐ ናይ ስለያን ቅንፀላን ገበናት ዝፍፅሙ እዮም ነይሮም፡፡

ንዙ ኹሉ ገበናት ኣብ ልዕሊ ተጋሩ እንትፍፅሙ፤ ናይ ፀጥታን ደህንነትን፣ ምምሕድዳራዊ ኮነ ኢኮኖሚያዊ መሓውራት ኢትዮጵያ ብቕሉዕ ይጥቀሙ ነይሮም፡፡ ኣብ ልዕሊ እዙ መንግስታዊ መሓውራት ድማ፤ ተወሳኺ ሕቡእ ዝኾነን ብባዕሎም ብብርኪ ሃገር ዝዘርጉሑዎን ናይ ስለያን ቅንፀላን መሓውራቶም ይጥቀሙ ነይሮም፡፡

ኣብ ከይዲ እዙ ወራር ምፅናት ዘርኢ ተጋሩ፤ ምስዞም መሓውራት ሃገራዊ ደህንነት ኤርትራ ብኣውርኡ ቀጥታውን ማዕልታውን ርክብ ዝነበሮም ላዕለዎት ኣመራርሓ ፀጥታን ደህንነት ኢትዮጵያ፤ ም/ኮምሽነር ምክልኻል ገበን ፖሊስ ፌደራል መላኩ ፈንታ፣ ምክትል ሓላፊ መምሪያ ደህንነት ውሽጢ ዓዲ እንግዳው ኣበባውን ክፍለ እስመለኣለምን እዮም፡፡ እንግዳው ኣበባው ቅድም ክብል ሓላፊ ፀጥታ ክልል ኣምሓራ ዝነበረ እዩ፡፡

መላኩ ፈንታ ዝመርሖ መሓውር ምስዞም ደህንነት ኤርትራ ኮይኑ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ውሽጢ እዛ ሃገርን ኣብ ዝተፈፀሙ ምዕፋንን ምጥፋእን ተጋሩ እናነጠፈ ዝፀንሐ እዩ:: ክፍለ እስመለኣለም ዝመርሖ ናይ ደህንነት መሓውር ድማ ምስዞም ደህንነት ኤርትራ ብሓባር ናይ ተጋሩ ሰብሃፍትን ሰብሙያን ሃፍትን ንብረትን፣ ንግድን ሓዳርን ብቐረባ ዘፅንዕን እናተኸታተለ ስነልቦናውን ኣካላውን ፅዕንቶ እናፈጠረ እናፅነተ ዝፀንሐ እዩ::

እዞም ተቐንፂሎም ዘለዉ ኤርትራውያን ምስ እኒ መላኩ ፈንታ፣ እንግዳው ኣበባውን ክፍለ እስመለኣለምን ብሓባር ኮይኖም፤ ኣብ ቃሊቲን ታጠቅን ኣብ ዝርከቡ እሱራት ተጋሩ ተነጊሩ ዘይውዳእ ምርመራ ክትትል ዝተፋለለየ ሸርሕታትን ግፍዕን ፈፂሞም እዮም፡፡ ወዲ ነጮ ቅድሚ ምስውኡ ቅድም ኢሉ ኣብ ዝነበራ ማዕልትታት፤ እዞም ኤርትራውያን ቀንፀልትን እኒ እንግዳው ኣበባውን በተኸታታሊ ኣብ'ቱ ቤት ማእሰርቲ ተራእዮም እዮም፡፡

ቀተልትን ኣቀታትላን እዞም 11 ኣባላት ሃገራዊ ደህንነት ኤርትራ ኣመልኪቶም እዞም ፈለጥቲ ውሽጢ ወሲኾም ከምዝሓበሩዎ፤

ኣቀታትላ እዞም ሰባት ምስቱ ሐዚ ኣብ ሞንጎ ጉጅለ ኣብይን ጉጅለ ኢሳያስን ተፈጢሩ ዘሎ ነቓዕ ዝተተሓዘ ይመስል፤ ግን ድማ ብመን እዙ መቕተልቲ ተፈፂሙ ዝብል ክርአ እንተሎ፤ ካልእ ውሽጣዊ ጉዳይ ከምዘሎ የመላኽት ይብሉ፡፡ እዙይ እውን እቶም ንልዕሊ 18 ኣዋርሕ ሓቢሮምዎም ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ተጋሩ ክንደይ ገበን ኵናት ዝፍፅሙ ዝነበሩ መላኩ ፈንታ እንግዳው ኣበባውን ክፍለ እስምለኣለምን፤ ብመሪሕነት ተመስገን ጥሩነህ ዘዋፈሩዎም ሓይልታት እዙ ቅንፀላ ምፍፃሞም፤ «ከመይ? ንምንታይ? እንታይ ገበን ንምሕባእ?» ኢሎም ንክሓቱ ከምዝተገደዱ እዮም እዞም ፈለጥቲ ውሽጢ ገሊፆም፡፡

ንዙ ሕቶታት ክልእሉ ዝገብሮም ዘሎ እንትሕብሩ ድማ፤ እዞም ሓይልታት ሓቢሮም ገበን ምፅናት ዘርኢ ይፍፅሙ ብምንባሮም ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ሓይልታት ብልፅግና ኣምሓራ ኣብ ዝተፋላለለይ ጉጅለ ምስ ምምቕቓሎም፤ እዞም ንደህንነት ኤርትራ ኣብ ምቕንፃል ዝመርሑ ጉጅለ ኣምሓሩ ምስ ኣብይ ዝተሰለፉ ቀንዲ ኣባላት ጉጅለ ኣብይ ምዃኖም የስምሩሉ:: እቶም ካልኦት ኣንፃር ጉጅለ ኣብይ ዝዋስኡ ዘለዉ ጉጅለታት ኣምሓሩ ድማ ብዘይኣፍልጦ ኣብይ ምስ ጉጅለ ኢሳያስ ሕቡእን ቅሉዕን ርክብ ከምዘለዎም ይሕብሩ::

መላኩ ፈንታ እንግዳው ኣበባውን ክፍለ እስምለኣለምን ብመሪሕነት ተመስገን ጥሩነህ ዘዋፈሩዎም ቀንፀልቲ ኣባላት ደህንነት ኢትዮጵያ፤ ብዘይካ ሳኒ ኣሕመድ፤ ንዓሰርቲኦም “ሃያ ሜትር” ኢንፊኒት እንዳመስተ፣ ሰሚት ጊዮርጊስን ፍየል ቤትን ኣብ ዝተብሃሉ ከባቢ ሳሚት ዝቐንፀሉዎም እንትኾን፤ ንሳኒ ኣሕመድ ድማ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወፃኢ ኣብ መተሃራ ከምዝቐንፀሉዎ እዩ እዞም ፈለጥቲ ውሽጢ ሓቢሮም፡፡

ኣብ መተሃራ ገነት ሆቴለ ኣብ ዝሓዞ ኣራት ዝተቐንፀለ ሳኒ ኣሕመድ፤ ብጥይት ዝተፈፀመ እንትኾን፤ እቶም ኣብ ውሽጢ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ሳሚት ዝተቐንፀሉ ዓሰርቲኦም ብሙሉኦም ብተመሳሳሊ መንገዲ፤ ኣብ ክሳዶም ጉድኣት ብምብፃሕ ኣካል መተንፈሲኦም ብምዕፋን ከም ዝተቐንፀሉ እዮም ሓቢሮም፡፡ ብተወሳኺ እውን፤ ኩሎም ዝተቐንፀሉሉ ሰዓት ገሊኦም ካብ ድራር ገሊኦም ካብ እንዳ ሺሻ እንትምለሱ ምሸት ምንባሩ እዩ እዞም ፈለጥቲ ውሽጢ ሓቢሮም፡፡

እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተቐንፀሉ ሬሳታቶም ከባቢ ዮሃንስ ናብ ዘሎ ሆስፒታል ኣቤት ከም ዝተወሰደ፤ ኣብ መተሓራ ዝተቐተለ ሬሳ ሳኒ ኣሕመድ ናብ ኣዳማ ሪፈራል ሆስፒታል ከም ዝኣተወ፤ ካብ ፍልፍላት ሆስፒታል ኣቤት ብዝረኸቡዎ ሓበሬታ ድማ፤ ኣብ ክሳውዶም ካብ ዝበፅሐ ከቢድ መጉዳእቲ ብተወሳኺ ኣብ ደሞም ዓቐኑን ዓይነቱን ዝተፋላለየ ሓሺሽ ከምዝተረኸበ እዩ፤ እዞም ፈለጥቲ ውሽጢ ጉጅለ ብልፅግና ወሲኾም ሓቢሮም፡፡