INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ጎንደር ዝተዘዋወሩ ስደተኛታት ኤርትራ ሰላማዊ ሰልፊ ድምፅም ኣስሚዖም

ብሰንኪ ፋሽሽታዉያን ኣብዪ ኣሕመድን ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ፡ ንመፈፀሚ ፖለቲካዊ ዕላማ ካብ ትግራይ ናብ መሬት ኣምሓራ ከባቢ ጎንደር ዝተዘዋወሩ ስደተኛታት ኤርትራ፡ ብዕኡቛት ፋኖ ይቕተሉን ይቕጥቀጡን ከም ዘለዉ ኣብ ዘሳለጥዎ ሰላማዊ ሰልፊ ድምፅም ኣስሚዖም።

እቲ ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ዝዓለመ ወፍሪ ክልቲኦም ፋሽሽታውያን፡ ንስርዓት ኢሳያስ ተቓዊሞም ናብ ትግራይ ዝኣተዉ ሓዊሱ ንኹሎም ስደተኛታት ግዳይ ዝገበረ ኮይኑ፡ ግዳይ ኣብዪ ኣሕመድ ዝኣወጆ ዕፅዋ ሓዊሱ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝፈፀሞ መጭወይትን ቅንፀላን ምዃኖም ዝፍለጥ እዩ።

ዋሺንግተን ዲሲ:27 መጋቢት 2014 ዓ/ም (TMH)

እዚ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኤርትራ ዝፍፅምዎ ዝነበሩ ግፍዕታት ናብ ሰራዊት ትግራይ ብምጥባቕ፡ ህወሓት ብዓለም ለኻዊ ትካላት ክሕተትን ኣሸባሪ ተባሂሉ ክኹነንን ዝሰርሕዎ ሽርሕታት ኮይኑ፣ ህዝቢ ትግራይ ንስደተኛታት ኤርትራ ዝገብሮ ዝነበረ ሓልዮትን ሕውነታዊ ፍቕርን፡ ዝኸሓዱ ኤርትራውያን፡ እቶም ስደተኛታት ካብ ትግራይ ንኽወጹ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ጎስጓሳት ከካይዱ ምፅንሖም ዝዝከር እዩ።

ኮይኑ ግና ኣብ ትግራይ ከም ድሌቶም ምስቲ ህዝቢ ተሓዋዊሶም ዝነብርዎ ዝነበረ ነፃነትስ ተሪፉ፡ ኣብቲ መፀገኒ ፍቕሪ ኣስመራን ጎንደርን ክኸውን ተሓሲቡ ዝተሰርሐ መዕቆቢ ስደተኛታት ዳባት፡ ይቕተሉን ይቕጥቀጡን ከም ዘለዉ ኣብ ዘሳለጥዎ ሰልፊ ተቓውሞ ገሊፆም።

እቶም ብመንግስቲ ትግራይ ‘’ትግራይ ዓድኹም እዩ’’ ተባሂሎም ኣብ ዝተፈላለያ መዓስራት ውልቃዊ ስራሕቲ ንግዲ ወኒኖም ሰብ ሃፍቲ ክሻብ ምዃን ዝበቕዑ ስደተኛታት፡ ኣብቶም ሰብርስቲ ቀይሕ ባሕሪ ኢና ዝብሉ ተስፋሕፋሕትን ብሓዱሽ ፍቕሪ ኣዲስ-ማራ ዝሸሎቑን ኣሃዳውያን ኣትዮም ግና፡ ኣሽምባን ሰሪሖም ገንዘብ ዝረኽቡሉ ዕድል፣ ኣብቲ ዝተሰርሐሎም መዓስከር እውን ብሰላም ክነብሩ ከምዘይከኣሉ እቶም ግዳያት ይዛረቡ።

ኣብዪ ኣሕመድ ነቲ ዝተጀመረ ፍቕሪ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ንምጥንኻርን፡ ስደተኛታት ተቐቢሉ ብምሕብሓብ ንዝፍለጥን ህዝቢ ትግራይ ዘይታሪኹን ዘይሽሙን ንምሃብን ኣብዚ ሰሙን ፕሮፖጋንዳ ሓሶት ክነዝሕ ዝተሰምዐ እንተኾነኳ፡ እቲ ሓቂ ግና፡ ንስደተኛታት ኤርትራ ፈልዩ ዘኽብር ፋኖ ይኹን ኣምሓራ ዘይምህላዉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ ስርቅን ዓመፅን ዝመለለይኡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቶም ከባቢታት እውን ብዝነበሮ ኣመል ብስርቅን ቐንጠብጠብን ጎንፅታት ዝለዓል ዝነበረ ኮይኑ፡ ሀዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኤርትራ ቶኽሲ ምኽፋቶም ስዒቡ ሓቃዊ መንነት እቶም ተስፋሕፋሕቲ ብተግባር ተረጋጊፁ ኣሎ።

ኣብቲ ዝተወለዐ ቶኽሲ 8 ሰባት ምቑሳሎምን ናብ ሆስፒታል ጎንደር ምውሳዶምን ዝተሓበረ ኮይኑ፡ ዝሞቱ ብዛዕባ ምህላዎም ዝተሓበረ ነገር የለን።