INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

እኽሊ ለማኒ!

1) ኩሉ ትኹረት ትግራዋይ፣ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ሰሪዑ ዝቃለሰሉ ናይ ሓፂር ጊዜ ዛዕባ፣
ፓለቲካና ይዓሪ፣
ዝተወረረ መሬትና ይመለስ፣
ብትግራውነቶም ዝተኣሰሩ ይፍትሑ፣
ዝተመዛበሉ ወገናትና ናብ መረቦትም ይመለሱ።
እዚ እቲ ዘይፎቶናዮ ናይ ፕሪቶሪያ ውዕሊ እውን ብግልፂ ዝሓንፀፆ፣ እቲ ዝተሓተ ናይ ትግራይ መሰልን ጠለብን እዩ።

2) ሓይልታት ወረርቲ "ይወፁ ኣለው" ኣይበሃልን። ኣጋውሎም እናረእርኻ "ይኣትው ኣለው፣ ክኣትውና ወይ ክወሩና ይቀራረቡ ኣለው" ይበሃል ይኸውን። ይወፁ ኣለው ግን ኣይበሃልን። ክሳብ እቲ ናይ መወዳእታ ወታደር ፀላኢ፣ ካብታ ናይ መወዳእታ ስድሪ መሬት ለቒቑ ዝወጽእ፣ ኣብ ዘይቦትኡ እዩ ዘሎ፤ ብስሩ ኣይወፀን። ብኣንፃር ሕጋውን ሉኣላውን መሰል ግዝኣተ መሬት ትግራይ እንትረአ፣ ባድመ ይኹን፣ ባዕኼር፣ ዛላንበሳ ይኹን ሃገረሰላም ማዕረ እዮም።

3) ኣነ፣ ኣብዚ ሰዓት'ዚ፣ ናብ ኣቢይ እናደወለ "ክቕፅል ዶ፣ ኽቑፀ ዶ?" ዝብል ኣባል ኣመራርሓ መንግስቲ ትግራይ ክህልወና እዩ ኢለ ኣይግምትን። ንብልሓትን ታክቲካዊ በለፅን ተሓሲቦም ዝበሃሉ ነገራት እንተሊኦም ይርደአኒ እዩ። ንትግራይ ክትመሓድር ምእንታን፣ ቡራኼ ስልጣን ካብ ኣቢይ ግን፣ ተምላስ እዩ! እንተደኣ ("እንተደኣ" እዩ) ከምዚ ዝገብር ሰብ ሃልዩ፣ ዋላ ትግርኛ ይዛረብ ስሙ "ኣለሙ ስሜ" እዩ።

4) ሓደ ሰብ ደዊሉ፣ ብዛዕባ ኣብ 5ኪሎ ዝሕንበብ ዘሎ ፖለቲካ (ብርግፅ'ውን ፖለቲካ እዩ): ህራስ ስኢኑ ደዊሉለይ። ድሕሪ ነዊሕ ምልልስ ሓንቲ ወግዒ ዘኪረ። ኣብ ሓደ ንእሽተይ ከተማ ሓደ ዓይነስውር ተኣሲሩ ናብ ፓሊስ ጣብያ ይመፅእ። እትው ምስበለ እቶም ኣብኡ ዝፀንሑ እሱራት "ናይ ሽምዓ ኽፈል" ኢሎም የፃድፍዎ። ደሚምዎ፣ ግን ግቡእ መልሲ ሂብዎም፣ "ካባይ ናሽምዓ ደሊኹም?! ብፀሓያማ ህልም ኣይትብሊ!"
*Mixed bag ንምባል