INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ድሮንን ኣውሮፕላንን ኣብ ወጀራት ትግራይ

~ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ኣቢሉ ነፋሪት ሰሪሑ ዕውት በረራ ዘካየደ መንእሰይ ኣብ ሚድያታት ኢትዮጵያ ጥራሕ እንተይኮነስ ሚድያታት ዓለም እውን እትቀባበልኦ ንዝክር ኢና።

~እዚ ትጉህይ ጥበበይናይ መንእሰይ ኣስመላሽ ዘፈሩ ዝበሃል ኮይኑ ካብ ማሕፀን ወጀራት ልተገነየ ጥበበኛ ትግራዋይ እዩ።

~ሎሚ ድማ ካብታ ጅግንነትን ጥበብን ዘይነፅፈላ ወጀራት ትግራይ ዝተገነየ መሃዛይ ድሮን ከላልየኩም።

~እዛ አብ ምስሊ ትርእዋ ዘለኹም ፍርያት ብመንእሰይ ንጉስ ፍፁም ዝተምሃዘት ፈላመይቲ አፍርካዊት ሰብ አልባ ድሮን እያ።

~መንእሰይ ንጉስ ፍፁም ወጀራት ዕስራ ዓዲ ጣብያ ሰበበራ ተወልዱ ዝዓበየ እንትኸዉን ገና አብ ኻልአይ ብርኪ ቤት ት/ቲ ዕስራ ዓዲ ወጀራት እናተምሃረ እናሃለወ ""ብሶላር "" እትሰርሕ ንኡሽተይ መኪና "ንመቐለ ዩኒቨርሲቲ" ብ2007 ዓ/ም ሰርሑ አረክቡ እዩ ።

~እዚ ጥራሕ አይኮነን መንእሰይ"" ንጉስ ፍፁም"" ኩሉ ዓይነት ምህዞን ፈጠራን ዝከአሎ" ብፈጣሪ ዝተዓደለ ጥበበኛ"ሰብ እዩ ። ንአብነት""ብቕርፃ ቕርፂን፣ ብስእሊን"ብ2010 ዓ/ም ንግዲ ባንኪ ኢ/ያ ብሃገር ደረጃ "መበሊ75 ዓመት መስረታ ""በዓል ምኽንያት ብምግባር አብ ዘኽበረሉ ንጉስ ፍፁም ኻሕሳይ ቀዳመይ ጀረጃ ብምሓዝ ተዓዋቲ ወርቂ ሚዳልያ ኾይኑ ተሓሩ እዩ ።

~ይኹን ድአምበር በዞም ዝጠቐስናዮም ምህዞን ፈጠራታትን ክዓግብ አይከአለን ።በተለይ አብ 2013 ዓ/ም አብ ትግራይ ብዝተኸፈተ ጦርነት ህዝብና ብነፈርቲን ፣ብመዳፍዕን ፣ብሰብ አልባ ድሮናትን፣ክጭፍጨፍ ምስ ረአየ ሓንቲ ድሮን ተትህልወናኮ ትግራይና ከምዚ ዓይነት ጨፍጫፍን መከራን አይበፅሐናን ነይሩ ብምባል ብሕራነ አብ ማእኸል ፀለእቲ ኾይኑ ገዛ ዓፅዩ ""ሰብ አልባ ድሮን ""ክምህዝ ተገድዱ እዩ ።

~መንእሰይ ንጉስ ፉፁም ደኹምኒ፣ ሰልችዉኒ ከይበለ እናደኸመ ፣እናፀምአ፣ እናጠመየ ፣ንብረት ወለዱን ናይ ዉልቀኡን፣ እናሸጠ ነዛ ብሕራነ ዝጀመራ ምህዞ ፅንዓትን፣ ሓቦን፣ ንሕን ሰንቑ እዛ አብ ምስሊ ትርኢዋ ዘለኹም "ሰብ አልባ ድሮን" ብምሃዝ ንፈለማ እዋን ብተወላዲ ትግራይ ዝኾነ መንእሰይ ተማህዛ አብ ሰማይ ከተማ መቐለ ክትሕበብ ክእላ እያ ።

~ድኻምን ልፍዓትን መንእሰይ ንጉስ ፍፁም ኮንቱ አይተረፈን። ንምእማኑ ብዘፀግም መልክዕ ዕዉት ናይ በረራ ስራሑ አሳኽዑ እዩ ።ደግምና እንኳዕ ደስስስስስስ በለካ ሕልምኻ እንካዕ ተሳኽዐ መንእሰይ ንጉስ ፍፁም ።

እቲ ሓሳብ ብሓፅሩ ከምቲ አብ ላዕሊ ዝተገለፀ ዋላ ይኹን ሐዚ ድማ አብ ቀረባ መዓልቲ ብዘገርም መልክዑ "መሊሲ ሓድሽ"" ምህዞ ሕዙልና ክመፅእ እዩ። "ሰበር ዜና"" ተፀበዩ።

~እዚ ከምዚ እናሃለወ መንእሰይ ንጉስ ፍፁም ኸበድቲ ፀገማት ተፃዉሩ ብዙሓት ማሕለኻታት እናበጣጠሰ ብመንግስቲ ይኹን ብዉልቀ ሰበሰት ብዘይ ምንም ሓገዝ አብዚ ወሳኒ ምዕራፍ በፅሑ እዩ ።

~ሐዚ ድማ እታ ዝመሃዛ ሰብ" አልባ ድሮን" በቲ ናይ ሐዚ ዘላቶ ደረጃ እኹል ስለ ዘይኾነት ከምብ ሓድሽ modified ስለ ትግበር እቶም ቅድሚ ሐዚ ዝተጠቆሞም መሳረሒታት አረጓጉትን ፣ጥቃማትን ስለዝኾኑ ሐዚ ግን ብዘመናዊ አሰራርሓ ከሀድሳ ስለዝሓሰበ ብናይ ዉልቀኡ ፋይናንስዊ ዓቕሚ ድማ ክበፅሖ ስለዘይኸአለ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ዘለኻ ትግራዋይ በዓል ሃፍቲ ኢሉ እውን ትካላት ክትሕግዝዎ ፃውዒት ነቕርብ። እንበር ተጋዳላይ

ባሩኽ ሃሸም!