INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ካብ ሰብ ሞያ ድሮን ዝተወሓበት ሓበሬታ

1. ናይ ሓንቲ ድሮን ተልእኾን ትልሚን ብ SkySoftware ዝተብሃለ ናይ ሩስያ ወታደራዊ ቴክኖሎጂታት መምረቲ ኩባንያ ብ ዝምረት SkyGrabber ዝተብሃለ Offline ሶፍትዌር መሳርሒ ምጥላፍ ይክኣል እዩ። እዚ መሳርሒ ኣብ መንጎ ድሮናትን ሳተላይትን ዘሎ ርክብ ብምጥላፍ እዩ ናይ ድሮናት ኩለንተናዊ ምንቅስቓስ ክነግረና ዝኽእል። ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ዝፍፅሙ ኣካላት ቴክኖሎጂኦም እንዳተራቐቐ ብዝኸደ ቁፅሪ SkyGrabber ሶፍትዌር Update ክግበር ኣለዎ። እዚ ሶፍትዌር ብጣዕሚ ዝተራቐቐ ካብ ምዃኑ ዝተልዓለ ዝጥቀመሉ ኣካል ብደንቢ ኮምፒተር ዝፈልጥ፡ ዝሰልጠነ ክኸውን ኣለዎ። SkyGrabber ካብ ሶፍትዌር ጀሚሩ ክሳብ ተወሰኽቲ መሳርሕታት ተወሲኹዎ ክግዛእ ይኽእል፤ ዋግኡ እውን ካብ ን ሶፍትዌር ጥራሕ $25 ክሳብ ሶፍትዌር ምስ መሳርሒታቱ $2500 ይበፅሕ።

2. ሓያል ፍሪኰንሲ ናብ ከባቢኦም ዝለቑ መሳርሒታት ብምትካል ኣብ መንጎ ሳተላይታትን ድሮናትን ዝካየድ ዘይቋረፅ ናይ ፍሪኰንሲ ልውውጥ ከምዝዛባዕ ምግባር ይክኣል እዩ። ብዙሓት ፍሪኰንሲ መዛባዕቲ መሳርሒታት ኣብ ዕዳጋ እንትህልው እቲ ዝለዓለ ውፅኢት ዘለዎ መሳርሒ ግን ብናይ ሩስያ ኩባንያ ዝምረት "Racal" ዝተብሃለ መሳርሒ እዩ።

3. ህንፃታትን ተሽከርከርቲን ዝሽፈኑሎም መሸፈንቲ መንፀባረቕቲ መስትያት ብዝመስሉ መሸፈንታት እንተዝኸውን ይምረፅ። ወይ እንተንኣሰ ነቲ መሬት ዝመስሉ መሸፈኒታት ክኾኑ ኣለዎም።

4. ድሮናት ክትኩሳ ጥራሕ ኣይኮናን ናብ ዓውዲ ውግእ ዝኸዳ፤ ቅድሚ መጥቃዕቲ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ንመፅናዕቲን ኩነታት ንምፅናዕን መጀመሪያ ዝለኣኻ ድሮናት ብዙሓት እየን፤ እዘን ናይ መፅናዕቲ ሰለልቲ ድሮናት ትሕት ኢለን ቀስ ኢለን ዝበራ ስለዝኾና ብቐሊሉ ብ ስናይፐር ክውቅዓ ይኽእላ እየን፤ ስለዚ ነዘን ሰለልቲ ድሮናት ኣብ ዝመፃሉ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ስናይፐር ብምትካል ወቒዕኻ ብምውዳቕ ፀላኢ ሙሉእ ናይ ስለላ ሓበሬታ ካብዘን ድሮናት ከምዘይርከብ ምግባር ይክኣል።

5. ኣድላይቲ ዘይኮኑ ትርጉም ዘይብሎም ፍሪኰንስታት ብበዝሒ ብምልቃቕ፤ ኣብ ሞንጎ ሳተላይታትን ድሮናትን ዝግበር ናይ ፍሪኰንሲ ልውውጥ ብብዙሕ ፍሪኰንሲ ብምዕልቕላቕ ናይ መልእኽቲ ልውውጥ ምድንጋራት ክፍጠር ምግባር ይክኣል እዩ። ነዚ ኽዓ ዋላ ኣረግቶት Radar Jammers/Frequency Jammers ክንጥቀም ንኽእል ኢና።

6. ሓፈሻዊ ናይ ምድንጋር መስርሕ ምኽታል እውን ጠቓሚ እዩ። ድሮናት ካብ ተንቐሳቓሲ ነገር፡ ን ቀዋሚ ነገር ጨሚተን ናይ ምውቃዕ ዕድለን ብብዙሕ ዕፅፊ ይዛይድ፡ ስለዚ ኣብ ሓደ ቦታ ን ብዝሕ ዝበለ ግዜ ዘይምዕስካር። ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብምንጣር ሓፈሻዊ ልሙድ ናይ ምድንጋር ስራሕ እውን ክንሰርሕ ንኽእል። ኣብ ሓደ ቦታ ጠጠው ኢልካ ዘይምፅናሕ ብሓፂሩ።

7. ምስ ሕብረተሰብ ቅልጡፍ ዝኾነ መልእኽቲ ናይ ምልውዋጥ መንገዲ ምዝርጋሕ። ድሮናት ን ሓደ ኸባቢ ሓሊፈን ክኸዳ ከለዋ ብቑልጡፍ መረዳእታ ብምእካብ ዓላማ ክኾኑ ኣብ ዝኽእሉ ቦታታት ኣድላዪ ዝኾነ ምድላው ኣብ ሓፂር ግዜ ምግባር።

8. ድሮናት ቀትሪ ምስ ለይቲ ብ Computer Vision ዝተሓገዘ ናይ ምርኣይ ክእለት ስለ ዘለወን፡ ካብ ላዕሊ ብቐጥታ ከርእየና ዝኽእል ነገራት ዘይምግባር፤ ን ኣብነት ምሸት ሓዊ ምቅፃል...

9. እንተተኻኢሉ፤ ኣብ ስፍሕ ዝበለ ቅርንጫፍ ዘለዎም ኦማትን ዳዕሮታትን ምሕባእ ወይ ዕረፍቲ ምውሳድ።

10. ቀጥታ ናይ ፀሓይ ብርሃን ኣብ ዘይረኽቦ ቦታ ምዃን፤ ን ኣብነት ኣብ ፅላሎታት፡ ምኽንያቱ ኣብ ፅላሎት ጠጠው ዝበለ ሰብ ካብ ኣብ ቀጥታ ፀሓይ ጠጠው ዝበለ ሰብ ዒላማ ናይ ምዃን ዕድሉ ዝነኣሰ እዩ።

11. ድሮናት ኣብዘለናሉ ከባቢ እንንተሃልየን፡ ምንም ዓይነት ርክብ ብስልኪ ርክብ ዘይምግባር ይምረፅ፤ ዋላ ብ Earth Station / Satellite Telephone

12. ብ መኪና ምንቅስቓስ ኣብ ዝግበረሉ ግዜ ኣብ ዓላማ ናይ ድሮን እንተኣትያ እዛ መኪና፣ ብመኪና ካብ ጥቕዓት ድሮን ክተምልጥ እየ ኢልካ ምሕሳብ ዕሽነት እዩ፤ ናይ ደቒቓታት ጉዳይ እንተዘይኮኑ እዛ መኪና ዝበረረት ትብረር፣ ዝተጠዋወየት ትጠዋወ ብናይ ድሮን ተተኳሲ ናብ ሓዊ ምቕያራ ኣይተርፋን፤ ስለዚ እዛ መኪና ኣብ ዓላማ ምእታዋ ግልፂ ምስኮነ፡ ብቐጥታ ነዛ መኪና ጠጠው ብምባል ኣብ መኪና ዘሎ ሰብ ኩሉ ካብ መኪና ወሪዱ ሕድ ሕድ ሰብ ናብ ብዝተፈላለየ ኣንፈት ፋሕ ብትን ኢሉ ክሃድም ኣለዎ። ብሓደ ምህዳም ንኹሉ ሰብ ኣብ መጥቃዕቲ ስለዘእትዎ።

13. እንተተኻኢሉ ኣብ ህንፃ ወይ ትሕቲ መሬት ምሕባእ፤ ናይ ድሮናት ተተኮስቲ መብዛሕትኡ ግዜ ን ሰባት ክቐትሉ እምበር ህንፃታት ከፍርሱ ተባሂሎም ስለዘይስርሑ፡ ኣብ ህንፃ ውሽጢ እንተኾይንና ናይ ምትራፍ ዕድልና ይዛይድ።

14. ኩል-ጊዜ ብዙሕ መእተውን መፅኢን በሪታትን መስኮታትን ኣብ ዘለዎ ቦታ/ህንፃ ምእካብ፤ ምኽንያቱ እቲ ህንፃ ኣብ ናይ ድሮን ዕላማ እንተኣትወ እውን፤ ብብዙሕ በሪን መስኮትን ብምብታን ክነምልጥ ንኽእል ኢና። ብሓንቲ በሪ ጥራሕ ዘለዋ ህንፃ ሰብ ከምልጥ እንተደልዩ ግን፤ እዛ ድሮን ኣብ ቅድሚ እዛ ሓንቲ በሪ ምፅናሕ ጥራሕ እዩ ዝፅበያ።

15. ሰለልቲን ቦታ መፅናዕቲን ዝኾኑ ሓበሬታ መቐበልቲ ሰባት ምክትታል። ምኽንያቱ መብዛሕትኡ ግዜ ድሮናት ናይ ዕላማታት ሓበሬታ ዝረኽባ ካብ ኣብ መሬት ዘለው ሰለልቲ እዩ።

16. ናይ ሓሶት መደናገርቲ ዒላማታት ምቕማጥ ፤ ንኣብነት ኣሻንጉሊታት ዝተኣከቡ ሰባት ኣምሲልካ፣ ን ሓሰር ብ መሸፈኒ ሸፊንካ መኪና ከምዝሸፈንካ ኣምሲልካ ምቕማጥ፤ ናይ ሓሶት ስለላ ሓበሬታ ምቕባልን ዝመሰሉን...

17. ጎማታት ብምቅፃል ዝፍጠር ሓያል ትኪ ን ድሮን ብቐጥታ ኣብ ምድሪ ዘሎ ነገር ብንፁር ከይትርኢ ስለ ዝገብራ ብፍላይ ምስ ፀላኢ ብ ቐጥታ ኣብ እትዋግአሉ ዓውደ ውግእ፡ ኣበይ ቦታ ኮይንካ ትዋጋሕ ከምዘለኻ ፀላኢ ዝለዝፈልጥ፡ ድሮናት ብቐሊሉ መፂአን ከሓሰብካዮ ን 10 ኮይነን ዶዃዕ ከብላኻ ይኽእላ እየን። ስለዚ ኣብ ዓውደ ውግእ ጎማ ወይ ካልኦት ሓያል ትኪ ዝፈጥሩ ነገራት ብምጥቃም ካብ ዒላማ ድሮን ክትስወር ትኽእል ኢኻ። ግን ክዓ እዚ ትኪ ነዚ ናይ ኣብ መሬት ዘሎ ፀላኢ ቀሊል ዕላማ ከይገብረካ ዓብዪ ጥንቃቐ ምውሳድ ኣገዳሲ እዩ።

18. መራሕቲ ሰራዊት ኣብ ውግእ እዋን ኣብ ዝገብርዎ ናይ ሬድዮ ልውውጥ ካብ ሰራዊቶም ፍልይ ኢሎም ርክቦም እንተዘካይዱ ይምረፅ ምኽንያቱ ድምፂ ዝልዓለሉ ቦታ ብጠለፋ ተፈልዩ ናይ ድሮን ዓላማ ክኸውን ስለዝኽእል ርክባት ኮሚኒኬሽን ካብ ሰራዊት ዝረሓቐ እንተኾነ ይምረፅ፡ ካብኡ ዋላ እንተተጠለፈ እውን ሰራዊት ኣብ ዒላማ ድሮን ኣይኣቱን።"