INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ድሕሪ 81 ዓመታት እውን ዘይተዓመመ ውሳነ ወለድና!

Read from source

ቅድሚ 81 ዓመታት ከም'ዛ ሎማዕልቲ 16 ታሕሳስ 1934 ነይሩ፤ ወለድና ኣብ ዋዕላ ደልጌና ዘትዮም መኺሮም ሰረት ወያነ ትግራይ ዘንበሩ - ገረብ ዓረና ወያነ ትግራይ ኢሎም ዝኣወጁ! ድሕሪ 81 ዓመታት ደቆም ደቂ-ደቆምኸ ኣብ ምንታይ ዓይነት ተመሳሳሊ ኩነታት ንርከብ?

እዙ ሐዚ ኣጓኒፉና ዘሎ ዘስካሕክሕ ወራር ምፅናት ዘርኢ፤ ኣብ ዝሓለፉ ሚኢቲን ገለን ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብተደጋጋሚ ካብ ዝተፈፀሙ ዝተፈለየ እንተይኮነስ፤ ድሕሪ ሞት ንጉሰ ነገስት ሃፀይ ዮሃንስ ኣትሒዙ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ እናተደጋገመ ዝተርኣየ፤ ተመሳሳሊ ተርእዮ ጥልመት መንግስትታት ኢትዮጵያ እዩ!

ኩሎም ኣብ ቤተመንግስቲ ምንሊክ ዝነገሱ መንግስትታት፤ ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ውዲት ፍሒሶም ጠሊሞምና እዮም፡፡ ምንሊክ፣ ሃይለስላሰ፣ ደርግን ጉጅለ ኣብይ-ደመቀን ብቕሉዕ ከም ህዝቢ ከፅንቱና ኩሉ ዓቕሞም ዝፈቐዶ ሸርሕታት፣ ወራራትን ግፍዕን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ፈፂሞም እዮም! ኩሎም ብተመሳሳሊ ምስ ኩሎም ባዕዳውያን ፀላእቲ ሓቢሮም ቅሉዕን እውጅን ወራር ምፅናት ዘርኢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣካይዶም እናካየዱ ይርከቡ፡፡

ሃይለስላሰ ነፈርቲ እንግሊዝ ኣዋፊሩ ንወለድና ኣብ መረበቶም ብኣልማሚት ከም ዝጨፍጨፈ፤ ጉጅለ ኣብይ-ደመቀ እውን ጎረባብቲ ዓዲሞም ናይ ባዕዳውያን ድሮናት እንተይተረፈ ኣዋፊሮም ብሚልየን ዝግመት ህዝብና ኣፅኒቶም ኣብሪሶምና፤ ሐዚ እውን ብስም ሰላም ተኸዊሎም የፅንቱና ኣለዉ፡፡

ብሓፈሻ ንሕና ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ፤ ንልዕሊ ሚኢቲ ዓመታት ብኩሎም ኣብ’ዛ ኢትዮጵያ እትብሃል ሃገር ዝነገሱ ገዛእቲ ኣይተረባሕናን ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ሰንሰን ኣቢሎምና፣ ቀቲሎም ኣፅኒቶምና፣ ኣብሪሶም ኣሰዲዶምና፣ ብድኽነትን ድሕረትን ክንቕበር ገይሮምና እዮም፤ ይገብሩ እውን ኣለዉ፡፡

ብዛ ኢትዮጵያ እትብሃል ሃገርን መንግስትታትን እንትርፊ ድከት ምእታዉ፤ እዙይ ተረቢሕና ዝብሃለሉ ክንዲ ፍረ ጣፍ እትኾን መረዳእታ የለን! እኳ ድኣስ ሕልፍን ትርፍን ኣሕሊፍናሎም! ዝነበረና ድኣ ኣጥፊኦምልና እምበር! ታሪኽና፣ ባህልና፣ ፊደላትና፣ ቋንቋና፣ መፃሕፍትና፣ ቅርስታትና፣ ኮታስ ንኹሉ ዘጥረናዮ ክምንጥሉና ዝኸኣሉዎ ኩሉ ገይሮም! ብመንነትና ከድንኑና ንልዕሊ ሓደ ክፍለ ዘበን ክንደይ መቓብራት ፍሒሮምልና!

ቅድሚ 81 ዓመታት ወለድና መግዛእትን ግፍዕን መንግስቲ ሽዋ ኢትዮጵያ የመና ምስ ከፍዖም፤ ፍታሕ ከተኣላልሹ ልክዕ ከም'ዛ ሎማዕልቲ 16 ታሕሳስ 1934 ኣብ ዘካየዱዎ ካልኣይ ዋዕላ ደልጌና ዘሕለፉዎ ውሳነ ስለምንታይ ዘይትዓመመ ተሪፉ? ስለምንታይከ ከም ህዝቢ ንመዋእልና ኣብ ውሽጢ ዝኸፍአ ግፍዒ፣ ፅንተት፣ ብርሰትን ስደትን ክንነብር ኮነ? እሞ ድማ መሪርን ከቢድን ዋጋ እናኸፈልና፣ ንፀላእትና ደጋጊምና ኣብ ዝፈሓሩዎ ጎዳጕዲ ከም እንቐብር ወርቃዊ ታሪኽ ኣመዝጊብና እናሃለና?!

ንዙታት ኣመልኪቱ ዝርኣየኒ መልሲ ቅድሚ ምድህሳሰይ፤ ቅድሚ 81 ዓመታት ወለድና ኣብ ምንታይ ዓይነት ተመሳሳሊ ኩነታት ከም ዝነበሩን፤ ምእንተ ደሕንነቶምን ክብሪ መንነት ህላወኦምን፤ ዋዕላ ፀዊዖም፣ እንታይ ከም ዝዘተዩን ሰረት ወያነ ትግራይ ከምዘንበሩን፤ ቀዳሞት ወለድና ብኣንደበቶም ዘዋግዑና፤ ካብ ፅባሕ ኣብ ዘቕርቦ ክልተ ክፋላት ሓቢርና ክንሪኦ እላበው፡፡

ቴሌግራም: https://t.me/+HdnQzJcDXXJlMzBh

ምስሊ: ፋሽስታውያን ፀላእትና ኣቐዲሞም ክወሩ ከፅንቱና ኣብ ሓይሊ ኣየር ቢሾፍቱ ብኸምዙይ መኺሮም እዮም ህዝብና ኣፅኒቶም ኩምርታት እንተይተረፈ ዘንደዱዎ