INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ድሕሪ 81 ዓመታት እውን ዘይተዓመመ ውሳነ ወለድና! ካልኣይ ክፋል

ንምዃኑ ልሂቃን ተጋሩ ከም ህዝቢ ንመፃኢ ዕድል ዓድናን ህዝብናን ኣንዊሕና ኣብ ምእማት፤ ንከባብያውን ዓለምለኻውን ኩነታት ዘዋደደ ቀፃልነት ዘለዎ ስልታውን ስትራተጂካውን ኣንፈትን ኣካይዳን ኣብ ምሕንፃፅ፤ ዓቕምናን ተሞክሮናን ክንደየናይ እዩ? ካብ'ዙይ ተበጊሱኸ ኣብ ምምካትን ኣፈታትሓን ግዳማውን ውሽጣውን ፀገማትና ዝነፀረ ኣንፈትን ኣካይዳን ነይሩናን ኣለናን ዶ? … ንዝብሉ ሕቶታት ምላሽን ፍታሕን ንምንዳይ፤ ሕሉፍ ሓቢርና ንዳህስሶ፤ ብዛዕባ መፃኢ ድማ ብዝሰልጠነ ኣገባብ ብእሂን ምሂን ሓቢርና ንዘቲ … ንሎሚ ዋዕላ ደልጌና ...

ገዛእቲ ኢትዮጵያ ንመዋእል መግዛእቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝፈፀምዎ በደላትን ግፍዕን ኣብ 16 ታሕሳስ ዋዕላ ደልጌና እናተዘተየሉ ውዒሉ፤ ኣጋግዘ ምስ ኮነ ሰብ ኩሉ ደኺሙ እኽለ ማይ ክብል ኣዕረፈ፡፡ እቱ ዝበዝሕ ኣብ ደልጌና ሰፊሩ ዝነበረ ዕጡቕ፤ ገሊኡ ብርኩታ ቦርኪቱ፣ ገሊኡ ሃዲኑ ጥብሲታት ብበዝሒ ኣዳልዩ ስለዝነበረ ድራር ተገይሩ፡፡

ንምሸቱ ወለድና ንቱ ዝትይ ዝወዓሉዎ ማእለያን መቋረፅን ዘይነበሮ ግፍዒ ገዛእቲ፣ ጠጠው ንምባል ሓድነቶም ኣደልዲሎም ክምክቱዎ ዝወሰኑሉ ምሸት ነይሩ፡፡ ወለዲ ዋዕላ ደልዕጌና፤ «ናብ ዓድና እንተመፂኦምና ከይንሓድጎም፣ ናብ ዝኾነ ዓዲ እንተተቐልቂሎም ኩልና ብኣውያት ተደማሚፅና ክንምክቶም፤ ንዙይ ንምትግባር እውን ንወራር ጋዝ ተዳልዩ ዝነበረ ኩሉ ጠበንጃ ኮነ ሹተል፣ ጭማራ ጎጆሞን ምሳርን ዝሓዘ ዓቕሚ ዘለዎ ሰብኣይ ዘበለ ትግራዋይ፣ ሰቡን ዓዱን ካብ’ዞም መጥፋእቲ ፀላእትና ከድሕን ኣለዎ» ኢሎም ዝወሰኑሉ ምሸት እዩ ነይሩ፡፡

ኣብ ናይ ሕዳር ዋዕላ ደልጌና ኣልዒሎምዎ ንዝነበረ ምቛም ገረባት ትግራይ ብገፊሑ ዘትዮም፤ ኩሎም በብዓዶም ገረባት ከቑሙን፣ ኣቦ ጋዛትን ጎበዛትን ዝነበሩ ኮነ ሃርበኛታት ብቱ ወዲ ዓዲ ተሰይሞም ኣቦ ገረባት ንክኾኑን፣ ዓድ ዓዶም ባዕሎም ከመሓድሩን እዮም ተሰማሚዖም፡፡ እምብኣይ ታሪኽ ወያነ ትግራይ ዝተመሰሰ ኣብ’ዙ ምሸት 16 ታሕሳስ ኣብ ደልጌና እዩ ነይሩ፡፡ ኣሻዒቱ እውን እዩ ተኣከብቲ ዋዕላ ደልጌና ቀዳሞት ወለድና፤ «ገረብ ዓረና ወያነ ትግራይ!» ኢሎም ዝኣወጁ፡፡

ገረብ ትግራይ

ወለድና «ገረብ ትግራይ» ንዝበሉዎ እንተብርሁ፤ «ወዲ ዓደይ፣ ወዲ ገረበይ፣ መገዛ ዓደይ ንመን እዬ ዝግዝአሉን፣ ብመን እዬ ዝግፋዕን ማለትና እዩ፡፡ እዙይ እውን ካብ ጥንቲ ካብ ወለድናን ቅድመ ወለድናን ኣትሒዙ ካብ መበቆል ተጋሩ ዝነበረ፤ ሓደ ዓዲ ምስ’ቱ ካሊእ ዓዲ ዝጋነየሉ፣ ዝመኽረሉ ማእኸላይ ቦታ እዩ ገረብ፡፡ ክንጋነ ተባሂሉ ጥራሕ እንተይኮነስ ብተፈጥሮ ግድነት ሰባት ካብ ዝተፈላለዩ ዓድታት ማይ ክሓውሩ፣ ክሕፀቡን ክሓፅቡን ኮነ እንስሳት ማይ ከስትዩ ዝጋነዩሉ ቦታ ማለት እዩ ገረብ፡፡ እንሰሳት ዘገዳም እንተይተረፋ ዝጋነያሉ ቦታ እዩ» ኢሎም፡፡

ከም ኣገላልፃ ወለድና፤ ካብ ጥንቲ ተጋሩ ኣብ ገረባት እንትጋነዩ ኩነታት ዓዲ ኮነ ሃገር፣ ኣዝመራ ኮነ ዕዳጋ፣ ሰላምን ኵናትን፣ ፀገም ሕማም ኮነ ወራር ኣምበጣ፤ ዝኾነ ይኹን ጉዳይ ከባቢኻን ዓድኻን ዝዝትዩሉ ቦታ እዩ ገረብ፡፡ ካብኡ ሓሊፉ ገረብ ዓድና ንመውስቦ ምኽሪን ሽምግልናን፣ ንዝተበደለን ዝበደለን ዕርቂ ዝግበረሉ ማእኸላይ መጋነዪ ቦታ እዩ፡፡ ናይ ክልተ ሰለስተ ዓዲታት ኣብያተክርስትያናት ባሕሪ ጥምቀት ዝጋነያሉ፣ እንዳሓራስ ምስ ማዕዶ ዓዲታት ተፀዋዊዐን ሕፅቦ ዝኸዳሉ፣ ኣዴታትና ተጋንዬን ናይ ዉሻጥአን ዘዋግዓሉ ዝመኸራሉ ቦታ እዩ ገረብ፡፡ ጎበዝ እውን ሕፅይቱ ዝቋመተሉ ቦታ እዩ ገረብ ትግራይ፡፡

እዙ ብውህብቶ ተፈጥሮ ኣምላኽ፣ ብኣነባብራናን ልምድን ዝተመስረተ፤ ዓሌት ምስ ዓሌት፣ ዓዲ ምስ ዓዲ፣ ጣብያ ምስ ጣብያ፤ እናተጋነዩ ካብ ወግዒ ክሳብ ዳኝነትን ዕርቂን ዝገብሩሉ፣ ከም ባይቶ ዝቑፀር እዩ ገረብ፡፡ ወለድና ኣብ ገረብና ንጋነ ንምከር ኢሎም ዝመኽሩሉን ዝዳነዩሉን ባይቶ እዩ ነይሩ፡፡ ከምኡ እናበለ ንወለዶ እናተመሓላለፈ ዝመፀ ናይ ከባቢኻ መጋነዪ፣ መምከሪ፣ መዳነዪ፣ መሸማገሊ ኣደባባይና ማለት እዩ ገረብ ዓድና፡፡ ኣብ ልዕሊኡ ገረብ መጋነዪ ጥራሕ እንተይኮነስ መዋስንቲ ድንበር ዓድታት እውን እዩ፡፡

ወለዲ ዋዕላ ደልጌና፤ «ገረባት እንትሓብራ ውሕጅ ይፈጥራ፡፡ ዓድታት ከምኡ ክንሓብር እንተኾይንና ድማ ውሕጅ ዝኾነ ሓይሊ ንፈጥር፡፡ ሓያል ውሕጅ እንተኾይንና ድማ ውልቀ ተሸወምቲ መንግስቲ ከም ድሌቶም ከጋፍዑና ኣይኽእሉን፡፡ ኣይትብፅሑና ኣይንበፅሐኩምን ክንብሎም ንኽእል፡፡ መንግስትነት ኣብ ሸዋ ካብ ዝጣየሽ ኣትሒዙ፣ ሓይሊ ተጋሩ ብሓደ ከይውሕጅ ገረብ ከይኾን ኩሉ ፃዕሪ ገይሮም፡፡ መቓቒሎም መሰረት ትግራይ ትግሪኚ ኣፍሪሶምዎ፡፡ ንመረብ ምላሽ ንጥልያን፣ ወልቃይት ፀገዴ ምስ ፀለምቲ ንእንዳ ሓሞም ንመኳንንቲ ጎንደር ምሽላሞም ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ኣብ ውሽጢ እታ ዝተረፈት ትግራይ እውን ነንሕድሕድና ክንጠማመት፣ ክንዳመ፣ ክንመቓቐልን ግዙኣቶም ክንኮንን ገይሮምና እዮም፡፡ ስለ’ዙይ ንቱ ቀንዲ ኣብ ውሽጥና ተኺሎምዎ ዘለዉ ሰርታት ኣፍሪስና፣ ገረብ ካብ ገረብ ተጋኒና፣ ሓደን ሓያልን ውሕጅ ክንኾንን ከም ገረባትና ክንውሕጅን ኣለና» እዮም ዝበሉ፡፡

«ንሕና እንተተጋኒና ገረብና ኣጣዪሽና እንተተሓባቢርና፤ ፀላእቲ ተጋሩ ዝኾኑ ኩሎም ሓደ ብምዃና ጥራሕ ክርዕዱ እዮም! እዛ ብሰሪ ገዛእትና ዝፈረሰት ሓድነትና እንተፀጊናያ ጥራሕ ኢና ከም ሰብ ክንነብር፣ ግፍዕን በደልን ይኣክል ኢልና ፀላእትና ክንምክቶም ኣለና፤ እንተዘየሎ ብዝገደደ ኣደዳ መፃወቲ ፀላእትና ኢና ክንኾን፡፡ ብጠቕላልኡ ከጥፍኡና ንምዃኖም እዙ ሎሚ ዝፍፅሙዎ ዘለዉ ተግባሮም ምስክር እዩ» ኢሎም እዮም ብሓባር ዝተልዓሉ፡፡

ስለ’ዙይ ኣብ ደልጌና ዝተረኸቡ ኣቦ ጋዛትን ኣቦ ጎበዛትን፣ መራሕቲ ዓሌትን ዓበይቲ ዓድን ኩሎም ነናብዓዶም ምስ ተመለሱ ኣብ ገረባቶም ተጋንዮም፣ ምስ ሰቦም መኺሮም ገረባት ምስ ኣጣየሹ፤ ዓዲ ምስ ዓዲ ዝጋነዩለን ማቻ ዘለወን ሞንጎኛታት ዝኾና ገረባት ሕድሕድ ዓዲ ምስ መዋስንቱ መኺሩ ባዕሉ ክመርፅን ተራኺቡ ክመክርን ገይሮም፡፡ ብዙይ ድማ ብሓደ ኮይኖም በብገረቦም እናተማሓዳደሩ ንግፍዐኛ ወረርቲ ክምክቱ ዝተልዓሉ፡፡

ዓረና ትግራይ

ወለድና ኣብ ዋዕላ ደልጌና ተሰማሚዖም «ዓረና ትግራይ» እንትብሉ፤ «ሓደ ኢና ማዕረ ኢና» ማለቶም እዩ ነይሩ፡፡ «መን ብላዕሊ መን ብታሕቲ፣ ቀንጪ ኢና፤ ዓሪና ሓደ ኮይንና፤ እቶም ዝቐትሉና ዘጥፍኡናን ኸፋፊሎም ዘዋድኡናን ዘለዉ ፀላእትና፤ ኣብ ጣብያና ኮነ ኣብ ከባቢና እንተመፂዮም ሓቢርና፣ ዓሪና፣ ሓደ ኮይንና ሰሚርና ንበሎም» ክብሉ ነይሩ ወለድና ኣብ ደልጌና «ዓረና ትግራይ» ዝበሉ፡፡

ወያነ ትግራይ

« ዋይ ኣነ! » ካብ ዝብል ኒሕን ሓቦን ንዝነቐለ ሕራነ እዩ፤ ወለድና ኣብ ደልጌና «ወያነ ትግራይ» ዝበሉ፡፡ ከም ኣገላልፃ ወለዲ ዋዕላ ደልጌና፤ «እዙ ቃል እዙይ ከም’ዙ ናትና ዋዕላ ኩሉ ዓዲ ተኣኻኺቡ’ኳ እንተዘይወሰነ፤ ካብ ጥንቲ ካብ ቀዳሞት ወለድና ኣትሒዙ ብውልቅን ምስ መሓዙቶምን እናኾኑ፤ ንዝበፅሖም በደል መግለፂ እምቢታ እዩ ነይሩ፡፡ ብፍላይ እውን ንንጉሰ ነገስቱ ዮሃንስ ዝሰኣነ ህዝቢ ሓደ ክፋሉ ብጣልያን ክግዛእ እቱ ካሊእ ክፋሉ ድማ ብገዛእቲ ሸዋ ትመቓቒሉ ክብደልን ክግፋዕን ካብ ዝግበር ንዳሓር፤ ህዝቢ ከም ህዝቢ እንትብደል ኣትሒዙ እዩ ነይሩ ትግራዋይ “ዋይ ኣነ!” ዝብል ኒሕ ክስምዖ ዝጀመረ» ይብሉ፡፡

«ብዓል ሓይሊ ግፍዒ ኣብ ልዕሌኻ እንትፍፅም እምብለይ ይኣኽለካ ኣይትጋፍዐኒ ማለትና እዩ፡፡ ኣይሓድግን እንተኢሉ ድማ፣ ንሓያል እዬ ብሃሊ ከም ሓይልኻ በሎ ማለትና እዩ፡፡ እምብለይ ጠንጠነለይ ኣይግፋዕን ማለት እዩ ወያነ፡፡ እሞ ዓሪና ቀንጪ ኮይንና ኣብ ገረብና እናተዳነና ብሰላም ንንበር ኢና ዝበልና፡፡ “ብሰላም ኣይትነብሩን” ብሃሊ እንተመፂኡ ድማ ጠንጠነልና፣ ከምኡ’ማ ኣይኸውንን ንብሎ ማለትና እዩ» ይብሉ ወለድና፡:

ኣብ 16 ታሕሳስ ምሸት ድሕሪ ድራር ኣብ ዝነበረ ዘተ ዋዕላ ደልጌና፤ ወዲ ብዘት ርእሰደብሪ ወልደገብርኤል ዝብሃሉ ወላዲ፤ ንቱ «ዋይ ኣነ!» ዝብል ኒሕን ሓቦን ትግራዋይ፤ «ወይኣነ» «ወያነ» ክብሉ ምስ ግእዝ እውን እናኣታኣሳሰሩ ግፍሕ ዝበለ መብርሂን መግለፂን ከም ዝሃቡ እዩ ወለድና ዝሓበሩ፡፡ ብዙይ እውን እቱ ንመንነትና ኣይትጋፍዑና ጠንጠነልና ዝበሉዎ እምቢታ፤ ኣብ’ቱ ምሸት ኣብ ደልጌና «ወያነ ትግራይ» ዝበሉዎ፡፡

«ንመጀመርታ ግዘ ገረብ-ዓረና-ወያነ ኢልና ዝኣወጅና፤ ኣብ’ዙ ምሸት 16 ታሕሳስ 1934 ዓ.ም ኣብ ደልጌና እዩ ነይሩ፡፡ ኣቤት ኢልና ጠሪዕና ዝዳንየና ዳኛ ኮነ ምላሽ ዝህበና መንግስቲ ካብ ስኣናስ፤ ተገዲድና ገረብና ይዳንየና፣ ዓሪና ወይና ኣለና፣ እምብለና ጠንጠነልና፤ ዝበልናሉ ድሙቕ ምሸት ነይሩ» ኢሎም ወለድና!

ወለድና መግዛእትን ግፍዕን መንግስቲ ኢትዮጵያ የመና ምስ ከፍኦም፤ ፍታሕ ከተኣላልሹ ቅድሚ 81 ዓመታት ኣብ ዘካየዱዎ ካልኣይ ዋዕላ ደልጌና ብኸም'ዙይ ዘሕለፉዎ ውሳነ፤ ስለምንታይ ክሳብ ሎሚ እናተኾለፈ ዘይትዓመመ ተሪፉ? ስለምንታይከ ከም ህዝቢ ንመዋዕልና ኣብ ዘይዛሪ ዝኸፍአ ግፍዒ፣ ፅንተት፣ ብርሰትን ስደትን ክንነብር ኮነ? እሞ ድማ መሪርን ከቢድን ዋጋ እናኸፈልና፣ ንፀላእትና ደጋጊምና ኣብ ዝፈሓሩዎ ጎዳጕዲ ከም እንቐብር ወርቃዊ ታሪኽ ኣመዝጊብና እናሃለና?! … ክቕፅል እዩ ...

ቴሌግራም: https://t.me/+HdnQzJcDXXJlMzBh

ምስሊ: ኩሎም ሸዋውያን ገዛእቲ ንመዋእሎም ንትግራይ ክወሩ ከፅንቱን ከብርሱን ምስ ባዕዳውያን ምስ ሸረኹ እዩ!