INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ድሕሪ 81 ዓመታት እውን ዘይተዓመመ ውሳነ ወለድና! ቀዳማይ ክፋል

Read from source

ከምዙ ሎሚ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ሙሉእ በሙሉእ ኢዳ ኣእትያ ዘላ፤ ኣብ ቀዳማይ ወያነ እውን፤ ቀዳማይ ናይ ከተማ ውግእ ኣብ ውቕሮ ክልተ ኣውላዕሎ ካብ ዘካይዱ ካብ 5 ነሓሰ 1935 ኣትሒዙ ክሳብ ዋዕላ ማይደርሁ ጳጉሜን 1935 ኣብ ዝነበረ ግዘ፤ ወለድና መራሕቲ ቀዳማይ ወያነ ብተኸታታሊ ምስ ተወከልቲ መንግስቲ እንግሊዝ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ይራኸቡ ይዝትዩ ነይሮም፡፡ ሽዑ ንዝነበረ ተኸታታሊ ርክብን ኢድ ኣታውነትን እንግሊዝ ብዝምልከት ኣብ ሳልሳይ ክፋል እዙ ፅሑፍ ክቕፅለሉ፤ ንሎማዕልቲ ንከይዲ ዋዕላ ደልጌና ንመልከት፡፡

16 ታሕሳስ 1934 ዓ.ም ኣብ ዝተፀውዐ 2ይ ዋዕላ ደልጌና ልዕሊ ሚኢቲ ዝኾኑ ደቂ ደጉዓ ትግራይን፣ ካብ ቆላ ትግራይ እውን ክሳብ ኣርብዓ ዝኾኑ መራሕቲ ዓሌትን ዓበይቲ ዓድን ዓፋርን ኮይኖም ዘካየዱዎ ዋዕላ እዩ፡፡ ኣቐዲሞም ዝዘተዩሉ ጉዳይ ድማ ንቱ ኣብ ቀዳማይ ዋዕላ ደልጌና ዝመኸሩሉን መእሰሪ ዝገበሩሉን ወራር ጋዝ ብዝምልከት ነይሩ፡፡ ንዙይ እውን እቱ ተኣካባይ ብሕጉስ መንፈስ እዩ መኺሩሉ፡፡ ብዙሓት እናተልዓሉ ብቆላ ይኹን ብደጉዓ በብዓዱ ዘሎ ህዝቢ ኩሉ ንዙ ቅዱስ ሓሳብ ብፅቡቕ ከም ዝተቐበሎ፤ ዝሓለፈ ደምነት ኩሉ ብዙ ናይታ ማዕልቲ ዕርቂ ዝሓወየ ምዃኑን ገሊፆም፤ ኩሎም ድማ ብናይ ወለዶም ማሕላ ዝኣሰሩሉ እዩ ነይሩ፡፡

እዙ ብደጉዓን ብቆላን ዉልድ ወለዶ ክፈልጦን ክዝክሮን ዝግባእ ታሪኽ፤ ኣብ ታሪኽ ትግራይ ናይ መወዳእታ ወራር ጋዝ ዝተገበረ 30 ሓምለ 1933 ከምዝነበረን፤ ብድሕሪ እዙ ናይ 16 ታሕሳስ 1934 ዓ.ም ስምምዕን ማሕላን ዋዕላ ደልጌና፤ ኣብ ቆላ ኮነ ደጉዓ ትግራይ ጋዝ ኣይተገበረን፡፡ ወራር ጋዝ ብስምምዕ ወለድና ተዓፅዩ ታሪኽ ኮይኑ ተሪፉ፡፡

ኣብ'ዙ ዋዕላ ደልጌና ቀፂሉ ዝቐረበ ዓበዪ ጉዳይ፤ ተሸወምቲ መንግስቲ ምስ ኣርሚ ኢትዮጵያን ካብ ወሎን ሽዋን ምስ ዝኸተቱ ደቂ ዓዲ ዕጡቓትን ኮይኖም የብፅሑዎ ብዝነበሩ ግፍዕን በደልን እንታይ ኢና ክንገብር ዝብል እዩ ነይሩ፡፡ ኣብ’ቱ ዋዕላ ኩሉ ተኣካባይ በብዓዱ ንዘጋጠሞ ግፍዕን በደልን እናልዐለ ዘትዩ፡፡

ልዕሊ ኩሉ ንቐፃሊ ጉዕዞ ወለድና ዘማላኸተ ዋዕላ እዩ ነይሩ፡፡ ወለድና ንዙ ዘካየዱዎ ዘተ እንትገልፁዎ፤ «ፎቲና፣ ፀጊብና፣ ንእስነት ኣታዓሻሺዩና፣ ወይ ሽፍትነት ቃሕ ኢሉና እንተይኮነስ፤ ካብ’ቱ በብዓድና ዝወርደና ዝነበረ ግፍዕን ጋዶን ተላዒልና ፀቢቡና ዝመኸርናሉን ፍታሕ ዝደለናሉን ጉዳይ እዩ» ኢሎም ነይሮም፡፡

ኣብ’ቱ ዘተ ብገዛእቲ ሽዑ ዝፍፀሙ ዝነበሩ በደላት ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ብዙሓት ተዛረብቲ ብታሪኽ ንድሕሪት ከይዶም እውን ካብ እዋን ሕልፈት ንጉሰ ነገስት ሃፀይ ዮሃንስ ኣትሒዙ፣ መንግስትነት ሸዋ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፈፀሞ፣ ሱር ዝሰደደ በደላት ኩሉ ተላዒሉ እዩ፡፡

ድሕሪ ኵናት መተማ ንጉሰ ነገስታት ሃፀይ ዮሃንስ ካብ ዝወድቁ ግዘ ኣትሒዙ፤ ምስ’ቱ ሽዑ ንዓመታት ዝቐፀለ ድርቂ፣ ሕማምን ጥምዬትን ኮይኖም፤ ሃፀይ ምንሊክን ሰዓብቶምን መኳንንቲ ሸዋ ከም እኒ ራስ መኮንን ዝበሉ ሰርታት፤ ከመይ ገይሮም ንመኳንንቲ ትግራይ መቓቒሎም ንትግራዋይ ነንሕድሕዱ እናዋድኡ ከም ዘዳኸሙዎ ብዝርዝር ኣዋጊዖምሉ፡፡ ቅድሚኡ ዝነበረ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ ሽዋ ከምዘሎ ኮይኑ፤ ካብ ድሕሪ ኵናት መተማ ኣትሒዙ ብኸይዲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተፈፀሙ ግፍዒታት ብዝርዝር ተላዒሎም ነይሮም፡፡ ወለድና ቀዳሞት ወየንቲ ካብ ወለዶም ዝሰምዑዎ ታሪኽ ጋዶን ግፍዕን ምስ’ቱ ኣብ ባዕልቶም፣ ኣዴታቶም፣ ኣንሽቶምን ኣዋልድ ደቆምን ዝበፅሕ ዘሎ ኣተሓሒዞም ኣብ’ዙ ካልኣይ ዋዕላ ደልጌና ብዙሕ ዘትዮምሉ እዮም፡፡

ኣብ እዋን ኵናት ዓድዋ ተጋሩ ሃርበኛታት ኣብ’ቱ ኵናት ዘርአዩዎ ፀብለልታ ዝነበሮ ጅግንነት ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ብተጋሩ ዝተኸፈለ መስዋእትነት እውን ሓያል ምንባሩ ተላዒሉ እዩ፡፡ ከምኡ ኮይኑ እውን ጥልያን ካብ ደጉዓ መረብ ምላሽ ሃዲሙ ናብ ባሕሪ እናጎዬዬ እናሃለወ፤ ሃፀይ ምኒልክን መኳንንቶምን ንትግራይ ትግርኚ ንምምቕቓልን ንምድኻምን ካብ ቀደሙ ምስ ጥልያን ሸጢሮም ዝገበሩዎ ሸርሒ ኩሉ ተዘትዩሉ ነይሩ፡፡

ንኵናት ዓድዋ ተባሂሉ እቱ ኩሉ ካብ ሙሉእ ሃገር ዝኸተተ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሙሉእ ‘ቀለብካ ካብ ትግራይ’ ኢሎም እናስፈሩ፤ ኣብ ገዛ ሕድሕድ ትግራዋይ ዝለሓስ ዝጠዓም ዘየለ ከምዘትረፉዎ፤ እቱ ኩሉ ዝኸተተ ሰራዊት ኮኵቡወን ዝመፃ ኣእዱግ፣ ኣብቅልትን ኣፍራስን፤ ከም’ቱ ሰራዊቶም ንኣታተን እውን ተጋሩ ወለድና ቀለብ ከቕርቡለን ተገይሩ ምንባሩ፤ መጋሃፅያ መሬት ካብ ሱሩ ተማሒዩ ሓመድ ጥራሕ ከምዝተረፈ፤ ናውቲ ትግራይ ወዲኦም ኣእዋም ካብ ሱሩ እናበቈሱ መብሰሊ ምግቢን መስሓኒ ሓዊን ከምዝገበሩዎ፤ ኩሉ ተዘትዩ እዩ፡፡

ብድሕሪኡ እውን ብዘበነ ሽዬ ኣብ ኮረምን ካልኦት ከባቢታት ራያን ዘካየዱዎ ወራር፣ ዝቐተሉዎ ትግራዋይ፣ ዘንደዱዎን ዘጥፍኡዎን ዓዲ ኩሉ ብዝርዝር ኣብ'ዙ ዋዕላ ተፀውይሉ፡፡ ብምቕፃል እውን ወለድና ኣብ ዕድሚኦም ይፍፀሙ ንዝነበሩ፤ ቅድም ቀዳድም እቱ ናይ ትማሊ ወራር ጥልያን፤ ከመይ ገይሮም መሬት ትግራይ ወልቃይት ፀገዴን ፀለምትን ገሚዖም ንኣዝማድ ሰበይቲ ምኒልክ ንመኳንንቲ ጎንደር ከም ዝሃቡዎም፤ ብከም’ዙይ ካብ ማዕልቲ ናብ ማዕልቲ ንትግራይ እናጥፍኡና ምዃኖም፤ ንክፋእ ታሪኽ ብዝርዝር ኣልዒሎም ዘትዮም እዮም፡፡

ናይ’ዙ ኩሉ ሕማቕ ታሪኻቶም መቐፀልታ፤ ብዓብዩ ንጉስ ሃይለስላሰ ንጥልያን ኣሕሊፉ ሂቡ ስለ ዝሃደመን፣ ብባዕዳዊ ፀላኢ ንሓሙሽተ ዓመታት ህዝብና ናይ ዝተጨፍጨፈን ብሃርበኝነት ስለዝተጋደለን፤ “ትግሬ ስለ ከዳኝ” እናበለ፤ ገዛ ገዛ እናኸተቱ የጥፍኡዎ ከምዘለዉ ተዘትዩሉ፡፡ ወለድና ኣብ ዋዕላ ደልጌና ከምዝበሉዎ፤ «ብስረና ካብ ጥልያን መንዚዕና ዝተዓጠቕናዮ ዕጥቅና እውን ተቋሚቶምዎ፡፡ ድሕሪ መሪር ተጋድሎ ወራር ጥልያን ተተኪኦም የጋፍዑናን ይገፍዑናን ኣለዉ፡፡ ካብ ስደት ምስ ተመለሰ እግሩ እንተይኣተወ ኣትሒዙ ግርምቢጥ ማይ ንዓቕብ ኮይኑ፤ እቱ ዝሃደመ ንጉስ ደፊሩ ንሃርበኛ ትግራዋይ ብክሕደት ክኸስስ፤ እቱ ብጥልያን ሰንሰን ዝበለ፣ ክንደይ ሰቡ ዝሰኣነ፣ ገዛውቱ ዝነደደን ብመርዚ ጥልያን ሕሙም ኮይኑ ዝተረፈን ህዝቢ፤ ገና እንተይሓወየን እፎይ እንተይበለን ዝመረረ ግፍዒ መንግስቲ ሽዋ ተኣዚዙዎ» ይብሉ፡፡

ብኣልማሚት መቕተልቲ፣ ምግሳስ ሰብ ሓዳር ኣንሽቲን ንዓቕመ ኣዳም ዘይበፅሓ ኣዋልድን፣ ምምንጣል ግራውቲ፣ ምንዳድ ገዛውትን ንብረትን ምስ በዝሐ እዩ ነይሩ፤ ወለድና፤ «ንምንታይ ኢና ሱቕ ኢልና እንርኢ ዘለና?» ክብሉ ኣብ ደልጌና ተኣኻኺቦም ጓሂ ስምዒቶምን ቁጠዐኦምን ዝገለፁን፣ መኺሮም እንታይ ከምዝገብሩ ዝወሰኑን!

ብየመና ዝወረደ ግፍዒ ብዙሕ መሬት ፆሙ እዩ ከሪሙ፡፡ ትግራዋይ ኣሽምባይዶ ቀሲኑ ክሓርስን ኣዝመራ ክቋመትን፤ ኣብ ገዝኡ ክሓድር ኮነ ብጠቕላልኡ ክነብር እውን ኣይከኣለን ነይሩ፡፡ ገዛውቲ ብሓዊ ነዲዱ፣ ሓዳር ፈሪሱ፣ ቆልዑት ተበቲኖም፣ ኣብዑር ተሓሪዶም፣ ዘርኢ ተሳኢኑ፤ ምድረ ሰማይ ኩሉ ፀልሚቱዎ እዩ ከሪሙ፡፡ እምበኣርከስ እዙ ማእለያን መቋረፂን ዘይብሉ ግፍዒ መንግስቲ ሽዋን ገዛእቲ ትግራይን እዩ ነይሩ፤ ንወለድና ኣገዲዱ ኣጨኒቑ ኣብ ዴልጌና ዘተኣኻኸቦም፡፡

እዙ ኩሉ ግፍዒ እናወረደ ትግራዋይ ናብ መን ከይዱ ኣቤት ከም ዝብል እውን ፀልሚቱዎ ነይሩ፡፡ ናብ ዝኸደ እንተኸደ ጥርዓኑ ሰሚዑ ፍታሕ ዝህቦ ኣይነበረን፡፡ ዓዱ ተወሪሩ፣ ገዝኡ ነዲዱ ፈሪሱ፣ ዝበልዖ ስኢኑ ጥርሑ ዝተረፈ ትግራዋይ፤ ንጥርዓን እንትኸዶም ኢድ መንስኢ ከቕርበሎም ይፅበዩዎ ነይሮም፡፡ ብዙይ እዩ፤ ህዝቢ ትግራይ ተስፋ ቆሪፁ ክመክር ክውይን ዝተገደደ! … ክቕፅል እዩ…

ቴሌግራም: https://t.me/+HdnQzJcDXXJlMzBh

ምስሊ: ዴስኣ