INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

እዛ ትንቢት እዚኣ ድሕሪ ምንስሕሓብ TDF ካብ ደብረ ብርሃን ዝተነበኽዋ እያ

እዛ ትንቢት እዚኣ ድሕሪ ምንስሕሓብ TDF ካብ ደብረ ብርሃን ዝተነበኽዋ እያ። ብሱሩ እታ እቲ ቖልዓን መንግስቲ ትግራይን ተሰማሚዕና ኣለና ዝበልዋ ናይዛ ትንቢት እዚኣ መቐፀልታ እያ። ሕዚ ትግራዋይ ምስቲ ቖልዓ ዘለዎ ውጥጥ ገዲፉ ማሕጎምኡ ሒዙ ነቶም #ፍልስጤምን #ፈረሳውያንን ከሓጉሞም ይግባእ።

ንዳግም ንባብ ዝተጠቀዐ!

ድሕሪ ምንስሕሓብ #TDF ካብ ሰሜን ሽዋ ዝመፀለይ ሓሳብ።

- መንግስታት ዓለም ንዶ/ር አብይ አሕመድ ከም መራሒ ኢትዮጵያ ከም ተቐበልኦ።
- ህዝብታትን ኤሊትን ኢትዮጵያ እውን ንዶ/ር ኣብይ ኢ-ትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ከድሕን ብመንፈስ ቅዱስ መሪሕነት ካብ ሰማየ ሰማይ ከም ዝወረደን ለይቲ ለይቲ ኣብ ግንበር ቀትሪ ቀትሪ አብ ቤተመንግስቲ ስርሑ ዘከናውን መድሕን ሀገር ከም ዝኾነ 90% ከም ዝተቐበልዎ ርዱእ እዩ።

ስለ ዝኾነ ድማ ንፖሎቲከኛታት ትግራይ ኮነ ኣባላት TDF ዘለኒ ምኽሪ ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለን ምናልባት ተጋሩ ንኽቕበልዎ ክብድ ዝብልን እዩ።

1) ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ስልጣን ህርፋንን ኢጎን ከም ዘለዎ ብምርዳእ ካብ ትግራይ ዝልዓል ሓይሊ ንስልጣኑ ሓደጋ ከም ዘይንኾኖን ብዝቐርብዎ ግለሰባት ክንገሮ ምግባር።

2) ንዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ስልጣን ምንዋሕ ማሓዙት ዝኾንዎ ግለ ሰባት ይኹኑ ሀገራት ተቓውሞ ከም ዘየብልና ምግላጽ።

3) ንስልጣኑ ዘድሊ ዘበለ ኩሉ ወታሃደራዊ ይኹን ዲፕሎማሲያዊ ሓገዛት ከም እንገብረሉ ምሕባር።

4) በቲ ንሱ ዝምራሓሉ ሕገ መንግስቲ መሰረት ጥራይ ዘሎ ናይ ትግራይ ግዝኣታዊ ሓድነት እንተዘይ ኮይኑ ከም ተጋሩ ካብኡ ዝሓለፈ ምንቅስቓስ ከም ዘይንገብር ንኽርዳእ ምስራሕ።

5) ንሕና ከም ተጋሩ ካብታ መሬትና ወፃእ ንዝግበር ዝኾነ ይኹን ስራሕቲ ብዘይካ ናሃቱ ፍቓድ ሓደ ሜትሮ ከምዘይንቀሳቐስ ቃል ምእታውን ናይ ሰልጣኑ ሓለውቲ ከም ዝኾና ክርዳእ ምግባር።

6) ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ ክንገብሮ ንደሊ ዓላማና ብናቱ ፍቓድ #ሀገር ምውናን ምኻኑ ምግላጽ።

እዘን ኣብ ላዕሊ ዝተገለፃ ነጥብታት ሻዕብያን ዓዲ ሰለስተን ብሽም ኢ-ትዮጵያ ኮነ ዶ/ር ኣብይ ዘበናዊ መሳርሒ ተለቂሖም ንኸየብርሱና ዝጠቕማና ሜላታት እየን። ድሕሪ እዙይ ዓለም ምስ ጥቕማ ስለ እትኸይድ ብዶ/ር ኣብይ ኣቢልካ ጥቕማ ክሕለወላ ብምግባርን ካብ ናይ #ድርቅና ፖሎቲካ ወፂእኻ ስልታዊ ዝኾነ ምስቲ ዘለናሉ ዘበን ዝኾይድ ኣተሓሳስባ ተላቢስካ ናይቶም ንዘልኣለም ከጽንቱና ዝቃለሱ ዘለው ሕቖ ምስባር ይካል እዩ።